ሓቀኛ ትሕዝቶን ትርጉምን ሰላማዊ ደሞክራስያዊ

ገባብ ቃልሲ አንጻር ምልኪ

 

ክፍሊ ዜናን ባህልን

ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ

01.07.2009

 

እዛ እንነብረላ መሬት አብ ውሽጢ ከርሳ ይኹን አብ ልዕሌአ ዝዓቘረቶ፣ ንነብሲ ወከፍ ፍጡር ወዲ ሰብ አኺሉ ዝተርፍ ጸጋን ሽሻይን ብአምላኽ ተዓዲላ ዝተፈጥረትያ። እንተኾነ ግን ደቂ ሰብ አብ ክንዲ ንኹላትና ንዓይ፣ አብ ክንዲ ንሕና አነ ጥራሕ ዝመበቆሉ ገባቲን ብሐቲን ዝኾነ ስሱዕ ናይ ረብሐን ጠቕሚን አተሐሳስባን ስሚዒት ተሳዒሮም፣ ንዓለምና ወግሔ ጸብሔ አብ ዘይውዳእ ናይ ቅልውላው ነውጺን ባርዕን ክአጕዱላ ይርአዩ።

 

ደቂ አዳም ነቲ አብ ረብሐን ጠቕሚን ዝተሞርኮሰ ፍልልያቶም ተጸዋዊሮም ብምክእአል፣ ብሰላም ተሳኒዮም ከአ ንምንባር፣ ካብ እንስሳ ዝፈልዮም አመዛዚኑውን ዘጠምቶም ናይ ምስትውዓል አእምሮ ብተፈጥሮ ተዓዲሉዎምዩ። እቲ አእምሮ ብንጹህን ቅኑዕን መንገዲ እንተዝጥቀሙሉ አየ ዓለምና ፍጹም ቅስንትን ካብ ማንም ከይሰጋእካ ከአ ንኽትነብራ እተብህግ ገነት ስፍራ ምተቐየረት።

 

ብምጽውዋር ተሳኒኻ ምንባር፣ ሐልዮት ሕድሕድ ምዝውታር፣ ናብ ራህዋን ቅሳነትን አቕጣጫ ዘምርሕ፣ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ምዕብልናውን ዘበጻጽሕ ጎደና ምዃኑ ኩሉ ተረዲኡ፣ ብተግባር እንተዝሰርሐሉስ፣  አየ ዓለምና ኳሕ ጣሕሸም ዘይብላ ብምትሕቑቛፍ ቀሲና ምሐደረት።

ተሳኒኻ ብሰላም ምንባር ደሊኻዮ እትመርጾ ጸሊእካዮውን እትሐድጎ አይኮነን። የግዳስ ንነባሪን ዘላቒን ዝኾነ ሰላም መንቀሊ ባይታ፣ ንስነ አእምሮዊ ዕግበት ኮነ መንፈሳዊ ምርግጋእ ከአ ቀንዲ ዋሕስ ስለዝኾነውን ኢዩ።

 

እንተኾነ ናይ ወዲ ሰብ ስሱዕ ባህሪያቱን፣ ንኹሉ መሊኸ ክግብቶ ዝብል መርዛም ጠባያቱን፣ ነቲ ሐቢርካ ናይ ብሰላም ምንባር ሃዋሁው ፈጺሙ ይዘራርጎ። ናብ ተደላዪ ዘይኮነ ምፍሕፋሕን ግርጭትን ከአ ይመርሖ። ከም ውጽኢቱ ከአ አብ ዓለምና  ብሐደ ሸነኽ መሰል ህዝቢ ዝገሃሰ ንኹሉ ገቢቱ ዝጨፋልቕ ስርዓትን፣ ብአንጻሩ ንዕኡ ተቓዊሙ ፍትሕን ግዝአተ ሕጊን ንኸንግስ ዝለዓል ናይ ተቓውሞ ሐይሊን ክለዓል ግድነት ይኸውን። ብርግጽ ሎሚ አብታ ዘይተዓደለት ኤርትራ፣ ሰፊኑ ዘሎ ሃዋሁው ብኹሉ ሸነኻት መልክዑ ቃል ዓለም ዘይብሉ ነዚ ዘንጸባርቕዩ።

 

