|
||
|
|
||
|
ጋዜጣዊ መግለጺ
ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስን ሓባራዊ መሪሕነታዊ ሽማግለ ሰ.ህ.ኤን ሰ.ዲ.ኤን 09.07.2009
ብ9 ሓምለ 2009፡ ኣብ መንጎ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስን ኣብ መንጎ ሓባራዊ መሪሕነታዊ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራን ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራን፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ርክብ ተኻይዱ። እዚ ርክብ’ዚ፡ መቐጸልታ ናይ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት፡ ኣብ ፍራንክፈርት ኣብ መንጎ ሰለስተ ኣቦ መንበራት ዝተኻየደ ርክብ ኰይኑ፡ ነቲ ሽዑ ዝተበጽሐ ስምምዓት ብዕቱብነት ገምጊሙ።
ኣኼባ፡ ነቲ ስምምዕ ናብ ክብ ዝበለ ደረጃ ብምስግጋር፡ ኣብ መንጎ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስን ኣብ መንጎ ሓባራዊ መሪሕነት ሽማግለ ሰ.ዲ.ኤን ሰ.ህ.ኤን ንሓድነታዊ ምጽንባር ናይ ሰለስቲኡ ውድባት ዝዕንቅፍ ፍልልይ ከምዘየለ ኣስሚርሉ።
ኣብ መወዳእታ፡ ጸብጻብ ናይ’ቲ ኣብ መሰረታት ሰለስቲኡ ውድባት ዝካየድ ዘሎ ክትዓት፡ ክሳብ 31 ሓምለ 2009 ናብ ዝምልከቶም መሪሕነታት ክበጽሕ ከምዘለዎ ተወሲኑ።
ኣብ’ዚ ርክብ’ዚ፡ ብወገን ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ዝተሳተፉ ኣባላት መሪሕነት፡
1. ኣድሓኖም ገብረማርያም፡ ኣቦ መንበር ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ፤ 2. መ`ኰንን ሃይለ፡ ምኽትል ኣቦ መንበር 3. ተኽሊት ሃብታይ፡ ሓላፊ ስርርዕን ህዝባዊ ጕዳያትን 4. ኣስመላሽ ገብረዝጊ፡ ሓላፊ ዜና ክዀኑ ከለዉ፤ ብወገን ሓባራዊ መሪሕነታዊ ሽማግለ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትርና ሰልፊ ዲሞክራስን ኤርትራ ድማ፡
1. ወልደሱስ ዓማር፡ ኣቦ መንበር ሓባራዊ መሪሕነታዊ ሽማግለ፤ 2. መስፍን ሓጐስ፡ ኣባል ሽማግለ ህዝባዊ ጕዳያትን ውደባን 3. መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ኣባል ሽማግለ ዜና 4. ሓጅ ዓብደልኑር” ኣባል መሪሕነት ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ 5. መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም፡ ኣባል ሰክረታርያ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ 6. ኣማኒኤል ሓጎስ፡ ኣባል መሪሕነት ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ ኢዮም።
ዓወት ንሓድነታዊ መስርሕ! ውድቀት ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ! ክብርን ዝኽርን ንሰማእታትና!
|
||
|
DISCLAIMER: The author/s contributed for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents
Contact Us at: webmaster@nharnet.com |
||
|
|