![]() |
TO THE POINT |
![]() |
| EDITORIALS: |
|
FOLDERS: |
|
³}p }HX{q: 07-25-04 ELF-RC Looking Ahead, Never Back The Nharnet Team: 02-05-04
Preaching and Practicing Democracy The Nharnet Team: 11-01-03 Vision, Values and Courage, Necessary Ingredients in Political Leadership Actions Taken by the Chairman of ELF-RC Facts and Fiction
The Nharnet Team A Short Note to ELF-RC Members and Supporters The Nharnet Team The Nharnet Team: The First Anniversary of Nharnet.com The Nharnet Team Changing Times - Changing Roles The Nharnet Team: 01-05-03 Isayas’s PFDJ resorts to its “Wahyo” days' strategy on The Nharnet Team A Response To A Question From Our Youth in Asmara The Nharnet Team What Is the Positive Side of PFDJ? Isn’t your main motive revenge against the EPLF? The Nharnet Team The Nharnet Team ============= |
ለውጢ ኣበርቲዕካ ብምቅላስ እዩ ዝመጽእ እሞ ናብ ስራሕ ምብጋስ እዩ ብጋንታ ንሓርነት፡ ‘ኣብቲ ነጥቢ’
ዝኸበርካ ኣንባቢ፣ ኣፋፍኖት ትርጉም ዲሞክራሲ ከምዝህልወና ፍሉጥ እዩ። እንተኾነ ግን ምስ ዴሞክራሲን ናይ ቃልሲ ኣገባብናን እንጥቀመሎም ቃላት ሓቀኛ ትርጉሞምን ኣብ ዝተፈላልየ መድረኽን ኩነታትን ዝህብዎ መልእኽትን ኣጸቢቕና ንፈልጦ ደኾን ንኸውን? ገለ ኣብዚ ግዝያትዚ ዳርጋ ኩሉ ኢርትራዊ ዘዘውትሮምን ኣብ መርበብ ሓበሪታ ዝረኣዩን ከም ኪዳን፣ብሎክ፣ዝኣመሰሉ ፖሊቲካዊ ቃላትን ሓፈሻዊ ዲሞክራስያዊ ኣገባብን ኣሰራርሓን ብግቡእ ትርጉሞምን ኣጥቓቕምኦምን ምርዳእ ጠቓሚ ይኸውን ንብል። ኣብዞም ናይ ፖለቲካ መሰረታውያን ቃላትን ሓረጋትን እዚኣቶም ሓባራዊ ኣረዳድኣ ምስ ዝህልውና ንናይ ሓባር ምምይያጥናን ምርድዳእናን ካብ ጌጋ መደምታትን ድንግርግርን ክንድሕን ንኽእል። ንኣብነት ኣቦ መንበር ፈጻሚ ሽማግለ ሰውራዊ ባይቶ ወልዴሱስ ዓማር ውድብና ምስ ካልኦት ኮይና ሓያል ወይ ሰዓሪ ሓይሊ (ብሎክ) ከተቕውም ጀሚራ ኣላ ክብል እንከሎ እንታይ ማለቱ እዩ? እምበኣር እዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ኣንበብትና ምእንቲ ኣብዚ ግዜ’ዚ ኣዝዮም ዝውቱራት ዝኾኑ ግን ብግቡእ ዘይንጥቀመሎም ሓድሓደ ፖሊቲካዊ ቃላትን ዲሞክራስያዊ ስርዓተ ኣገባባትን ብፍላይ ምስዚ ናይ ሕጂ ናይ ኪዳን ተረኽቦ ብምዝማድ ከተብርህ ክትፍትን እያሞ ሰናይ ንባብ።