አብ ኤርትራ ነጊሱ ዘሎ ገባቲን ብሐቲን ምልካዊ ጉጅለ፣ ምስቶም ኩሎም ዝሐለፉ ባዕዳውያን ገዛእቲ ምስ እተወዳድሮ፣ ነቲ ገዛእትና ዝነበሩ ዘካየድዎ ጸይቂ ተግባራትን፣ መሪር ግፍዒታቶምን፣ ልዕሌኦም ብዝተዓጻጸፈ ሐሊፉ ደረቱ ዝሰገረ እንተተባህለ ምግናን አይኮነን። እዚ ብሐቲን ናይ ቅንጸላ መርሆ ዝአምን  ሕገ-አልቦ ዝኾነ መላኺ ጉጅለ፣ አብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን መንእሰያት ደቁን ዘውርዶ ዘሎ መሪር ሕሰምን ከቢድ አደራዕን፣ ነዚ ሚዛን ጭቡጥ መርትዖ ዝኾኖ ኢዩ።

 

ዓውዲ ዓውዲ እንዳኸደ ብሐይሉ ምህርቲ ሐረስታይ ዝማቐል፣ ዘዝጎበዘ ሕጻን አኺሉለይ ኢሉ ጊላ ክኾኖ ዝምንጥል፣ ዕሸል መንእሰያት ከይተረፈ ብዘይንሕስያ እንዳመልዓሰ ዝሕምትል፣ ወድኻ ጓልካ  ሃዲሞም ኮብሊሎም እንዳበለ ካዝናኡ ከይጎድሎ ንወለዲ ብምእሳር ሐምሳ ሽሕ በስገዳድ ዘኽፍል!! አቤት ናይ ኤርትራ ነገርወረግ ከምዚ ዝዓይነቱ ስርዓት አበየናይ ክፍለ ዘመን ኮን ተራእዩ!!

 

ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ ከም ሰልፊ፣ ንመላኺ ጉጅለ ይኹን እታ ህግደፍ እትብሃል ናይ ጭቆናን ግፍዕን ዝመደበራ ማሕበሩ፣ ካብ ሱሮም ተማሕዮም ከልግሱ አለዎም ዝብል ዘየጋጊን ዘየወላውልን እዉጅ መርገጹ ንኹሉ ብሩህ ኢዩ። መርገጽ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ አነጺሩ ብምምካት ብተግባር ዝቃለሰሉን ዝግባእ መስዋእቲውን ዝኸፍለሉ ዕላማ ኢዩ። ብንጽር ዝበለ ገለጻ፣ ምምሐውን ምልጋስን ስርዓት ህግደፍ አብ ቀዳማይን ልዕሊ ኩሉን ዝስራዕ፣ ስትራተጂካዊ ዓላማ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ።

 

መላኺን ብሐቲን ዝኾነ ሕገ-አልቦ ስርዓት ብኸመይ የልግስ ዝብል ሕቶ ምስ ተአሳሲሩ ክመጽእ ከአ ግቡእን ባህርያዊን ኢዩ። ብሚዛንን አመለኻኽታን ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ ንጨቋኒን ግፍዔኛን ዝኾነ ናይ ማፊያ ስርዓት ምሒኻ  ከልግስ አለዎ ዝብል ከም ስትራተጂ ከቐምጦ ከሎ፣ ንምልጋሱውን እንተኾነ ምስ ህሉው መድረኽ ብዝጥዓዓም፣ ምቹእ ናይ ቃልሲ ባይታ ንምምድማድ፣ ንጉዕዞታቱ ብተግባር ዘሰንዮ ናይ መኸተ ስልትታት ሐንጺጹን ወሲኑን ኢዩ።

 

ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ሃገር ብሃገራ ረሚሱ፣ ንህዝባውን ደቚሱ ብሐይሉ ዝገዝእ ዘሎ ስርዓት ካብ ስሩ ክምሐው አለዎ ኢሉ ከም ስትራተጂካዊ ዕላማኡ ከቐምጥ እንከሎ፣ ናይ ምምሐዉን ምልጋሱን አገባብ ስልቲ፣ ሰላማዊን ደሞክራስያዊን ፖለቲካዊ ተጋድሎ ኮይኑ፣ ብቑዕ መድረኻዊ ናይ መኸተ መሳርሒ ኢዩ ኢሉ ይአምን። ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ ንሰላማዊን ደሞክራስያዊን መኸተ ከም ስልቲ ክመርጾ ከሎ፣ ብኹሉ መአዝናት ጋድም ስፍሐቱ ኮነ፣ ውሽጣዊ ጥልቂ ዕምቆቱ፣ዓሚቝ ሚዛንን መጽናዕትን ብምግባር አብ ውሳኔኡ በጺሑ።

 

