ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ናብ ሃገርክን ጠምታ ብግዝያዊ ረብሓ ኣይትዑራ

 

እዚ ሎሚ ኣብዚ ኣኪቡና ዘሎ፥ መሰልን ክብርን ህዝብና ይትሐሎ ዝብል ሰላማዊ ሰልፊዚ፡ መግለጺ ናይ ሓዘን ተሳትፎ ነቶም ፈስቲቫል ህግዲፍ ንምምዕራግ ዝሳተፉ ዘለዉ ኤርትራውያን ኢዩ።

 

ፈስቲባል ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ባህሉን ሐድነቱን ኣገዲስዎ ዘይኮነስ ንዘለዎ ዘይ ሕጋዊ ስልጣን ዘናውሓሉ፡ ምልኪ ኣብ ርእሲ ህዝቡ ዘረጋግጸሉ ኮይኑ፡ መደልደሊ ናይቲ  ዘይተፈልጠ ቁጠባዊ ካሳኡ ንምምላእን፡ ይ ርሑቅ ምዝመዝኡ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብዚ ፈስቲቫልዚ ትሳተፉ ዘለኹምን ወለድኹምን ዘረጋግጸሉን፡ መጨፍጨፊን መእሰሪ ደቂ-ሃገርን ዝጥቀመሉን ድኣምበር፡ ህዝቢ ኤርትራስ ገዛ ሓዘን እንተዘይኮይኑ ገዛ ሐጎስ ዳህሲስካ ዘይርከቦ ምዃኑ ንስኻትኩምውን እትፈልጥዎ፥ ስለ ዝኾነ ኢና እንቓወምን ድምጽና ነቶም ግሩሃት ደቂ-ሃገር ከነስምዕን ተሰሊፍና ዘለና።  

 

ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ብፍላይ፡ ኣብቲ ነዊሕ ናይ ነጻነት ቃልሲ ኣዴታት ኰንክን ኣስኒቕክ፡ ኣዕጢቕክ፡  ኣጽሊልክ፡ ካብ ማህጸንክን ንዝወጹ ደቕኽን ከይበቐቕክን በጃ ሃገርን ህዝብን ክዀኑ ንበረኻ ኣሰኒኽን ኢኽን:: መንእስያት ኮንክን ኣብ ቅድመ-ግምባር መኪትክን፡ ልዕላውነት ሃገር ኣረጋግጽክን።  ኣብ ገዛ ንዝጸንሐ ዝጓሃያ ኣዴታትን ኣሓትን ደቢስክን ኣተባቢዕክን፡ ንህንጻ ሃገር ኣብ ዝተበገስክናሉውን፡ ደቂ ስውኣት ሓዚልክን፤ ስቅያት ህዝቢ ከብቕዕ፡ ራህዋ ክስፍን፡ መንእሰይ ክምሃር፡ ድንቁርና ክጠፍእ፡ ሃገር ክትምዕብል፡ ሕጊ ክሰፍን መሰል ኩሉ ዘረጋግጽ ስርዓት ክትከል ተመኒኽንን ናይ ቃልሲ  መብጽዓ ኣቲኽን።

 

ሰርዓትን ሕግን ዘይፈልጡ፥ ኣብ ክንዲ ንሰላም  ኣብ ዕግርግር ዝሕምብሱ ሓለፍቲ ህግደፍ ግን፡ መለክቲ ህዝቦም ኮይኖም ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ከም ንብረት ገዛ ንህዝቢ ከም ድላዮም ክገላብጥዎ፡ ህጻናት ኣብ ክንዲ ትምህርትን ኣለይቲ ስድራን ዝኰኑ፡ ንውትህድርና ከገልግሉ (ወለዲ መግለጺ ሕሰሞም ዘይምውላዶም ምሓሸና ክብሉ) ናይ መንእሰይ ኣእምሮ ከይምዕብል ንሃገር ክይሓስብ ብራዕድን ሽበራን መሪዞም፡ መጻኢ ዕድሉ ከምዘየማዕዱ ገይረሞ ኣለዉ። ስለዚ ድማ እተን ብዓድን ብበረኻን ኣብ ኩሉ መዳያት ተጣማጢመን ናጽነት ሃገርና ክዉን ዝገበራ ኣዴታትን ኣሓትን፡ ብጃንዳ ህግዲፍ ተጠሊመን፡ ኣብ ክትገልጾ ዘይካኣል ናይ መነባብሮ ሕሰም ይርከባ ኣለዋ።

 

