|
ስትራተጅካውን
ሜላውን ኣተሓሕዛ ሰውራዊ ባይቶ
ጋንታ ንሓርነት
ውድብና ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ
ባይቶ ብኣብዝሓ ፓርቲ ዝልለ ህንጻ መንግስታዊ (ኮንስቱዩትሽናል) ዴሞክራሲ ንምዕዋት ይቃለስ። እዚ ሓፈሻዊ ላዕለዋይ
ስትራተጂ ውድብና በቲ ዝለዓለ ስልጣን ዝውንን ውድባዊ ሃገራዊ ጉባኤታትና ይሕንጸጽ። ናይ ውድብና ፖለቲካዊ መደብ
ዕዮታት ኣብ ንሓርነት ብምእታው ክትግንዘቡ ስለእትኽእሉ ኣብኡ ብዙሕ ግዜ ምቕታል ኣገዳሲ ኮይኑ ኣይረኣየናን።
ግን እቶም ቀንዲ ረቛሒታት ናይ መለልዪ
ናይ’ዚ ህንጻዊት ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ምህናጽ ዕላማና ኣብዞም ዝስዕቡ ዓበይቲ ነጥብታት ክጠቓለሉ ይኽእሉ፡
-
ነጻ ፕረስ ይተባባዕ መሰል
ይሕሎን
-
ናይ ምዝራብን ምጽሓፍን ምእካብን
ምስራዕን መሰል ይሕሎ
-
ሲቪካውያን ማሕበራት ንመሰል
ዝሕለቓሉ ኣካል ህዝብና ናይ ምሕላቕ መሰለን ይሕሎ
-
ፈጻሚን ሓጋግን ቤት ፍርድን
ኣካላት ናይቲ መንግስቲ ካብ ነንሕድሕዱ ናጻ ዝኾነሉን ነንሓድሕዱ ዝቆጻጸረሉን ቅርጻን ስርዓትን ህንጻዊ ሕግን
ይህልዎ
-
ናይ ሃይማኖት ነጻነትን መሰልን
ሕልዊ ኮይኑ ሃይማኖትን መንግስትን ፍሉይ ይኸውን
-
ናይ ህዝብና ማዕርነታዊ መሰል
ብዘይ ኢትኒካውን ጆግራፊካዊ ኣቀማምጣን ሃይማኖታውን ኣፈላላይ ሕልው ይኸውን
-
ሕውስዋስ ቍጠባዊ መደብ ብምስራዕ
ንገድ ነጋዳይ ሕረስ ሓረስታይ ዝብል ነጻ መርሆ ብምሓዝ መሬት ናይ ዋንኡ ናይ ህዝቢ ምዃኑ የረጋግጽ
…ወ.ዘ.ተ.
ውድብና ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ
ሓፈሻውን መሰረታውን ዕላማታትን ንምዕዋት ኣብ እነካይዶ ዘይሕለል ቃልሲ እንኽተሎም ሜላታትን ስትራተጂታትን ኣለዉ።
እዞም ስትራተጂታትን ሜላታትን እዚኣቶም ካልኦት ኣብ ናይ ተቓውሞ ደምበ ዘለዉ ውድባትን፣ፓርቲታትን፣ማሕበራትን ውልቀ
ሰባትን ገለን ክሰማምዕሉ ገለን ክነቕፍዎ ገለ እውን ዋላ ክጻረርዎ መሰሎምን ባህርያት ናይ ጥዑይ ዴሞክራሲ እዩ።
ጥዕና ዘይብሉን ዘይዴሞክራስያውን ዝኸውን ጸለመ፣ጥቀና፣ሓሶትን ምስ
ዝሕወሶ እዩ።
ብመጀመርትኡን መሰረቱን ኣብ ኢርትራና
ዝግበር ለውጢ ብኢርትራውያን ዝምራሕን ዝውነንን ብኤርትራውያን ዝድምደምን ፍጹም ኤርትራዊ ለውጢ ክኸውን ከምዘለዎ
ንኣምንን ንኽተልን። ኣብ ሕቶን ክትዕን ዘይኣቱ ኩሉ ዝፈልጦ ፖሊቲካዊ ሓቂ ግን ኣሎ። ንሱ ኸኣ ናይ ጎረባብቲ
ሃገራትን ዓለምን ሞራላውን ፖለቲካውን ከምኡ እውን ነገራውን ማተርያላውን ሓገዝ ከም ዘድሊ እዩ።
