ቀዳማይ ክፋል ዜናዊ ጸብጻብ ዕውት ሰላማዊ ሰልፊ  

ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ

12.07.2007

 

ቅድሚ ገለ ሳምንታት  ብኣባላት ተቓወምቲ ውድባትን ስቪላዊ ማሕበራትን ግዱሳት ደቂ-ሃገርን ዝቖመት ብግዝያዊት ሓባራዊት ኣዳላዊት ሽማግለ ሰላማዊ ሰልፊ ዝተዳለወ ንዕለት 12.07.2008 ከተማ ፍራንክፈርት ሰላማዊ ሰልፊ ክካየድ ምዃኑ ኣብ መርበብ መራኸቢ ብዙሓን  ክሕበር ምጽንሑ ዝዝከር ኢዩ። “መዓልትን ከልብን ከይጸዋዕካዮ ይመጽእ” ከምዝበሃል፡ ዕለት 12 ሓምለ 2008 ዝተፈላለየ ጭርሖታትን፡ ገና ናይቶም ብዘይካ ካብቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ መላኺ ስርዓት ዝተፈልየ ርእይቶ ስለዘለዎም ጥራሕ ንልዕሊ 17 ዓመታት ዝኣክል ብዘይ ፍትሒ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝበልዩ ዘለዎ ጀጋኑ ተጋደልቲ ስእልታትን ተሰሊማ፡ ብሃገራዊ ሓልዮትን ህዝባዊ ሓላፍነትን ዝነደደ ኤርትራዊ ትብዓት ኣሰንያ፡ ሰዓታ ሓልያ ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዝጅመረሉ ቦታ ዝያዳ ናይ ቃልሲ ብርሃን ኣድሚቓ ደበኽ በለት።

 

ዕላማ ናይቲ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ነቲ ብዘይካ ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ህግዲፍ ንምዝርጋሕን፡ ዝነዀለት ማሕፍድኡ ብገንዘብ ደቂ-ገርሂልባ ንምትካብን፡ ብጓይላን ዳንኬራን ንደቂ-ሃገር ከጸልልን እንተዘይኰይኑ ንህዝቢ ከገልግል ዝኽእል ዝኾነ ይኹን መልእኽቲ ዘይማሓላለፈሉ ፈስቲቫል ንምምካትን፡ ነቶም ኣብቲ ፈስቲቫል ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ንምስታፍ ዝመጹ ኤርትራውያን መልእኽቲ ውጹዓት ንምቕራብዩ ነይሩ።

 

                        መበገሲ ቦታ ሰልፈኛታት

ሰላማዊ ሰልፊ ልክዕ ሰዓት 15፡10 ድ.ቀ. ጀሚሩ፡ ንዘልዓሎም ዝተፈላለዩ ጭርሖታት ብክብ ዝበለ ድምጺ እንዳጨደረ ንዳርጋ ሳላሳ ደቃይቕ ድሕሪ ምጉዓዙ፡ ኣብቲ ዝተመደበሉ ቦታ ካብቲ ብመጋበርያታት መላኺ ስርዓት ዝተዳለወ ናይ ጥፍኣት ፈስቲቫል 100 ሜትሮ ዝርሕቀቱ ከባቢ ብዝናኣድ ሰልፍን ድምጽ ሰልፈኛታት ክበጽሑ ከኣሉ።

 

ሰልፈኛታት ካብዘቃልሕዎም ዝነበሩ ጭርሖታት፡

ፈስቲቫል ህግዲፍ ናይ ሓሶት መሳርሒ ኢዩ!         ውዲት ፈስቲቫል ህግዲፍ ክመክን ኢዩ!

ሃገር ነባሪ፡ ስርዓት ግን ሓላፊ ኢዩ!                 ንሕና ንሰላምን ፍትሕን ኢና!

ህዝብና ክድበስ፡ ምልኪ ይደምሰስ!                  ንሕና ንዲሞክራሲ ኢና!

ንሕና ንሰናይ ጉርብትና ኢና፡                     ንሕና ጸረ ዲክታቶርነት ኢና!

ክብሪ ህዝብና ክምለስ፡ ምልኪ ይደምሰስ!            ንሕና ንሓድነት ህዝብናን መሬትናን ኢና!

ንሕና ጸረ ህዝባዊ ፈስቲቫልን ባህልን ኣይኰናን!

 

ፈስቲቫል ህግዲፍ ጸረ ሰላምን ራህዋን ህዝብናዩ! ፈስቲቫል ህግዲፍ መሳርሒ ጥፍኣትን ብርሰትንዩ!

