ካልኣይ ክፋል ዜናዊ ጸብጻብ ሰላማዊ ሰልፊ ፍራንክፈርት

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ

14.07.2008

 

ብኣባላት ተቓወምቲ ውድባትን ስቪላዊ ማሕበራትን ግዱሳት ደቂ-ሃገርን ኣብ ቦታ ፈስቲቫል ዲክታቶርያዊ ስርዓት ብዓወት ዝተቓንዐ ናይ ዕለት 12 ሓምለ 2008 ሰላማዊ ሰልፊ ፍራንክፎርት፡ ናይ መጠረስታ ዕላማኡ፡ ኣብ ስደት ተሓጺሩ ዝተርፍ ዘይኰነስ፡ ኣብታ ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ህግዲፍ እነማዕድዋ ዘለና ዲሞክራስያዊት ኤርትራ፡ ሓይልን ዓመጽን ካብ ስሩ ተማሕዩ፡ መንግስቲ ኮነ ትካላት መንግስቲ ካብ ህዝባዊ ቅዋምን ሕግን ስርዓትን ወጺኦም፡ ንዝኣተዉዎ ማሕላ ኣብ ዝጠልምሉ ግዜ፡ ህዝቢ ሰብኣዊ መሰላቱን፡ ረብሓታቱን ንምምላስን ንምክልኻልን፤ ክውደብ፡ ሰላማዊ ሰልፍታት ከካይድ፡ ክሕሰምን ብኣብያ ተጽዕኖታት ክፈጥርን፡ ኣብ ሕጊ መንግስቲ ብወግዒ ክስፍር ምቅላስዩ።

 

እቶም ኣብ ሓይልን ዓመጽን ተጸጊዖም ክነብሩ ዝደልዩን፡ ሰላምን ራህዋን ዘይብህጉ፡ ስርዓትን ህዝብን ፈላልዮም ክርእዩ ዘይኽእሉ ከም በዓል ኣብረሄት ገብረመድህን ዝኣመሰሉ ዝበልዎም እንዳደገሙ ዝኸዱ ሰባት ድማ፡ ሽዑ ንሽዑ፡ እዋይ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸጋታት እባዩ ይሓልፈና ነይሩ ብዝብል ጣዕሳ፡ ዝሓለፍዎ ግርህነትን ዕሽነትን ክዝክሩ ኢዮም።

 

ኣብርሄት ገብረመድህን፡ ሓንቲ ካብቶም ንወደን ጸሃየ የውሃንስ ኣሰንየን፡ ናብ ፈስቲቫል ስርዓት ህግዲፍ ክሳተፉ በብሓደ ጠርበስ ክብሉ ዝዋዓሉ ኢየን። ልክዕ ከምቲ ዝሓልፍ ዝነበረ ሰብ ወረቐት ሰላማዊ ሰልፊ ንኸይሕዛ ቅልፍ ኢለን ሓሊፈን። ወደን ጸሃየ ነቶም ወረቐት ዝዕድሉ ዝነበሩ ኣባላት ሰልፊ “ንስኻትኩም ድማ” ዝብል ምንእኣስ ምስ ኣስምዐ፡ ንድሕሪት ተመሊሳ ምስ ገለ ካብቶም ወረቓቕቲ ዝዕድሉ ዝነበሩ ካብ ፍልይቲ ጉጅለ እምባጓሮ ክትተክል፥ “ወያኔ” ክትብል ልሳና ድሕሪ ምውርዋር፡ ካሜራ ንዝሓዘ ከትምንጥልውን ተመጣጢራ። ኣብዚ ሎሚ ግዜ ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብ ክርከብ ከሎ ድማ ዘደንጹዩ።