ርግጽ አብ ዝሐለፈ ናይ 30 ዓመታት ተጋድሎና ሐይሊ ገዛእቲና ንምድምሳስን ንምልጋስን፣ ዘጥረናዮ ናይ ቃልሲ ተመኩሮን አብ አእምሮና ዝሰረጸ አፍልጦን ዕግበትን እቲ ናይ ሐይልን ዓመጽን ዝብል ስልቲ ኢዩ። አንጻር ባዕዳውያን ገዛእትናውን ብርግጽ ተገልጊልናሉ ጥራሕ ዘይኮነስ ተዓዊትናሉውን ኢና።

 

ይኹንምበር መልክዕን ባህርያትን ባዕዳውያን ወረርቲ ገዛእትናን፣ እቶም ሐፋሽ ኤርትራ ብስራት ድሕነት ከምጽእሉ ከም ነብያት ዝተጸበዮም ናብ መልአከ ሞት ተለዊጦም ዝመጹ ጣልማያት፣ ናይ ሕጂ መለኽቲ ዝኾኑ ደቂ ሃገርን ብኹሉ ሸነኻት ትሕዝቶ መልክዓቱ ይፈላለ ኢዩ። አብቲ ዝሐለፈ ብረታዊ ተጋድሎ ዘካየድናሉ መዋእል፣አብ ውሽጢ ሕብረተሰብና ዝርከብ ማሕበራዊ ግርጭታት ይኹን፣ አብ መንጎ ፖለቲካዊ ውድባት ዝርከብ ፖለቲካዊ ፍልልያት ኮነ ጎንጽታቱ ብዘየገድስ፣ መላእ ወዲ ሃገር አንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝነበሮ ሚዛንን አመለኻኽታን፣ ሐደን ዝሰመረን ዝሰጠመን ኔሩ።

 

ድሕሪ ነጻነት ግን እቲ ስልጣን ዝተቖጻጸረ ጉጅለ ወዲ ሃገር ስለዝኾነ፣ አብ ውሽጢ ሃገር ይኹን አብ ወጻኢ ዝርከብ ኤርትራዊ አመለኻኽታኡን ሚዛኑን ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ንመን ይሕግዝን ምስ መን ደው ይብልን ዝብል መርገጽውን ከይተረፈ ተፈላልዩን ተገዛዚዑን ኢዩ።

 

ህሉው ስርዓት ህግደፍ አነ ኢየ ነጻነት አምጺኤልካ፣ ማሕበርና (ህግደፍ) እንተዘየላ ክትበታተን ኢኻ፣ ካባና ዝሐይሽ ምርጫ አይክህልወካን እንዳበለውን ዘየፋራርህን ዘየጕባዕብዕን አይኮነን። ነዚ ከም ሐቂ ወሲዶም ዝሽቝረሩን ገብኢ አትይዎም ዘንቀጥቅጡውን አለዉ። መላኺ ስርዓት ንህዝብና ሰብአዊ ክብሩ ግሂሱ መሰላቱ ጥራሕ አይኮነን ሐሪምዎ። የግዳስ ደሪጉን ሰሚሩን መታን ከይቃለሶውን እንተኾነ፣ ሕድሕዱ ከምዘይተአማመን ጎዛዝይዎ፣ ነቲ ናይ ምጽውዋርን ምክብባርን ባህሉውን እንተኾነ በታቲኹዎ ኢዩ።

 

ብላዕለ ላዕሊ ንሐድነት ኤርትራ ዝሐሊ ክመስል ናይ አምሰሉ ትያትሮታት እንዳአካየደ፣ ውሽጠ ውሽጢ እንከ ንአውራጃዊ፣ ሃይማኖታዊ፣ ዓዳዊ ድሑር ስሚዒታት እንዳተዃተኸ፣ ህዝብና ሕድሕዱ ከምዘይተአማመንን ከምዝጠራጠርን ጌሩዎ ኢዩ።

 

ህልውቲ ኤርትራ ንጭቆናን ግፍዒን ስርዓት ህግደፍ ቀቢራ አብ ምጕሐፉ የጸግማ ይኸውን። እቲ አዝዩ ዘሰክፍ ጸገም ግን ንሱ ጥራሕ አይኮነን። የግዳስ መጻኢት ኤርትራ ነቲ ህግደፍ ዝሰረቶ አብ ህዝብናውን ዘተአታተዎ ናይ ዘይምትእምማን መንፈስን፣ አስፊንዎ ዝሐልፍ ዘሎ ናይ ሕድሕድ ምጥርጣር ዝዓብለሎ ግናይ አተሐሳስባን፣ አሰራቱ ሐኺክካ ናብቲ ግቡእ ዝኾነ መስርዑ ምምላስውን እንተኾነ እቲ አዝዩ አጸጋሚን ብርቱዕ ቃልሲ ዝሐትትን ክኸውን ኢዩ።

