TO THE POINT

EDITORIALS:                  FOLDERS:

Irpq Šmk …}kmkq|:

³}p }HX{q: 07-25-04


ELF-RC Looking Ahead, Never Back

The Nharnet Team:  02-05-04


 

Preaching and Practicing Democracy

The Nharnet Team: 11-01-03


Vision, Values and Courage, Necessary Ingredients in Political Leadership


Actions Taken by the Chairman of ELF-RC

Facts and Fiction

 

The Nharnet Team


A Short Note to ELF-RC Members and Supporters

The Nharnet Team


ELF-RC Leadership

The Nharnet Team:


The First Anniversary of Nharnet.com

The Nharnet Team


Changing Times - Changing Roles 

The Nharnet Team: 01-05-03


Isayas’s PFDJ resorts to its “Wahyo” days' strategy on 

The Nharnet Team


“Zekeruna Ab Guday Hager”

A Response To A Question From Our Youth in Asmara

The Nharnet Team


What Is the Positive Side of PFDJ?  Isn’t your main motive revenge against the EPLF?  

The Nharnet Team


kòq-ÃöIÊq o.H.„í.[.l.

 ]DM}p§ …mk …ªï] …kl'D÷?

The Nharnet Team

=============

The Nharnet Team


Why ELF-RC Office in Addis?  

The Nharnet Team


What Our Readers Ask:

Why Couldn’t the ELF-RC Take Part in the 1993 referendum?  

The Nharnet Team


What The Misguided, The Sarcastic, and The Hardliners Say About Us

The Nharnet Team


 

PFDJ On Cyber Terrorism

The Nharnet Team


 

Congratulations to class of 2002

The Nharnet Team

 


ዝቐውም ሓዱሽ ሰልፊ ንሓድነትን ግንባራዊ ዝምድናን ንቕድሚት ዝደፍእ ቅዲ እዩ

መልሲ ንገለ ሕቶታት

 

6ይ ሃገራዊ ጉባኤ ተጋድሎ ሓርነት ሰውራዊ ባይቶ ንነብሱ ኣልዩ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ሓዱሽ ሰልፊ ወይ ፓርቲ ከቕውም ከም ዝወሰነ ኩሉ ፈሊጥዎ ዘሎ ጉዳይ እዩ።  እዚ መደብ ናይ ምቛም ሰልፊ’ዚ ውሱን ስነሓሳብ ሃልይዎ ሰባት ንክሕወስዎ ዝሓትት ዘይኮነስ ምስ ኩሎም ድሉዋት ዝኾኑ ውድባትን ሰልፊታትን ማሕበራትን ጉጅለታትን ውልቀሰባትን ብምልዛብ ዝቐውም ንሓድነትን ምውህሃድን ዝዕድም ቅዲ እዩ።  ብዕላምኡን ብናይ ኣብ ግብሪ ኣወዓዕልኡ መደብን ንሓድነት ዘደንፍዕን ንተቓውሞ ዘሓይልን ራኢ ዝሓዘለ ኣተሓሳስባ ኣዩ።  እዚ ከምዚ እንከሎ ንናይ ሕጂ ተግባራዊ ጠለባት ናይ ውድብና ዝምልስን ንናይ ጽባሕ ዴሞክራስያዊት ኤርትራ መሰረት ዝተክልን ገስጋሲ ኣተሓሳስባ እዩ።

 

ኮይኑ ግን ዝኾነ ይኹን ሓዱሽ ሓሳብ ክወጽእን ክእወጅን እንከሎ ምብራህ ዘድልዮ ሕቶታት ክህሉ ግድነታዊ ሓቂ እዩ። ንሓርነት ኸኣ ሓሓሊፋ ንዝስምዑ ሕቶታት መብርሂ ከተቕርብ ትፍትን እያ። ገለ ካብቶም ዝቐርቡ ሕቶታት ወይ ርእይቶታት ከምዝስዕቡ እዮም።

 

  • እቲ ናይ ሰልፊ ምቛም መደብኩምን ብሓድሽ ሓሳብ ምውጻኣኩምን ጽቡቕ እዩ። እንተኾነ ግን ህዝብና ብህግደፍ ዓቕሉ ጸቢብዎ ስለዘሎ ሕጂ ኣብቲ ናይ ህግደፍ ምእላይ እንተተኩሩ እሞ ኣቲ ዓቕምታት ናብኡ እንተ ተውዕልዎ’ዶ ኣይምሓሸን?  

ኣብዚ ክዝከር ዘለዎ ጉዳይ ናይ ሰልፊ ምቛም መደብ ንዝኾነ መዓልታዊ ንጥፈታትን ስራሕትን ዝዕንቅፍን ወይ ዘዳኽምን ኣይኮነን። ንምምስራት ዴሞክራሲን ንናይ ህግደፍ ዲክታተርያዊ ምሕደራ ካብ ስሩ ምሒኻ ናይ ምስዳድን ስራሕ ውድብና መሰረታዊ ዕማም ናይ ቃልስናን እዩ። ናይ ለይትን መዓልትን ጽዓት ውድብና እውን ኣብዚ ዕማም እዚ ዘትከለን ዘተኮረን ስለዝኾነ ዝኾነ ስክፍታ ክሓድር ኣይግባእን።  ናይ ውድብና ንጥፈታትን ምስ ካልኦት ናይ ተቓውሞ ኣካላት ዝግበር ሓባራዊ ልዝብን ስራሕትን ካብቲ ዝነበሮ ብዝሓነነ ደኣ ይቕጸል እምበር ዝዝሕል ጉዳይ ኣይኮነን።  ዘውጻእና መደብ ነውጽእ ውድባዊ ኣዒንትና ኣብ ህግደፍን ህዝብና ዘሕልፎ ዘለዎ ሓለትን ነቕ ከምዘይብላ ንህዝብና ብሩህ ክኸውን ንደልዮ። እቲ ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ታሪኽ ዝተሞርኮሰ ፍልልያት ብምትኳር ዘጥፋእናዮ ግዜ ንጎድኒ ገዲፍና ኣብ መጻኢ ብምትኳር ብሓዱሽ መንፈስ ምብጋስና ነቲ ቱኽረት ናብ ህግደፍን ናይ ህዝብና ካብ ዘለዎ ዓዘቕቲ ናይ ምውጻእን ከም ዝኸውን ይገብሮ። ስለ ዝኾነ ድማ ኣዋጅና ምሉእ ኣትኩሮና ናብ ህግደፍን ንመጻኢ ዕድል ሃገርናን ህዝብናን ከምዝኸውን ይገብሮ።  እቲ ቀንዲ ክመሓየሽ ዘለዎ ሸነኽ ናይ ቃልስና ዘይተሳተፉ ከምዝሳተፉን መንእስያት ከም ዝሕወስዎን ምግባር ብምዃኑ ኣዋጅና ነቲ ድኽመት ንምእራም ዝዓለመ እዩ።    

 

  • ሰልፊ ናይ ምቛም ኣዋጅኩም ጽቡቕ እዩ ብመሰረቱ እውን መሰልኩም እዩ። እንተኾነ ግን ሰልፊ ብሓደ ስነሓብን ኣምርን ዝኸይድ ስርርዕ ከም ምዃኑ መጠን ካብ ግንባር ናብ ፓርቲ ክትሰግሩ እንከለኹም ኣብ ውሽጥኹም ፍልልይ ክፈጥር ይኽእልዶ?

