|
ነዊሕ መደብ
ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘበሳጨዎ ኤርትራዊ መንእሰይ
ብጃክ ኪምባል
ሮይተርስ ናይ
ዜና ማዕከን
17 ሓምለ
2008
ትርጕም፡- ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን
ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ
ሓደ መዓልቲ፡ እግዚኣብሄር ነቲ ዝፈጠሮ
ኣኽራናት፡ ስንጭሮታት፡ ባሕርታትን ኣብኦም ዝርከብ ፍጡርን ክቘጻጸር ተበገሰ። ብምግራም፡ “እዛ ደረቕን ብጫን
ገይረ ዝፈጠርክዎ ኤርትራ፡ ስለምንታይ ደኣ ኢያ ሓምላይ ኰይና” ድማ በለ። ገብርኤል መልኣኽ ኣብ እዝኑ ጽግዕ ኢሉ
“እቲ ትርእዮ ዘሎኻ ሓምላይ ሕብሪ ናይ ሰራዊት ክዳን (uniform) ኢዩ ክብል ሕሹኽ በሎ” ዝብል ዋዛ ምስ
ቍም-ነገር ካብ ሓደ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘሎ መንእሰይ ሰሚዐ።
ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ነፍስወከፍ 15
ሰባት 1 ኣብ’ቲ ካብ 12-18 ኣዋርሕ ክወስድ’ዩ ተባሂሉ እተበገሰ ኣስገዳድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተመዚዙ ይርከብ።
እዛ ሓደስን ኣብ ዓለም ዝነኣሰት
ሃገርን ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ሰራዊት ኣሎኒ ኢላ’ያ ትጅሃር። ምስ ሶማልያ ዘሎ ውግእን ኣብ መንጐ ኤርትራን
ኢትዮጵያን ዘሎ ናይ ዶብ ወጥርን ኣብ’ቲ ዞና ዘይምርግጋእ ይፈጥር ኣሎ።
ብመሰረት ጸብጻብ ዓለማዊ ባንክ ካብ
4.7 ዝኸውን ተቐማጦኣ እንተወሓደ 320,000 ኤርትራውያን ኣብ ውትህድርና ተዓስኪሮም ኣለዉ። ኣህጕራዊ ትካል
ስትራተጂካዊ መጽናዕትታት እተባህለ ማሕበር ድማ፡ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ስሃራ ኣፍሪቃ ካብ ዝርከባ ሃገራት ዝዓበየ
ሰራዊት ኣለዋ። ዋላ ንኢትዮጵያ ውን ብ138,000 ወተሃደራት ትበልጻ ኢያ ተበልጻ ይብል።
መንግስቲ ናይ’ዛ ኣብ ትሕቲ መላኺ
ስርዓት እትርከብ ሃገር፡ በቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘሎና ወጥሪ ዓቢ ሰራዊት ክህልወና ግዱዳት ኢና ይብል። ብዙሓት
ኤርትራውያን መንእሰያት ግን፡ ኣብ ወርሒ 20 ዶላር እናወሰዱ ንነዊሕ ዓመታት ምግልጋል ከምዘበሳጭዎም ኢዮም
ዝገልጹ።
ልክዕ ከም’ቶም ጋዜጠኛታት፡ ሓደ ስሙ
ክገልጽ ዘይፈቐደ ን4 ዓመታት ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘሎ መንእሰይ፡ “ኣነ ንሃገረይ ከገልግል እደሊ ኢየ። ግን
ከኣ ንዘይተወሰነ ዓመታት ኣይኰነን” ይብል።
ብመሰረት’ቲ ድሕሪ ናጽነት ብ1991
ዝወጸ ኣዋጅ ካብ 18-40 ዝዕድሚኡ ኤርትራዊ ዜጋ ካብ 12-18 ዝወስድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክገብር ግዱድ ኢዩ።
ብግብሪ ግን እቲ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ንዘይተወሰኑ ዓመታት ክቕጽል’ዩ ዝርአ ይሉ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ተጣበቕቲ
ማሕበራት።
|