 

እምብአርከስ ነዚ ዝተፈላለየ አመለኻኽታን ሚዛንን ዝሐዘ፣ ፋሕፋሕ ዝበለ መርገጽ ከአ ዝወነነ ሕብረተሰብ፣ አብ ሐደ ጠሚርካ፣ ናብ ሐደ ሐባራዊን ህዝባዊ ዝኾነ ዕላማን አሰሊፍካ፣ ንኸተዋስኦን ንኸተቃልሶን ምስ መድረኹ ዝሰማማዕ ሞዕቡል ዝኾነ ስልቲ ክትሕንጽጽ ግድነት ኢዩ።  እቲ ዝሕንጸጽ መድረኻዊ ናይ ቃልሲ ስልቲ ንመላእ መንፈስ ደቂ ሃገር ዝቀባበልን፣ ንናይ ዓለምና ጂኦ-ፖለቲካዊን ዲፕሎማስያዊን ክውንነት አብ ግምት ዘእተወ አገባብ ቃልሲ ኮይኑ ክቕየስን ከአ ግድነት ኢዩ። ካብዚ ጭቡጥ መንቀሊ ተበጊሱ ከአ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ፣ ሰላማዊን ደሞክራስያዊን ተጋድሎ ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ምሒኻ ንምልጋስ እቲ ተግባራዊን ተመራጺን መድረኻዊ ስልቲ ዝበለ። 

 

ዘይተዓደለት ኤርትራ ድሕሪ ሰላሳ ዓመት መሪር ደማዊ ተጋድሎ፣ንነጻነታ ዝኸፈለቶ ሰፍ ዘይብል ክቡር ዋጋ፣ ቅሳነትን ሰላምን ክንዲ ትኻሐሰሉ ተጠሊማ እትዝመተሉ፣ ደቃ ክንዲ ዝስሕቁ ዝበኽዩሉ፣ ክንዲ ናብአ ዝምለሱ ካብአ ዝሃድምሉ፣ ስጋአ ወዲኡ ዓጽማ ዘትረፈ፣ ብዘይካ ሕግግ እንዳበልካ ዘሊልካ ምንካስን፣ ጎቢጥካ ምብላዕን ካልእ በረከት ዘይተዓደሎ፣ ሕገ አልቦ ዝኾነ ናይ ከታሮ ስርዓት ዝነገሰላ ሃገር ምቕያራ፣ ብሐቂ አእምሮ ንዘለዎ ዜጋ ዘየደቅስን ዘየቕስንን ንሰማዒውን እንተኾነ ዘስደምምዩ።

 

እምብአርከ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ኹሉ አብ ግምት ብምእታው ንመላኺ ስርዓት ምሒኻብምልጋስ፣ ስልጣን ናብ ዋናኡ ዝኾነ ህዝቢ ክምለሰሉ ዝኽእል ንኹሉ ሐቆፍ ዝኾነ ሰላማዊን ደሞክራስያዊን ዝኾነ ተጋድሎ አንጻር ምልኪ ክጐሃሃር አለዎ ኢሉ ዝወሰነ።

 

ትርጉምን ትሕዝቶን ሰላማዊን ደሞክራስያዊን ቃልሲ እንታይ ኢዩ? ገለ ሰባት ነቲሰላማዊዝብል ቃል ጥራሕ ንበይኑ ቖንጺሎም ብምውሳድ፣ ነቲ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ ጸረ ምልካዊ ስርዓት ዝሐንጸጾ አገባብ ቃልሲ  ዘይትርጉሙ ብምሃብ አንጻሩ ጎስጓስ ዘካይዱ አይተሳእኑን።

 

ትርጉም ሰላማዊ ደሞክራስያዊ ተጋድሎ ማለት ንመላኺ ስርዓት ኢድካ ምሃብ ማለት አይኮነን፣ ብአንጻሩ አብ ውሽጢ ብሒቱ ዝተቖጸጸሮ ሐፋሽ አቲኻ ንመራት ጨቋኒ አተሐሳስባኡ እንዳልመስካ፣ ገስጋሲ ናይ ተስፋን ለውጢን አተሐሳስባ አብ አእምሮ ሐፋሽ እንዳስረጽካ፣ ባይታ ፍትሒን ርትዒን ምጥጣሕ ባይታ ምልኪን ዓመጽን ከአ ምጽባብ ማለትዩ።

 

