ምልክታ

ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ ብምኽንያት መዓልቲ ስዉእ ኤርትራዊ ን 14 ታሕሳስ 2008 ዝተፈላለዩ መደባት ቀሪቡ ኣሎ። ንሳቶም ካኣ፡

ቀዳማይ ክፍለ ግዜ ማለት ሰዓት 12 (ፍርቂ መኦኣልቲ) ውድድር ኩዕሶ እግሪ ብመንእሰያት ማሕበረሰብ ኤርትራ ኣብ መጻወት ኩዕሶ እግሪ ኖርዝ መልቦርን ምስኡ ባርቢኩ ይግበር

ካል ኣይ ክፍለ ግዜ ሰዓት 3 ድሕሪ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ህንጻ 12 Holand Court Felemington  መደበር ማሕበረሰብ ኤርትራ ንዕዉቲ ጋንታ ስልማት ይቐርብ። ብድሕሪኡ ብቐጥታ ንጉባአ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ ዘብርህን ነቲ ኣብ ሞንጎ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራን ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራን ዝኸይድ ዘሎ ናይ ሓድነት ጉዕዞ ዘብርህ መደረ ክካየድ ስለ ዝኾነ ኩሎም ኤርትራውያ ንክሳተፉ ንዕድም።

ንዝያዳ ሓበሬታ

ን ዓደልቓደር ህብቴስ ብ 0423 721 619

ወይ

ን ሃይለየሱስ ገብራይ ብ 0402 416 014

ደውሉ

ብደሓን ምጹ

ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር መልበርን

ኣውስትራልያ


Contact Us at:   webmaster@nharnet.com