ካብ ሳልሳይ ሰሙን ናይ የካቲት 2007 ኣብ ኪዳን መሪሕነት ጸገም ዝተረኽበሉ ግዜ ጀሚሩ ብዙሓት ናይ መርበብ ኢንተርነት ጽሓፍቲ ብዙሕ ክጽሕፉን ዝርኣርዮም ክገልጹን ክነቕፉን እውን ርኢና። ጋንታ ንሓርነት ተኸታተልቲ መርበብና ምእንቲ ካብቶም ናይቲ ጉባኤ ተሳተፍትን ወከልቲ ኣብቲ ድሕሪኡ ዝተኻየደ ናይ ማእከላይ መሪሕነት ኣኼባን እቶም ብቐረባ ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኮይኖም ዝከታተሉ ተዓዘብትን ክሰምዕዎ ብማለት በቲ ጉዳይ እቲ ዓምዲ (ኦዲቶርያል) ካብ ምጽሓፍ ተቖጢብና ጸኒሕና። በዚ ኣጋጣሚ እዚ ንሓደ ካብቶም ተዓዘብቲ ኣቶ ዓብዱረዛቕ ከራር ዝተባህለ ጋዜጠኛን ኣባል ናይ ኣብ ካርቱም ዝመደበሩ ኤርትራዊ ማእከል ናይ ዜና (መድያ) ኣገልግሎት ሓቀኛን ወድዓውን ገምጋምን ጸብጻብን ናይቲ ኣብ ውሽጢ ኪዳን ዝተረኽበ ኩነታት ብምቕራቡ ምስጋናና ነቕርበሉ (ዘቕረቦ ጸብጻብ ንምርኣይ ኣብዚ ጠውቑ) ።
ድሕሪ ኣብ ኪዳን ዝተረኽበ ቅልውላው ብዙሓት ጽሑፋት (ኣርቲክላት) ገለ ብናይ ብርዒ ስም ዝጥቀሙ ንናይ ነፍሲ ወከፍ ናይቲ ኣብዚ ግዜ’ዚ ተመቒሉ ዝርከብ ኪዳን ወገን ዝተወስደ ስጉምቲ ብምድጋፍን ምክልኻልን ተጻሒፎም እዮም። ገለ ካብቶም ጽሑፋት ቅንዕና ዝዓሰሎ ገምጋም ከቕርቡ እንከለዉ ገለ ግን ውድዓዊ ትሕዝቶ ኣይነበሮምን። ጸብጻብ ጋዜጠኛ ዓብዱረዛቕ ነቲ ኣብ ውሽጢ ኪዳን ዝተኸስተ ናይ ምፍንጫል ተረኽቦ ብንጹር ንምርኣይ ሓጋዚ ነይሩ።
ጋንታ ንሓርነት በዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ኣቢላ ነዘን ዝስዕባ ነጥብታት ከተማሓላልፍ ክትፍትን እንሆ፡ 1. ብዛዕባ ናይ ዴሞክራስያዊ ኣገባባዊ ስርዓት ዘሎ ድንግርግርን ብግቡእ ዘይምርዳእን ነዚ ናይ ኪዳን ዝኣመሰለ ምሕዝነታት ዘለዎ ዝምድናን ምብራህ። 2. ነቲ ብኣቦ መንበርና ብቋንቋ እንግለዘኛ ምስ ዘ ሪፖርተር ዝተባህለ ናይ ዜናዊ ጋዜጣ ዝገበሮ ቃለ መሓትት ጉጉይ ኣናብባ ምእራምን ምብራህን።
3. ነቲ ክልተ ወገናት (ብሎካት) ናይ ኪዳን ክሳዕቲ ዝተኻእለ ደረጃን መጠንን ብሓንሳእ ክሰርሑን ክተሓባበሩን ፣ ኣብ ክንዲ ነቲ ዝተረኽበ ቁስሊ ደጋጊምካ ኣብ ምጕዳእ ምንባር ናብቲ ናይ ለውጢ ናይ ምምጻእ ስራሕ ምብጋስን ምድሃብን ንጽውዕ።
እምበኣር ነዚ መብርሂታት እዚ ምእንቲ ክጥዕመናን ካብ ምድንጋር ንምድሓንን ሓድ ሓደ ኣገደስቲ ቃላት ብምዕዛብ ወይ ብምምርማር ንጀምር፡
ዲሞክራሲ፡ ( ናይ ህዝቢ ሕጊ) ኣብ ጥንታዊት ዓዲ ግሪኽ ዝመበቆሉ ቃል ህዝቢ ኣብቲ ናይ መንግስቲ ዝኸደሉ ወገንን ንጥፈታትን ናይ ምምራሕ ግደ ዝጻውትሉ ብመንጽር ናይቲ መንግስታት ብዝተወሰነ ደርቢ ወይ ፍሉይ ወገንን (ጉጅለ) ወይ እውን ክኢላታት መራሕቲ (ኣውቶክራት) ክርአ እንከሎ ዘሎዎም ማለት እዩ። እዚ ትርጉም ናይ ዲሞክራሲዚ ግን ንናይ ህዝቢ መሰልን ተኽእሎ ወይ ብቐጥታ ወይ ብውካይሎም ኣቢሎም ነቲ ኣብያተ ትካላት (ኢንስቲቱሽንስ) ንጉዳዮም ዝቆጻጸርሉ እዩ ብማለት ሰፊሑ ኣሎ። እዚ ፍልስፍና እዚ ንናይ ውልቀሰባት ማዕርነትን ዝለዓለ ዋጋ ወይ ክብደት ብምሃብ ንህዝቢ ብዘይ ገትኢ ወይ ገደብ ነጻነት ዝህብ እዩ። እቲ ዘድሊ ግድበታት ወይ መሕጸሪታት