Nharnet Articles/Opinions

     

   ብዳኣንኤል ተወልደ ኣብ ሲምፖዚዮም ዲሲ ዝቀረበ ቃል መንእሰያት 

 

ዝኸበርኩም ደለየቲ ለውጢ፡

ዝኸበርክን ኣዴታት፡

ዝኸበርኩም ኣቦታት፡

ኩሉኹም ኣሕዋትን ኣሓትን

 

ሰብ ሕልና ስለ ዝኾና፡ ሓልዮት ህዝቢ ስለ ዘለና፡ ጉዳይ ህዝብንና ሃገርናን ልዕሊ ኩሉ ስለ ዘሻቐለናን ድቃስ ስለ ዝኸለኣናን፡ ኣብዚ ተረኺብና ነቲ ድምጹ ተዓፊኑ ዘሎ ህዝብና ድምጺ ሓቂ ክንኮኖ፡ ጠለቡን ባህጉን ናትና ገይርና ወኒና፡ ኣጆኻ ኣይጠለምናካን ክንብሎ፡ ብሓንሳብ ተኣኪብና ይኣክል - ይኣክል ክንብል ኣብዚ ምእክብና፡ ኩላትና ክንሕበን ይግባእ።

 

ነቶም ንህዝብና ከም ናይ ብሕቲ ንብረቶም ዓትዒቶም ትንፋስ ብምኽላእ ንሃገርና መሸቐጢ ናይ ውልቂ ድልየቶም ገይሮማ ዘለዉ፡ በቃ ኣኺሉ’ዩ መዓልትኹም ትሓጽር ኣላ ንብሎም። እዚ ከኣ መንእሰያት ኮይና ትስፉዋት ስለ ዝኾና ዘይኮነ፣ እታይ ዳኣ: ዓበይቲ ዓዲ ከፋቕሩና፡ ምሁራት ክምህሩና፡ በላሕቲ ከለብሙና፡ ተቓለስቲ ከቃልሱና፡ ኣዴታት ክምዕዳና፡ መራሕቲ ክሕንጽጹልና፡ መንእሰያት’ውን እጃምና ክንገብር፡ ክንወርስ ኣብዚ ብሓንሳብ ኩልና ተኣኪብና ስለ ዘለና፡ እቲ ለውጢ ቀሪቡ ከም ዘሎ’ዩ ዘረጋግጸልና።

 

እዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዝተደጎለ ሓዊ ዝጠፈአ ይመስል ከም ዝብሃል፡ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ህዝብናን ሰራዊትን ነዚ ስርዓት ክኣልይዎ ምዃኖም ስለ ንኣምን’ዩ። በዚ ኣገጣሚ፡ ንሰራዊት ሃገረ ኤርትራ፡ ጻዊዒት ህዝቢ ሰሚዕካ፡ ምስ ህዝብኻ ወግን ንብል። ነዚ ኣረሜናዊ ስርዓት ካብ ሕቖ ህዝቢ ኣወግዶ። መሰል ህዝብን ክብሪ ሃገርን ናብ ቦትኡ ምለሶ ንብሎ።  

 

ኣብ መጨረሽታ ከም ደለይቲ ለውጢ፡ ኣብ ቃልና ጸኒዕና ኣብዚ ዝኸይድ ዘሎ ቃልሲ ግደና ክንገብርን ዓቕምና ዘበለ ግዜን ንዋትን ከነበርክትን ቃል ንእቶ: ኣነ እውን ቃል ያኣቱ::

 

 

 

የቐኔለይ! 

 

(ብዳኣንኤል ተወልደ ኣብ ሲምፖዚዮም ዲሲ ዝቀረበ ቃል መንእሰያት)

 

 

 


DISCLAIMER:  The author/s  contributed  for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents


 

Contact Us at:   webmaster@nharnet.com