|
መግለጺ
ካብ
ሓባራዊ
ኮሚሽን
ምምስራት
ሰልፊ
ሓባራዊ
ኮሚሽን
ምምስራት
ሰልፊ ናይ
መወዳእታ
ኣኼብኡ
ብዕለት
6/07/08 ኣቃኒዑ።ኮሚሽን
ዕማማቱ
ብኣርባዕተ
መድረኽ
እተኸፍለ
ነይሩ
ነቲ
ዝሓለፈ
መድረኻት ብዓወት
ዛዚሙ
ናብ
ራብዓይ
መድረኽ
ኣትዩ
እሎ።
ኣቲ
ራባዓይ
መደረኽ
ምግባር
ጉባኤ
ሰልፊ
ብምዃኑ
ኮሚሽን
ኩሉ
ስራሓቱ
ኣጻፊፉ ንሰክራታርያ
መልእኽቱ
ሒዛ
ኣብ
ጉብኤ
ከተብጽሖ
ሓላፍነት
ኣሰኪሙ።ሰክራታርያ
ሓባራዊ
ኮሚሽን
ምስ
ኣሰናዳኢት
ሽማግለ
ሰልፊ ተወሃሂዳ
ምስ
መርሕነት
ተ.ሓ.ኤ
ሰ/ባ
ውን
እናተረዳድአት
ኣብ
ጉባኤ
ሰልፊ
ኣብ
ምብጻሕ
ተራ
ክትጻወት
እያ።
ኣባላት
ኮሚሽን
ነቲ
መሪሕነት ተሓኤ
ሰ/ባ
ንነጻነት
ኮሚሽን
ኣኽቢሩ
ንልውጥን
ምሕዳስን
ምትብብዑ
እናመስገኑ
ግደ
መሪሕነት
ተሓኤ
ሰ/ባ
ኣተባባዒ
ጥራይ
ዘይኮነ ቀንዲ
ደራኺ
ለውጢ
ምንባሩ
ኣረጋገጹ።እቲ
ካብ
መራሕቲ
ሰውራ
ኤርትራ
እንጽበዮ
ከምዚ
ዝመስል
ተራ
እዩ።ንድሕሪት
እናጠመትካ ቁምነገርካ
ምጽብጻብ
ዘይኮነ
ንቕድሚት
እናጠመትካ
ኣካል
ለውጥን
ምሕዳስን
ምዃን’ዩ
ውን
በሉ።ሓዲሽ
ዝበሃል
ድማ
ብኣተሓሳስባ ካብቲ
ሕሉፍ
ድኽምት
ወጺእካ
ሓዲሽ
ሓሳብ
ምምዕባል
ስለ
ዝኾነ
ብሚዛን
ኣባላት
ኮሚሽን
መሪሕነት
ተ.ሓ.ኤ
ሰወራዊ
ባይቶ
ንሓዲሽ መድረኽ
ንነብሱ
ዘዳለወ
ሓዲሽ
ሓሳብን
ኣሰራርሓን
ዘማዕበለ
ምዃኑ
መስከሩ።
ኣባላት
ተሓኤ
ሰ/ባ
ኣብ
ጐኒ መራሕቶም
ኮይኖም
ንለውጥ
ምሕዳስን
ዝገበርዎ
ጻዕሪ
ውን
ኣመስገኑ።
ኣባላት
ኮሚሽን
ንገዝእ
ነብሶም ኣብቲ
መስርሕ
ብዙሕ
ከምዝተማህሩ
ኣረጋገጹ።እዚ
ፍሉይ
ተሞክሮ
ኣብ
ነፍሲ
ወከፍ
ኣባል
ኮሚሽን
ሓዲሽ
መንፈስ
ፈጢሩ
እዩ።
ንሓዲሽ መድረኽ
ንምምራሕ
ከምዚ
ዝመስል
ሓላፍነት
ምስ
ተዋህበ፡
ነቲ
ባይታ
ብነጻነት
ምስ
ተዳህሰሰ
ብዙሕ
ትምህርቲ
ይርከብ
እዩ።
ኣባላት ኮሚሽን
ብዙሕ
ከምእተማህሩ
ኣረጋጊጾም
እዮም።ለውጥን
ምሕዳስን
ቀንዲ
ዕማምካ
ምስ
ኮነ
ንገዝእ
ነብሱ
ሓዲሽ
መንፈስ’ዩ ዝፈጥር።
ኮሚሽን
ኣብ
ጉዕዝኡ
ምስ
ብዙሓት እዩ
ተራኺቡ።
እቶም
ሕጹያት
ሰልፊ
ንክኾኑ
ዝወሰኑ
ምስጋንኡ
ይቕርብ።እቶም
ነቲ
ሓሳብ
ተቐቢሎም
ድሕሪ
ጉብኤ
ሰልፊ
ክንውስን
ኢና ዝበሉ
ውን
ደገፍቱ
ገይሩ
ይርእዮም።
እቶም
ዝነቕፍዎን
ጉድለቱ
ዘርኣይዎን
ውን
ምስጋና
ከምዝግብኦም
ረኣየ።
ምኽንያቱ
እቲ ነቐፈትኦም
ተመሊሱ
ንገዝእ
ነብሱ
ክምርምር
ዕድል
ስለ
ዝሃቦ።
እቶም
ንርእይትኡ
ኣብ
ህዝቢ
ኣብ ምብጻሕ
ዝደገፍዎ
ናይ
መራኸቢ
ብዙሓን
ምስጋንኡ
የቕርብ።
ለውጢ
ቀሊል
ነገር
ኣይኮነን።ኩሉ ግዜ
ድማ
ለውጢ
ኣብ
ውሽጢ
እቲ
ክትልውጦ
ዘለካ
ኣተሓሳስባን
ኣሰራርሓን
ኮንካ
ስለ
እትጅምሮ
ሓደ
ሓደ
ግዜ
ምድንጋር
ይርከብ እዩ።እቲ
ካብ
ሕሉፍ
ቀይድታት
ዘውጽኣካ
ግን
ብልቢ
ንለውጢ
ተቐቢልካ
ትኽረትካ
ናብቲ
ሓደስቲ
ጉዳይት
ምግባር እዩ።
ኮሚሽን
ኣብ
ውሽጢ
እቲ
ክልወጥ ዘለዎ
ኣተሓሳስባን
ኣስራርሓን
ኮይኑ
ዝሰርሐ
ከም
ምዃና
መጠን
ኩሉ
ከምዝመደቦም
ይፍጸሙ
ነይሮም
ዝብል
ሚዛን
ኣይነበሮን፡ ይኹንእምበር
እቲ
ቀንዲ
ዕማም
ብዓወት
ከምእተፈጸመ
ኣስመረሉ።
ከም
ኮሚሽን
ኣብ
ምልዋጥ
ኣተሓሳስባን
ኣሰራርሓን
ኣገዳሲ
ተራ ከምእተጻወተ
ውን
ኣለለየ።
ድሕሪ
እዚ
ነቶም
ኩሎም
ዝተሓባበርዎ
ብምምስጋን
ኣኼብኡ
ደምደመ።
ሓባራዊ
ኮሚሽን
ምምስራት ሰልፊ
|