Nharnet Articles/Opinions

     

   

ኩሉ ወዮ

 

ካልኣይ ክፋል

 

ሓደ ሰብ ዝመስሎን ዝጽበዮን ኣብ ቅድሚኡ ገይሩ ይጽሕፍን ይደርስን። ምናልባሽ ግን ገለ ካብ ኣንበብቲ ከም ህውተታ ገይሮም ይቖጽርዎ ይኾኑ። ግንከ ኩሉ ግዜ ከም ደቂ ሰባት መጠን ኣቀራርባና ምስቲ ኣተሓሳስባና ዝኸይድ ስለዝኾነ ንጌጋ ኰይኑ ዝተሰማዓካ፤ ጌጋ ኣሎ ተባሂሉ ምእራም ክነዘውትር ግቡእን ቅኑዕን ኢዩ። ኮይኑ ግና ገለ ሰባት ንነጻ ሓሳባትካ ምግላጽ ብዝዕንቅጽ ኣገባባት ዝስንዝርዎ ዓይነት ምጥቃም ወይ ምዝውታር ኣብ ኣጸሓሕፋና ልሙድ እናኾነ ይመጽእ ስለዘሎ፤ እዚ ኣገባብዚ ጌጋ ኣብርእሲ ምዃኑ ንብዙሕ ክንማሃሮ ዘለና ተመኩሮታት ዓንቃፊ እዩ።

 

መቐጸልታ ናይቲ ኩሉ ዎዮ ዝብል ቀዳማይ ክፋል ጽሑፈይ እምበኣር፥ ስዒቡ ነተን ክልተ  ኣብ ናይ ሓድነት ጉዕዞ ዘለዋ ሰልፍታት “ንስልጣን ዕብለላ ኢዩ እናተባህለን ዊን ይውረዩ”። ብመጀመርታ እቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ሓሳባት ዘንቅሉ ዘለዉ ሰባት ኣበይ ዘሎ ስልጣንዩ ክዕብልላኦ ዝደልያ ዘለዋ ዝብል ሕቶ ክምልስዎ ዘለዎም ኢዩ። እቲ ካልኣይ ከምኡ ክበሃል ከሎ ኸ እቲ ህዝቢ ሎሚ እውን ስቕ ኢሉ ዲዩ ክንመርሓካ ኢና እንዳበሉ ብዝመጽዎ ሰባት ክግዛእ? እዚ እንተዳኣ ኢልና ኸ፡ እቲ ህዝቢ ፖለቲካዊ ግንዛቤን ኣፍልጦን የብሉን ዝብል ዘለፋ ነሰክሞ የለናን ዲና? እዘን ክልተ ሰልፍታት ስልጣን ናብ ዋንኡ ዝኾነ ህዝቢ ክምለስ ኣለዎ ዝብል መትከል ክስፍራ ከለዋ እንታይ ማለት ዲዩ ትርጉሙ? ኣብዛሃ ሰልፍታት ዘውሕስ ቅዋምን ህዝቢ ዘጽደቖ ሕገ-መንግስቲ ምንዳፍን ማለትከ ኢንታይ ዲዩ ትርጉሙ? ውሕስነት ናይዚ ዝጠቕሰ ሕቶታት ብግቡእ ምሓዝ ከምዝመስለኒ እምበኣር፡ ሓድነት ወይ ናይ ስምረት ጎደና ክትክተል ተደላይነት ኣለዎ።

 

ስልጣን ናብ ህዝቢ ክትመልስ ተመሊስካ ካብኡ ካብቲ ዋናኡ ዝኾነ ህዝቢ ስልጣን ክትርከብ እንተዀንካ ስምረት ወይ ሓድነት ናይቶም ነቲ ቅዋም ሕግን ዘኽብሩ ኣካላት ቅድመ ተደላይነት ኣለዎ። ህዝቢ ብክመርጸካ ኣገባብ ንስልጣን ምድላው ድማ ነውሪ የብሉን። ከመይሲ ስልጣን ዝህብ ዋንኡ ህዝቢ ካብ ኮነ፡ ነዚ ስልጣን ከኣ ናይ ስልጣን መሻርኽቲ ከተታኣታቱን፡ ሰላምን ቅሳነትን፡ ዲሞክራሲ ኣብ ሕብረተ-ሰብ ዘውሕስ ክፍጠር ነቲ ትካላዊ ኣሰራርሓ በብግዚኡ እናመርመርካን ጉድለታቱ እናመመኻን እናኣለኻን፤ ንሕጽረታቱ ብግልጺ እናተኻታዕካን ክውሰድ ዝግበኦ ስጉምቲ ወይ ፍታሕ ምስ እትወስድን ውጽኢት ናይዚ ዝተፈላለየ ትካላት ንረብሓ ሃገርን ህዝብን ጠመተ ስለዝህብ  ንምትግባር ግድን ዝሰመራ ወይ ብልፍንቲ ዝሰርሓ ሰልፍታት የድሊ።

