ንኤርትራ ዝውሃብ ረዲኤት ብተሓለቕቲ መሰላት ወዲ ሰብ ኣብ ሕቶ ምልክት ኣትዩ

 

ብደቪድ ክሮኒን፡ ኢንተር ፕረስ ሰርቪስ

10.07.2008 ብሩሰልስ

 

ብሕብረት ኣውሮጳ ንኤርትራ ዝውሃብ ረዲኤት ኣዝዩ ጨቋኒ ዝዀነ ስርዓት ዝያዳ ንኽጕልብት ዝሕግዝ ኢዩ ክብሉ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝዀኑ ማሕበራት ገሊጾም።

 

እዛ ኣብ መጀመርያ ተስዓታት ካብ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ናጽነታ እተጓናጸፈት ብፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ እትምራሕ ኤርትራ፡ ብመሰረት ገለገለ መዐቀኒታት፡ ሓንቲ ካብ’ተን ኣብ ዓለምና ዝኸፍአ ግህሰታት ናይ ሰብኣዊ መሰላት ዝፍጸመላ ሃገር ምዃና ይፍለጥ። ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት (ብፈረንሳይኛ RSF) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ማሕበር ንኣብነት፡ ካብ 2001 ኣትሒዙ ክንደይ ዝዀኑ ጋዜጠኛታት ምስ ሰብ ከይተራኸቡ ኣብ ስቱር ቦታ ተሓይሮም ከምዘለዉን ብዙሓት ካብኦም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝሞቱን ዝሕብር ሰነዳት ኣውጺኡ ምንባሩ ዝዝከር ኢዩ። ኣብ መወዳእታ ዝወጸ ዓመታዊ ጸብጻብ ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት፡ “ንናጽነት ናይ ፕረስ ብዝምልከት ኤርትራ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ክትስራዕ ኢዩ ዝግብኣ” ይብል።

 

ናይ ኢሳያስ ምልኪ ንመንግስቲ ኣመሪካ ብዙሕ ቍጥዓ ክፈጥረሉ እንከሎ፡ ምስ ሕብረት ኣውሮጳ ዘለዎ ዝምድና ግን ጌና ኣብ ምክብባር ዝተሰረተ ኢዩ ኰይኑ ዘሎ። ፈጻሚ ኣካል ናይ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ካብ ሕጂ ጀሚሩ ክሳብ 2013 ዝውሃብ ናይ 115 ሚልዮን ዩሮ (181 ሚልዮን ዶላር) ደገፍ ንምጽዳቕ ይሸባሸብ ኢዩ ዘሎ።

 

ንጥፈታት ዘይመንግስታዊ ውድባት ኣብ ኤርትራ ተኣጊዱ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ንኤርትራ ዝውሃብ ረዲኤት ኣብ ምንታይ ይውዕል ንምክትታሉ ዘይከኣል ኢዩ ይብሉ ንሰብኣዊ መሰላት ዝጣበቑ ማሕበራት። ገለ ካብ’ኦም ኢሳያስን መጋበርያታቱን ነዚ ረዲኤት’ዚ ኣብ ቀጻሊ ውግኣት ከውዕልዎ ኢዮም ክብሉ ይስምዑ።

 

እዛ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ዶብ ውግእ ተጸሚዳ ዘላ ኤርትራ፡ ንብዝሒ ተቐማጦአን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ብግዙፍነት ናይ ኣብ ወተሃደራዊ መዳይ ዝጠፍእ ገንዘብ፡ ድሕሪ ሰሜን ኮረያን ኣንጎላን ኣብ ሳልሳይ ደረጃ እትስራዕ ሃገር ኢያ ይብሉ። ኣብ 2000 ዓ.ም ካብ ኣስመራ ዝተረኽበ ሓበሬታታት ኤርትራ 300,000 ወተሃደራት ከምዝነበርዋ የረጋግጽ። ገለገለ ከኣ፡ በቲ ዝተኻየደ ናይ ኣስገዳድ ዕስክርና እዚ ብዝሒ’ዚ ብዕጽፊ ወሲኹ ኣሎ ይብሉ።