በቲ ፍቓድ ወይ ድምጺ ናይቲ ዝበዝሐ ክውሰንን ነቲ ናይ ማዕርነት መትከል ከኽብርን ይጠልብ። ናይ ባህርያዊ ሕግታት እምነታት ናብ ናይ ኩሎም ኣህዛብ ዝተወስኑ መሰላት ናይ ነብሰ ዕቀባ ካብኣቶም ክውሰድ እይከኣልን ዝብል ፍልስፍና ማዕቢሉ ይርከብ። ዲሳዊ እምንቶ ዘሎዎም ሸነኻት እዚ ናይ ፖለቲካ ማዕርነት እኹል ከም ዘይኮነ ብምሕባር ወይ ብማለት ብናይ ቁጠባዊ ማዕርነትን ብህዝባዊ ዋንነት ቀንዲ ወይ ዓበይቲ ናውቲ ማእቶት ብምስናይ እዩ ሓቀኛ ፖለቲካዊ ዴሞክራሲ ክረጋገጽ ወይ ክህነጽ ዝኽእል ይብሉ።
ሓደ ካብቲ ልሙድ ዝኾነ ትርጉም ተጠቒሱ ዘሎ ዴሞክራሲ ካብ ክልተ ናይ ግሪኽ ቃላት፡ ዲሞስ = ህዝቢን ክራስያ = ስልጣን ውይ ግዝኣት ወይ ከኣ ምምሕዳር ወይ ግዝኣት ብህዝቢ ብማለት ብመንጽር ሞናርኪ ወይ ከኣ ምልካዊ ይሪኦ። ብዛዕባ ናይዚ ዘመን ዚ ህዝቢ እናበዝሐን ወይ መንግስታት እናዓበያን ኣብ ዝኸዳሉ ዘለዋ ካብ ናይ ቀጥታዊ ዴሞክራሲ ናብ ናይ ውክልናዊ ኣገባብ ዛዝዩ ከምዘሎ ይገልጽ። ህዝቢ ፋሕ ኢሎም ስለዝነብሩን ስለዝበዝሑን ኣብ ኣኼባታት ወይ ዋዕላታት ክርከቡ ስለዘጸግም እቲ ናይ ውሳኔ ናይ ምሕላፍ ሓላፍነት ናብ ዝተወሰኑ ንኣሽቱ ጉጅለታት ወከልቲ ተረኪቡ ወይ ተመሓላሊፉ ይርከብ። ስለዝኾነ ምርጫታት ካብ ዝተፈላዩ ኣተሓሳስባን ፍልስፍናታት ዘለዎም ኣካላትን ናይ ሰልፊ መደብ ዕዮታትን ንናይ ዴሞክራሲ መስርሕ ኣገዳሲ ኮይኑ ይርከብ። ምእንቲ ንመራሕቶም ወይ ኣማሓደርቶም ምቍጽጻር ተወሳኺ ኣገዳሲ ኩነት ሕጋዊ ማዕርነት ዜጋታትን ናይ ሓበሬታ ነጻ ናብ ዜጋታት ናይ ምውሓዝን እዮም። (ዝያዳ ትርጉም ንምርእይ ነቲ ናይ እንግለዘኛ ጽሑፍና ተመልከቱ። እዚ ሓጺር ትርጓሜ ናህና ኣዩ)
ካብዚ ንባብዚ ኣንበብትና እቲ ዝተጠቕሰ ናይ ዴሞክራሲ ትርጉም ንህዝቢ ከም ውልቀ ዜጋታት ማዕረ ድምጽን መሰልን ከምዝህቦም ባዕላቶም ክመዝኑን ክርድኡን ይኽእሉ እዮም። ገለ ሸነኻት ነዚ ማዕርነት ናይ ዜጋታት ድምጺ ናብ ናይ ኤርትራ ተቓውሞ ደምበ ዝርከባ ውድባት ማዕርነት ብጥቃም (ብምጥዋይ) ነቲ ተረኽቦታት ምድንጋራት ከእትውሉ ፈቲኖም እዮም። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ተመልኪቱ ዘሎ እቶም ህዝቢ ወይ ዜጋታት ኩሉ ግዜ ኣብ ዋዕላ ወይ ኣኼባ ክርከቡ ስለዘይክእሉ ብወከልቲ ኣቢሎም ክሰርሑ ግድነት ይኾኖም። እቲ ማዕርነት ናይ ዜጋታት ኣብቲ ዋዕላታት ወይ ኣኼባታት ብመጠናዊ ወይ ዝምድናዊ ውክልና ብምጥቃም ይሕሎ። ብኻልእ ኣዘራርባ ዝበዝሑ ዜጋታት ዝበዝሑ ወከልቲ ብምስዳድ ወይ እውን ዝለዓለ ሚዛን ድምጺ ብምርካብ ማዕረነቶም ይሕለወሎም።
እምበኣር ሓደ ሕያዋይ ወይ ተዓዛብይ ከመይ ኢሉ እዩ ኩለን እዘን ኣብ ኪዳን ዝተወከላ ውድባት ኩለን ማዕረ ድየን ብማዕረ ዝተወከላ? ዝብል ሕቶ ክሓትት ባህርያዊ ይኸውን። ማዕረ እንተዘይኮይነን ስለምንታይ ብማዕረ ወከልቲን ድምጽን ይወካላ? ጋንታ ንሓርነት እዚ ማዕረ ኣወኻኽላን ድምጺ ኣሰላልዓን ኣብ ናይ ኪዳን መሰረታዊ ረቛሒ ናይ ዴሞክራሲ ሕጊ ከምዝጥሓሰ ንመዝን። ንኣብነት ሓንቲ ሓደ ሽሕ ዝኾኑ ኣባላት ዘለውዋ ውድብ ምስ ካልእ 50 ጥራሕ ዝኣባላታ ውድብ ማዕረ ድምጺ ይወሃባ ንበል። መሰል ናይቶም ኣባላት ናይታ ዝዓበየት ውድብ ነቲ ናይ መጠናዊ ውክልና ኣገባብ ብዘይምጥቃም ሰንኪ ከምዝተጋህሰ ብሩህ ከም ጸሓይ ቀትሪ እዩ። እቲ መሰረታዊ ጉድለት ፍትሒ ናይዚ ውድባት ማዕረ ውክልና ኣገባብ ቁልጭ ኢሉ ዝተራእየሉ እተን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ዘቖማ ሰለስተ ውድባት በብንጽለን እንተዝጸንሓ 6 ክውክላ እንዳኸኣላ እንከለዋ ኣብ ሓደ ውድብ ብምጥርናፈን ብክልተ ጥራሕ ስለዝተወከላ እዩ። ብመሰረቱ ጉባኤ ኪዳን ዝተገብረሉ ቀንዲ ምኽንያት ቻርተሩ ንምምሕያሽን መጠናዊ ውክልና ምትእትታውን ነቲ ዝተመሓየሸ ቻርተር እትመርሕ ብቕዓት ዘለዋን ንኪዳን ብሓዱሽ ኣገባብ እተንጥፍን መሪሕነት ንምምራጽን እዩ ነይሩ። እንተኾነ ግን ንኩለን ይዕበያ ይንኣሳ ውድባት ብማዕረ ይወካላ ዝብል ዘይፍትሓዊ ኣወኻኽላ ክሳዕ ኣብ ዝመጽእ ናይ ኪዳን ጉባኤ ፍትሓውን ማዕረነታውን ኣውኻኽላ ዝትግበር ብሕድገታዊ ስምምዕ ከምዝወጸ ኩልና ንፈልልጦ ሓቂ እዩ።
ኣብዚ ንኣንበብትና ከነዘኻክሮም እንደሊ ጉዳይ ኣብ ሕገ ስርዓት ወይ ትርጉም ናይ ዴሞክራሲ ናይ ሰልፍታት (ፓርቲታት) ማዕርነት ከምዘየሎ እዩ። ብዙሓት ካባኻትኩም ኣብ ዲሞክራስያዊ ኣገባብ ምሕደራ ዝኽተላ ሃገራት ከም እትቕመጡ መጠን ኣብቲ ፓርሊያመንት ናይ ብዝሒ ውክልና ወይ ውን መሪሐን ዘይፈልጣ ሰልፍታት ወይ ፓርቲታትን ከምዘለዋ ባዕልኻትኩም ትፈልጥዎ ሓቂ እዩ። ምኽንያቱ ድማ ዝበዝሐ ኣባላት ወይ ውን ሰዓብቲ ስለዘይብለን እዩ። እቲ ማዕርነት ናይ ውድባት ወይ ሰልፊታት ዝረጋገጽ ወይ ዝሕሎ ማዕረ መሰል ናይ ምውዳብን ምእንቲ ዝበዝሐ ድምጺ ክረኽቡን ኣባላት ናይ ንምብዛሕ ምንቅስቓስን ጥራሕ እዩ። ስለዝኾነ ድማ ኪዳን ንኹለን ይዕበያ ይንኣሳ ውድባት ማዕረ ውክልናን ድምጺን ምስ ሃበ እቲ ናይ ተራ ብዝሒ ድምጺ ንጎድኒ ገዲፉ ወይ ብስምምዕ ወይ እውን ጥቓ ምልኣተ ስምምዕ ዝኾነ ኣገባብ ኣሰራርሓ ክጠቀም ከምዝወሰነ ርኡይ እዩ።
2. ምሕዝነት፡ ሓደ ኢንሳይክሎፐድያን ገለ ካልኦት ኣብ ዲክሸነሪ ዳት ካም ዝርከቡ መዝገበ ቃላትን ብኸምዚ ዝስዕብ ይገልጽዎ፡
ጋንታ ንሓርነት ንኣንበብታ ባዕላቶም ኣብ ዲክሽነሪ ዳት ካም መርበብ ብምእታው ከረጋግጹ ደጊማ ትጽውዕ። ከምቲ ትርጉሙ ዝሕብሮ ምሕዝነት ብድሌት ናይቶም ነቲ ማሕበር ወይ ልፍንቲ ዘቝሙ ኣባላት ስምምዕ እዩ ዝቐውም። ብናይ ኪዳን ጉዳይ ንዝምልከት ብፍላይ እንተ ረኣና ኸኣ እቲ ቅድሚ እቲ ወከልቲ ናይቲ ማእከላይ መሪሕነት ኣኼባ ዝተኻየደ ጉባኤ ዝጸደቐ ቻርተር ከም ዕላዊ ስምምዕ መጠን ንዝፍጠር ዘይምርድዳእ ወይ እውን ዘይምስምማዕ ወይ እውን ኩሎም ወከልቲ ኣብ ስምምዕ ምስ ዘይበጽሑ ሕጋዊ መፍትሒ (መምርሒ) ይኸውን። ኣብቲ ጉባኣኤ ዝጸደቐ ኪዳን ኣገደስቲ ውሳኔታት ብናይ ሓባር ስምምዕ ክውሰኑ ምስ ዘይከኣል ማለት’ዩ ¾ ወይ 75% ድምጺ ይጸድቕ እዩ ዝብል። እተን ክልተ ዓበይቲን ኣገድስቲን ውሳኔታት ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ መሪሕነታዊ ወክልቲ ኣኼባ ኸኣ ፖሊሲታት ምጽዳቕን ፈጻሚ ኣካል ምምራጽን እየን። እቲ ዝለዓለ ቦታ ናይ ፈጻሚ ኣካል ኸኣ ኣቦ መንበር ምዃኑ ንማንም ብሩህ እዩ። ስለዝኾነ ድማ ¾ ድምጺ ከድልዮ ግድን ይኸውን።
