|
“ንእምኒ
ጸብለል እተብል፡ ንኩቦ ድማ እተጥሕል”
ኣገልጋሊት
ሓሶትን ምልክን ዝዀነት ኤሪ-ቲቪ
ክፍሊ ዜናን
ባህልን
ሰልፊ ህዝቢ
ኤርትራ
25.01.2009
ኤሪ-ቲቪ፡ ንጥሉል ንቑጽ፡ ንንቑጽ ድማ
ጥሉል ገይራ እተቕርብ ናይ ሓሶትን ምልክን ኣገልጋሊት ምዃና ብዙሕ ዘካትዕ ኣርእስቲ ኣይኰነን። ከምኡ ምዃና ውን
ንዓና ብዙሕ ኣይገርመናን ኢዩ። ውልቀ-ዲክታቶር ከም ድላዩ ኣብ ዝዕንድረሉ ሃገር’፡ ናጽነት ናይ ፕረስ ከም ቍሪ
ኣብ ዝፍርሓሉ ስርዓት፡ ንህዝቢ ዘገልግል ማዕከን ዜና ክህሉ ዘይሕሰብን ዘይሕለምን ኢዩ። ካብ ጻጸ’ዶ ሓኸለ
ይወጽእ’ዩ?!!! ካብ ማይ ምሕንቋን’ዶ ጠስምን ልኻይን ይርከብ’ዩ?!!!
ኤሪ-ቲቪ፡ ንተቓወምቲ ዲክታቶርያዊ
ስርዓት ዝዀኑ ንጹሃት ተቓለስትን፣ ካብ’ቲ ስርዓት ፍልይ ዝበለ ርእይቶ ዘለዎም ተራ ዜጋታትን ብኽድዓት እትኸስስ፤
ንስዕረትን ፍሽለትን ስርዓት ኢሳያስ ኣብ ዶባዊ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዓወት እትገልጽ፤ ንብርሰትን ዕንወትን
ውድቀትን ናይ ሃገር ብግስጋሰን ልምዓትን ዕብየትን እተማዕርግ ኣገልጋሊት ሓሶትን ኣገልጋሊት ምልክን ምዃና ንምርዳእ
ብዙሕ ዘጸግም ኣይመስለናን። ብሓጺሩ፡ ኤሪ-ቲቪ ይኹን ካልእ ናይ’ቲ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ናይ ዜና ማዕከናት፡
“ንእምኒ ጸብለል ዘብሉ፡ ንኩቦ ድማ ዘጥሕሉ” ተጻባእቲ ናይ ሓቅን ፍትሕን ሰላምን ዲሞክራስን ዝዀኑ መራኸቢ ብዙሓን
ኢዮም።
ኤሪ-ቲቪ፡ “ናታ ገዲፋ፡ ናይ ሓማታ”
ከምዝብሃል ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ዝርከብ ጕድለታት ክትኣርን ከተዕልልን’ዩ ዝሰልጣ። ኤረ ሓድሓደ ግዜስ፡ ኣብ
ኤርትራ ዘሎ ሰላም፡ ዲሞክራስን ምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ሃገራት ምዕራብ ውን ከምዘይርከብ ከተረድኣና ከንቱን
ዘስሕቕን ፈተነ’ያ ክትገብር ትርአ።
ሕጂ ድማ፡ ነታ እናጠሓለት ትኸይድ ዘላ
መርከብ ዲክታቶር ኢሳያስ ንምድሓን፡ ነቲ ዝኸሰረቶ ናይ ህዝቢ እምነት ንምምላስ ብዝብል ሕልና፡ ብዛዕባ ታሪኽ ናይ
ህዝባዊ ሓይልታትን ህዝባዊ ግንባርን፤ ብዛዕባ ጅግንነትን ብልሕን ዲክታቶር ኢሳያስ፣ ብዛዕባ ሕመቕን ፍሽለትን ተሓኤ
ኣብ’ዚ ክልተ ሰለስተ መዓልታት’ዚ ምዝንታው ጀሚራ ኣላ።
ኣብ’ዚ ጕዳይ’ዚ፡ መርገጽን ርእይቶን
ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ ንጹር ስለዝዀነ፤ ኣብ ናይ ከፋፊልካ ግዛእ ዝብል ኣጀንዳ ናይ’ቲ ስርዓት ኣቲና፤ ጀብሃ’ባ
ከም’ዚ ገይራ፡ ሻዕብያ’ባ ከም’ዚ ፈጢራ ንምባል ድልዋት ኣይኰናን። ናይ ጀብሃ፡ ናይ ሻዕብያ፡ ኣወንታታት ይኹን