ኣብረሄት፡ ወያኔ ዝብል ቃል ትርጉሙ ከምዘይትፈልጦ ርግጸኛታት ኢና፡ ቲቪ ኤረን ኢሳያስን መወጽኢ ኣፎም ካብ ገበርዎ ግን፡ ሕማቕ ድዩ ጽቡቕ ብዘየገድስ ዝሰምዓቶ ክትብል ግድንዩ። ብኣገላልጻ መላኺ ስርዓትን ተሓባበርቱን ከምቲ ብወያኔ ዝተሳዕሮ፡ ተቓወምቲ ውድባት ንመላእ ውጹዕ ኤርትራዊ ዜጋ ኣሰሊፎም ንምልካዊ ሰርዓት ህግዲፍ ከምዝስዕርዎ ድማ ናይ ጽባሕ ጋህዲ ምዃኑ ምግንዛብ ከድሊ ኢዩ።

 

ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ድማ ኣባላት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ንኣብርሄት ገብረመድህን ክሓትዋ ዝግብኦም ጉዳይ ግን ኣሎ ኢዩ። እታ ንዓኣ ዝጠፍኤት ዝመስላ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰነዳታ ህልዊ ስለዝኾነ ኣብ ሕሉፍ ጉዕዞኣ ተሓታቲ ምዃና ክትፈልጥ ይግባእ። ብሓጺሩ ንምምልካት ግን፡  ኣብ ኣስመራ ኣብ መደበር ዝነበራ ሸቐጥ በርበረ ከመይ ከምዝጀመረቶ ንህዝቢ ምገለጸትሉ’ዶ?   ምስ ጀብሃ ምትሕብባር ገዲፋ፡ ስለምንታይ ምስ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ክትታሓባበር መሪጻ? ንዝብል ሕቶ እኳ፡ ፖለቲካዊ መርገጽ ዘይኮነስ፤ ንኽትሕባእ ጥራሕ ክኸውን ከሎ፡ ሎሚውን ንህግዲፍ ባላን ሰረወን ገይራ ደጊፋ ከተቐንያ ምድላያ፡ ኣብ ህግዲፍ ብሕጊ ዝሕተትን ዝፍረድን ከምዘየለ ኣጸቢቓ ስለእትፈልጥ እንዳኣጣቕዐት እትሕባሉ ደምበ ኣለልያ ምህላዋ ኢዩ። ፍራንክፈርት ግን ጀርመን ኢዩ፡ ብሕግን ስርዓትን ዝማሓደር ሃገርዩ፡ በዚ መሰረት ንኹሉ ዝፈጸመቶ ግህሰታት ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪባ ግቡእ ስጉምቲ ከምዝውሰደላ ክትፈልጥ ምተገብኣ። ንዲክታቶርነት ተቓዊምኩም ተባሂሉ ኣብ ክንድዚ ዝኣክል ወጠጥ ብምእታዋን ብዘርኣየቶ ድፍረት ሰብኣዊ መሰላትን ድማ ሓለውቲ ጸጥታ ሰልፈኛታት ምሉእ ዶኩመንት ኣብርሄት ወሲዶም ድሕሪ ምምዝጋብ ኣብ ሕጊ ክትቐርብ ምዃና ተወዲኡ ኣሎ። መራሒ ህግዲፍ መጺኡ ከተዓርቓን ክዘርየላን ትጽበውን ትህሉ።

 

 

ውድቀት ንዲክታቶርያዊ ስርዓት፡ ራህዋን ሰላምን ንህዝቢ ኤርትራ! ምባል ከኣ ናይ ደለይቲ ሰላምን ብልጽግናን ኢዩ። ካብ ኤርትራውያን ንላዕሊ ንህዝቢ ኤርትራ ዝሕለቐሉ ድማ የለን። እቶም መልእኽቲ ህዝቦም ተሰኪሞም ዝዋስኣሉ ብጾት ግን፡ ናይ ኣብረሄት ወጠጥ ከይገደሶም ንዝሓለፈ ጽሑፋቶም እንዳዓደሉ ክሳብቲ ዝተወሰነሎም ግዜ ድሕሪ ምጽናሕ ብድሓን ናብ ብጾቶም ተመሊሶም።

 