ብዙሓት ጸሓፍቲ ነዘን ክልተ ኣካላት ናይ ኪዳን ብሎክ ብማለት ዝጠቕስውን ምኽንያት ነፍሲ ወከፍ ወገን ኣብቲ ዝተረኽበ ኣጀንዳ ነናይ ወገኖም መርገጽ ስለዝወሰዱ እዩ። እዚ ማለት ግን እተን ብሎክ ዘቝማ ውድባት ሓደ ውድብ ኮይነን ወይ እውን ብዝኾነ መልክዕ ከም ዝሰመራ ኣየስምዕን እዩ። እንተኾነ ግን ኣብቲ ናይ ኪዳን ኣኼባ ነፍሲ ወከፍ ብሎክ ሓደ መርገጽ ወይ ርእይቶ ከም ዝነበሮ እዩ ዘርኢ። ከምኡ ውን ናይ ሓባር ፕሮግራማዊ ዕላማ ኣለወን።
ነዞም ከደናግሩ ወይ ብጌጋ ክንጥቀመሎም ዝኽእሉ ቃላት ልሙድ ትርጉሞም ድሕሪ ምርኣይና ናብቲ ቀንዲ ኣርእስትና ንመለስ።
ብዛዕባ ናይ ዴሞክራስያዊ ስነስርዓታዊ ኣገባብ ዘሎ ዘይምርዳእን ንከም ኪዳን ዝኣመሰለ ምሕዝነት ብኸመይ ከምዝምልከቶን፡ ከምቲ ኣቐዲምና ዝረኣናዮ ናይ መዝገበ ቃላት ትርጉም ኣባልነት ኣብ ኪዳን ድሌታዊ ኮይኒ ኣብ ውሽጣዊ ቅዋም ከም ቻርተር ናይ ኪዳን ዝምርኮስ እዩ። ስለዝኾነ ኸኣ ኣገደስቲ ወይ ዓበይቲ ውሳኔታት ወይ ኣብ ምልኣተ ስምምዕ ወይ እውን ወሳኒ ብዝሒ ከም ¾ ዝኣመሰለ ዝምርኮስ ይኸውን። ኪዳን ዓበይቲ ውሳኔታት ብ¾ ድምጺ ይውሰን ዝብል ሕጊ ኣብ ቻርተሩ ወይ ቅዋሙ ኣጽዲቑ ምጽንሑ ለባም ስጉምቲ እዩ ነይሩ። እተን ርኡያት ኣገደስቲ ወይ ዓበይቲ ውሳኔታት ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ መሪሕነታዊ ወከልቲ ኣኺባ ዝውሰና ፖሊሲታት ምጽዳቕን ነቲ ዝተሓንጸጸ ቻርተርን ዝጸደቐ ቅዋምን እትትርጉም ፈጻሚ ኣካል ምምራጽን እየን። እቶም ገለ ኣካላት ተራ ብዝሒ ድምጺ ናይ ዴሞክራሲያዊ መትከላዊ ሕጊ ክጥቀሙ ነይርዎም ዝብሉ ሓቅነት ዘለዎን ምስቲ ናይቲ ኩነታት ሓቅታት ዝምድና ዘይብሉ ኣረኣእያ እዩ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ውድብ ወይ ሰልፊ እውን እንተኾነ ገለ ኣገደስቲ ዝባሃሉ ውሳኔታት ኣብ ክንዲ ብተራ ብዝሒ ድምጺ ብ 2/3 ወይ ¾ ድምጺ ንኽጸድቁ ኣብ ውሽጢቲ ቅዋም ናይታ ውድብ ወይ ሰልፊ ዝሰፍሩ ኣለዉ። ኪዳን ኣብ ክንዲ መጠናዊ ውክልና ንኹሎም ውድባት ዕብየቶምን ብዝሒ ኣባላቶምን ብዘየገድስ ብማዕረ ክትውክሎም ምስ ወሰነት ኣብ ክንዲ ብዝሒ ድምጺ ኣብ ስምምዕ ብምምርኳስ ክትሰርሕ እያ መሪጻ እዩ ዘስምዕ። ኣባላት ናይተን ዓበይቲ ውድባት ኣቲ ኣብ መግለጺ ዴሞክራሲ ዝተራእየ ትርጉም መሰሎም ከም ዝተጋህሰ ዕቃቤኦም ምግላጾም ኣይምተረፎምን። ነቲ ኩነታት ከም ዝቕበልዎ ዝሕግዝ እቲ ኪዳን ኣብ ምልኣተ ስምምዕ ወይ እውን ወሳኒ ብዝሒ ድምጺ ብምምርኳስ ስለዝሰርሕ እዩ።