 

ካሳሁን ቸኰል እተባህል ኣብ ኣመሪካ ዝነብር ኤርትራዊ ምሁር “ኤርትራውያን፡ ንሕብረት ኣውሮጳ ከም ደጋፊት ናይ ህልዊ ስርዓት ኤርትራ ገይሮም ኢዮም ዝወስድዋ። እዚ ድማ ጠንቂ ናይ ተስፋ ምቕራጽ ይኸውን ኣሎ” ይብል።

 

ንናጽነት ኤርትራ ኣብ ምድጋፍን፡ ንዓሌታዊ ስርዓት ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ምቅዋምን ነዊሕ ታሪኽ ዘለዎ ካሳሁን ቸኰል፡ ኪምሽነር ልምዓት ሕብረት ኣውሮጳ ሚስተር ሉዊስ ሚሸል፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ምስ ኢሳያስ ዝገበሮ ዕጽው ርኽክብ ከምዘየሐጐሶ ይግለጽ። “ኣብ መንጐኦም ዝተኻየደ ዝርርብ እንታይ ምዃኑ ንፈልጦ የብልናን …ልዊስ ሚሸል ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኵነታት ሰብኣዊ መሰላትን ቍጠባዊ ሃለዋትን ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ዘለዋ ዝምድናታትን ይፈልጥ ድዩ ኣይፈልጥን ንሕና ንፈልጦ የብልናን” ይብል።

 

ቅድሚ ሓደ ዓመት ልዊስ ሚሸል ምስ ኢሳያስ ኣብ ብሩሰለስ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ዝዀነ ይኹን ነቐፌታ ኣይገበረን።

 

ብሰንኪ’ቲ ሮበርት ሙጋበ ንዝተኻየደ ምርጫ ኣጭበርቢሩ ተባሂሉ ድሕሪ ምኽሳሱ ደገፍቱ ኣብ ልዕሊ ተቓወምቱ ዝፈጸምዎ ናይ ራዕድን ግፍዕን ተግባራት፡ ዚምባብወ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ ኣህጕራዊ ቈላሕታ ዝረኸበት ሃገር ኢያ ኰይና። “ናይ ኤርትራ ኵነታት ግን ካብ ዚምባብወ ዝኸፍአ ኢዩ” ይብል ቸኰል።

 

ኣስዒቡ፡ “ኣብ ዚምባብወ ዲሞክራሲ ከምዘሎ ዘምስል መስርሕ ይካየድ ኢዩ። እቶም ተቓወምቲ ናይ’ቲ ስርዓት ሕጋዊ ተፈላጥነት ኣለዎም። ኣብ ኤርትራ ግን ዲሞክራሲ ከምዘሎ ዘምስል መስርሕ ውን የለን። እዚ ኰይኑ ከብቅዕ፡ ዓለም እንተላይ ሕብረት ኣውሮጳ ዝርከቦ፡ ኣብ ልዕሊ ሙጋበ ጸቕጥታት እናገበሩ፡ ንኢሳያስ ግን ድላዩ ክፍጽም ሱቕ ኢሎም ይርእይዎ ኣለዉ” ይብል።

 

መሮን እስጢፋኖስ እተባህለ፡ ኣባል ናይ’ቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝመደበሩ ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ዝተባህለ ሲቪላዊ ማሕበር፡ ኤርትራውያን መንእሰያት በስገዳድ ይዕስከሩ ኣለዉ፤ እዝን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ዓመጽ ተግባራት ዝፍጽሙ ወተሃደራውያን ሓለፍቲ ከይተቐጽዑ ይነብሩ ኣለዉ ኢሉ።

 