ኣብዚ ሰለስተ ሰዓታት ዝወሰደ ውዕዉዕ ሰላማዊ ሰልፊዚ፡ ሰልፈኛታት ጭርሖታቶም ብተደጋጋሚ  ከቃልሑ ድሕሪ ምውዓሎም፡ መግለጺ ሰላማዊ ሰልፊ ብስም ኣባላት ውድባት ኪዳን፡ ብስቪላዊ ማሕበር፡ ብተበግሶ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ጀርመን፡ ናይ ደገፍ መግለጺ ካብ በልጁም ስቪላዊ ማሕበር፡ መጸዋዕታ ንመንእሰያት፡ ብዝተፈላለዩ ኣባላት ዝቐረቡ ግትምታት ተነቢቦም። ሓባራዊ መዝሙር ድሕሪ ምዝማር እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ብጹቡቕ ተደምዲሙ። ምስቶም ኣብ ሓለዋ ዝዋዓሉ ፖሊስ ብምምስጋን ተሳተፍቲ ሰልፊ ናብ ዝተበገስሉ ቦታ ብመስርዕ ተዓጅቦም ድሕሪ ምብጽሖም ነናብ ቦታኦም ብደሓን ተመሊሶም።

 

መራሕ ኣኼባ ፈስቲቫል ህግዲፍ፡ ዶክተር ገርግስ ተስፋሚካኤል ኰይኑ፡ ንሰልፈኛታት ኣርብዓ፡ ሓምሳ ኢዮም ዝብል ምንእኣሳት ኣስሚዑ።  ዶቶረ፡ ብ13 ሰብን 7 ብረትን ዝጀመረ ሰውራ ንምሉእ ህዝቢ ኣቃሊሱ ምዕዋቱ ከመይ ገርኩም ትርስዑ። ብዝሒ ወሳኒ ነይሩ እንተዝኸውን ነጻነት ኤርትራ ምስተረጋገጸ’ዶ ነይሩ? እቲ ዘገድስ እንታይ ዝዕላምኡ ሰልፊዩ ነይሩ ኢዩ። ብርእይቶና ግደፍዶ ናይ 40ን 50ን ዜጋታትስ ዋላ ናይ ሓደ ሰብ ርእይቶ ዝስምዓላ ኤርትራ ኢያ ተድልየና ዘላ። ብዛዕባ ቁጽሪ ሰልፈኛታት እንተዀይኑ፡ እቲ ዝጠቐሶ ቁጽሪ ጥራሕ ነይሩ እንተዝኸውን ንፍርቂ ሰዓት ዝኣክል መገዲ ተዓጊቱ፡ መሕለፊ ስኢኑ ንሰልፈኛታት ከይፈተወ ኣዐጅብዎም ደድሕሪኦም ክሳብ መወዳእታ ኣይምተጓዘን። ዶክ. ገርግስ ሒዝዋ ዝመጸ መልእኽቲ 2% ዘይከፈልኩም ክፈሉ እትብል ምንባራውን ፈሊጥና። ካልእ ዝባሃል  ከምዘይነበሮውን ካብ ተሳተፍቲ ኣኼባ ክፍለጥ ተኻኢሉ። ንዝዀነ ይኹን ሕቶ ኣበይ ከብጽሖ ኢዩ ዘይተፈልጠ እምበር፡ ካብ ምምዝጋብን ሕቶኹም ከመሓላልፈልኩምየ ምባል ሓሊፉ፡ መልሲ እትብሃል ከየተንፈሰ ኣኼባ ከምዝደምደመውን ካብ ኣኼበኛታት ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ። ገለ ካብዝቐረበ ሕቶ፡ ኣብ ሃገር ከገልግል ዝኽእል፡ ንስድራታትውን ዝሕግዝ፡ ክዳውንቲ ኣኪብና ብኮንተይነር ጌርና ንዓዲ ክንሰዶ እንተበልና ስለምንታይ 2% ኣይከፈልኩምን ተባሂሉ ይኽልከል? ንዝበለ ሓታታይ፡ መስደመም መልሲ ዶክ.ገርግስ “ከምኡ ከምዝብሃል ንመጀመርታ ግዜ ሎሚ ካባኻትኩም እሰሞዖ ኣለኩ” ዝብል ምንባሩ ተፈሊጡ።


Contact Us at:   webmaster@nharnet.com