|
ገለ ካብቶም
ካብ ግብጺ በስገዳድ ናብ ኤርትራ እተባረሩ ስደተኛታት
እንደገና ካብ
ስርዓት ኣስመራ ሃዲሞም ናብ ሱዳን ኣትዮም
መርበብ ሓበሬታ ኣዱሊስ
ትርጕም፡- ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን
ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ
12.07.2008
ካብ’ቶም ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ
ብሰበ-ስልጣን ግብጺ ናብ ኣስመራ ዝተባረሩ ስደተኛታት፡ እሞ ኣብ ኣስመራ ብመንግስቲ ኤርትራ ጽቡቕ ኣቀባብላ
ተገይርሎም ተባሂሉ ዝተዘርበሎም ኤርትራውያን ስደተኛታት ብርክት ዝበለ ቍጽሪ ዘለዎም እንደገና ንስርዓት ኢሳያስ
ራሕሪሖም ንዶብ ሱዳን ምስጋሮም ተፈሊጡ ኣሎ። መንግስቲ ኤርትራ ንነፍስወከፎም 500 ናቕፋ (30 ዶላር ማለት ኢዩ)
ከምዝሃቦም፤ ቤተ-ሰቦም ክርእዩ ከምዘፍቀደሎም፤ ነቶም ካብ ሰራዊት ዝሃደሙ ወተሃደራት ድማ ናይ 6 ወርሒ ዕረፍቲ
ወሲዶም ናብ ዝነበርወን ኣሃዱታት ክምለሱ፤ ነቶም ወተሃራዊ ኣገልግሎት ዘይገበሩ ከኣ፡ ቤተ-ሰቦም ድሕሪ ምርኣይ ናብ
መደበራት ታዕሊም ከምርሑ ከምዝወጅሆም እቶም ስደተኛታት ይገልጹ። ካብ ስርዓት ኤርትራ እንደገና ንምምላጥ ዝደረኾም
ምኽንያት ክገልጹ ከለዉ ከኣ፡ እቲ ዝተገብረሎም ጽቡቕ ኣቀባብላ ካብ ሓቀኛ ለውጢ ኣብ ባህርያት እቲ ስርዓት
ዝተበገሰ ከምዘይኰነን፤ ንዓይኒ ጠማቲኦም ብሓመድ ንምድፋን ዝዓለመን፤ ነቲ ብቦታውን ኣህጕራውን ሰብኣዊ ማሕበራት
ኣብ ልዕሊ ሰበ-ስልጣን ግብጺ እተገብረ ጸቕጥን ወቐሳን ንምፍዃስ ዝሕልንን ኢዩ ዝብል ጥርጣረ ከምዘለዎም ይገልጹ።
ብተወሳኺ፡ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝዀና ማሕበራት ኣብ ልዕሊ ሰበ-ስልጣን ግብጺ ዝገብርኦ ዘለዋ ናይ ወቐሳ ወፍሪ
ዝሕል ምስ በለ፡ ስርዓት ኢሳያስ ኣብ ልዕሌና ናይ መቕጻዕቲ ስጕምቲ ክወስድ ይኽእል ኢዩ ዝብል ስግኣት ከምዘለዎም
ውን ይሕብሩ።
ሰበ-ስልጣን ግብጺ፡ ነቲ ካብ
ሰብኣውያን ማሕበራትን ብጕዳይ ሰብኣዊ መሰላት ዝሕለቑ ሸነኻት ዝግበረሎም ዝነበረ ተቓውሞን ወቐሳን ዕሽሽ ብምባል
ኢዮም፡ ኣብ መንጐኦም 80 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብኦም 740 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣገዲዶም ናብ ሃገሮም
ዘባረርዎም። መንግስቲ ኤርትራ ድማ ተቐቢሉ ኣብ ጋሕተላይ እተባህላ ኣብ ከባቢ ምጽዋዕ ዝርከብ መደበር
ከምዘስፈሮምን፤ ዓብደላ ጃብር፡ ሓላፊ ውደባ ህግዲፍ ኣብ ዘካየድደሎም ኣኼባ ከኣ፡ ኣብ ዳግመ-ህንጻ ሃገሮም ክሳተፉ
ከምዝጸውዖምን ዝዝከር ኢዩ።
ነዚ
ኣስገዳድ ምብራር ናይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣመልኪቶም ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራን ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ለንደንን
ሮማን ንተግባራት ሰበ-ስልጣን ግብጺ ዝዅንን ብዙሕ ህዝቢ ዝተሳተፎ ሰላማዊ ሰልፍታት ከም ዝገበሩን ንኣህጕራዊ
ማሕበረ-ሰብ ሓላፍነቱ ክስከም ከምዝጸውዑን ዝፍለጥ |