ገለ የውሃት ወይ እውን ብፍርሒ ጸለመ
ህግደፍ ዝረዓዱ ኣካላት ግን ምስ ኢሳያስ ዝተጻልአን ሃገራት ክንጻላእን ናይ ወጻኢ ዝምድናታትና ናዓናን ንህዝብናን
ዘዋጽኦ ምዃኑ ተሪፉ ናይ ህግደፍ ቅዩዳት ክንከውን ዝጽበዩና ውሑዳት ፖሊትካዊ ሚዛኖም ከተዓራርዩ ንዕድሞም።
ብመንጽሩ ኸኣ እቲ ዝመጽእ ለውጢ ኤርትራውያን ንሃገሮምን ህዝቦምን ዘዋጽኦም መዚኖም መሰሎምን ክብረቶምን ዝሕልወሎም
ስርዓት ንምትካል ብቕዓት ስለዘለዎም ከምቲ ኣብ ነብሶም ብምምርኳስ ነጻነቶም ዝተጎናጸፉ ሓርነቶም እውን ካብ ናይ
ደገ ሓይሊ ትኳቦ ኣይደልይዎንን ኣይጽበይዎን እዮም። ብናይ ጎረቢት
ሃገር ሓገዝ ኢድ ምእታው ምሉእ ፍታሕ ዝረኸበትን ቅሳነትን ሰላምን ዴሞክራሲን ዝዓሰላ ሃገር ኣፍሪቃዊት ሃገር
የለን። እንተ ናይ ሰበስልጣናትን ምናልባት ውድባትን ፓርቲታን ናይ ስልጣን ምቅይያር ግን ይርአ እዩ። ናይ ውድብና
ሕልሚ ግን ብናይ ህዝብና መሰረታዊ ድርኺት ዝመጽእ ንሓውሩ ቅሳነት ዘንግስ ለውጢ እዩ።
መደምደምትኡ እውን ውድባትን ፓርቲታትን
ማሕበራትን መሪሕ ናይ ምልዕዓልን ምእላይን ግደ ይጻወታ እምበር ናይቲ ለውጢ ደረኽትን ዋናታትን ሲ ሓፋሽ ህዝብና
እዩ። ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ንሰራዊት ኤርትራ ዓይኖም እንዳራኣየ
ወጽዓን ሕሉፍ ጭቆናን ሓሳረ መከራን ህዝብና ሸለል ብማለት ክሓልፍዎን መሳርሒን መጋበርያን መራሕቲ ናይዚ ጭቆናን
መከራን ህዝብና ዝኾኑ ኢሳያስን በጻብዕቲ ዝቝጸሩ ሰዓብቱን ክኾኑ ኤርትራዊ ሕልንኦም ይፈቕዶ እዩ ኣይንብልን። ስለ
ዝኾነ ድማ ሓረርቲ ህዝቦምን ኣካል ጭቁን ሓፋሽ ህዝቦምን ኮይኖም ደረኽቲ ዴሞክራስያዊ ለውጢ ናይታ ኣካሎም
ዝጎደሉላን፣ ዘፍቅርዎም ብጾቶም ዝወፈዩላን ፣ዝፈትውዋ ሃገሮም ኤርትራ ክኾኑ ጸዋዒትና ነቕርበሎም።
ኣብቲ ንህዝብና
ቅሳነትን፣ሰላምን፣ርግኣትን፣ምቖትን ዘውሕስ ዓይነት ምሕደራ ንምትካል ስትራተጂ ውድብና ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ
ሰውራዊ ባይቶ ዘድሊ ምትሕብባሮም ክገብሩ ጸዋዒትና ነቕርብ። እቲ ግቡእ ስርዓት ምቅይያር ብድሌት ህዝብናን ብሓይሊ
ናይ ድምጺ ምርጫ ወረቐት ንክኸውን ኣብ እንገብሮ ጥምጥም ኣብ ጎኒ ህዝቦም ክስርዑ ብታሪኽን በቶም ምእንቲ መሰል
ህዝቦም ዝሓለፉ ጀጋኑን ይጥለቡ።
ካብዚ ብምንቃል ተሳትፎን ግደን ናይ
ሰራዊት ሓርነትን ካልኦት ደለይቲ ለውጢ ኣብ ውሽጢ ሃገርና ዝነብሩ ኣካላት ህዝብና ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ
ዴሞክራሳውያን ሸቶታት ንምርግጋጽ ኣብ እንገብሮ ቃልሲ ከም ሓደ ኣገዳሲ ነጥቢ ከም እንሕዞ ካብዚ ዝስዕብ
ስትራተጂካዊ ረቛሒ ነጥብታትና ክግንዘብ ይከኣል፡
-
ውድብካ ምሕያል፡
ነፍሲ ወከፍ ውድብ
በቲ እትምርሓሉ መርሆ መሰረት ክትሕይል ከም እትፍትን ዝተፈልጠ እዩ። እዚ ግን ነተን ካልኦት ናይ ተቓውሞ
ውድባት ብምጽላምን ብምንእኣስን ወይ ውን ልዕሊ ዓቕመ ሚዛን ብምቕማጥ ብሓደ ከስርሕ ዘየኽእል ሃዋህው
ብምፍጣር ዘይኮነስ ብመንጽር ህግደፍ ዝኽተሎ ግፍዓዊ ምሕደራ ዴሞክራስያዊ መደባት ብምኽታል ንህዝቢ በብቝሩብ
ኣብ ጎንኻ ብምስራዕ ሓይሊን ዕብየትን ምርግጋጽ ማለትና እዩ። እዚ ብምርኣይ ውድባዊ ኣሰራርሓና
እንዳጽፈፍናን ጉድለትና እንዳኣረምናን ናይ ህዝብና ሓቀኛ ፍታሕ ዝኾኖ መደባት ብምንጻጽ ንስጉምን ነነቓቕሕን።
-
ምስ ካልኦት ናይ ተቓውሞ
ሓይልታት ብሓባር ምስራሕ፡
እዚ ማለት ምስተን ብስትራተጂካዊ
ዕላማ ምሳና ዝቀራረባ ክሳዳዊ ምትእስሳር ንገብር። ምስተን ብፕሮግራማዊ መትከል ዘይመሳሰላና ኸኣ ብዝወሓደ
ነጥብታት ተዛሚድና ንሰርሕ። ፍልልይና ኸኣ ሰላማዊ ፖሊቲካዊ ኮይኑ ኣብቲ ትሕቲ ህንጻዊ ዴሞክራሲ ንሃገራዊ
ዕማም ብጽሮት ብሓንሳእ ንሰርሕ። ትርጉም ዴሞክራሲ ኸኣ ምስ ብርእይቶ ዝፈላልዩ ኣብዝሓ ሓይልታት ብሃገራዊ
ዴምክራስያዊ ህንጻ ብሕጊ ተቐይድካ ምኻድ ማለት እዩ። ንኻልኦት ዝኹንንን ህላዌ ዝኽሕድን ዝቕንጽልን
ዴሞክርስያዊ ዘይኮነስ ህግደፋዊ መልክዕ ዘለዎ ምልኪ እዩ ክኸውን። መብቆል ምልኪ ብዘይካ ናተይ መርሆን
ቅኑዕ የለን ብዘይካ ናተይ ፖሊሲ ንሃገርን ንህዝቢን ዝጠቅም የለን ብድዐ እዩ ዝብገስ። እቲ ካልእ ግፍዕታት
መቐጸልታ ናይዚ ግጉይ ኣተሓሳስባ እዚ እዩ። ኣብ ዴሞክራሲ ግን ህዝቢ ዘዕግብዎ ባእታታትን ፓርቲታትን
ውድባትን ክመርጽ ምሉእ ናይ ድምጺ ስልጣን ስለ ዝውንን እቲ ምንጻግን ዘይ ምቕባልን ናቱ ሓላፍነት ይኸውን።
-
ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዝምድና
ምድልዳል፡
እቲ ዝምድና ግን ከምቲ ቅድሚ
ሕጂ ናይ ህግደፍ “ዶብ ዘይብሉ ጉርብትና” ኣብ ውሽጢ ጉዳይካ ንግዝያዊ ፕለቲካዊ መኽሰብ ኢድ ምትእትታው
ዝፈቅድ ውልዕ ህልም ዝብል ዝምድና ዘይኮነስ ኣብ ማዕርነትን ናይ ሕድሕድ ምክብባርን ዝተሞርኮሰ ንዝርከብ
ግዝያዊ ምስሕሓብ ብዘተ ንምፍታሕ ዘኽእል ነባር ሰላማዊ ጉርብትና ምድልዳል ማለትና እዩ። ካብ ግዜ ናብ ብዜ
ጥቕምን ድሌትን ሃገርናን ህዝብናን ምስ ናይ ጎረባብትና ክፍለን ክጋጮን ይኽእል ይኸውን። እቲ ትምስርቶ