 

እዚ ሰልፊ እዚ ብኢደ ወነኑ ናብ ስልጣን ክመጽእ እንተኾይኑ ግን፡ ካብታ ኢሳያስ ዝተኸተላ ኣገባብ ኣመጻጽኣ ዘይትሓይሽን ዝኸፍኤ ምሕደራ ኢዩ ከኸውን። ስልጣን በዚ መልክዕዚ ክብሕት ዝደሊ ኣካል ድማ ንስመር ንዛተ ንቀራረብ፡ ወይ ዝመሳሰላ ወድባትን ሰልፍታትን ይተሓናፈጻ ዝብል ጻውዒት ኣየቕርብን ኢዩ። ክዕብልል ዝደሊ መልክዑ ካልእ ኢይ። ንሱ ድማ ልክዕ እቲ ኢሳያስ ንመጀመርያ ግዜ ብስም ክርስትያን ተወጺዖም ብማለት ንክርስትያን ዝደንገጸ ክመስል ስልጣን ንምምብሓት ዝወሰዶ ስጕምቲ  ካልእ ረብሓ ዘምጸኦ እንተልዩ ዝገደደ ምፍልላይን ህዝቢ ናይ ምጽናትን መገዲ ሒዙ ንክርስትያን ይኹን ንእስላም ዘይውክል ስርዓት ተኺሉ ኣብ ነንሓድሕድና ከም ንባልዕ ገይሩና ዘሎ ኢዩ ናይ ስልጣን ምብሓት ክበሃል ዝከኣል። ከምዚ ናቱ መገዲ ተኸቲሉ ክኸይድ ዝደሊ ኣካል እውን ከይዱ ከይዱ ካብታ ናይ ኢሳያስ ዝፍለ ስርዓት ክተክል ከምዘይኮነ ብሩህ ኰይኑ ካብ ብኣጋኡ ህዝቢ ከለልዮን ክገጥሞን ይግባእ።

 

እቲ ካልኣይ ከኣ ፍልልያት ኣብ ክንዲ ምጽባብን ምእላይን፤ ምግፋሕን ምውላዕን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዘተሓቛቁፍ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ገዲፍካ ፋሕ ጭንግራሕ ዝእቱ መደባት ዝሰርዕን ዝሕንግድን ኢዩ ስልጣን ናይ ምብሓት ዕላማታት ኣለዎ ክበሃል ዝከኣል። ስለዚ እቲ ናይ ስልጣን ዕብለላ ዝበሃል ዘሎ ምናልባት እቲ ኣብ ነፍሲ ወክፍ ውድብ ዘሎ መትከል ማለት ስልጣን ናብ ዋንኡ ዝኾነ ህዝቢ ክንመልሶ ተባሂሉ ተሓንጺጹ ዘሎ ኣይኣመናሉን ኢየን ከብል ዶ ኣይመስልን? ኩለን ውድባት ስልጣን ናብ ህዝቢ ክምለስ ኣለዎ ዝብል እንተሓንጺጸን ኣልየን ከኣ ካብ ህዝቢ ስልጣን ክጽበያ ግድን ኢዩ፣ ንስልጣን ክዳለዋ  ከኣ ግቡአን ኢዩ። ኩለን ውድባት ወይ ሰልፍታት ነዚ ዲክታቶርያዊ ስርዓት እዚ ኣብ ምልጋስ ብዙሕ ዘሰሓሕብ ጉዳይ የብለንን። ብኸመይ የልግስ ዝብል እውን መፈላለዪ ነጥቢ ኣይኮነን። እቲ ዘፋላሊ ዘሎ ነጥቢ ድሕሪ ምውዳቕ እዚ ስርዓት እዚ እንታይ ዓይነት ስርዓት ኢዩ ክትከል ዝብልዩ ቀንዲ መሰሓሓቢ ነጥቢ ክኸውን ዝኽእል። ብዝመስለኒ እዚ ድማ ኢዩ ኣብ ዘየታኣማምን ኲነታት ዘእቱ ዘሎ።

