|
እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ናዕብታት ናይ ህዝብና ደገፍ ይረክብ ኣሎ
ክፍሊ ዜናን
ባህልን
ሰልፊ ህዝቢ
ኤርትራ
28.12.2008
ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስን መጋበርያታቱን፡ ነቲ ኣንጻር መግዛእቶም እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞታት
ንምብርዓን፡ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ 10 ዓመታት ብውሑዱ፡ ቀጻሊ ፖለቲካዊ ዓመጽን ገበናትን ክፍጽሙ ጸኒሖምን ኣለዉን።
በሽሓት ዝቝጸሩ ኤርትራውያን፡ ኣብ ሃገሮም ቅዋማዊ ምሕደራ ክነግስን፡ መሰረታውያን መሰላት ደቂ ሰባት ክኽበሩን
ስለዝሓተቱን ጥራሕ፤ ብዘይ ክስን ፍትሓዊ መስርሕ ፍርድን ብጸጥታዊ ትካላት ናይ’ቲ ስርዓት ኣብ ስውር ቦታታት
ክእሰሩ፡ ክቕተሉን ክሰናበዱን ይርኣዩ ኣለዉ። ብሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ብተቓወምቲ ፖለቲካዊ ሓይልታት፡
ብሃይማኖታዊ ትካላት፡ ብሲቪላዊ ማሕበራት፡ ብመንእሰያት፡ ብተመሃሮ፡ ብበርገሳውያን ሰራሕተኛታትን ካልኦትን ዝቐረበ
ንቅዋማዊ ምሕደራ ዝምልከት ይዕበ ይንኣስ ሕቶ ብኣረሜናዊ ዝዀነ ተግባር ኢዩ ክምለሰሉ ጸኒሑን ዘሎን። ኵሉ ኤርትራዊ
ዜጋ ግዳይ ናይ’ዚ ምሕረት ዘይብሉ ጨካን ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ ኣፍወርቂ’ዩ ኰይኑ ዘሎ።
ርእሰ-ነገር ናይ’ቲ ቅልውላዋት፡-
·
ኣብ
ልዕሊ ዜጋታት ዝፍጸም ቀጻሊ ባርባራዊ ዝዀነ ናይ ራዕዲ ተግባራትን ፍጹም ምሕራም ናይ ናጽነትን መሰረታዊ ሰብኣዊ
መሰላትን ንኤርትራ ንቅድሚት ካብ ምስጓም ብምዕጋት ኣብ ዘላቶ ተሸኪላ ከም እትተርፍ ገይርዋ። ኤርትራ። ኣብ ትሕቲ
ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ፡ ሓንቲ ካብ’ተን ኣዝየን ውሑዳት፡ ዋላ ውን ጨና ናይ ስማዊ ዲሞክራሲ ዘይብለን
ሃገራት ኣብ ዓለምና ኰይና ኣላ። ብኻልእ ኣገላልጻ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንመወዳደርቲ ዘይብሉ ጭቆና ተጋሊጹ ኣሎ ክበሃል
ይከኣል።
·
ኣብ
ትሕቲ’ዚ ስርዓት’ዚ፡ ሃገርና ኤርትራ፡ ግዳይ ናይ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ታሪኻ ኣጋጢምዋ ዘይፈልጥ ፖለቲካዊ፡ ቍጠባውን
ማሕበራውን ቅልውላው ኰይና ኣላ። ኣብ’ዘን ዝሓለፋ 17 ዓመታት ኤርትራ ንድሕሪት ኢያ ክትጕተት ተራእያ። ካብ ደገ
ዝመጽእ ናይ ወጻኢ ርእሰማል የለ፡ ጥዑይ ዝዀነ ውሽጣዊ ፖሊሲ ይኹን ናይ ሃገራውያን ብሕታዊ ወፍሪ ርእሰማለ የለ፡
ሓዲግ ሰማይን ምድርን ኰይና፤ ዝቕበባ ንላዕሊ ዓሪጉ፤ ህዝቢ ድማ ኣደዳ ዕዳን ዕንዲዳን ኰይኑ። ኣብ ከም’ዚ
ዝኣመሰለ ናይ ቅልውላው ኵነታት፣ ኢሳያስን ጕጅልኡን ነቲ ዝርካቡ ጸጋ ሃገር ኣብ ፈቐዶ ቦታታት ኣብ ዝውልዕዎ