ዱልዱል ግን ዝምድና ምስ እቲ ዝተሓዝ ናይ ኣተኣላልያ ሜላ ካብ ሰብኣዊ ህልቂትን ህዝባዊ ምዝንባልን ንዋታዊ
ክሳራን ከድሕን ይኽእል። ንምንታይ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ስኒት ዘይብሉ መንግስቲ ንህዝቡ ከቕስንን ንሃገሩ
ከማዕብልን ከበልጽግን ኣይክእልን እዩ። ህዝቡ ኸኣ ኣብ ፍርሕን ሻቕሎትን ተጠንቀቕን ስለዝነብር ልዋም ዘለዎ
ድቃስን ቅሳነት ዝመልኦ ናይ ናብራ መደባትን ክህልዎ ኣይክእልን።
-
ምስ ናይ ውሽጢ ሃገርና ደላይ
ለውጢ ሓይልታት ምትእስሳር፡
ኣብ መወዳኣትኡ ህዝብና ካብዚ
ዘለዎ ፖሊቲካውን ቍጠባውን ስብኣዊ መስል ዓዘቕቲን ንኽላቐቕ ደላይ ለውጢ ኩሉ ብደገን ብውሽጥን ብሓባር
ክሰርሕ ኣለዎ። እዚ ኸኣ ኣብ ኩሉ ጽፍሕታትን ናይቲ መንግስቲ ዘሎ ኣካል ህዝብና ይኹን ወይስ ተራ ህዝቢ
ምእንቲ መሰሉ ተኣሳሲሩ ክቃለስ ከምዘለዎ ብምፍላጥ ብመደብ ንሰርሓሉ።
-
ዓለም ለኻዊ ማሕበራትን ሃገራትን
ብተግባር ከምዝድግፋና ምቅላስ፡
ሕጂ ዋላ እውን ኢሳያስ “ሓደ ካብቶም ዓለም ዝኸፍኡ ዲክታቶርያት” ተባሂሉ ይፈለጥ እምበር ነቲ ተቓውሞ
ዝተዋህበ ርኡይ ደገፍን ኣፍልጦ (ረኮጉንሽን) ዘሔጉስ ኣይኮነን ዝርካቡ እውን ዕላዊ ኣይኮነን። እዚ
ንምቕያሩ ኸኣ ንቃለስ። ኣብዚ መዳይዚ ኩሎም ኣብ ደገ ዝርከቡ ደለይቲ ለውጢ ኣካላትን ማሕበራትን ዝከኣሎም
ክገብሩ ንጽውዕ።
መደምደምታ፡
ህዝብና መሰላዊ ሓርነቱ ብቃልሱ እዩ
ከመዝግቦ ዘለዎ። ብትኳቦ ዝወሃብ መሰል የለን። ህግደፍ ዋላ ሃገር ትዕኖ ወይ እውን ህዝቢ ይብረስን ይሰደድን ናይ
ስልጣን ሕቶ ንምርግጋጽ ጨካን ተግባራቱ እናገደደ እምበር እናሓሸ ከምዘይከይድ ተራእዩ ኣሎ።
ስለዝኾነ ንመሰልካ ተንስእ፣ተላዓል። ዝካየድ ዘሎ
ሕሉፍ ናይ ጀብሃን ሻዕብያን ታሪኽ ዝተሞርኮሰ ናይ ሕነ ምፍዳይ መደብ ኣይኮነን። እቲ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ዝነበረ
ተጋዳላይ ከ ኣብ ምንታዩ እዩ ረቢሑ? መሰረት ናይ ቃልስና ህዝብና
ሕጂ ዘሕልፎ ዘሎ ሓሳረ መከራን ግህሰት መሰልን እዩ። ናይ ምምካቱን ለውጢ ናይ ምምጻእን ጉዳይ
ከኣ እዋናዊ ሓላፍነትካ ስለዝኾነ ምስ ዴሞክራስያዊት ውድብካ ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ ብምስላፍ ግዴኻ ከተበርክት
ንጽዋዓካ። ካልእ ዘዕግብካ ውድብን ፓርቲን ምስ ዝህሉ ኸኣ ናይ ምርጫኻ ጉዳይ ይኸውን። ብስቕን ኣማዕዲኻ ብምርኣይ
ዝመጽእ ሓርነትን መሰልን ግን የለን።
ዝኽሪ ንሰማእታትና
ጋንታ ንሓርነት |