 

ኢሳያስ ንኤርትራ ብዲሞክራሲያውን ብፖለቲካዊ ብዙሕነትን፡መሰረታዊ ሓርነታትን መሰላትን ዝኣምን ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ክተክል ኢየ እናበለ ኢዩ ስልጣን ዝጭበጠ። ኣብ መጠረስታ ግን ዲቕ ዝበለ ወጻዒን ገፋዕን ስርዓት ኮይኑ ውሑዳት ብጥቕሞም ዝተገዝኡ እዋናውያን ተጠቀምቲ ክስታናይ ኮነ ኣስላማይ ሒዙ ንሃገር የጽንት ኣሎ። ካብ መጀመርትኡ የለን ስልጣን ንህዝቢ ነረክቦ፡  ካብ ብሕጂ እቲ ክመሓደረሉ ዝኽእል ቅዋም ተሓንጺጹ ህዝቢ ዋናኡ ምዃኑ ፈሊጡ ክመርጽን ክምረጽን ዕድል ክረክብ ተባሂሉ ነይሩ እንተዝኸውን፤ ምናልባት ካብዚ ሕጂ ወሪዱ ዘሎ ጥፍኣት ምነከየ ነይሩ። እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ብዘይ ኣፈላላይ መሰሉ ተሓሊዩ ጸቓጥን ተጸቃጥን ዘይብሉ ስርዓት ንኽትከል ኣየናይ መገዲ እንተሓዘ ኢዩ ጸኒሑ ካብ ድሕሪት ከም ሽንቲ ገመል ምምላስ ዘድሕነና ኣገባብ ካብ ብሕጃኡ ክንጽዕረሉ ይግባእ።

 

ዲሞክራሲያ ንስም ጥራሕ ጥራሕ ተሓንጺጹ፡ ሕጂሞ ነዚ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ጥራሕ ነውድቕ ድሕሪኡ ይረአ ዝብል ሓሳብ እንተደኣ ሃልዩ የዋህነት ክኸውን ኢዩ። ድሕሪኡ ኸ እንታይ ውሕስነት ኣለዎ? ምኽንያቱ ህዝቢ ኣየናይ ኢዩ ዘዋጽኦ ፈሊጡ ስልጣኑ ተጠቒሙ ክመርሓኒ ይኽእል ኢዩ ኢሉ ብሕጊ ንዝኣመነሉ ውድብ ወይ ሰልፍን ኮነ ውልቀ-ዜጋን ንኽመርጽ ካብ ብሎሚ መገዲ ክኽፈተሉ ኣለዎ። ከምዚ እናኾነ ከሎ ግና እተን ብፖለቲካዊ መደባት ዝመሳሰላ ሓይልታት ክሰምራ ኣድላይነት ኣሎዎ። ምኽንያቱ ካብ ምስ 20 ውድባት ምልላይ ምስ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ዝተጠራነፋ ከላለ ይቐሎ።

 

ሃገርና  ኤርትራ፡ ኣየናይ ኣገባብ ስርዓተ ምምሕዳር እንተተኸተላ ኢዩ ህዝባን መሬታን ቀሲኑ ክነብረላ ዝኽእል ሃገር ትኸውን ኣብ ክንዲ ምሕሳብ፣ ብስልጣን፡ ኣገባብ ዝብሉ ምኽንያታት ኣመሳሚስካ ነቲ ዝኸይድ ዘሎ ጉዕዞ ሓድነት ዘይመልክዑ ንምልባስ ዝግበር  ወፍሪ እምበር፡ ፈቲነ ጸሊእና ካልኣይ ገጽ እቲ ዝድለ ዘሎ ስልጣን ንህዝቢ ምርካብ ዝብል መንፈስ ኣብ ግብሪ ንኸይውዕል ዘዳናጉን ዝገትእን ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ትርጉም ክዋሃቦ ኣይክእልንዩ።

 

