|
||
|
|
||
|
ጕዳይ ጋዜጠኛ ዳዊት ይሳቕ ኣቓልቦ ይረክብ ኣሎ፤ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ጸረ ፈስቲቫል ህግደፍ ኣብ ስቶክሆልም
ክፍሊ ዜናን ባህልን ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ 02.07.2009
ሕብረት ኣውሮጳ፡ ካብ ትማሊ ዕለት 1 ሓምለ 2009 ጀሚራ ንሓደ ዓመት ብኣቦ መንበርነት ሚስተር ረይንፈልት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ክትምራሕ'ያ። ኣብ ናይ ትማሊ ፈነወ ዜና ካናል 4 ሽወደን ንኣቦ መንበርነት ብዕሊ ዝተቐበለትሉ፡ ኩሎም መራሕትን ናይ ወጻኢ ጉዳያት ሚኒስትሪ ሓለፍትን ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ቤት ምኽሪ ኣውራጃ ስቶክሆልም ኢዩ ተፈጺሙ።
ሽወደን ኣብ ዝለዓለ ኣጀንዳ ሰሪዓቶም ዘላ ቀዳማይን ካልኣይን ኣጀንዳ፡ ሕቶ ክሊማ፡ ብፍላይ ንምብራቓዊ ባሕሪ ዝምልከትን፡ ጉዳይ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቅን'ዩ ክትብል ሓንቲ ውሃቢት ቃል ገሊጻ።
ጕዳይ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ፡-
ብኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ እቲ ህቡብ ገጣማይ፡ ደራፋይን ሙዚቐኛን ቤኒ ኣንደርስሶን (Benny Andersson) ኣባል\ታ ኣባ (ABBA) ተባሂላ ትፍለጥ ጉጅለ ደረፍቲ ሓደ'ዩ። ቤኒ ኣብ'ቲ ንዳዊት ኢሳቕ ነጻ ንምውጻእ ዝግበር ደገፍ ስሙ ኣንቢሩ። ቤኒ ኣነ ካብ'ቶም ቀዳሞት ክኸውን ዝነበረኒ'ዩ ብማለት ስምዒቱ ብሓላፍነት ገሊጹ። ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዕለት 29 ሰነ 2009 ዝወጸ ሕታም መዓልታዊ ጋዜጣ ኤክስፕረሰን ሰፊሩ ይርከብ። ምስ'ዚ ኣተሓሒዙ እቲ ጋዜጣ፡ ውሩይ ኣሜሪካዊ ደራፋይ ክርሲ ሂንደ Chrissie Hynde ብተመሳሳሊ ስሙ ብምንባር ደገፉ ከምዝገለጸ ሓቢራ።
ብተወሳኺ፡ ብድሮ ዕለት 28 ሰነ 2009 ኣሰናዳእን ሓላፍን ጋዜጣ ኤክስፕረሰን፡ ቶማስ ማትስሶን፡ ምስ በዓልቲ ቤት ዳዊት ኢሳቕ፡ ሶፍያ ብርሃነ፡ ተራኺቡ ከምዝተዘራረበን፤ ሶፍያ ውን፡ ስድራ ቤት ዳዊት ይሳቕ ዘሕልፍዎ ዘለዉ ስቓይን ሻቕሎትን ኣስፊሓ ገሊጻትሉ።
ሰላማዊ ሰልፊ
ብፖለቲካውያን ውድባትን ሲቪካውያን ማሕበራትን፡ ንዕለት 1 ነሓሰ 2009 ኣብ ስቶክሆልም ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ንምክያድ ምድላዋት ይግበር ኣሎ። እዚ ሰላማዊ ሰልፊ’ዚ፡ ኣብ'ቲ ብህግደፍ ዝዳሎ ዘሎ ፈስቲቫል ዝካየደሉ ቦታ ክግበር ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ። ኣዳላዊት ሽማግለ ሰልፊ፡ እቲ ስራሕ ዕዉት ውጽኢት ንኽርከቦ ካብ ሎሚ ጀሚራ ንኩሉ ሽወደናዊ፡ ኤርትራዊ ዜጋ ሓበሬታ ክትዝርግሕ ጻዕርታት ተካይድ ኣላ።
|
||
|
DISCLAIMER: The author/s contributed for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents
Contact Us at: webmaster@nharnet.com |
||
|
|