ከይተለወጠ ክነብርን ክቕጽልን ዝኽእል ሂወት ዘለዎ ፍጡር ይኹን ውድብ የለን

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ

10.07.2008

 

ኣብ መጀመርያ ሰማንያታት፡ ኣብ ልዕሊ ተሓኤ ብዝተገብረ ወተሃደራውን ፖለቲካውን መጥቃዕቲ፡ ሰራዊት ሓርነት ኣብ መሬት ሱዳን ድሕሪ ምእታዉ፡ ገለገለ ዓበይቲ መራሕቲ ተሓኤ ንኽትነብር ዝተፈጥረት ውድብ ኢያ ዝብል ጭርሖ የኳማስዑን ኣዋጃት የወጽኡን ምንባሮም ዝዝከር ኢዩ። እቲ ዘገርም ግን፡ ቀለም ኣዋጃቶም ከይነቐጸ፡ ቅድሚ’ቲ ከምኡ እናበሉ እዝኑ ዘጽምምዎ ዝነበሩ ኣባሎም ተጓይዮም ናብ ሕቝፊ ህዝባዊ ግንባር ምእታዎም ኢዩ ነይሩ።

 

ሎሚ ድማ፡ ገለገለ ብዛዕባ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ተዛሪቦምን ሓሚሞምን ዘይፈልጡ፡ ብኣንጻሩ ስም ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ክሰምዑ ከለዉ ኣእሙሮኦም ዝስሕቱ ዝነበሩ ገለገለ ውልቀ-ሰባት ድሕሪ ርብዒ ክፍለ-ዘመን፡ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ብመስዋእትን ድኻምን ናይ ህዝቢ ዝተሃንጸ ውድብ ኢዩ፤ ዝዀነ ይኹን ከፍርሶ ሓላፍነት የብሉን እናበሉ ክጭድሩ ተሰሚዖም። እቲ ዘይፈልጦም ምናልባት ሓልዮት ናይ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ኰይኑ ክስምዖ ይኽእል ይኸውን። እቲ ዝፈልጦም ግን ብዀራርምቱ ኢዩ ስሒቑ።

 

መንቀሊኦም ሓልዮት ናይ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ዘይኰነስ፡ እቲ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ንውድቡ ኣፍሪሱ ምስ ተመሳሳሊ መደብ ዕዮ ዘለዎም ውድባትን፤ ከምኡ ውን፡ ናይ ኣየናይ ፖለቲካዊ ውድብ ኣባላት ነይሮምን ኣይነበሩን ብዘየገድስ፡ ኣብ ኤርትራ ሰላምን ፍትሕን ዲሞክራስን ንምንጋስ ዝኣምኑ ኤርትራውያንን ዜጋታት ሰፊሕ ህዝባዊ ባይታ ዘለዎ ሰልፊ ንምምስራት ዝወሰዶ ተበገሶ ተቐባልነት ስለዝረኸበ ኢዩ። ዕላማኦም፡ ኣብ ውሽጢ ኣባላት ተሓኤ ሰውራዊ ጋግ ንምፍጣር ምዃኑ ደርሆ ውን ጻሕቲራ እተረኽቦ ፈኵስ ምስጢር ኢዩ። ከም’ዚ ዝምነን ከም’ዚ ዝኣመሰለ ጸገማት ንምፍጣር ዝሰርሕን፡ ይፍቶ ይጽላእ፡ ካብ መጋበርያ ናይ’ቲ ስርዓት ምዃኑ ሓሊፉ ካልእ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ።

 

ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ዘበገሶ ሓሳብ፡ ንድሌት ናይ ህዝብና ኣብ ለውጥን ግስጋሰን ዘንጸባርቕ ስለዝዀነ ድማ ኢዩ፡ በማእት ዝቝጸሩ ምሁራትን መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ነቲ ጻውዒት ተቐቢሎም ኣብ ምምስራት ናይ’ዚ ሓድሽ ሰልፊ ዝዋስኡ ዘለዉ። እዚ ነቶም ተመነይቲ እከይ ዓቢ ጽፍዒት ኢዩ ኰይንዎም። ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ከም’ቲ እተመነይዎ ከይተፈንጨለ፡ ናብ’ቲ ኣብ እተመደበሉ ዕለት ዝካየድ ዘሎ ጕባኤ ሰልፊ ምብጻሑ ድማ፡ ካልእ ተወሳኺ ጽፍዒት ኢዩ።

 

ተሓኤ፡ ክትነብር እተፈጥረት ውድብ’ያ ዝብል ጭርሖ ምስ ተላዕለ፡ ንመትንታትና ስለዝተንከፎ፡ ሓቂ መሲሉና ጨርሒናሉን ጐይናሉን ኢና። ብኽቱር ስምዒት ጥራሕ፡ ንተሓኤ ህዝቢ እንተዘይደለያ’ኸ ከመይ ኣቢላ ትቕጽል ወይ ትነብር ዝብል ሕቶ ውን ከነልዕል ኣይከኣልናን። ከም ቀደም መሲልኩን ውሕጅ ይወስደክን ኰይኑ ነገሩ፡ ሎሚ ውን ደድሕሬና ዝጐይን ዘጠቕዕን ክነረክብ ኢና ብማለት፡ ክደግምዎ ዝፈተኑ ግን ማይ ሓቝኖም ኢዮም ተሪፎም።