እዘን ክልተ ሰልፍታት እዚአን ካብቲ ናይ ኪዳን ቻርተር ወጻኢ ኣይኮናን ዝንቀሳቐሳ ዘለዋ። እቲ ቻርተር ኪዳን ኩለን ዝመሳሰላ ሰልፍታት ይኹን ውድባት ክጸናበራ ኣይነጽግን ኢዩ። ኩሉ ተቓዋማይ ዝመረጾ ኣገባብ ቃልሲ ክጥቀም እውን ኣብ ቻርተሩ ኣስፊርዎ ኣሎ። ኪዳን ሰልፊ ወይ እውን ውድብ ክፈርስ ኣይጽውዕን ኢዩ።

 

ኪዳን፡ እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሰራዊት ኣካል ናይቲ ውጽዕ ስለዝኾነ ከም ኣካልና ንርእዮ ኣብ ጎኒ ውጹዓት ከኣ ክስለፍ ንጽውዕ ድሕሪ ምባሉዩ፡ ኩሉ ዓይነት ኣገባብ ቃልሲ ንቃለስ ዝብል ዘሎ። ነዚ ከኣ ነፍሲ ወከፍ ውድብ ትኹን ሰልፊ በቲ ዝደልዮን ዝጥዕሞን ኣገባብ ክቃለስ ዝኽልክሎ የሎን። ስለዚ በየናይ ሸነኹ ኢዩ እዘን ክልተ ሰልፍታት እንተሰመራ ናብ ኢሳያስ ገጸን ክጽገዓ ዝኽእላ? ዲሞክራሲያውን ሰላማዊን ቃልሲ ስለዝበላ ዲዩ? እዚ እንተኮይኑ እቲ ኪዳን ሓንጺጽዎ ዘሎ ብኩሉ መዳይ ዝብል ኣምር ደኣ እንታይ ትርጉም ይህብ? ዲሞክራሲያውን ሰላማውን ኣገባብ ከም ቅዲ ከሕምም ዝኽእል ስምብራት ኣየውርድን ኢዩ? ኢድካን እግርኻን ኣጥታሚርካ ምጽባይ ዲዩ ዝዋሃቦ ዘሎ ትርጉሙ? ስለምንታይ ደኣ ኢዩ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘይትርጉሙ ዝወሃቦ?

 

ኣነ ብዝመስለኒ ዲሞክራሲያውን ሰላማውን ክበሃል ከሎ ነቲ ከምቲ ብረታዊ ቃልሲ ዝነበረ ግዜ ንህዝቢ ከይወደብካን ከየላዓዓልካን፡ እሞ ኸኣ ተፈላሊኻ ውድበይ ውድብካ እናተበሃሃልካን ሰራዊት ክህነጽዶ ይከኣል? ብበበይኑ ኣረኣእያ እናተጎዓዝካ ሓደ ሃገራዊ ሰራዊትከ ክህነጽ ይኽእል ዶ? ነዝን ከምኡ ዘኣመሰሉ ጉዳያት ከይተኣልዩን ከይተፈትሑን ብጽቡቕ ትምኒት ጥራሕ ዝኸውን ይመስለኩም ዶ? 

 

በቲ ካልእ ሸነኽ ከኣ ስለምንታይ እዘን ክልተ ሰልፍታት ንበይነን ካብ ኪዳን ወጻኢ ዝንቀሳቐሳ ዝብል ንኣሳልጦታተን ዘጉድም መናፍሓት እውን ኣሎ። እቲ ኪዳን ውድብካ ኣፍርስ፡ ብጉዳይ ውድብካ ዝምልከት ኣይትንቀሳቐስ፡ ኢድካን እግራኻን ኣጣሚርካ ኮፍ በል ዝብል ውሳኔ ኣየስፈረን። እኳ ደኣ ምስ ህላዌ ውድባት ኢዩ ኪዳን ክህሉ ዝኽእል። ብርታዐ ውድባትን ሰልፍታትን ንህዝቢ ክጥርንፋን ከነቓቕሓን ኢዩ እኮ ነቲ ኪዳን ዘደልድሎ። እንተደኣ ኣብቲ ኪዳን ህላዌ ናይ ሓባር ጽላል ናኣምን ኮና፡ በብሸነኽና ዘፍረናዮ ይኹን ዝሰራሕናዮ ናብ ኪዳን ኢዩ ዝውህለል። ነዚ ክንጥምት ዘይንኽእል እንተኾይና ክንካሰስ ክንነብር ኢና። ደሓርከ እዘን ክልተ ሰልፍታት ጥራሕ ድየን ዝንቀሳቐሳ ዘለዋ? ኣይመስለንን ምኽንያቱ ሰልፊ ትኹን ውድብ ብባዕላዊ ምኽንያታት ደኺማ ክትንቀሳቐስ እንተዘይከኣለት ኣይትንቀሳቐሲ ዝብል ሕጊ ኣብ ኪዳን የልቦን። ኣብ ዲፕሎማስያውን ህዝባውን ዕማማት እንተተንቀሳቐሳ ኸ ንኪዳን በየናይ ሸነኹ ኢየን ኣንጻሩ ተዋፊረን? ዝብል ሕቶ እውን ኩልና ክንምልሶ ዝግባእ ኢዩ ነይሩ። ጭብጢ ከነቕርብ ካብዘይንኽእል እዛ ብርኩታ እምኒ ኣላታ!!!

