|
||
|
|
||
|
ዜናዊ ጸብጻብ ምርጫ ዚምባብወ ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ 04.07.2008
ኣብ ዚምባብወ ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት እተኻየደ ፕረሲደንታዊ ምርጫ ናይ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ እተባህለ ተቓዋሚ ውድብ ኣቦ መንበር ዝዀነ ሞርገን ሽቪንግራይ ዝያዳ ድምጺ ከምዝረኸበ ተገሊጹ። እንተዀነ ግን፡ ብመሰረት ሕጊ ምርጫ ዚምባብወ፡ እቲ ሽቪንግራይ ዝረኸቦ ድምጺ ፕረሲደንት ንምዃኑ ዘየኽእል ስለዝነበረ፡ ካልኣይ ምርጫ ኣብ ሰነ ንኽካየድ ተወሰነ።
ካብ መጋቢት ኣትሒዙ ግን፡ ደገፍቲ ፕረሲደንት ሮበርት ሙጋባ፡ ኣብ ልዕሊ ኣባላትን ደገፍትን ምንቅስቓስ ንዲሞክራስያዊ ለውጢን ቅትለትን ማእሰርትን ማህረምትን ዝተሓወሶ ናይ ራዕዲ ተግባራት ከካይዱ ከምዝጀመሩ ብዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜና ክሕበር ጸኒሑ። ፕረሲደንት ሙጋበ ውን፡ ንዓይ እግዚኣብሄር እንተዘይኰይኑ፡ ካልእ ካብ ስልጣነይ ዘልግሰኒ ሰብ የለን… ሽቪንግራይ እንተደኣ ስዒሩ፡ እቶም ገዳይም ተጋደልቲ ብረታዊ ተጋድሎ ንምክያድ ናብ በረኻታት ክወጹ ኢዮም …ምንቅስቓስ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ንዚምባብወ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ከእትውዋ ኢዮም …ወዘተ ዝብል መግለጽታት ብወግዒ ክህብ ተሰምዐ። ብግብሪ ድማ፡ ንመወዳደርቱ ዝዀነ ሰልፊ ከካይዶም ዝመደበ ናይ ምርጫ ኣኼባታት ብመጋባርያታቱ ዝዀኑ ሓይልታት ፖሊስን ሰራዊትን ደገፍቱን ዕንቅፋታት ክፈጥር ተራእየ። ሞርጋን ሽቪንግራይ ውን ናይ ህዝቢ ኣኼባታት ንምክያድ ኣብ ዝፈተነሉ እዋን ካብ ክልተ ግዜ ንላዕሊ ንማእሰርቲ ተዳረገ።
ቅድሚ’ቲ ምርጫ ዝተኻየደሉ ዕለት ሓደ ሰሙን ኣቢሉ ይኸውን ሽቪንግራይ ኣብ ሃራረ ኣብ ዝርከብ ናይ ሆላንድ ኤምባሲ ክዕቈብ ተገደደ። ምኽትሉ ድማ፡ ካብ ደገ ናብ ሃገሩ ክምለስ እንክሎ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ተታሒዙ፡ ብክሕደት ሃገር ዝብል ክሲ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ተመዲቡ ኣሎ። ብድሕር’ዚ በማእት ዝቝጸሩ ኣባላት መሪሕነትን ንጡፋት ተዋሳእትን ምንቅስቓስ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ዝተፈላለያ ኣብያተ-ማእሰርቲ ዑቝባ ሓተቱ። ኣብ ትሕቲ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ሰልፊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ኣብ’ቲ ኣብ’ቲ ኣብ መወዳእታ ሰነ ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ምርጫ ከምዘይሳተፍ ብወግዒ ኣፍለጠ። ከም ውጽኢቱ፡ ተወዳዳሪ ዘይብሉ ምርጫ ኣብ’ቲ ተመዲብሉ ዝነበረ ዕለት ተኻይዱ፡ ፕረሲደንት ሙጋበ ንዝመጽእ 5 ዓመታት ክመርሕ ተመሪጹ።
እቲ ምርጫ፡ ብሃገራት ምዕራብ ተሪር ተቓውሞ ረኺቡ። ዝተጭበረበረ ምርጫ ስለዝዀነ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ንሙጋበ ከም ፕረሲደንት ክቕበሎ የብሉን ዝብል ድምጽታት ውን ኣስምዑ። ኣብ ርእስ’ዚ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ሙጋበ እገዳታት ንምግባር ትንቀሳቐስ ኣላ።