ትርጉም ሰላማዊ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ምስ መላኺ ስርዓት ምዝታይ ወይ ምልዛብ ማለት አይኮነን። የግዳስ አብ ውሽጢ ወተሃደራዊ፣ ጸጥታዊን፣ ቁጠባዊን፣ ማሕበራዊን መሐውራቱ ሰሊዅኳ ብምእታው ናይ ለውጢ ስርርዕ ምክያድን ምልዕዓልን፣ እምቢ አይግዛእን ዝብል ናይ ለውጢ ፊሕታ አጒድካ ብምጉህሃር፣ ብኡ አቢልካውን ህዝባዊ ዓመጽ ዝለዓዓሉ መድረኽ ንምቅልጣፍ ዝዓለመ መስርሕ ኢዩ።

 

ትርጉምን ትሕዝቶን ሰላማዊ ደሞክራስያዊ ቃልሲ፣ ከምቲ ገለገለ ንምክፋእ ዝብልዎ፣ አብ ጽሑፍን ዘረባን ዝሕጸር፣ ናይ ዝደኸመ  መሳርያ አይኮነን። የግዳስ ሜላን ሐቦን ዝተቐነተ፣ ትብዓትን ቆራጽነትን ዝጥይቕ፣ አብ ክንዲ ርሒቕካ ብማዕዶ ናብ ሕምብርቲ ሃገርን  ናብ ሕቝፊ ህዝቢን ቀሪብካ ምጥምጣም ዝጥይቕዩ።  ናይ ሐያላትን ብጁዋትን ምርጫ ኮይኑ፣ እቲ ዝለዓለ ብልሃትን ዝሐየለ መስዋእቲን ዝሐትት መስርሕውን ኢዩ።

 

ትርጉምን ትሕዝቶን ሰላማዊ ደሞክራስያዊ ቃልሲ፤ ከምቲ ገለ ሸነኻት ካብ ቂምን ቅርሕንትን ነቒሎም፣ ንሰልፊ ህዝቢ ኤርትራን ፖሊትካዊ ፍልስፍንኡን ብምክፋእን ብምጥምዛዝን፣ ዕቤትን ረብሓን ዘረጋግጹ መሲልዎም ዝዝርግሕዎ ኣደናጋሪ ፕሮፓጋንዳውን ኣይኰነን።

 

ትርጉምን ትሕዝቶን ሰላማዊ ደሞክራስያዊ ቃልሲ፣ ንመላኺ ስርዓት ኢሳያስ አብ ምውዳቕ ጥራሕ ዝሕጸር ንሐደ ውሱን መድረኽ እትግልገለሉ ናይ ቃልሲ ስልቲውን አይኮነን።  የግዳስ መጻኢ ወለዶታትና ክወርሶ ዝግባእ አገባብን አንዊሑን አሳጊሩን  ርሑቕ ዝጠመተ ናይ ለውጢ መኸተ ንምትእትታው ዝዓለመ ናይ ርሑቕ ስትራተጂውን ኢዩ። ኮታ ብሕጂ ንኽመጽእ ዝኽእል ጨቋኒ ስርዓትውን እንተኾነ፣ ብሰላማዊን ደሞክራስያዊን አገባብ ቃልሲታት መኪቱ፣ ህዝባዊ ዓመጽ ከአ አጒዱ ኮፍ ከብሎም ከምዘይኽእል ብቕዓትን ትሕዝቶን ከምዝውንን አብ አእምሮ ዝመጽእ ወለዶታትና ንምስራጽ ዝዓለመ ስትራተጂውን ኢዩ።  

 

መንፈስን ትርጉምን ናይ ሰላማዊ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ካብ ንምልካዊን ዓማጺን ስርዓት ህግደፍ ምውዳቕ ሰጊሩ፤ ነቲ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ዝወረስናዮ፣ ማለት ኣብ መንጎ ውድባት ኤርትራ ናይ ዓመጻን ዕብለላን ወይውን ንዓመጻ ሕጋውነት ከልብስ ዝፍትን ኣተሓሳስባ ስዒሩ፤ ኣብ ኤርትራ ክፍጠር ንዝኽእል ዘይምዕሩይ ፖለቲካዊ ስልጣን ይኹን ወይውን ማሕበራዊ ዘይፍትሓውነት ከምኡውን ካልእ ግርጭታት ብሰላማውን ደሞክራስያውን ኣገባብ ክፍትሑ ከምዘለዎም ሰረት ወይ ዘላቒ ናይ ፍትሕን ሕግን መንጸፍ ዝገብር ስትራተጂ እዩ።

 

 

 

 


Contact Us at:   webmaster@nharnet.com