 

ልክዕ ኢዩ፡  ህዝብና ውድባት ዘይሰምራ እናበለ ስክፍትኡ ክገልጽ ኣብ ቦትኡ ኢዩ።  እወ! ውድባት ይኹና ሰልፍታት ክሰምራ ተደላይነት ኣለዎ፡ እንተዘይሰመራ እውን በቲ ዘራኽበን ሓባራዊ ነጥብታት እናሰርሓን ንዝፈላልየን ኣብ ጉዕዞ እናኣለያን ክኸዳ ይኽእላ ኢየን። ስለዚ ነንሓድሕድካ ምንእኣስን ምጽልላምን ሃሳዪ ግደ ካብ ምጽዋት ተቖጢብና፡ ተጸዋዊርናን ተኸባቢርካን ናይ ምንባር ሰረት ካብ ብሕጂ ናይ ልዝብን ሰላምን ባህሊ ምትእትታው ከድሊ ኢዩ። ኣብ ልዕሊ እዚ ድማ፡ እዘን ውድባት ይኹና ሰልፍታት ኣብ ናይ ወብስይታት እንተስ ብተዘዋዋሪ እንተስ ብቐጥታ ኣብ ነንሓድሕደን ካብ ምዝልላፍ ጌና ደው ኣየበላኦን ዘለዋ። እዚ እውን ሓደ ካብቲ ነተን ተቓወምቲ ሓይልታት ዘዳኽመን ነጥቢ ኢዩ።  ነዝን ከምዚ ዝኣመሰለ ድው ኣብ ክንዲ ምባል ንውድቡ ክዐቢ ደልዩ፤ ንበይኑ ተንቀሳቒሱ፤ ምባል ጠቕሚ ዘለዎ ኣይመስለንን።

 

