|
||
|
|
||
|
ኣብ ዕላሙኡ ዝጸንዔ ማሕበር፣ ብሚካኤል ኣጎስቲኖ/ጀርመን 29 ታሕሳስ 2008 20 ታሕሳስ ብመሰረት ልደተ ክርስቶስ ባዓል ዘዳለወ ማሕበር ምትሕግጋዝ ኤርትራዉያን ስቱትጋርድን ከባቢኣን ሃገረ ጀርመን፣ ብኣካል ተኻፊለ ስለ ዝነበርኩ እቲ ዝነበረ ሃዋሁ ስለ ዝሔጎሰኒ ክጽሕፍ ተገደድኩ፣ እዚ በዓል እዚ ብዝሒ ደቅንስትዮን ህጻናትን መንእሰያትን ተኻፊሎሞ ስለ ዝነበሩ፣ እቲ ዕላማ ማሕበር ከአ እዚ ስለ ዝኾነ፣ከም’ዉን እዚ ማሕበር ምትሕግጋዝ ኤርትራዉያን ስቱትጋርድ ከባቢኣን ዕላሙኡ ከይሳሓተ የማን ጸጋም ከይበለ ጠጠዉ ኢሉ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ምስልሳል ማሕበር ስለ ዝርከብ በቲ ዝነበረ ዕለት ብኣዋዳድቡኡ ድዩ በቀራርቡኡ ሓደ ስጉምቲ ንቅድሚት ከም ዝኸደ በቲ ኩነታት ክርድኣካ ይኽእል፣፣ ኣቦ መንበር ማሕበር ኣብ መደሩኡ ከምዚ በለ፣ ማሕበርና መበል 25 ዓመት ኣብ ሓጺር ጊዜ ባዓል ክገብር ምዃንና በዚ ኣጋጣሚ እዚ ክንሕብር ይፈቱ በለ፣ ቀጺሉ እዚ ማሕበር እዚ 25 ዓመቱ ዘሕለፎ ጸለመታት ምትዕንቃፍን ሰጊሩ ሎሚ ኣብዚ ቅድመይ ክንድዚ ብዝሒ ህዝቢ ተኻፊልዎ ክሪኢ ከለኹ ሓጎሰይ ወሰን የብሉን ዝብል ነበረ፣ ኣነ ብዉሽጠይ ኣቦ ወንበር ዝሃቦ ቃላት ስለ ዝመሰጠኒ፣ ኪድ ናብ መድረኽ ዉጻእ ሓሳብካ ግለጽ፣ ነቦወንበር ኣፍቅድ፣ ዝብል ብዉሽጠይ ይደፈፋአኒ ነበረ፣ በታሓደ ወገን ካአ መደብ ዘይሓዝኩ በልኩ፣ ንሳቶም ብቂድም ተኸተል ሰሪዖም እዮም ዝኸዱ ዘለዉ ቢለ ብዉሽጠይ ኣስዓብኩ፣ ሓሳበይ ክገልጽ እንተበልክዎም ዝኹልኩሉኒ ኣይመስለንን፣ ምኽንያቱ እዚ ገዛ ንሓድነት ዝዕድም፣ ንሰላም ዝጽዉዕ፣ መሰል ወድሰብ ዝሕሉዉ ሃዋሁ ስለ ዘለዎ ቢለ ንበይነይ ብዉሽጠይ ኣጀባበርክዎ፣ ይኹን’ንበር ዋላ እዃ ምስቲ ዝነበረ ሰናይ ሃዋሁ ኣብ መድረኽ ወጺኤ ሓሳበይ ድልየት እንተነበረኒ ኣብ መደምደምታ ሓሳበይ ኣብቲ ዝሰርዕዎ መደብ ከታዓናፍቆም ስለ ዘይደለኹ ናይቲ ባዓል ተሳታፊ ኮይነ ንገዛይ ኣምራሕኩ፣ ኣብ ገዛይ ምስ በጻሕኩ ኣብ ዓራተይ ምስ ተጋደምኩ ነቲ ዝነበረ ዘሔጉስ ባዓል ርኢቶይን ሞጎሰይን