ኣሉታታት ናይ ህዝብና ታሪኽን ንብረትን ኢዩ ካብ ዝብል እምነት ነቒልና፤ ንሕሉፍ ታሪኽና ንተመራመርትን ተረኽትን
ገዲፍና ኣብ ናይ ሎምን ናይ መጻእን ውራይና ከነተኵር ብንቕሓት ወሲና ተበጊስና ኢና። ብርእይቶና፡ እቲ ግርጭት
ሎሚ፡ ኣብ መንጐ ጀብሃን ሻዕብያን ዘይኰነስ፡ ኣብ መንጐ ምልክን ዲሞክራስን፤ ኣብ መንጐ ህዝቢ ኤርትራ ብመላኡን
ኣብ መንጐ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስን ኢዩ በሃልቲ ኢና። ስለ’ዚ መኣዝና እነጥፍኣሉ ዝዀነ ይኹን ምኽንያት
የብልናን።
ናይ ህዝብና ናይ ሎሚ ሕቶ፡ ናይ ባኒ፡
ስራሕ፡ ትምህርቲ፣ ናይ ሰላም፡ ፍትሒ፡ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ሕቶ፣ ናይ ግዱድን ደረት ዘይብሉን ዕስክርና ደው
ምባልን ሃገር ናይ ምህናጽን ጕዳይ፡ ናይ ግዝኣተ-ሕግን ቅዋማዊ ዲሞክራስያውን ስርዓትን ምቛም፣ ንሓድሽ ስደት ደው
ምባልን ነቲ ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ድማ ናብ ሃገሩ ናይ ምምላስን ምጥያስን …ወዘተ ሕቶ ኢዩ። ጀብሃን ሻዕብያን ዝብል
ሕቶ ሎሚ እንታይ ኣምጽኦ? ትማሊ፡ ትማሊ’ዶ ህዝባዊ ግንባር ግዲኡ ኣብቂዑ ተባሂሉ ብህግደፍ ኣይተተክአን ኢዩ።
ኣባላት ህዝባዊ ግንባር ነበር፡ ዝጣየስ ተጣየሱ፡ ዝእሰር ተኣሲሩ፡ ዝስደድ ተሰዲዱ’ዶ ኣይኰነን? ኤሪ-ቲቪ፡ ዝብሃል
እንተልይዋ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ስራሕ ዘየለ ናይ ሎሚ ህግዲፍ ታሪኽ፡ ብዛዕባ ዝስደድ ዘሎ መንእሰይ፡ ብዛዕባ ኣብ
ማእሰርቲ ብዘይ ክስን ፍርድን ዝበለዩ ዘለዉ ዜጋታት፡ ብዛዕባ ህዝብና ዘሕልፎ ዘሎ ናይ ጥሜትን ዓጸቦን መነባብሮ፡
ብዛዕባ’ቲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ናይ ህዝብን ሰራዊትን ዘይዕግበታት፡ ብዛዕባ ብሃይማኖታዊ
እምነቶም መብቆሎምን ፍልይ ዝበለ ፖለቲካዊ ርእይቶኦምን ዝህደኑ ዘለዉ ዜጋታት: ብዛዕባ’ቶም ኣላዪ ዝሰኣኑ ደቆምን
ኣቦታቶምን ኣደታቶምን ናብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝተወስዱ ህጻናትን ወለድን ገለ ቍሩብ ሓበሬታ ዘይትህበና። ብዛዕባ
ሃለዋት ናይ’ቶም ትማሊ መራሕታ ዝነበሩ፡ ሕጂ ድማ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ኣባላት መሪሕነት ህግሓኤን ህግደፍን
ነበር’ኳ ትንፍስ ክትብል ዘይደፈረት ኣገልጋሊት ጕጅለ ኢሳያስ ዝዀነት ኤሪ-ቲቪ፡ ከመይ ጌራ’ያ ኣገልጋሊት ሓቂ
ኰይና፡ ብዛዕባ’ዞም ተዘርዚሮም ዘለዉ ጕዳያት ሓቅታት ክትዛረብ። |