መልሲ ነቲ ብኣቦ መንበር ውድብና ኣብቲ ምስ ሪፖርተር ዝተባህለ ማዕከን ዝተገብረ ቃለ መሓትት ዝሃቦ መግለጺ ግጉይ ኣናብባ ወይ ኣተረጓጕማ፡ ኣብቲ ብዶክቶር ዮውሃንስ ዘርአማርያም ዝተመርሐ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ጨንፈር ዋሽንግቶን ዲሲ ኣኼባ ዝወጸ መግለጺ እዚ ዝስዕብ ሰፊሩ ይርከብ፡ ናይ ኣኤርትራዊ ተቓውሞ ደንበ ቀንዲ ሓይሊ ምዃን ምሕላን ( ከምቲ መራሒ ናይ ሓንቲ ካብተን ውድባት ምስ ናይ ኢትዮጵያ ሪፖርተር ዝተባህለ ጋዜጣ ዝሃቦ ቃል) ነቲ ታሪኻዊ ኣመዓባብላ ናይ ተቓውሞ ውድባት ኣብ ርእሲ ዘይምንጽብራቑ ንናይ ውድባት ምትሕግጋዝ ወይ ምትሕብባር ናይ ኩሎም ሓይልታትን ንናይ ዲሞክራሲ ተሞክሮናን ሓጋዚ ኣይኮነን። ብመንጽሩ ናይ ሕድሕድ ምክብባርን ናይ ነፍሲ ወከፍን ናይ ኩሎምን ውድባት ብማዕርነት ተቐባልነትን ንናይ ሓባር መድረኽ ናይ ምቛምን ነቲ ናይ ምትሕግጋዝ መንፈስ ናይ ኩሎም ጉጅለታትን ናይ ተቓውሞ ውድባትን ምንጽብራቕን ምፍትሕ (ቀንዲ ረቛሒ) እዩ። (ካብ ኣንግሊዘኛ ትርጉም ናህና እዩ)
ካብ መበገሲኡ እቲ ብኣቦ መንበር ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ - ሰውራዊ ባይቶ ብጻይ ወልደእየሱስ ዓማር ምስ ማዕከን ሪፖርተር ዝተገብረ ቃለ መሓትት ኩሉ ሰብ ንኽሪኦ ብማለት ኣብ መርበብ ንሓርነት ብዕሊ ዘርጊሕናዮ ንርከብ (ዋላኳ ኣቲ ብቲፕ ዝተቀድሐ ብጽቡቕ ዘይተኣረመን ክስምዑ ዘይከኣሉ ቃላት ዝጎድሉዎን እንተኾነ)። ስለዚ መን ምዃኑ ነቲ ቃል ዝሃቦ ስዉር ኣይኮነን።
እንተ’ቲ ቀንዲ ወይ ዓብላሊ ሓይሊ ናይ ኤርትራዊ ተቓውሞ ደንበ ንምዃን ናይ ምሕላን ጉዳይ ብዝምልከት ግን ብዝኾነ ሰብ ከም ሓደ በርቂ ወይ ሓዱሽ ነገር ዝውሰድ ጉዳይ ኣይኮነን። ነፍሲ ወከፍ ናይ ፖሊቲካ ውድብ ወይ ሰልፊ ክዓብን በቲ ዝበዝሐ ክፍልታት ህዝቡ ተቐባልነት ክረክብ ክሕልንን ክጽዕርን ባህርያዊ እዩ እቲ ውድብ ንብዙሕ ህዝቢ ዘየዕግብን ክስሕብ ዝኽእልን ዕላማን ራኢን ዘይብሉ እንተዘይኮይኑ። ውድብና ዴሞክራስያዊ መትከላት ክሳዕ ዝሃለዎን ነቲ ዴሞክራስያዊ መትከላት ኣብ ግብሪ ክሳዕ ዘውዓሎን ዝተቐየደሉን ንዝተፈላለዩ ኣካላት ህዝብና ብምዕጋብን ኣብ ጎድኑ ብምጽጋዕን ኣገዳሲ ሓይሊ ንምዃን ምሕላኑ ብጊጋ ክርአ ዝግብኦ ጉዳይ ኣይኮነን። ብዝኾነ ድሮ ኣገዳሲ ውድብ ምዃኑ ኢና እንኣምን። እንተ ኾነ ውድብና ተ.ሓ.ኤ. - ሰ.ባ. ንተ.ሓ.ኤ.ን ንኻልኦት ሓይልታትን ብምዕዳም ነቲ ኪዳን ክመርሕ ዝኽእል ሓይሊ ብምቛም ንሃገርና ካብ ምልኪ ናብ ዴሞክራሲ ክንቅይሮ ምጽዋዕና ኣብ መዝገብ ዝሰፈረ ጉዳይ እዩ። ኣብዚ ከይተጠቕሰ ክሓልፍ ዘይብሉ ኣገዳሲ ጉዳይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ - ሰውራዊ ባይቶ ኩሉ ግዜ ምስ ካብኣ ኣዝየን ዝንእሳ ገሊኤን እውን ስም ጥራሕ ዝሓዛ ብማዕረ ውክልና ብስምምዕ ክትሰርሕ ምጽናሓ ዘሎ ሓቂ እዩ። ብዝኾነ እቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ዓማር ዝተዛረቦ ቃል ኣንበብቲ ባዕላቶም ንኽመዝኑ እንሆ ነቕርቦ፡
