|
ዑደት ላዕለዎት ሓለፍቲ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን
ኮሚሽን ስደተኛታት ሱዳንን ኣብ ኣውራጃ ቀይሕ ባሕሪ
ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን
ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ
26.02.2008
ብዝሒ ዋሕዚ ኤርትራውያንን ሶማልያውያንን ስደተኛታት ናብ ምብራቓዊ ሱዳን ንምጽናዕን፤ ከምኡ ውን፡ ብመሰረት ሽማግለ
ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ፖርትሱዳን ቅድም ክትብል ኣቕሪባቶ ዝነበረት መዘክራትን ጥርዓናትን፡ ኵነታት መነባብሮ
ስደተኛታት ኤርትራውያን ንምዕዛብ፡ ሓባራዊ ልኡኽ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን (UNHCR)
ኮሚሽን ስደተኛታት ሱዳንን (COR) ብዕለት 19.02.2008 ናብ ኣውራጃ ቀይሕ ባሕሪ ዑደት ኣካይዱ።
እቲ ልኡኽ፡ ኣብ ዶባት ሱዳንን ኤርትራን ብምዝውዋር ብዝገበሮ ትዕዝብቲ፡ ኣብ ከባቢ ተኰርን ቃሩራን ሓደስቲ መቐበሊ
መደበራት ንኤርትራውያን ስደተኛታት ክቐውም ወሲኑ።
ከምኡ ውን፡ እቲ ልኡኽ ምስ’ታ ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ኣብ ፖርትሱዳን ዝቘመት ብጕዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት
ኣበርቲዓ ክትንቀሳቐስ ዝጸንሐት ሽማግለ ናይ ክልተ መዓልታት ርክብ ኣካይዱ። ኣብ’ዚ ምስ ሽማግለ ኤርትራውያን
ስደተኛታት ፖርትሱዳን ዝተገብረ ርክብ’ዚ፡ እቲ ሓባራዊ ልኡኽ፡ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ዘጋጥም ብዙሕ ጸገማት
ከምዘሎ ተኣሚኑ፤ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ንምፍታሑ ድማ፡ ጸብጻባቱ ናብ ዝምልከቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ ከመሓላልፎ ምዃኑ
መብጽዓ ኣዩ።
ኣብ’ዚ ሓባራዊ ልኡኽ እተሳተፉ ናይ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ናይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሱዳን
ወከልቲ ካብ ምብራቓዊ ዞባ (ሽወክ)፤ ላዕለዋይ ተወካሊ ኮሚሽን ስደተኛታት ሱዳን (ኮር)፤ ናይ ላዕለዋይ ኮሚሽን
ሕቡራት ሃገራት ናይ ሕጊ ኣማኻሪ፤ ከምኡ ድማ፡ ናይ ላዕለዋይ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ናይ ዑቝባ
(protection) ሓላፊ ምንባሮም ንቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ካብ’ቲ ቦታ’ቲ ዝበጽሖ
ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።
|