እዚ ሕቶ’ዚ ብዉሑዳት ዝሕተት ይኹን እምበር ምስዚ ግዙፍ ለውጢ ዝሓዘ ውሳኔ ናይ 6ይ ጉባኤ ክመጽእ ዘለዎ ባህርያዊ ሕቶ እዩ። ብፍላይ ኣመጻጽኣ ናይ ውድብና ብግቡእ ዘይተገንዘቡን ሕጂ ኣብ ውሽጢ ውድብና ተኸሲቱ ዘሎ ምዕቡል ኣካይዳ ዘይፈልጡን ኣካላት ስክፍታኦም ክገልጹ ቅቡል እዩ። ብቕሉዕ ምሕታቶም ኸኣ ነመስግኖም። ብቕዳምነት እቲ ነዚ ሰልፊ’ዚ ናይ ምቛም መደብ ኣብቲ 6ይ ጉባኤ ዝበቖለ ሓዱሽ ሓሳብ ኣይኮነን።  ካብ መሰረቱ ንኩሎም ኣባላት ውድብና ብ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ዝምላእ ናይ ቃለ መሓትት ቅጥዒ ብምዛር ዝተኣከበ ጥሙር ሓሳብ ምርኩስ ዝነቐለ ሓሳብ እዩ።  ነቲ ሓሳብ ንምብሳልን ብኹሉ መዳያቱ ንምምዛን ኸኣ ናይ መጽናዕቲ ሽማግለ ቆይሙ ብሲፊሑ ብምጽናዕ ዝቐረበ ጽማቝ እዩ።  እቲ ጽማቝ ከኣ ናብ ኩለን ጨናፍርን ጉጅለታትን ውድብ ቀሪቡ ምሉእ ክትዕ ብምክያድ ናይ ኣባላት ደገፍ ዝረኸበ ሓሳብ እዩ።  ብተወሳኺ ነፍሲ ወከፍ ጉጅለ ወካይላ ናብ 6ይ ጉባኤ ክትሰድድ እንከላ ነቲ ዓበይቲ ለውጢ ዘድልዮ ኣርእስታት ብምክታዕ ብለበዋታት መልክዕ ኣሕሊፋ እያ።  ካብቲ ዝሓለፈ ለበዋታት ማእከላይ ቦታ ዝሓዘ እዚ ናይ ሰልፊ ምቛም እዩ ነይሩ። ከምኡ እውን ናይ እቶም ኣብ ውድብ ዘይተስርዑ ባእታት ሕሉፍ ናይ ፖለቲካዊ ጸጊዕነቶም ብዘይገድስ ብምዝርራብ ዝእከብ ዝነበረ ሓሳብ ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ ነይሩ።  እቲ ርእይቶ እቲ ካብ ኣብ ታሪኻዊ ፍልልያት ምትኳር ክንርሕቕን ነቲ ብታሪኽ ምስ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብሓፈሻ ይኹን ሰውራዊ ባይቶ ኸኣ ብፍላይ ዝተፈልዩ ኣካላት ዝሕውስ ስም ብምልባስ ናብ መጽኢ ንኽንጥምት ዝዕድም ለበዋታት ሚዛን ተዋሂብዎ እዩ። እዚ ዝተገልጸ ኣመጻጽኣ ናይ ሰልፊ ምቛም ኣዋጅና ምስቲ ናይ ኣባልና ጽሩብ ተሞክሮ ናይ ዴሞክራስያዊ ጽንዓት ተደሚሩ ዘሰክፍ የብልናን። ስለዝኾነ ድማ ህዝብና እውን ዘሰክፍ የብሉን። ብመሰረቱ ግን ሕልሚ ፈሪሕካ ከይደቀስካ ኣይሕደርን ከም ዝበሃል ንሃገርናን ህዝብናን ለውቲ ንምምጻእ ሓጋዚ ዝኾነ መደባት ብፍርሒ ጠጠው ኣይነብሎን። ብምሰረቱ ኣባልና ብዕግበት መርገጽ ዝወሰደ ምዕቡል ኣሰራርሓን ኣዋጃትን ከኣ ብድሌቱን ውሳኒኡን ዘተግብር ስለዝኾነ እቲ ኣዋጅ ኣዋጁ ስለዝኾነ ጠጠው ክብለሉ ጥራሕ ዘይኮነስ ንቕድሚት ይደፋኦ።

 

  • ሰልፊ ናይ ምቛም ኣዋጅኩም ይኹን ብተግባር ፓርቲ ምቛምኩም ንምስ ካልኦት ሰልፍታት ይኹን ውድባት ትገብርዎ ናይ ሓባር ስራሕን ናይ ሓድነት መደብ ከመይ ይጸልዎ?

 እቲ ኣዋጅና መሰረታዊ ኣትኩሮ ኣብ ናይ ታሪኽ ፍልልያት ካብ ምክታዕን ግዚን ሓይልን ካብ ምጥፋእ ኣብ መጻኢ ብምትኳር ምስ ካልኦት ናይ ምስራሕ ተኽእሎ ጽርግያ ምጽራግን ብታሪኻዊ ኣመጻጻኦም ካባና ንዝፍለዩ ኣብ ሓድነት ንምእታውን ንውልቀሰባትን ጉጅለታትን ማሕበራትን ኣብቲ ናይ ሓባር ሰልፊ ኣባልነት ክወስዱ ማዕጾ ኣግፊሑ ዝኸፍትን መርሆ እዩ።  ስለዚ ነቲ ብሓባር ምስራሕን ኣብ ሓደ ናይ ምምጻእ ዕማም ንቕድሚት ይውንጭፎ። ታሪኽ ካብኡ ክትመሃሮ ዘሎካ ጸሚቝካን ንተረኽቲ ገዲፍካን ንመጻኢ ምስራሕ ንዝብል መርሆ ብተግባር ዘሰነየ ንናይ ሓባር ስራሕን ሓድነትን ዘዕዝዝ ኣዋጅ እዩ። ኩሉ ግዜ ሓድነት ምስቶም ብፖለቲካዊ ፕሮግራም ዝቐርቡኻ ምስ ብፖለቲካዊ መትከል ዘይዛመዱኻ ከኣ ብዝተሓተ ነጥቢ እንዳተላዘብካ ምኻድ እዩ እቲ ተግባራዊ ጉዳይ።  እንተ ሓድነት ምስ ካልኦት ብዕላማን ፖለቲካዊ ፕሮግራምን ምሳና ዝሰማምዑ ኣካላት ግን ካብ ቅድሙ ዝጸንሐ መርሆና እዩ።  6ይ ጉባኤ እውን ንሰውራዊ ባይቶ ሓድነት ናይ ምውሳንን ምትርጓምን ሓላፍነት ኣሓድሽሉ እዩ።  ሰውራዊ ባይቶ ኸኣ ኣብ’ቲ ደድሕሪ ጉባኤ ዝተኻየደ ቀዳማይ ስሩዕ ኣኼብኡ ንፈጻሚት ሽማግለ ምሉእ ሓላፍነት ሂብዎ እዩ። 

