|
ኣብ ከባቢ ዓሊ ግድር ዝሰፈሩ ዜጋታት
ኣደዳ ሕማምን ሞትን ስደትን ክዀኑ ጀሚሮም
ክፍሊ ዜናን
ባህልን
ሰልፊ ህዝቢ
ኤርትራ
05.07.2009
ስርዓት ኣስመራ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት
ካብ ከበሳታት ኤርትራ በስገዳድ ኣብ ከባቢ ዓሊ ግድር፡ ሰበለንኪት ኣብ እተባህለ ቦታ ዘስፈሮም ገባር ምንባሮም
ምንጪታት ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ ሓቢሮም ምንባሮም ዝዝከር ኢዩ።
እዞም ተፈናቐልቲ እዚኣቶም፡ ብሰንኪ
ሕጽረት ማይን መግብን ንዝተፈላለዩ ዓይነት ሕማማት ክቃላዑ ጀሚሮም ምህላዎምን፤ ካብ’ዚ ስቅያት’ዚ ንምምላጥ ከኣ፡
ንሱዳን ብብዝሒ ይስደዱ ምህላዎምን እቶም ምንጪታት የረጋግጹ። ስርዓት ኢሳያስ፡ ነዞም ተፈናቐልቲ እዚኣቶም ኣብ
መዓልቲ ሓደ ጀሪካን ማይ ንሓንቲ ስድራ ቤት ጥራሕ’ዩ ዝዕድሎም። መግቢ ብዝምልከት ከኣ፡ እቶም ኣብ’ቲ ከባቢ ኣብ
ዝርከባ ከተማታትን ዓድታትን ዝነብሩ ንገዛእ ርእሶም ዝኸውን ዕለታዊ መግቢ ዘይብሎም ህዝቢ ክኽእልዎም እቲ ስርዓት
የገድዶም ከምዘሎ ተፈሊጡ ኣሎ።
ብዝያዳ ብሕማም ዝሳቐዩ ዘለዉ ህጻናትን
ኣረጋውያንን ክዀኑ ከለዉ፣ ክሳብ ሕጂ ብውጽኣትን ካልእ ሕማማትን ዝሞቱ 9 በጺሖም ከምዘለዉ ምንጪታትና ሓቢሮም።
ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ፡ ክሳብ
ሕጂ ንነፍስወከፍ ስድራ ቤት 3000 ናቕፋን ሓንቲ ተንዳን እንተዘይኰይኑ ካልእ ዘቕረበሎም ደገፍ ከምዘየለ እቶም
ናብ ሱዳን ዝስደዱ ዘለዉ ተፈናቐልቲ ንምንጪታትና ገሊጾምሎም።
|