ሓሶታት ስርዓት ኣስመራ ብናይ ዓይኒ ምስክር ክቃላዕ ከሎ

 

ክፍሊ ዜናን ባህልን

ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ

26.01.2009

 

ስማ ክትጠቅስ ዘይፈቐደት፡ ካብ ግብጺ ምስ’ቶም 800 ኣብ 2008 ዓ.ም ናብ ኤርትራ ዝተባረረት ኤርትራዊት ዜጋ፡ እንደገና ካብ ኤርትራ ኣምሊጣ ኣብ ሱዳን ዑቝባ ሓቲታ ከምዘላ ምንጪታት ሰልፊ ህዝቢ ይገልጹ።

 

ቅድሚ ናብ ኤርትራ ምብራራ፡ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ዝኸውን ግዜ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ናይ ግብጺ ከምዝጸንሐት ትገልጽ። ኣብ ግብጺ ዝነብሩ ኤርትራውያን ኣቕሽሽቲ ሓሓሊፎም ይበጽሑና ነይሮም። ሓደ ግዜ ውን፡ ብጣዕሚ ዘድልየና ዝነበረ፡ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ብጃማታት (ክዳን ለይቲ) ሒዞምልና መጺኦም ትብል።

 

ብዛዕባ ከመይነት ናይ መስርሕ ምብራሮም ካብ ግብጺ ክትገልጽ እንከላ ድማ፡ ቅድሚ ምብራሮም ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ህጻናትን ዝርከብዎም ናብ ግብጺ ዝኣተዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ-ማእሰርቲ ኣብ ሓደ ቦታ ከምዝኣከብዎም ትሕብር።  ብድሕር’ዚ ድማ ሰበ-ስልጣን ግብጺ ነዘን ዝስዕባ ሰለስተ ምርጫታት ኣቕሪቦምልና ትብል።

 

1. መንግስቲ ኤርትራ፡ ናይ መምለሲኹም ናይ ቲኬት ወጻእን ናይ’ቶም ግብጻውያን ሓለውትኹም ናይ ደርሶ መልስ ወጻኢታት ክትከፍል እንተደኣ ተስማሚዓ፡ ናብ ሃገርኩም ክትባረሩ ኢኹም።

 

2. መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ኣይገብርን’የ እንተደኣ ኢላ ግን፡-

 

ሀ. ነፍስወከፍ ካባኹም 300 ዶላር ኣመሪካ መቕጻዕቲ ከፊሉ፡ ናብ’ቲ ዝመጸሉ ቦታ ከባረር ኢዩ።

ለ. ነዚ ዘይከፈለ ድማ፡ ን6 ኣዋርሕ ተኣሲሩ፡ ናብ ዝመጸሉ ቦታ ክባረር ኢዩ ዝብል ነበረ።

 

ናብ ኤርትራ ክንምለስ ንደሊ ስለዘይነበርና፡ መታን ናብ ሱዳን ክመልሱና፡ መንግስቲ ኤርትራ እምቢ ኣይከፍልን’የ ዝብል መልሲ ክህብ ንትምነ ነበርና። ስርዓት ኤርትራ ግን፡ ድሕሪ ነዊሕ ምዕጥጣይ፡ ነቲ መንግስቲ ግብጺ ዘቕረቦ ጠለባት ከማልእ ተሰማምዐ።

 

ረብሓታት መንግስቲ ግብጽን ስርዓት ኤርትራን ስለዝተጋጠመ ድማ፡ ንሕና ግዳይ ናይ ምብራር ናብ ሃገርና ክንከውን ተፈረደልና። ምብራርና ድማ፡ ነቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት ናይ ሰብኣዊ መሰል ትካላት ዝርከብአን ዝተፈላለያ ሰብኣውያን ማሕበራት ዝገበርኦ ዘይዕቱብ ተቓውሞታት ዕሽሽ ብምባል’ዩ ተኻይዱ። ብዝሕና 800 ኰይኑ፡ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ህጻናትን ዘጠቓለለ’ዩ ነይሩ።

 

ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ግብጺ ምስ በጻሕና፡ ነቶም ንሓለዋና እተመዘዙ ግብጻውያን ወተሃደራት ትርር ዝበለ ቍጽጽርን ናይ ምጕብባዕ ተግባራትን ኣብ ልዕሌና ክፍጸሙ መምርሒታት ክውሃቦም እንከሎ ብእዝንና ንሰምዕ ኔርና። ንኣእዳው ክልተ ሰባት ብሓደ ማኒኮ ኣሲሮም ድማ፡ ከም ኣቕሑት ናብ’ታ ነፋሪት ጻዓኑና። እቶም ብሓደ ዝተኣስሩ ጽምዲ፡ ኣብ ሓደ ወንበር ኮፍ ከምዝብሉን ብሓደ ወተሃደር ከምዝሕለውን ተገብረ። ክሳብ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ እንበጽሕ ድማ፡ ኣእዳውና ብእሱሩ ኢና ተጓዒዝና።

 

ኣስመራ ምስ በጻሕና፡ ከም’ቲ ኣብ ተለቪዥን ዝርኣኸምዎ፡ ዓቢ ናይ ኣቀባብላ ጽንብል ተገይሩልና። ዓበይቲ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ውን፡ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ዝብል ናይ ሓጐስ ቃላት ኣስሚዖምና። ሽሕ’ኳ፡ ብጽቡቕ ክሕዙና መብጽዓ ገይሮም እንተነበሩ፡ እቲ ብሓቂ ዘጋጠመና ግን ብኣንጻሩ’ዩ ነይሩ።

 

እቲ ኣብ ተለቪዥን ኤርትራ ዝሰማዕክምዎ ጥዑም ዘረባ ንርእይቶ ናይ ዓለም ንምትላልን ንስእሊ ናይ’ቲ መንግስቲ ንምጽብባቕን ዝተገብረ ትያትርን ናይ ሓሶት መብጽዓታትን’ዩ ነይሩ።

 

እቲ ሓቂ ግን፡ ኣብ ኣስመራ ድሕሪ ምብጻሕና፡ ኣብ ትሕቲ ጽንኩር ሓለዋ፡ ከም ከብቲ ኰብኪቦም ናብ’ቲ ትያትር ዝተኻየደሉ ናይ ጽንብል ቦታ ኢዮም ወሲዶምና። ካብ’ቲ ናይ ጽንብል ቦታ ድማ ብዘይካ ነተን 500 ናቕፋ (20 ዶላር) ሂቦም ናብ ገዝአን ክኸዳ ዘፍቀዱለን 26 ጥኑሳትን ሓራሳትን ኣደታት ዝተረፍና ብጽንኩር ሓለዋ ተሰኒና ናብ ቤት ማእሰርቲ ኢና ተወሲድና። ነዘን 26 ደቂ ኣንስትዮ እንተዀነ ውን፡ ኣብ ገዝአን ምስ በጽሓ ናብ ከባቢአን ዝርከብ መደበር ፖሊስ ከይደን ክምዝገባን፤ ኣብ ነፍስወከፍ ሰሙን እናተመላለሳ ክፍርማን ድሕሪ ምሕባር ኢዮም ናብ ገዝአን ክኸዳ ዘፍቀዱለን።

 

እቶም ዝተረፍና 774 እሱራት ግን፡ ድሕሪ’ቲ ንኣቀባብላና ዝተገብረ ሓጺር ጽንብል፡ ብኡ ንብኡ ናብ’ቲ ብሙቐቱ ፍሉጥ ዝዀነ ቤት ማእሰርቲ ዊዓ ኢዮም ኣመሓላሊፎምና። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዊዓ ድማ እዚ ዘይብሃል ዓዛብ፡ ምጕብዕባዕ፡ ጸርፍን ማህረምትን ወሪዱና። ከምኡ ውን፡ ዘይንፈልጦን ዘይምልከተናን ማእለያ ዘይብሉ ሕቶታት ኣቕሪቡልና። ተጋጊና ዝብል ወረቀት ክንፍርም ድማ ኣገዲዶምና።

 

ኣነ ኣብ ዊዓ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ኢየ ተኣሲረ። ግን፡ ምስ’ቲ ዝነበረ ስቅያት 5 ዓመት ኰይኑ’ዩ ተሰሚዑኒ። ካብ ማእሰርቲ ምስ ወጻእኩ ድማ፡ ኣምሊጠ ናብ ሱዳን ኣትየ ትብል ስማ ክትጠቕስ ዘይመረጸት ንካልኣይ ግዜ እትስደድ ዘላ ኤርትራዊት ዜጋ።

 


Contact Us at:   webmaster@nharnet.com