ውግኣትን ንናይ ጭቆናን ዓፈናን መሓውራቶም ንምምግባን የውዕልዎ ኣለዉ። በዚ ኵነታት’ዚ ዝረብሑ ዘለዉ ኢሳያስን
እቶም ኣብ ከባቢኡ ዘለዉ መጋበርያታቱን ካልኦት መሓዙት ናይ’ቲ ስርዓትን ኢዮም። ብኣንጻሩ፡ ብሰሪ’ዚ ግጉይ ቍጠባዊ
ፖሊሲ መነባብሮኡ እናንቈልቈለ፡ ኣደዳ ጥሜት፡ ድኽነትን ስደትን ዝኸውን ዘሎ ድማ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ።
·
ፖለቲካዊ
ጭቆና፡ ቍጠባዊ ብርሰት፡ ማሕበራዊ ቅልውላውን ዘይምርግጋእን ኣብ ጥርዙ በጺሑ ኣሎ። ስርዓት ኢሳያስ ህዝባዊ ናዕቢ
ከይለዓል ንምዕጋትን ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕን ክብል፡ ነዚ ኣብ ዕለት ናብ ዕለት እናንቈልቈለ ዝኸይድ ዘሎ ሕማቕ
መነባብሮ ህዝብና ካብ ዓይኒ ዓለም ንምኽዋል ኵሉ ዝከኣሎ ይገብር ኣሎ። እንተዀነ ግን፡ ፖለቲካዊ ጭቆናን ቍጣባውን
ማሕበራውን ቅልውላዋትን ኣብ ዓንቀሩ ስለዝበጽሐ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብኢሳያስን መጋበርያታቱን ክታለል ቅሩብ ኣይኰነን።
ህዝቢ ኤርትራ፡ ናይ ስርዓት ኢሳያስን መጋበርያታቱን ምሕደራ ፍጊዕ ኢልዎ ንመሰረታዊ ለውጢ’ዩ ዝጽበ ዘሎ። ዋላ
ገለገለ ደገፍትን ጽኑዓት ህግደፋውያንን ውን ከይተረፉ፡ ብዛዕባ ህልዊ ኵነታት ኤርትራ ዳግማይ ርእይቶ ኣብ ምግባር
ኢዮም ዝርከቡ ዘለዉ።
·
ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ ኣፍወርቅን ህግደፍን ንኤርትራ ኣብ ምኽኑይ ዘይኰነን ቀጻልን ውግኣት ኣእትዮማ።
ኢሳያስን ህግደፍን ዕምሪ ስልጣኖም ንምንዋሕ፡ ውግእ ከም ዕለታዊ መግቢ ናይ ህዝቢ ክገብርዎ ቈሪጾም’ዮም ተበጊሶም።
ንኤርትራ ናብ ወተሃደራዊ መደበር ቀይሮማ፣ ውግእ ድማ፡ ሕመረት መነባብሮ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ገይሮሞ። ከም’ዚኦም
ዝኣመሰሉ ውግኣት ምስ ጐረባብቲ ሃገራት፡ ኣብ ህዝቢ ናይ ስግኣት መንፈስ ብምፍጣር፡ ንኣቓልቦ ህዝብና ካብ ውሽጣዊ
ፖለቲካዊ ጸገማት ናብ ግዳማዊ ሓደጋታት ክህውትት ኢዮም ዝገብሩ። እቲ ስርዓት፡ ንፍርሕን ስግኣትን ከም መቈጻጸሪ
ተጠቒሙ፡ ንጠላባት ህዝቢ ኤርትራ ንነጻነትን ዲሞክራስን ብቐጻልነት ክዕፍኖ ይርአ ኣሎ። ብሰሪ’ዚ ፖሊሲ’ዚ፡
ቍጠባውን ማሕበራውን ቅልውላዋት እናዓመቘ ይኸይድን፤ ኤርትራ ድማ፡ ናብ ብርሰት ተምርሕን ኣላ።
ሓይልታት
ምክልኻል ኤርትራ፡-
ሓይልታት
ምክልኻል ኤርትራ፡ ብእግረኛ ሰራዊትን ሓይልታት ባሕርን ኣየርን ዝቘመ ትካል ኢዩ። ልክዕ ከም ኵሎም ካልኦት
ትካላት፡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ውን፡ ንመሰረታዊ ዕላማታቱን ባህርያቱን ስሒቱ፡ ንፖለቲካዊ ስልጣን ናይ’ቲ
ዲክታቶር ዝሕሉ ናይ ራዕድን ዘይምትእምማንን ትካል ኢዩ ተቐይሩ። በዚ፡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ንገዛእ ርእሱ፡