ገለ ዘለዎ ውይ ዝህብ ጉዳይ ኣለዎ’ዶ? (ናይ ጋዜጠኛ ሕቶ) እወ ተስፋ ኣለዎ። ምኽንያቱ ኸኣ እቶም ተመሳሳሊ መደብ ዕዮ ዘለዎም ሓይልታት ብዝያዳ እንዳተቐራረቡ ይኸዱ ብምህላዎም እዩ። ንኣብነት ኣብ ኢትዮጵያ ምሕዝነት ነይርኩም ነቲ ምሕዝነት ዝመርሕን ዝውግንን ሓይሊ የድልዮ ነይሩ ማለት ህዝባዊ ወያኒ ሓርነት ትግራይ። ፍልስጤማውያን ፋታሕ ኣብ ውሽጢ ውድብ ሓርነት ፍልስጤም ኮይኑ ዝመርሕ ሓይሊ ኣብቲ ምሉእ መዋእል ቃልሶም ነይርዎም። ንሕና ግን ወያኔ ሓርነት ትግራይ ይኹን ፋታሕ ኣይጸንሓናን። ሕጂ ግን ከነቝሞ ጀሚርና ኣሎና።
እቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐሶ ነቲ ካብ ግንባር ሃገራዊ ድሕነትን ናይ ኤርትራ ሰልፊ ዴሞክራሲን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ - ሰውራዊ ባይቶን ዝቖመ ሃገራዊ ዴሞክራስያዊ ብሎክ እዩ። ኣብ መንጎ ውድባት ናይ ሕድሕድ ምክብባርን ምትሕግጋዝን ክህሉ የብሉን ዘስምዕ ቃል ኣየውጸአን ወይ ውን መልእኽቲ ኣየማሓላለፈን። ኩለን ውድባት ማዕረ ናይ ምስራሕን ምስፋሕን ባይታ እዩ ክህልወን ዝግባእ። ምኽንያቱ ድማ ብፖሊቲካውን ቍጠባውን መዳያት ኣብ ኣባላተን ክምርኮሳ ከም ዝግብአን ስለዝእመን። እቲ ኩለን ውድባት ዕብየተንን ብዝሒ ሰዓብተንን ጽልወአንን ብዘየግድስ ማዕረ እየን ዝብል መጎተ ዓቢ ጌጋ እዩ። ሓውና ዮውሃንስ ድማ ኣብዚ ጌጋ’ዚ እንተዘይዓልብ ምተመነና። እተን ሕጂ ግንባር ድሕነት ኤርትራ ኣቚመን ዘለዋ ሰለስተ ውድባት ካብ ናይ ሓደ ውድብ ድምጺ ንላዕሊ ክስላዓለን ምስ ሓተታ ውድብካ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ምቅዋሙስ ፍትሓዊ ዶ? ነቲ ማዕረ ባይታ ክህልወን ኣለዎ ዝብል ርእይቶኻ ይበቕዖዶ? ብመንጽሩ እንበኣር እዘን ናይ ኪዳን ውድባት መጠናዊ ውክልና ምስ ዝህልወን እዩ ብማዕረ ይራኣያን ካብ ማዕረ ባይታ ተበጊሰን ክንብል እንኽእል እምበር ማዕረ ውክልና ምሃብሲ ነተን ዓበይቲ ዓሚጽካ ነተን ንኣሽቱ ኣብ በሪኽ ኣቐሚጥካ ምርኣይ እዩ ዘስምዕ። ኢርትራዊ ሰልፊ ዴሞክራሲን ግንባር ሃገራዊ ድሕነትን ሰውራዊ ባይቶን ስጡም ብሎክ ኣቚመን ናብ ስምረት እንተዝስጉማስ ነዚ ናይ ኤርትራ ተቓውሞ ደንበ ብፊተውራርነት ክመርሓኦ ዶ ኣይምኸኣላን ወይ ኣይምበቕዓን? ብሚዛንና ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ዘለዎ ምልካዊ ዓዘቕቲ ንምውጻእ ካብ ማዕረነት ናይ ዝተፈናጨለ ንኣሽቱ ሓይልታት ክሕሉ ተወሳኺ ዓመታት ዘጥፍእስ ፍተውራሪ ኮይኑ ዝመርሖን ከም መተካእታ ናይቲ ምልካዊ ስርዓት ዝሪኦ ግዙፍ ሓይሊ ብቕጽበት ክፍጠር ይመርጽ ንብል። ውድብና ነዚ ንምትግባር ይሰርሕን ይጽዕርን።
እዘን ክልተ ብሎካት (ሸነኻት) ናይ ኪዳን ብሓባር ዝሰርሓሉ ኣገባብ ክፈጥራ ንጽውዕ፡ ብመጀመርታ ነቶም ብትዕግስትን ጽሞናን ከይሰልከዩ ብተብላሕነት ዝሰርሑ ኣባላት መሪሕነት ብጾትና ዝዓሞቐ ምስጋናና ነቕርብ። ንሳቶም ከኣ ዓማር፣መንግስትኣብ፣ደጊጋ፣ኣርታዓን ኣብ ጎኖም ኮይኑ ምኽሩ ዝለገሰ መሓመድ ዓሊን ኣብቲ ጉባኢ ኪዳንን ብድሕሪኡ ዝነበረ ግዜ ዘርኣይዎ ጽዓት እዩ። ነቶም ናይ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን ሰልፊ ዴሞክራሲ ኤርትራትን መሪሕነታዊ ወከልቲ ኸኣ ኣድናቖትና ንገልጽ። ንሱ ኸኣ ብዘይ ምስልካይን ብተባላሓነትን ምስረሖምን ብተዓጻጻፍነት ዝተፈላለዩ ፍትሓት ብምቕራቦምን እዩ። ዋላኳ እቲ ዘቕረብዎ ለባም ፍትሓት ብዘይ ለባም ኣረኣእያ እንተተነጽገ።