ኣኼባ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ግብጺ ኣብ ከተማ ሻርማኣልሸክ ተኻይዱ። ፕረሲደንት ሙጋበ ውን ኣብ’ዚ ኣኼባ’ዚ ተሳቲፉ ነይሩ። ኣብ’ዚ ኣኼባ’ዚ ን39 ዓመት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ናይ ሊብያ ሙዓመር ጋዳፊ፡ ን27 ዓመት ኣብ ስልጣን ዘሎ ናይ ግብጺ ፕረሲደንት ሑስኒ ሙባረክ፡ ከምኡ ውን፡ ንልዕሊ 40 ዓመት ንጋቦን ዝመርሐ ፕረሲደንት ዑመር ባንጎ፡ ደገፎም ንሮበርት ሙጋበ ክግለጹ ከለዉ፤ ናይ ከንያ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ራይላ ኦዲንጋ፡ ናይ ዛምብያ ፕረሲደትን ለቪ ሙናዋሳ፡ ናይ በስዋና ፕረሲደንትን ደገፎም ንሞርጋን ሽቪንግራይ ገለጹ። ዝበዝሑ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ግን፡ ዚምባብወ ብሓደ ካብ’ዞም ተወዳደርቲ ሰልፍታት ተመሪሓ ብሰላም ክትቕጽል ኣይትኽእልን ኢያ ካብ ዝብል ተረድኦ ብምብጋስ፡ ከም’ቲ ኣብ ከንያ ዝተገብረ ፍትሓት ንምርካብ ልዝብ ኣብ መንጐ ሙጋበን ተቓወምትን ክግበር መረጹ።
ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ ኣብ’ዚ ተረኽቦ’ዚ ዘለዎ መርገጽ ብወግዒ ዝተገልጸ የለን። ኢሳያስ ውን እንተዀነ፡ ልክዕ ከም ሙጋበ፡ ኣነ ካብ ስልጣን ከልግስ ኢየ ሓሊመ ኣይፈልጥን ከምዝበለን፤ ንብጾቱ ብሃገራዊ ክሕደት ዝኸሰሰን፡ ንፖለቲካውያን ተቓወምቱ ዝኣሰረን ዝቀንጸለን መራሒ ኢዩ።
ሃገራት ምዕራብ ንመርገጽ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ፈኵስ ኢዩ፤ ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ሙጋበ ኣፍልጦን ዝህብን ንዝፍጽሞ ዘሎ ግፍዕታት ዕሽሽ ዝብልን ውሳኔ ኢዩ እናበላ ክነቕፍኦ ተሰሚዐን። ብዙሓት ተዓዘብቲ ድማ፡ መርገጽ መራሕቲ ኣፍሪቃ ምስ ውልቃዊ ኵነታቶም ተዛሚዱ ዝመጸ ፍትሒ ዝጐደሎ ኢዩ ብምባል ክነቕፍዎ፤ ገለ ካልኦት ተዓዘብቲ ድማ፡ እዚ ንኣፍሪቃ ዘሕፍር ተረኽቦ ኢዩ ክብሉ ተሰሚዖም።
ብ4 ሓምለ 2007፡ ፕረሲደንት ሮበርት ሙጋበ ምስ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ፕረሲደንት ታቢ ኢንበኪ ኰይኖም ምስ ተቓወምቲ ናይ’ቲ ስርዓት ንምልዛብ ዝገበርዎ ፈተነ፡ ሞርጋን ሽቪንግራይ ስለዘይተቐበሎ ንግዚኡ ፈሺሉ ኣሎ።
እቲ ኣብ ዚምባብወ ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ምርጫ ቅልውላው ንንውሕ ዝበለ ግዜ ክቕጽል ምዃኑ ዝእምቱ ምልክታት ኣለዉ። እቲ ዝዓበየ ምልክት፡ ኣብ ዚምባብወ ኣብ ዝተኻየደ ፓርሊያመንታዊ ምርጫታት፡ ኣባላት ፓርላማ ክዀኑ ካብ ዝተመርጹ ወከልቲ ዝበዝሑ ኣባላት ምንቅስቓስ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኢዮም። ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ኵነታት፡ ፕረሲደንት ሙጋበ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ድሌታቱ ከፈጽም ኣይክእልን ኢዩ። እታ ሓንቲ ድሌታቱ ክፍጽመላ ዝኽእል ኣገባብ ናይ ሓይልን ራዕድን ቅንጸላን ማእሰርትን ስጕምቲ ምቕጻል ኢዩ።
ሓደ ርግጽ ነገር ግን፡ እቲ ናይ 10 ዓመታት ብረታዊ ተጋድሎ መሪሑ ንዚምባብወ ካብ ዓሌታዊ መግዛእቲ ኢያን ስሚስ ሓራ ዘውጽአን፤ ከም ውጽኢቱ ድማ ተፈታውነትን ክብርን ዝረኸበ ፕረሲደንት ሮበርት ሙጋበ፡ በዚ ዳሕረዋይ ተግባራቱ ንስሙን ክብሩን ተፈታውነቱን ጠሪሱ ከምዝደምሰሶ ዘየጠራጥር ምዃኑ ኢዩ። |
||
|
DISCLAIMER: The author/s contributed for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents
Contact Us at: webmaster@nharnet.com |
||
|
|