ግዳይ ናይ’ቲ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢዩ ኰይኑ። ናይ ፍርሕን ዘይምትእምማን ጥርጣረን ከፋፊልካ ግዛእ ዝብሉ መርሆታት
ብምኽትል ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ከፋፊሉን ኣርዒዱን ኣንጻር’ቲ ጨቋኒ ስርዓት ከይለዓል ኣልምሱ፡ ንዕምሪ
ስልጣን ናይ’ቲ ስርዓት ዘናውሕ ዘሎ፣ እቲ ብወተሃደራዊ ፖሊስ (MP)፡ ብወተሃደራዊ ሰለላን ብጸጥታን ዝቘመ ምሕረት
ዘይፈልጥ ጸጥታዊ ትካል (ብሓድሽ ኣገባብ እተወደበ ሓለዋ ሰውራ) ኢዩ። ስለ’ዚ፡ መሰረታዊ ጠንቂ ናይ’ቲ
ቅልውላውን፣ ናይ ኤርትራ ፖለቲካዊ ህይወት ዝቘጻጸሩን፣ ነቲ ኣብ ናይ ስልጣን ኰረሻ ተወጢሑ ዘሎ ዲክታቶርያዊ
ስርዓት ዝከላኸሉን እዞም ዝተፈላለዩ ናይ ጸጥታ ትካላት ኢዮም።
ሓይልታት
ምክልኻል ኤርትራ፡ ልክዕ ከም’ቲ ዝበዝሐ ክፋል ናይ ሕብረተ-ሰብና፡ ዕድመ ስልጣን ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ
ክናዋሕ ኣይደልዩን ኢዮም። ብርግጽ ድማ፡ ህዝቢ ኤርትራ ይኹን ተቓወምቲ ውድባቱ ኣብ ጐድኒ ተቓውሞታት ናይ ሓይልታት
ምክልኻል ኢዮም ዘለዉ። ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ ሎሚ ብህዝቢ ተቐባልነት የብሉን፤ ክፍጽሞ ናይ ዝጸንሐን ዘሎን
ገበናት ድማ ዋጋ ክኸፍል ኢዩ። እቶም ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ደገ ዝርከቡ ውሑዳት ደገፍቱ ውን እንተዀኑ እምነቶም
ካብ’ቲ ስርዓት ንምስሓብ ብዙሕ ግዜ ክወስደሎም ከምዘይኰነ ፍሉጥ ኢዩ። ብኻልእ ኣገላልጻ፡ ንቕሓት ናይ ሓይልታት
ምክልኻል ኤርትራ ክብ ምባሉ፡ ክሳብ ክንደይ ንትርግታ ናይ ህዝቦም ይከታተሉ ከምዘለዉ ኢዩ ዝሕብር መርኣያ ኢዩ።
እዚ ብትሑት ደረጃ ዝልለ ጠለባት ናይ ሰራዊት፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ጐልቢቱን ናህሪ ወሲኹን፡ ነቲ ዲክታቶርያዊ ስርዓት
ዝጸርግን፣ ንህዝባዊ ጠለብ ናይ ለውጥን ዲሞክራስን ናብ ዝምልስን ማዕበል ክቕየር ኢዩ። ህዝብና፡ ዕላማታት ናይ’ቲ
ምንዕዓብ ከም’ዞም ዝስዕቡ ክዀኑ ኢዩ ትጽቢታቱ።
·
ነቲ
ዝድለ ለውጥታት ክውን ንምግባር፡ ሰራዊት ኤርትራ ነብሱ ክውድብ ትጽቢት ይግበረሉ ኢዩ። እንተዀነ ግን፡ ህዝቢ ኣብ
ጐድኒ’ቲ ለውጢ ደው እንተደኣዘይሉ፡ እቲ ዕላማታት ክረጋገጽ ከምዘይካል ክፍለጥ ይግባእ። ናይ ህዝቢ ደገፍ
ንምርካብን ንናይ ለውጥን ዲሞክራስን ሓይልታት ንምድልዳልን ናይ ለውጢ ንቕሓት ምውናን መሰረታዊ ቅድመ-ኵነት ኢዩ።
ስለ’ዚ ንለውጢ ዝግበር ምልዕዓላትን ወፈራን ኣብ ውሽጢ ሓይልታት ምክልኻልን ኣብ ህዝብን ብጻዕቂ ክካየድ ይግባእ።
·
እቲ
ምንቅስቓስን ንቕሓትን፡ ኣብ መንጐ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ናይ ምትእምማን መንፈስ ንምስራጽ ዝዓለመ