ወሊደን ከይልእኻን ከይምዕርጋን ወግሐ ጸብሐ፡ ደቀን ካብ ሕቊፊኤን ክሕደጋ፡ ኣቦታት ዘይብሎም ህጻናት ካብ ጐሓፍ ኣርየን፡ ለሚነን፡ ርሳሓት ምንዝርና ተሰኪመን ከዕብያ፡ እቲ ዝኸፋኤ ድማ መርወዪ ድልየተ-ስጋ መኰንናትን ጀነራላትን ኣገልገልቲ ህግዲፍ ኰይነን ምህላወን ንስኻትን እተን ኣብዚ ፈስቲቫልዚ ትሳተፋ ዘለክን ደቂ-ኣንስትዮውን ኣጸቢቕክን ትፈልጣ ኢኽን። እዚ ጥራሕ ኣይኰነን! እቶም መዳጐና ውትህድርናን ሽበራን ስርዓት ህግዲፍ መሪርዎም ዝስደዱን፡ ኣብ ግዕዞ ስደቶም ንቡር ክብሪ ሬሳ ሳኢኖም ዝጠፋኡ ዘለዉን፡ ሓዘን ንኸይትገብር ትእገድ ዘላ ወላዲትን፡ ናይቶም ዕድል ረኺቦም ዝዳሓኑ መቕጻዕቲ ገንዘብ ንኽትከፍል ትእሰርን ትዋረድን ዘላ ኤርትራዊት ኣደ እኾ፤ ከማኻትክን ዝወለደት ማህጸንን ኣደን ኢያ።

 

  እተን ነዚ ሕሰማትዚ እንዳፈለጥክን፡ ነተን ትማሊ ዘዕበያናን ዝሓንገራናን ነጻነት ዘበሰራናን ወለድን ኣሓትን ኣብታ ብሰንኪ ስርዓት ህገዲፍ ጸልማት ኰናይ ዘላ ኤርትራ ክብሪ ኣዴታትክንን ኣሓትክን እንዳተደፍረ፡ ክዳንክን ኣጻዕዲኽን፡ ብግዝያዊ ስልማትን ዘይተኣደነ መጸበቕን ተሰሊምክን፡ ብደገፍቲ ጃንዳ ህግዲፍ ንኽትናኣዳን ክትራኣያን፡ ኣብዚ ናይ ጥፍኣት ፈስቲቫል እዚ ንኽትሳተፋ ካብ ርሑቕን ካብ ቀረባን ዝመጻኣክን ኤርትራውያን፡ ሎምስ ይኣክል ውርደት፡ ይኣክል ስደት፡ ይኣክል ዲክታቶርነት ክትብላን፡ ንድሕነት ናይቲ ኣብ ስቓይ ዝነብር ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ጐኒ ውጹዓት ኣሕዋትክንን ኣሓትክንን ንኽትስለፋ ብስምዚ ሰላማዊ ሰልፊዚ ንጽዋዓክን።

 

``ዓሻ ሰበይትስ፡ ወዲ ሰብኣያ፡ ዘይወዳ ይመስላ`` ከምዝባሃል እንተዘይኰይኑ፡ እቲ ሎሚ ኣብ ኤርትራውያን ኣዴታት ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕን ውርደትን፡ ናትክን ሽግርን ስቓይ ጌርክን ክትርድእኦ ይግባእ። ንሳተን ክዛረባሉ እንተዘይካኣላ ንስኻትክን ከተቃልዕኦ ሓላፍነትክን ኢዩ። መሰልን ማዕርነትን ደቂ-ሰባት ኣብዝተጋህሰሉ ሃገር፡ ዕውር ዓይኒ ጸማም እዝኒ ከይሃብና፡ ብግዝያዊ ረብሓታት ከይተታለልና፡ ናይ መጻኢ ራህዋን ዕብየትን ጠሚትና፡  ዕጣቕ ውጹዓት ንኹን፡ ድግዲጊተን ሸጥ ከብላ፡ ደጊመን ንመስልን ሐርነትን ርእሰን ኣቅኒዔን ክምጉታ ንሕና ምሳኽን ኣለና ምባል ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ዋልታን ዕርድን ንኹነን።

 

ነዚ ጸዋዒትዚ ሸለል ኢልና፡ እተን ስርዓት ህግዲፍ ኣብዝኣጐዶ በዓላትን ፈስቲቫላትን ነዳክር ዘለና ኣዴታትን ኣሓትን፡ ጽባሕ ብተሓባባርነት ጃንዳ ህግዲፍ ተሓተቲ ምዃና ተገንዚብና፡ ኣእዳውናን ኣእጋርናን ክንእክብ ብስምናን ብስም ውጹዓት ኤርትራውያን ኣዴታትን ሓደራ ንብል።

 

ኣብ መደምደምታ ነዚ ሰላማዊ ሰልፊዚ ዘዳለኩም ሽማግለን ብሓሳብ ዝተሓባበርኩምን፡  ካብ ርሑቅን ካብ ቀረባን ዝመጻእኩም ሰልፈኛታትን ብሓፈሻ፡ ብስመይን ብሰም ተበግሶ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራን ናይ ትብዓት ምስጋናይ ይብጻሕኩም።

 

ሃገርና ናይ ሲኒትን ሰላምን ክትከውን መእዲ ልዝብ ይዓንብብ።

ትንሳኤ ደቂ-ኣንስትዮ ይደንፍዕ

 

ዝኽርን ክብርን ንስዉኣት ኤርትራ!

 

ተበግሶ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ጀርመን

12.07.2008 ፍራንክፎርት - ጀርመን


Contact Us at:   webmaster@nharnet.com