 

ውድባት፡ መንግስታት፡ ኢምብራጦርያት ኮታ ፖለቲካውን ሕብረተ-ሰብኣውን ውድባት፡ ልክዕ ከም ኵሉ ፍጡር ይውለዱ ይዓብዩ፡ ይፈርዩ ይኣርጉ። ምስ’ቲ ዘለዉዎ ኵነታት ዝሰማማዕ ለውጥታት እንተደኣ ዘይተኣታትዮም ድማ ክሞቱ ግድን ኢዩ። ስለ’ዚ ድማ’ዩ፡ ህዝቢ ደኣሉ ነባሪ እምበር መንግስታትሲ ሓላፍቲ ኢዮም ዝብሃሉ። ነዚ ዘረጋግጽ ማእለያ ዘይብሉ ኣብነታት ውን ክጥቀስ ይከኣል ኢዩ። ናይ ቱርኪ፡ ስጳኛ፡ ፖርቱጋል፡ ሮማውያን ኢምብራጦርያት ወዲቖም ብናይ እንግሊዝን ፈረንሳይን ጣልያንን ኢምብርጦርያት ተተኪኡ። እዚኦም ውን፡ ድሕሪ ናይ ካልኣይ ዓለም ተዳኺሞም ኣብ ትሕቲኦም ዝነበሩ ግዙኣት ኣህዛብ ናጽነቶም ተጓናጺፎም። ኣመሪካን ሩስያን ሓያልን ሃገራት ኰይነን ወጺአን። ብደራጃ መንግስታት ውን እንተዀነ፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ጥራሕ እንተርኢና ክንደይ መንግስታት ወዲቖምን ብኻልእ ተተኪኦምን ኢዮም። ውድባት ውን ከምኡ።

 

ስለዝዀነ፡ ውድብ ወይ መንግስቲ፡ መሳርሒ ናይ ዕላማ ደኣ’ምበር ንገዛእ ርእሶም ዕላማታት ከምዘይኰኑ ክበርሃልና ይግባእ። እቲ ዕላማ ፍትሕን ሰላምን ዲሞክራስን ብልጽግናን ምርግጋጽ ኢዩ። ኣብ ቅድሚ’ዚ ዕላማታት’ዚ ብቑዕ ኰይኑ ዘይተረኽበ ውድብ ይኹን መንግስቲ ክኸይድ ወይ ክሓልፍ ግድነት ኢዩ።

 

ተሓኤ ብ1961 ተወሊዳ፡ ዓብያ፡ ፈርያ፡ መስተንክር ዝዀነ ስርሓት ሰሪሓ፡ ጨንፊራ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ናብ ምብትታን ደረጃ በጺሓ። ፍትሕን ሰላምን ዲሞክራስን ብልጽግናን ከተምጽእ እንተዘይኽኢላ ድማ፡ ብኻልእ ክትካእ ናይ ግድን ኢዩ። ህግዲፍ ውን ከምኡ፡ ነዚ ዕላማታት’ዚ ከረጋግጽ ስለዘይከኣለ ኢዩ ናብ ሞት ገጹ ዘምርሕ ዘሎ። ስለዝዀነ ድማ፡ ህዝባዊ ግንባር ወይ ህግዲፍ ወይ ተሓኤ ክነብር እተፈጥረ ውድብ’ዩ ኢልካ ምጭራሕ ንነብስኻን ንህዝብኻን ካብ ምትላል ሓሊፉ ካልእ ትርጕም ዘለዎ ኣይኰነን። እዚ ኣበሃህላ’ዚ፡ ብለውጢ ዘይምእማንን ንለውጢ ዘይምቕባልን ጥራሕ ኢዩ። ከይተለወጠ ክነብርን ክቕጽልን ዝኽእል ሂወት ዘለዎ ፍጡር ይኹን ውድብ የለን።

 

ኣብ መደምደምታ፡ እዚ ሕጂ ዝምስረት ዘሎ ሰልፊ፡ ንኣወንታዊ ተመኵሮታት ቃልስታት ህዝብና ዓቒቡ፡ ንኣሉታታቱ ድማ ኣሪሙ ክጕዓዝ ምስዝኽእል ጥራሕ ኢዩ ለውጥን ምዕብልናን ከምጽእ ዝኽእል እምበር፡ ንጌጋታቱን ጕድለታቱን እናተኸላኸለዝነብር ውድብ ካብ’ዚ ሕጂ እንነብሮ ዘሎና ዕንክሊላት ከውጽኣና ከምዘይክእል ርዱእ ኢዩ።


Contact Us at:   webmaster@nharnet.com