Nharnet Articles/Opinions

     

   

ጸዋዒት

ንኤርትራውያን መንእሰያትን ኣብ ስደት

 

ቃልሲ ኤርትራ ቃልሲ ህዝቢ እምበር ቃልሲ ጉጅለ ህግደፍ ኣይኰነን። ብምንም ተኣምር ንታሪኽ ሰውራና ዝልውጦ ሓይሊ የልቦን። ሰውራ ሃገርና ነናተን ኣሉታውን ኣውንታውን ታሪኽ ኣሎወን፡ ዕላማኤን ግን ንሃገራውን ህዝባውን ዓወት ኢዩ። እዚ ድማ ህዝባዊ ቃልሲ ስለ ዝኾነ ሃገርና ነጻ ኰይና። መንእሰያት ሃገርና ነዚ ከተለልይዎ ትዕደሙ ኣሎኹም። ጀጋኑ ኣቦታትኩምን፤ ኣደታትኩምን፤ኣያታትኩምን፤ ኣሞታትኩምን ዘምጽእዎ ዓወት ብሓደ ጨቓኒ ስርዓት ህግደፍ ተወኒኑ ክነብር ዘሔዝን ኢዩ። ንስልጣኑ ንምዕባይ ዘስነቐኩም መርዛምን ግጉይን ታሪኽ ምዃኑ ፈሊጥክሞ ክትኰኑ ተስፋ ንገብር። እዚ ከኣ ክንዲ ትምህርቲ ኣብ ዘይምኽኑይ ውግእ ጐረባብቲ ሃገራት መዋእልኩም ኣብ ድፋዕ ኣብሊዩኩም ወለድኹም ዝጥውሮም ዘይብሎም ብስቓይ ሓለንጊ ዝሳቐይዎ ዘሎዉ ተግባራዊ ስለ ዝኾነ ኣዚ ጥራይ እኹል ምስክርኩም ነይሩ።

 መንእሰያት ብምርምር ስነ-ሓሳብ ከም ጻዕዳ ወረቐት ኣይኰንኩምን፡ ዝኾነ ጽሑፍ ሰፊርዎ ንምድምሳሱ ዝጽግም፤ ንስኻትኩም ከም ፕላስቲክ ካብ ሕማቕ መኣዝን፤ ናብ ቅኑዕ መኣዝን ካብ ግጉይ ታሪኽ፤ናብ ሓቀኛ ታሪኽ ክትቕይሩን ክትርድኡን ምሉእ ሓላፍነትን መሰልን ኣሎኩም። ሃገር ንዓኹም እምበር ንዝሓለፉን ንዝዓበዩን ኣይኰነትን ትጽበ ዘላ። ተሰዲድካ ማለት ዘላቒ ፍታሕ መጺኡ ማለት ኣይኰነን። ንዘልኣለም ፍታሕ ዝመጽእ እንተ ዀይኑ ነዚ ዲክታተራዊ ስርዓት እዚ ካብ ሱሩ በንቂስካ ሓደ ዲሞክራስያዊን ህዝባዊ መንግስቲ ምትካልን ኢዩ። መንእሰይ ሞቶር ናይ ሓደ ሃገር ስለ ዝኽነ ብዘይ መንእሰይ ዝዕወት ቃልሲ ፈጺሙ የልቦን። ሕጂ መንእሰይ ካብዚ ስርዓት እዚ ኣምሊጥካ ናብ ወጻኢ ብዕድል ኣቲኻ  ከምቲ ኢድካ ክትህብ ኰለኻ ኣይኰንካን ዘሎኻ። ንሱ ድማ ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ።

 

1)  ነቲ ኣብ ድፋዕ ኰሎኻ ዝተላዘብካዮም ብጾትካ ከይትርስዖም ሓደራ።

2)  ነቶም ብድሕሬኻ ብናትካ ምጥፋእ ዝሳቐዩ ዘለዉ ወለድኻን ንኣሽቱ ኣሕዋትካን

ከማኻ ከትርክቦም ምዃና ክትዝክሮም ይግባኣካ።

3)  ነቶም ብብዝሒ ምሳኻ ከምልጡ ኣብ ዶብ ክትሓልፋ ዝተቐንጸሉን፤ ኣብ ሊብያ ሰሃራ ተደፊኖም ዝተርፉን፤ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዓሳ ዝበልዖምን፤ ነቶም ብገሊኤን   ጽዩቓት ሃገራት ዝተመልሱ ብህግደፍ ዝሳቐዩ ዘለዉ ክትርስዖም ኣይግብኣካን።

    4) ሕሉፍ ሓሊፎም ገለ ገለ ብጾትካ ኣብ ናይ ህግደፍ ዝኾነ ፈስቲቫል ከይዶም

       የዳኽሩን ገንዘቦም ንመምልኢ ካዝና ስርዓት ኰይኑ ንመቐጥቀጢ ህዝብኻ

        ምዃኑ ኣይትረስዕ።

    5) ሃገር ንወዲ ሃገር ምዃና ተገንዚብካ ኣብ ጐድኒ ህዝብኻ ተሰሊፍካ

    ክትቃለስ ዘልኣለም ሕማቕ ኵነታት ሃገርካን ህዝብኻን ይድርኸካ ኣሎ።

    6) እቶም መምበሪ ወረቐት ሂቦሙኻ ዘለዉ ሃገራት ሽግርካን ወጽዓኻን ርእዮም

        ከም ዝሃቡኻ ዘኪርካ ምኽንያት መምጺኢኻ እንታይ ምዃኑ ብተግባር ክትምልሾ

        ምሔሸ።

 

ሰላማዊ ሰልፊ ድማ ሓደ ዓይነት ኣገባብ ቃልሲ ምዃኑ ተረዳእ

        

ንሕና ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ እምበር ኣንጻር ባህላውን ማሕበራውን ኣይኰናን

     

ሽማግለ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳንን

ስቪካውያን ማሕበራትን ግዱሳት ውልቀ ሰባትን          

                                      

   


DISCLAIMER:  The author/s  contributed  for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents


 

Contact Us at:   webmaster@nharnet.com