“ኤርትራ ናብ ወተሃደራዊት መደበር እናተቐይረት ብዝኸደት መጠን፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ሞተር ናይ ሕብረተ-ሰብ ዝዀኑ ሓይሊ መንእሰይ ዝያዳ ጭቈና ኢዩ ዘስዕብ፤ ከምኡ ውን፡ እቲ ዝዓበየ ጠንቂ ናይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ጠንቂ ናይ ድኽነትን ድሕረትን ኰይኑ ዘሎ ወተሃደራዊ ባህርያት ናይ’ቲ ስርዓት እናደየበ ስለዝመጸ’ዩ” ይብል እስጢፍኖስ። እዚ ኵነታት’ዚ፡ ንረብሓ ናይ’ቶም ዕማኾ ዘይኣኽሉ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ሓለፍቲ ዘረጋግጽን ንዝዀነ ይኹን ተቓውሞ ንምድቋስ ዝሕግዞም ዕድል ዝኸስትን ኢዩ” ይብል።

 

ሓደ ናይ ሕብረት ኣውሮጳ ቃል ውሃቢ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ከም’ቶም ኣብ ኣፍሪቃን ካሪብያንን ፓሲፊክን ዝርከቡ ሃገራት ካብ ሕብረት ኣውሮጳ ብቐጥታ ዝረኽቦ ሓገዝ የብሉን። “መንግስቲ ኤርትራ ግሉጽ ኣሰራርሓ ስለዘይብሉ፡ ሓገዝ ብቐጥታ ኣይውሃቦን ኢዩ” ይብል። እንተዀነ ግን፡ ብገንዘብ ናይ ሕብረት ኣውሮጳ ዝካየድ ፕሮጀክትታት እንተደኣኰይኑ፡ በቲ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ኮሚሽን ኢዩ ዝመሓደር። እዚ ቤት ጽሕፈት’ዚ ነቲ ገንዘብ ኣብ ምንታይ ከምዘውዓሎ ቍጽጽር ይግበረሉ ኢዩ ይብል እቲ ቃል ውሃቢ። “ሕብረት ኣውርጳ ንኢሳያስ ኣፍወርቂ ንምጕልባት ኣይኰነን ዝሰርሕ ዘሎ፤ ዋላ ንመንግስቲ ወይ ዝዀነ ይኹን ፓርቲ ኣይኰነን ሓገዝ ዝህብ ዘሎ፤ እንታይ ደኣ፡ ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ኢዩ ዝድግፍ ዘሎ። ንሕና፡ ብልምዓታዊ ምትሕብባር ኣቢልና፡ ንጕዳይ ሰብኣዊ መሰላትን ዲሞክራስን ዝምልከት ዓሚቝ ዝዀነ ዝርርብ ድሕሪ ምክያድ ኢና ነታ ሃገር ንሕግዝ” ይብል።

 

ካብ 1980ታት ኣትሒዛ ንኵነታት ኤርትራ ክትከታተል ዝጸንሐት ናይ ወይልስ ዜጋ ዝዀነት፡ ግለኒስ ኪኖክ እተባህለት ኣባል ፓርላማ ኣውሮጳ፡ ካብ ሕብረት ኣውሮጳ ንኤርትራ ዝውሃብ ረዲኤት ኣብ ምንታይ ይውዕል ከምዘሎ ዘረጋግጽ ሓበሬታ ክውሃባ ሓቲታ ከምዘላ ገሊጻ።

 

“ኣብ ትምህትን ጥዕናውን ኣገልግሎት ዝውዕል ረዲኤት ኣይትሃቡ ኢሉ ዝተኻትዓና ሰብ የለን። እንተዀነ ግን፡ እቲ ኮሚሽን እንታይ ይገብር ኣሎ ኣብ ምክትታልን ምቍጽጻርን ዓቢ ጸገም ኣሎና። ኣብ ኤርትራ ዘይመንግስታውያን ትካላት የለዋን። ስለ’ዚ፡ ነቲ ረዲኤት መን’ዩ ዝዝርግሖ ዘሎ? መን ኢዩ ናብ ዘይግብኦ ቦታ ንኸይበጽሕ ዝከታተል ዘሎ? ብምባል ስግኣታ ትገልጽ።

 


Contact Us at:   webmaster@nharnet.com