ብጽሑፍ ክገልጽ ስለ ዝወሰንኩ ኩቡራት ኣንበብቲ ከምታ ኣብ መድረኽ ወጺኤ ክብላ ዝደለኹ ሃየ እንባኣረይ እነሆ፣ ሎሚ ብምኽንያት ባዓል ልደተ ክርስቶስ ትገብርዎ ዘለኹም ማሕበር ምትሕግጋዝ ኤርትራዉያን ስቱትጋርድን ከባቢኣን ከየመስገንኩኹም ክሓልፍ ኣይደልን፣ ንዓይ ናብ መድረኽ ክቀርብ ዘገደደኒ ብኹሉ ኣጋባብኩም ስለ ዝታሓጎስኩ ኢየ፣ ንዝተሓጎሰ ሰብ ከአ ሓጎስካ ዳሕዳሓዮ ከም ትብሉኒ ስለ ዝኣመንኩ፣ ምኽንያቱ ገዛ ሰላም፣ ገዛ ሓድነት፣ ገዛ ፍትሒ፣ ኮይኑ ስለ ዝተረዳአኒ ፣ ክቡራት ተኻፈልቲ ባዓል ኣብቲ ክብሎ ዝደለኹ ክምለስ፣ ገለ ገለ እዃ ኣቦ ወንበር ማሕበር ተጠቂሱዎ እንተኾነ፣ብወገነይ’ዉን ገለ ክብል ኣፍቁዱለይ፣ ሎሚ ዓቢ በዓል ልደተ ክርስቶስ ብዘደንቕ ተብዕልዎ ዘለኹም ጽንዓት ናይቶም መራሕትን ፣ናይ ሎሚ ይኹኑ ናይ ትማሊ ሽማግለታትን ከምኡ’ዉን ኣባላትን ማሕበር ኢዩ፣ ምኽንያቱ ን 25 ዓመት ዝኣክል ዕላሞኦም ከይሳሓቱ የማን ጸጋም ከይበሉ ማሕበሮም ብምዕቃብ እዚ ንሪኦ ዘሎና ምዕባለ ማሕበር ሓደ ዓቢ ምስክር ኢዩ፣ እዚ ማሕበር እዚ ክምስረት ከሎ፣ ብጉዱሳት ኤርትራዉያን፣ ንሓድነት ዝወድቁ፣ ንሰላም ከንጉሱ ዝህንጠዩ፣ ንባህሎም ተዘርዚሩ ከይተርፍ ክዕቁቡ ዝቃለሱ እዩ ተመስረቱ፣ ብለባማትን፣ ዉርዝያትን፣ ሃገራዉያን ኢዩም ነይሮም፣ ቀንዲ ክምስረት ዘዳፋፍኦም ንሕና ኤርትራዉያን በቲ ኣብ ሃገርና ዘጛነፈና መረረ ናብ ዘይንፈልጦ ባህልን ልምድን ዘለዎ ሃገረ ጀርመን ስለ ዝኣተና ደቅና ኣብ ዘይፈልጥዎ ባህሊ ተዋሒጦም ከይተርፉ ብዝብል ኮይኑ፣ ተወሳኺ’ዉን ገድሊ ኤርትራ አብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራ ዘስዓቦ ፍሊሊይ ንምጽባብ ኢዩ ነይሩ እቲ ዕላማ፣ ንሱ ከአ እቲ ዝተጛነፈና ሽግር ብሓባር ንምግጣሙ ኢዩ ነይሩ፣ ስለዚ ምጥርናፍ ህዝቢ ዘየርብሖም፣ ክጛጃጁሉ ዝሰልጦም ኣብ ሞንጎና ስለ ዘሎዉ. ነዚ በዲሁ እዚ ማሕበር እዚ ሎሚ ክንሪኢ ከለና ኣንታ ክንደይ ሓያላትን ጽኑኣትን ለባማትን ኣሕዋት ከም ዘለዉና ክንርዳእ ንኽእል፣ ንምሳሌ ክጠቅስ ኣብቲ ኣነ ዝነብረሉ ከተማ ናይዚ ሕጂ ዝጠቅሶ ዘለኹ ማሕበር ምትሕግጋዝ ኤርትራዉያን ስቱትጋር ክርንጫፉ ኢዩ ነይሩ፣ ግን ዕላማ ማሕበር ጨዉዮም ኣብ ዘየድሊ ወገን ተጸጊዖም ይርከቡ፣ እዚ ግን ናይ ጊዜ ሕቶ ድኣዮ እንበር ኣብ ሓቂ ዕላማ ማሕበር ከም ዝምለስ ኣይጣራጠርን፣ ኣብ ስቱትጋርድ ማሕበር ክምለስ፣ እቲ ኣጋባቦም ሒዞሞ ዝነበሩ ከይጠቀስክዎ ክሓልፍ ኣይደልን፣ ካብቲ ዘሖጎሰኒ ክጠቅስ፣ ንማሕበር ምትሕግጋዝ ንኽምስረት ላዕልን ታሕትን እናበለ ሓደጋ መኪና ዘጛነፎ ካብ ሞት ዝዳሓነ ኣብ ዝቀረባ ጊዜ ብሕማም ዝዓረፈ ሓዉና ኣቶ ሃይለሚካኤል ካሕሳይ ንምዝካር ኩሉ ተኻፋሊ ባዓል ንሓደ ደቂቅ ዝኣክል ጠጠዉ ኢሉም ብምዝካሮም ከየመስገንክዎም ክሓልፍ ኣይደልን፣ቀጺሎም’ዉን ዓቢ ከም ዓቢ፣ ለባም ከምለባም፣ ሽማግለታት ኣካየድቲ ማሕበር እናተባህለ ኣስማቶም እናረቅሑ ህያብ ክዋሃቡ ክትሪኢ ከለኻ ብሓቂ ሞራል ንዝሰርሑ፣ ንኽሰርሑ ዝደልዩ ዝዕድም ስለ ዝኾነ ከየደነቅክዎም ክሓልፍ ኣይደልን፣ ቀጺሎም’ዉን ናይ መንእሰያት መደብ ተባሂሉ ምስ መማህሮኦም ብጀርመን ቛንቓ፣ክምኡዉን ብናየዲኦም ቛንቛ ናይ ልደተ ክርስቶስ መዝሙር ክዝሙሩ ክትሪኢ ከለኻ ልብኻ ተንኪፉ ዝስምዓካ ኤርትራዊ ሓበን ክግለጽ ኣይክእልን፣ ናይ ቀደም ደርፊ ብሃይለ ገብሩ ዝተደርፈት (ብዘርኣይ ደረስ ባንድ) ሎሚ ብመንእሰያትና፣ ብሳክስፎን፣ ቫዮሊን፣ ኦርግል፣ ዝተሰነየት ኩላትና ሓለፍቲ ኢና እትብል አብ ህዝብና ምጥርናፍ እጃምና ንጻወት እተስምዕ ምስ ተደርፈት ገዛ ብጣቂዒት ኣንጎድጎዶ፣ ብዝተረፈ ናይ ጉዳይ መግቢ እዃ ግደፍዎ በብዓይነቱ ኢዩ ዝቀረበ፣ ናጻ፣ ሳንቲም ዘይክፈሎ፣ ህዝቢ በሊዑ ምስ ጸገበ ናብ ባህሊ ሃገር ደርፊ ተሳጋገረ፣ ሰለዚ ኣጀኹም ቀጽልዎ ማሕበር ምትሕግጋዝ ኤርትራዉያን፣ እቲ ጎቦ ደይብናዮ ኢና፣ እቲ መዳ ኢዩ ተሪፉና፣ ስለዚ ዘጸግመና ዘሎ ሎሚ ኣይመስለንን፣ ሰላም ምሳኹም ዓወት ንህዝብና |
||
|
DISCLAIMER: The author/s contributed for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents
Contact Us at: webmaster@nharnet.com |
||
|
|