ክኸውን ኣለዎ። ነዚ ኣብ ስራዊት ዝግሃድ ዘሎ ተቓውሞታት፡ ናይ ናይ ለውጢ መስኖ ዝኣሊ ውደባን መሪሕነት የድሊ።
ኣብ ውሽጢ ዝርከቡ ናይ ለውጢ መሳርሒታትን ናይ ኤርትራ ተቓወምቲ ውድባትን ዓቕምታቶም ኣወሃሂዶም፡ ለውጢ ንምምጻእ
ጸቕጥታቶም ከሐይሉ ይግባእል። ለውጢ ኣብ ኤርትራ ንጽባሕ ዘይኰነስ ንሎሚ’ዩ ዝድለ ዘሎ።
·
እቲ
ዝመጽእ ለውጢ ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ኣርዑት ዲክታቶርነት ዘገላግልን፣ ናጽነትን ፍትሕን ዲሞክራስን ዘስፍንን ክኸውን
ኣለዎ።
·
ሃገርና፡
ብፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ፡ ብቝጠባዊ ቅልውላውን ማሕበራዊ ምምቕቓላትን ትሳቐ ኣላ። እቲ ክረጋገጽ እንጽበዮ ለውጢ
እምበኣር፡ ነዚ ክውንነት’ዚ ዘለልን ዘንጸባርቕን ክኸውንን፤ እቲ ነዚ ለውጢ’ዚ ዝመርሕ ሓይሊ ከኣ፡ ንሃገርና ካብ
ምግዝዛዕ ዘድሕን ስትራተጂ ሓንጺጹ ክዋሳእን ይግባእ።
·
ናይ
ውሽጥን ናይ ግዳምን ናይ ለውጢ ሓይልታት ኣብ መንጐኦም ድልዱል ዝምድና ክፈጥሩ ዕዙዝ ኣገዳስነት ኣለዎ። ብክብ
ዝበለ ኣገባብ ዘይተወደበ ተቓውሞ ወይ መኸተ ክዕወት ኣይክእልን ኢዩ። ስለ’ዚ፡ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ምንቅስቓስ፡
ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ክውን ክገብር ዝኽእል ውደባ ክውንን የድልዮ።
እዚ ኣብ
ላዕሊ ተዘርዚሩ ዘሎ ዕላማታት፡ በዚ ዝስዕብ ስጕምታት ክስነ ይግባእ፡-
·
ኣብ ኣብዝሓ
ሰልፍታት ዝዋስኣሉ ስርዓት ዝተሰረተ ቅዋማዊ መንግስቲ ብህዝቢ ኤርትራ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ክሳብ ዝምረጽ፤
ብኤርትራውያን ተቓወምቲ ውድባትን ሰልፍታትን ካልኦት ኣካላትን ዝቐውም ናይ መሰጋግሪ መንግስቲ ሃገራዊ ሓድነት
ክቐውም ምጽዋዕ። እዚ፡ ኣብ መንጐ ዝተፈላለዩ ተወዳደርቲ ፖለቲካዊ ሓይልታት፡ ሰልፍታትን ጕጅለታትን ናይ ምግጫውን
ምውቃዕን ተርእይቶታት ከየጋጥም ብሓደ ሸነኽ፤ ናይ ስልጣን ባዶነት ድማ በቲ ካልእ ሸነኽ ከይፍጠር ዝሕግዝ ኣገባብ
ኢዩ።
·
ኣብ ኣህጕራዊ
ውዕላትን ኣዋጃትን ሰፊሩ ዘሎ ሰብኣዊ መሰላት ምኽባር።
·
ናይ ፖለቲካውን
ናይ ሕልናን እሱራት ብዘይ ቅድመ-ኵነት ብቕጽበት ምፍታሕ ወይ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ከምዝቐርቡ ምግባር።
·
ነዚ ኣብ ትሕቲ
ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝብል ሽፋን ዝካየድ ዘሎ ናይ’ቲ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ናይ ኣስገዳድ ዕስክርና መደብ ደው
ከምዝብልን፤ ኣብ መጻኢ ብመሰረት ቅዋም ኤርትራ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ እተመርጸ መሪሕነት ጥራሕ ከምዝሰላሰልን
ምግባር።
·
ናይ ኣስመራ