ወከልቲ ናይ ብሎክና ሕጂ እውን እንተኾነ እዘን ክልተ ሸነኻት (ብሎካት) ብዝተኻእለ መጠን ነንሕድሕደን ዝወኻኸሳሉን ክሳዕ ዝተኻእለ ደረጃ ብሓንሳእ ዝሰርሓሉን ዝኽእላ መራኸቢ መስኖ ክፈጥራ ሓሳብ ኣቕሪቦም እዮም። ነንሓድሕድ ካብ ጸለማውን ክሳውን ምምልላስ ከድሕን ዘኽእል ኣብ ሃገር ተንከፍ ዝኾኑ ነገራት ብሓባር ክሰርሓ ከምዝኽእላ ንህዝብና ዘርእያሉ ዕድል ዝህብን ሓሳብ እዩ። ስለዝኾነ ድማ ኣዎንታዊ መልሲ ይግብኦ ንብል።
መደምደምታ፡ ነቲ ምስምዑ ዘየሐጉስ ናይ ምፍንጫል ሙዚቃ ደጋጊምካ ምጽዋትን ነቲ ነፍሲ ወከፍ ወገን ዝወሰዶ ስጉምቲ ርትዓዊ ጌርካ ንምቕራብ ዝግበር ምክልኻልን ነቲ ተረኽቦ ኣይቅይሮን እዩ። ኣብቲ ሓንሳእ ዝኾነ ተረኽቦ ብምትኳር ክርከብ ዝኽእል ንመጻኢ ዝጠቅም መኽሰብ ወይ እውን ፍታሕ የለን። ነቲ ተረኽቦ ከምቲ ዘለዎ ኩናታቱ ተቐቢልካ ንመጻኢ ምጥማትን ምስጓምን ዝሓሸ ውጻኢት ከምጽእ ይኽእል ኢልና ንኣምን። ውድብና ኣብ ኩሉ መዳያዊ ንጥፈታቱ ተዋፊሩ ስርሑ ይቕጽል እነሆ። ኩለን ውድባት ድማ ኣብ ተግባራዊ ስራሕ ብምውፋር ንለውጢ ክሰርሓ ንጽውዕ። ዲሞክራስያዊ ለውጢ ብተግባራዊ ስራሕ እዩ ክምዝገብ ዝኽእል። እቶም ኣብ ውድባት ዘይተስርዑ ኣካላት ኸኣ እቲ ተረኽቦ ዘሕዝን እኳ እንተኾነ ከም ናይ መወዳእታ ዓለም ወይ ቀቢጸ ተስፋ ገይሮም ካብ ምቕራብ ክቝጠቡ ዝሓሸ እዩ ንብል። ናብቲ ዝመረጽዎ ውድብ ወይ ብሎክ ብምምራጽ ዝከኣሎም ከበርክቱ ዝሓሸ ኮይኑ ይረኣየና። ብዝዕባቲ ተረኽቦ ብቐጻሊ ምቝዛም ግን ንሞራል ናይ ህዝብና ምውዳቕ እንተዘይኮይኑ ነቲ ንለውጢ ዝግበር ቃልሲ ምንም ሓገዝ የብሉን። ኣብቲ ዘቕርብዎ ሚዛንን ገምጋምን ኸኣ ካብ ንኹሉ ብማዕረ ግጉይ እዩ ካብ ምባል ውድዓውን ተባዕን ዝኾነ ትሕዝቶ ከቕርቡ ይግባእ። ከይንጽላእ ንኹሎም ብማዕረ ግጉያት ንበሎም ማለት ዝኾነ ጸገም ንምፍታሕ ዘይሕግዝ በለጽ ዝዓብለሎ ኣቀራርባን ኣመላኻኽታን ስለዝኾነ ክውግድዎ ይግቦኦም። እቶም ኪዳን ዋላ ሓንቲ ኣይሰርሓን ኣየፍረየን ምምሕያሽ የድልዮ ኣሎ ዝብሉ ዝነበሩ ባእታታት ሕጂ ተመሊሶም ንመራሕትና ነቲ ዘይንጥፈትን ዘይምፍራይን ሓላፍነት ዝስከም መራሒ እንደገና ዘይተቐበልኩሞ ኢሎም ክነቕፍዎም ኣይግበኦምን እዩ። ኪዳን ንኢሳያስ ንምልጋስ ብሓባር ንምስራሕ ተባሂሉ ዝተመርጸ መቃለሲ መንገዲ እዩ ነይሩ። ሕጂ እውን እንተኾነ እዘን ክልተ ብሎካት (ወገናት ኪዳን) ኣብ ክንዲ ምጥቕቓዕ ብዝተኻእለ ብሓበር ምስራሕን ምትሕብባርን ምስ ዝመርጻ እቲ ዕላማ ሸቶኡ ክወቅዕ ይኽእል እዩ። ለውጢ ክመጽእ ዝኽእል ንኹሉ ሓይልታትና ናብ ናይ ኢሳያስ ህግደፍ ብምቕናዕን ብከቢድ ስራሕን ጻዕርን እዩ።
ምስጋን ንኣንበብትና ጋንታ ንሓርነት
Contact us at:: webmaster@nharnet.com
|