 

·                    እቲ ዝቐውም ሰልፊ እንታይ ዓይነት ስነሓሳባዊ ፍልስፍና እዩ ዝኽተል?

እቲ ሕጂ ዴሞክራስያዊት መንግስቲ ንምቛም እንኽተሎ  ዴሞክራስያዊ መትከልና ኢና እንሰርሓሉ። ብሓፍሽኡ እቲ ሕጂ ዘሎ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ብዙሕ ምቅይያር ክንገብረሉ ዘውጻእናዮ መደብ የሎን። ብመሰረቱ ግን ምስቶም ምሳና ኮይኖም ሰልፊ ከቝሙ ዝደልዩ ውድባት፣ሰልፊታትን ማሕበራትን ውልቀሰባት ኮይንካ ዝረቅቕ ጉዳይ እዩ። ናህና ርእይቶ (proposal) ሒዝና ክንቀርብ ንኽእል እምበር ውዱእ ዝኾነ ስነሓሳባዊ ፍልስፍና ሒዝና በዚ ኢና ንኸይድ ናይ ምባል መደብ የብልናን።  ምስ ሰልፊ መቓውምትና ብሓባር ዝረቅቕ ጉዳይ ኣዩ። ኣብ መወዳእትኡ ድማ ሃገር ብህዝቢ ዝሰማማዓሉ ሃገራዊ ቅዋም እያ እትመሓድር።

 

 

ሃገርና ኤርትራ ሳላ ናይ ህዝባ ዘይሕለል ቃልስን ክፍሊትን ናይ ስዉእትና ክቡር ደምናን ናይ ጀጋኑ ናይ ሰውራና ኣካለ ስንኩላናን ነጻነታ ካብ እትረክብ ድሮ 15 ዓመት ሓሊፉ።  ድሕሪ ናይ 15 ዓመት ሓደ ዓይነት ኣገባብ ኣቀላልሳ ንህዝብና ካብ ናይ ህግደፍ ጭቆናዊ ጨካን ምሕደራ ከነናግፎ ኣይከኣልናን።  ኣብ ዝተወሰነ ግዜ ሓዱሽ መደብን ኣገባብን ክንፍትን ናይ ግድን ይኸውን።  እዚ ሰልፊ ናይ ምቛም ኣዋጅ ነቲ ሓድሽ ኣገባብ ዝምልስ እዩ።  ከምቲ ሓደ ኣኸቤኛ ዝበሎ “(you can’t expect new results by doing the same thing all the time) ኩሉ ግዜ ሓደ ዓይነት መደብን እናተኸተልካን ሓደ ዓይነት ስራሕ እናደገምካን ሓዱሽ ውጽኢት ክትጽበ ኣይትኽእልን ኢኻ”።   ኣብ ሓደ ግዜ ሓደ ተባዕ ስጉምቲ ወሲድካ ብሓዱሽ ስትራተጂን ታክቲክን ክትወጽእ ኣሎካ ሞ ንኹነታትን ውጽኢቱን ክትቅይሮ ይከኣል።  ክሳዕ ሕጂ ካብ ውደባ ነጻ ዘለዉ ኣካላትን መንእሰያትን ተረኺቡ ዘሎ ተቐባልነትን ምትብባዕን ኣብቲ ሰልፊ ናይ ምስታፍ ምምያጥን ብጣዕሚ ዕዙዝን ልዑልን እዩ።  ንህዝብና ራህዋ ንምምጻእ ከኣ ብሓባር ዓጢቕና ክንሰርሕ ኢና።

 

ዝኽሪ ንስዉኣትና!!!

ጋንታ ንሓርነት

 


Contact us at::  webmaster@nharnet.com