ዩኒቨርሲቲ ከምዝኽፈትን ስርሑ ከምዝጅምርን ምግባር፤
·
ናይ
ኤርትራውያንን ወጻእተኛታትን ሲቪላውያን ማሕበራት ናብ ኤርትራ ክኣትዋ ምፍቃድ።
·
ካልእ ጠለባት
ምምላእን።
እዞም ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሮም ዘለዉ
ዕላማታትን ስጕምትታትን ብሓበራ፡ ገለ ካብቶም ኣብ ሃገርና ለውጢ ንምምጻሕ ዝሕግዙ ረቛሕቲ እኳ እንተዀኑ፤ ካልኦት
በብእዋኑ ዝግሃዱ ሓደስቲ ምዕባለታት ክህልዉን፤ ኣብ ዝግሃድሉ እዋን ድማ፡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ዝኸውን መፍትሒታት
ንምግባር ቅሩባት ኰይና ምጽናሕን ዝሓትት ምዃኑ ክዝንጋዕ ኣይግብኣን። ከም’ቲ ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን እተኻየደ
ጕባኤትት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳንን ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራን ከምዝጠቐሶ፤ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ካልኦት ናይ
ውሽጢ ተቓወምቲ ሓይልታትን ኣብ ጕድኒ ህዝቦምን ኣብ ክሊ ዲሞክራስያዊ ቅዋምን ደው ክብሉ ምድጋፎምን ምጽዋዖምን
ከድሊ ኢዩ። ዕላማ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ንልዑላውነትን ሓድነት መሬትን ኤርትራ፡ ንቅዋም፡ ንናጽነትን ሰላምን
ዲሞክራስን ህዝቢ ኤርትራን ንሃገራዊ ረብሓን ምክልኻል ኢዩ።
ስለ’ዚ፡ “ኣብ ዝሓለፈ እዋን
ንህዝብኹምን ንሃገርኩምን ዝነበርኩም ተወፋይነትን ፍቕርን ኣመስኪርኩም ኢኹም። ንዲሞክራስን ግዝኣተ-ሕግን ዘለኩም
መብጽዓታት ውን ኣርኢኹምና ኔርኩም ኢኹም።
እንተዀነ ግን፡ ሃገር፡ ርግኣት፡ ናይ
ግዳም ጸላእቲ …ወዘተ ብዝብል ምስምስ፡ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ ከተዓሻሽወኩምን ክጠልመኩምን ጸኒሑ ኢዩ።
ንዲሞክራሲ ዝጻረርን ንጭቆና ዝጣበቕን ተደጋጋሚ መደረታት በቲ ስርዓት ክውሃብ ከምዝጸንሐ ውን ዝዝከር ኢዩ።
ንዲሞክራስን ግዝኣተ-ሕግን ዝገበርክምዎ መሰረታዊ መብጽዓታት ሕጂ ውን ህያው ኢዮም ዘለዉ። ስለዝዀነ ድማ፡ ኣብ
መንጐ’ቲ ጨቋኒ ስርዓት ኤርትራን ኣብ መንጐ’ቲ ጭቍን ህዝቢ ኤርትራን ዘሎ ዓቢ ፍልልይ ብግቡእ ክትግንዘብዎ
ንጽውዓኩም። ኣብ መንጐ’ቲ ኣረሜናዊ ተግባራት ናይ ስርዓት ኢሳያስን ኣብ መንጐ’ቲ ኵነታት መነባብሮኡ ትሕቲ ባይታ
በጺሑ፡ መሰረታዊ መሰላቱ ተሓሪሙ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራን ዘሎ ፍልልይ ክትርድእዎ ንጽውዕ። ጅግንነትን እምነትን
ተዓጢቕኩም ንፍርሕን ሓደጋን ውግእን ዝሰዓርኩም ምዃንኩም ኣይትረስዑ። ሎሚ ውን፡ ኣካል ናይ ለውጢ ክትኰኑ
ዘኽእለኩም ብቕዓትን ክእለትን ኣለኩም።
ኣምላኽ ንሃገርናን ንህዝብናን ይባርኽ
ኣምላኽ ንዓኹምን ውን ይባርኽ
ብሓባር ተቓሊስና ክንዕወት ኢና።
|