ምስረታ ሓድሽ ሰልፊ ኣብ ልዳት ጕባኤ በጺሑ

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ

19.07.2008

ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ኣብ’ቲ ብሓምለ 2006 ዘካየዶ 6ይ ሃገራዊ ጕባኤኡ፡ ተመሳሳሊ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ዘለዎም ውድባትን፤ ኣብ’ዚ መደብ ዕዮ’ዚ ዝኣምኑ ውልቀ ኣባላትን፡ ናብ ሓደ ሓድሽ ሰልፊ ዝምስርትሉ ሓባራዊ ጕባኤ ንኽኣትዉ ዝገበሮ ጻውዒትን ዝወሰዶ ተበግሶን እንሆ ኣብ ልዳት ጕባኤ በጺሑ። ጕባኤ፡ ልክዕ ኣብ’ቲ እተወሰነሉ ዕለት 25 ሓምለ 2008 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ምድላዋት ተወዲኡ ኣሎ።

 

ኣባላት መሪሕነት ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶን ኣባላት ኣሰናዳኢት ኮሚቴ ምስረታ ሰልፍን ድሮ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክኣትዉ ጀሚርም ኣለዉ። እቶም ካብ 5 ክፍለ-ዓለማት ማለት ካብ ኣፍሪቃ፡ እስያ፡ ኣውሮጳ፡ ሰሜን ኣመሪካን ኣውስትራልያን ዝተመርጹ ክብ 130-140 ዝዀኑ ተወከልቲ ድማ፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ንምእታው ኣብ ዘዘለውዎ ሃገር ምሽብሻባት ይገብሩ ኣለዉ። ከምኡ ውን፡ ልክዕ ከም’ቲ ኣብ 6ይ ሃገራዊ ጕባኢኡ ዝገበር፡ ኣብ ምሉእ ስርሓት ናይ’ዚ መስራቲ ጕባኤ ዝሳተፉ ወከልቲ ሲቪላዊ ማሕበራትን ጋዜጠኛታትን መሓዙት ውድባትን ኣገደስቲ ውልቀ-ሰባትን ክህልዉ ኢዮም። ተዓዘብቲ ካብ ጕባኤኛታት ዝፍለይሉ፡ ናይ ምድምጽ መሰል ዘይብሎም ምዃኖም ደኣ’ምበር፡ ርእይቶኦም ናይ ምግላጽ፡ ከምዝመሰሎም ናይ ምክታዕን ካልእ መሰላቶምን ልክዕ ከም’ቶም ካልኦት ኣባላት ጕባኤ ሕልዉ ኢዩ።

 

ኣባላት መሪሕነት ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ኣቐዲሞም ዝመጽሉ ዘለዉ ምኽንያታት፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ከካይድዎ ዝጸንሑ ንጥፈታት ኣጻፊፎም ጸብጻባቶም ንጕባኤ ንምቕራብን፤ ነቲ ውድብ ናብ’ቲ ሓድሽ ሰልፊ ንምምስራት ቈይሙ ዘሎ ኮሚሽን ንምርካብ ምድላዋት ንምግባርን ክኸውን ከሎ፤ ኣባላት ምስረታ ክሚሽን ድማ፡ ናይ’ቲ ከካይድዎ ዝጸንሑ ንጥፈታት ጸብጻብ ንምጽፋፍን ንተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ተረኪቦም ስርሓት ናይ ጕባኤ ንምምራሕን ኢዩ።

 

ድሮ፡ ካብ ኣውስትራልያ፡ ኣመሪካን ሱዳንን ዝመጹ ኣባላት መሪሕነት ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶን ኣባላት ኮሚሽን ምምስራት ሰልፍን ኣብ ኣዲስ ኣበባ በጺሖም ኣለዉ። ፈጻሚ ሽማግለ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ካብ ዕለት 20-21 ሓምለ 2008 ናይ መጨረሻ ኣኼባኡ ከካይድ ኢዩ። ካብ 22-23 ሓምለ 2008 ድማ ኣኺባ ሰውራዊ ባይቶ (መሪሕነት) ክስዕብ ኢዩ። ብድሕር’ዚ ኣብ’ቲ ብ25 ሓምለ 2008 ዝሰላሰል ጕባኤ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ንውድቡ ብወግዒ ከምዘፍረሰ ገሊጹ ኣባላቱ ኣብ ምሉእ መስርሕ ናይ’ቲ `ጕብኢ ከም ውልቀ-ሰባት ክሳተፉ ኢዮም። ብኡ ንብኡ ኮሚሽን ምስረታ ሓድሽ ሰልፊ ሓልፍነት ተሰኪሙ ነቲ ጕባኤ ክሳብ ፍጻሜ ከብጾ ኢዩ።

 


Contact Us at:   webmaster@nharnet.com