በዚ ኣጋጣሚ ሓደ ተረት ከውጋዓኩም፡ ሓደ ግዜ ኣቦን ወድን በቕሎም ኣዳልዮም ንመገሻ ተበገሱ። ኣቦን ወድን ኣብ በቕሊ ተወጢሖም እናኸዱ ከለዉ ዝረኣዩዎም ሰባት ከምዚ ክብሉ ተዛረቡ። “ኣንታ እዞም ሰባት ክንደይ ይጭክኑ ነታ በቕሊ ኣይሓስቡላን ዲዮም ክልትኣቶም ተወጢሖማ።” እቲ ኣቦ ነዚ ዘረባ እዚ ምስ ሰምዐ፡ አእ! ሓቆም ኢዮም ብምባል ነቲ ወዱ ከምዚ በሎ።”ኣንታ ወደይ ነዓስከ ንስኻ ትንእስ እሞ ብእግርኻ ኣርክበኒ፡” እቲ ወዲ ድማ ሕራይ ኢሉ ካብ በቕሊ ወሪዱ ብእግሩ እናተጓዓዘ ኣቡኡ ድማ ኣብ በቕሊ ተወጢሑ እናኸዱ ከለዉ ዝረኣይዎም ሰባት ድማ “ኣንታ ከመይ ዝበለ ጨካን ወላዲ ኢዩ እዝስ እምበርዶ ወላዲ ክበሃል ኢዩ? ንሱ ኣብ በቕሊ እቲ ህጻን ቆልዓ ከኣ ብእግሩ ክጎዓዝ ነውሪ ።” ክብሉ፡ እቲ ኣቦ ሰምዖም እሞ፡ ዋእ ሓቆም ኢዮም፡ እዚ ቆልዓ ብእግሪ ኣነን ከ ኣብ በቕሊ ተወጢሐ ክኸይድ ሲ ብሓቂ ሕማቕ ኢዩ በለ። ኣንታ ወደይ ነዓስኪ ሕጂስ ንስኻ ተወጣሕ ኣነ ከኣ ብእግረይ ክኸይድ በሎ። ከምዚ ኢሎም እናኸዱ ከለዉ ዝረኣዮም ሰብ ከኣ ከምዚ ክብል ተዛረበ። “ኣንታ እዚ ውላድ ዶ ክበሃል ኢዩ? ንሱን ኣብ በቕሊ ተወጢሑ፡ ኣቡኡን ብእግሪ ክኸይድ ከመይ ኢሉ ነፍሱ ገበረሉ።”  ወዮ ኣቦ ነዚ ምስ ሰምዐ ሕጂ ደኣ እንታይ ክንገብር ኣሎና ብማለት ኣብ ኣዝዩ ዓምቝ ሓሳባት ጠሓለ እሞ፡ ድሕሪ ቁሩብ ነዓ እዚ ወደይ ሕጂ እውን ኣይቀሰናን፡ ስለዚ ክልቲኣትና ብእግርና ንኽድ ብማለት ነታ በቕሊ ውጢጦም ንሶም ብእግሮም ክኸዱ ከለው ዝረኣዮም ሰብ ከኣ “ኣንታ ክንደይ ይዕሹ እዚ ሰብኣይ፣ በቕሊ እንከለዎ ብእግሮም ዝጎዓዙስ ንምንታይ ኢዩ ክብል ተዛረበ።’ እቲ ኣቦ ነዚ ምስ ሰምዐ፡ ዓቕሉ ይጸቦ እሞ እታ ዝገብራ ጠፍኣቶ። ሓሲቡ፡ ሓሲቡ፡ ወላ ሓንቲ ፍታሕ ከምጽእ ኣይከኣለን። ምኽንያቱ ብኹሉ ወዮ ኮይንዎ እቲ ዝገበሮ ጠፍእዎ ሓርቢትዎ ከስተንትንን ክሓስብን ድሕሪ ምጽናሕ፡ እዚ ዝስዕብ ሓሳባት ኣብ ኣእምሮኡ ይመጾ። እቲ ሓሳብ እቲ ከኣ፡ ሰብ ዝበለ ይበል፡ ካብታ ቅንዕቲ ኮይና እትረኣየካ ምንም ፈልከት ዘይምባል ዝብል ነበረ። ኣንታ ወደይ ነዓ በል ሕጅስ ይኣኽለና፡ ብዘረባ ሰብ ክንደይ ግዜ ተደናጊርና ካብ ሓሳብና ክንቦኵር ኢና። እታ መጀመርያ ዝሓሰብናያ ኣብ ግብሪ ክነውዕላ ኣሎና ኣብቲ እንደልዮ ምእንቲ ክንበጽሕ ብማለት ክልቲኣቶም ተወጢሖም መገሻኦም ቀጸሉ። ድሕሪ ሓያሎይ ጉዕዞ ከኣ ናብታ ዝደለይዋ ዓዲ ክበጽሑ በቒዖም ንብለኩም።

 

ስለዚ ኩሉ ዎዮ፡ ናብ ናይ ሓድነት ገጽካ እንተኣምራሕካ ወዮ እንተዘይሰመርካ እውን ወዮ? ኣየናይ ይሓይሽ እንተተባህለ ረብሓ ህዝብን ሃገርን ቀዳምነት ዝሰርዐ ሓሳባትን እምነትን ኣብ ቅድሜኻ ገቲርካ ዝመጽእ ኣወንታዊ መእረምታታት ካብ ህዝቢ እንዳዓጠቕካ  ዝተባህለ እንተተባህለ ቅኑዕ ኢዩ ኢልካ ዝኣመንካሉ ምፍጻም እምበር ብኣሉ በሉን ዘተጻሕፈ እንተተጻሕፈን ቅጭጭ ከይበለካ ስራሕካ ምፍጻም ኢዩ ዘዋጽእ። እወ! ቅጭጭ ከይበለካ ክባሃል ከሎ ግን ጌጋታትካ ንኽእርመካ ዝብገስ ኣይትቕበሎ ማለተይ ከምዘይኮነ ከገንዝብ ኣደሊ።

 

ብድራር መንታይ

 


DISCLAIMER:  The author/s  contributed  for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents


 

Contact Us at:   webmaster@nharnet.com