ብገንዘብካ ሓውኻን ሓውትኻን ኣይትቅዘፍ! ኣብ ፈስቲቫል ህግዲፍ ምስታፍ ኣንጻር ረብሓኻ ምቅላስዩ! መሰል ኤርትራውያን ይታሓሎ፡  ወፍሪ ዋርሳይ ይካኣሎ ከብቕዕ ኣለዎ! ዝብሉን ካልኦትን ኰይኖም፡ መቓልሕ ሰልፈኛታት ዘሰንበዶም ወይ ከኣ ብመደብ ዝተላእኩ ክዀኑ ዝኽእሉ  ተሳተፍቲ ፈስቲቫል፡ ካብ ኣደራሽ ወጺኦም ነቲ ሰልፊ ከማዕድዉን ክሰምዑን ብብዝሒ ተራእዩ። ንሰልፈኛታት ዝከታተላ ዝተፈላለያ ካሜራታት ተላኣኢኸን፥ ተሓቢኤን ስእሊ ከልዕላ ጀመራ። ሓደ ካብቶም ኣብ ኣርዑት ምልኪ ተቘሪኑ፡ ሕሰምን ጭቆናን ህዝቢ ኤርትራ ዘየገደሶ፡ ልኡኽ ሳጥናኤላት ህግዲፍ ዝኾነ፤ ተኽለማርያም ብርሃነ ዝተባህለ ዴዳ ዝዓዱ መንእሰይ ዘሔንገጥዎ ካሜራ ተሰኪሙ ላዕልን ታሕትን ክብል ወዓለ። ተኽለማርያም ብርሃነ ነቲ ናይ ኣቡኡ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝነበሮም ኣባልነትን እምነት ተጠቒሙ፡ ናብ ጀርመን ምስተሰደ፡ ኣባል ተ.ሓ.ኤ. ሰውራዊ ባይቶ ኰይኑ ኣብ ስርርዓት ጸኒሑ። ካብ ቤት ጽሕፈት ሰውራዊ ባይቶ ብዝተገብረሉ ምትሕብባር ኣብ ጀርመን ናይ ምንባር መሰሉ ምስኣረጋገጸ፤ ብቆንስላዊ ቤት ጽሕፈት ህግዲፍ ተሓቢሉ ዋና ኣባል ዝዀነ ኢዩ። ብዕለት 22 መስከረም 2006 ኣብዝተገብረ ሰላማዊ ሰልፊውን፡ ብመስኮት (ፍኒስትራ) ቆንስላዊ ቤት ጽሕፈት ተሓቢኡ ናይ ቪድዮ ስእሊ ዘቐብል ዝነበረ ንሱ ኢዩ።     

 

ተሳተፍቲ ሰላማዊ ሰልፊ ወደኽደኽ ልኡኻት ህግዲፍ ድምብርጽ ከይበሎም፡ ንተሰኪመሞ ዝመጹ ሬሳዊ ምስሊ ህግዲፍን መራሒኡን ንኸረክብዎም ንቕድሚት ክስጉሙን ክቐርቡን ንኣሰንየሞም ዝመጹ ወታሃደራት ሓተቱ። ይኹንበር፡ ንጸጥታዊ ምኽንያታት ካብቲ ዝተባህለ ቦታ ንላዕሊ ክስገር ከምዘይካኣል፡ ግን ሓደ ፍሉይ ጉጅለ ዓሰርተ ዝዀኑ ካብ ሰልፈኛታት ተዋጺኦም፥ ብፖሊስ ተሰንዮም ናብቲ ኣደራሽ ቀሪቦም ጽሑፋት ክዕድሉ ከምዝካኣል  ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ።

 

ንዝረኸበቶም ተሳተፍቲ ናይ ጥፍኣት ፈስቲቫል፡ ስነ-ጽሑፋት ክትዕድል ዝኸደት ፍልይቲ ጉጅለ፡ ንኽሓልፍ ዝራኣየቶ ሰብ ብትግርኛን ጀርመንኛን ዝተዳለወ ጽሑፋት ኣብ ምዝርጋሕ ድምብርጽ ከይበላ ብምሉእ ዓቕማ ተዋፈረት። ጽሑፋት ይዝርጋሕን ይዕደልን ምህላዉ ዝተኸታተሉ ጸጥታ ህግዲፍ፡ ሓደ ብወዲ ሽከር ዝፍለጥ ኣብ ከባቢ ቪስባደን ዝቕመጥ፡ ከምኡውን ገብረመስቀል ተኽለ ዝተባህለ ኣብ ከተማ ማንሃይም ዝቕመጥ ኣዋፊሮም፡ ዝተዓደለ ጽሑፋት ካብ ተሳተፍቲ ፈስቲቫሎም ከሕድጉ ጀመሩ። ካብ ሰልፈኛታት ዝተዋጽኤት ጉጅለ ዝዓደለቶ ጽሑፋት ኣብ ርዓት ኣደራሽ ጸኒሖም ዘሕድጉዎም ሰባት ምህላዎም ምስ ፈለጠት፡ ንፖሊስ ሓበረት። ይኹንበር፡   እቶም ፖሊስ፣ ንህዝቡ ዝኾነ ጽሑፍ ከየንብብ ዝኽልክል መንግስቲ ምህላዉ ኣስደሚምዎም፡ ካብ ርሓቑ ምባል ሓሊፉ ክብልዎ ዝኽእሉ ነገር ኣይነበሮምን። ሕፍረቱ ዝቐልዐ ራዕዲ ልኡኻት ህግዲፍ፡ ንምፍሻል ጉጅለ ሰማላዊ ሰልፈኛታት ንዝሓለፈ ሰብ ከክልተ ወረቐት እንዳዓደለት፡ ሓንቲ ኣብ ጁባ እትሕባእ፤ እታ ካልኣይቲ ድማ ነቶም ከተርቲ ትዋሃብ ምዃና እንዳሓበረት፡ ብዘይምስልካይ ኣብ ኣደራሽ ዝኣቱ ጹሑፋት ክትዝርግሐ ወዓለት።

 

ኣባላት ህግዲፍ፤ ወጻኢ ካብቲ ስርዓት ዝዕድሎም ጽሑፍ ክሳብ ክንደይ ከምዘርዕዶም ድማ፡ እቶም ጸጋታት ናይ ዲሞክራሲ ኣብ ዘለዎ ሃገራት ዝነብሩ ዘለዉ ኣባላቶም ዝፍጽምዎ መስትንክር ተግባራትን ሃምየንነትን ንምርዳኡ ዘሸግር ኣይኮነን። ናይቲ መዓልቲ ፍጻሜ መጋበርያታት ስርዓት ህግዲፍ እዚ ጥራሕ ስለዘይነበረ ተግባራት ኣብረሄት ገብረመድህን ኣብዝስዕብ ክቐርብ ኢዩ።          

 


Contact Us at:   webmaster@nharnet.com