ጸብጻብ ኮንፈረንስ ምምስራት ሰልፊ ኣብ ኣወስትራልያ

 

ብዕለት 15 ሰነ 2008 ኣብ ከተማ መልቦርን ኮንፈረንስ ምምስራት ሰልፊ ተኻይዱ። ኣብ ኮንፈረንስ እተሳተፉ ካብ ዝተፈላለየ ከተማታት ኣውስትራልያ ዝተወከሉ ሕጹያት ኣባላት ሰልፍን ንጉዕዞ ሰልፊ ዝድግፉ ተሓባበርትን ኤርትራውያን ናይ ዜና ማዕከናትን ነበሩ።

ንኮምሽን ወኪሉ ቃል መእተዊ ዘቕረበ ዓብደልቃድር ህብትየስ ኣባል ኮሚሽን ሓባራዊ ምምስራት ሰልፊ ክኸውን ከሎ ወረቐት መዛረቢ ዶክቶር ሰላሕ ኢብራሂምን ኣቶ ሃይለ ገብሩን እቕረቡ። ንዝቐረበ ወረቓቕቲ ከም መበገሲ ወሲዶም ኣባላት ኮንፈረንስ ንጉዳይ ምምስራት ሰልፍን ሓፈሻዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርን ኣልዒሎም ብዕምቆት ምምይያጥ ኣካየዱ።እዚ ኣብ ኣውስትራልያ እተኻየደ ኮንፈረንስ ነቲ ኣብ እውሮጳን ኣብ ኣመሪካን እተኻየደ ኮንፈረንሳት ቀጹሉ ሓደስቲ ሓሳባት ዘቕረበ ክኸውን ከሎ ንመጻኢ ጉባኤ ሰልፊ ዝሕግዝ ርእይቶታት ለበዋታትን ኣዋህሊሉ ኣሎ።

ዶክቶር ሳልሕ ቀጻልነትን ውሕስነትን ዘለዎ ዲሞክራስያ ኣብ ኤርትራ ከመይ ገይሩ እዩ ክረጋገጽ ዝኽእል ብዝብል ዕምቀት ዘለዎ መጽናዕቲን ርእይቶን ቀሪቡ እዩ። ገለ ካብ ነጥብታቱ 1- ማዕርነታዊ ውክልና 2- ሓድነት ህዝቢ ኤርትራን ብምትሕብባራዊ ፈደረሽን/cooperative Federation/ ክጽናዕ ዘለዎ ነጥቢ ምዃኑ ኣተሓሳስቢ 3- ንማሕበራዊ ፍትሒ ኣብ ኤርትራ ዝምልከት ገለጻ ድሕሪ ምቕራብ ነቲ ብሰሪ ግህሰት ማሕበራዊ ፍትሒ ኣብ ህዝብና ተፈጺሙ ዘሎ ጉድኣት ብጭብጢ እተጽንዕ ኣካል ምቛም ከምዘድሊ ኣተሓሳሲቡ            4- ግርጭታትን ኣፈታትሕኦምን ዝኣመሰሉ ነብሩ። ንጉዕዞ ምምስራት ሰልፊ ዝምልከት እቲ ኣካይዳ ሓባራዊ ኮሚሽን ተስፋ ዘለዎ ምዃኑ ድሕሪ ምሕባር ነዚ ጉዕዞ እዚ ንምሕጋዝ ዓቕመይ ዘፍቅዶ ምትሕብባር ክገብር እየ ብምባል ተመባጺዑ። ሓደ ሓደ ኣብ ጉዕዞ ክበርህን ክንጸርን ዘለዎ ነጥብታት ከምዘሎ ውን ኣይሓብአን። ጉዳይ መሬት፡ ጉዳይ ዘይምእኩልነት፡ ጉዳይ ምዕሩይ ምዕባላ ሕ/ሰብና ዝያዳ መጽናዕትን ብሩህነትን ከምዝሓትት ኣተሓሳሲቡ። ኣባላት ኮንፈረንስ ውን ኣብቲ ጉዳይ ዝመስሎም ርእይቶ ሂቦም እዮም። ኣብ መወዳእታ ዶክቶር ሰላሕ ነቲ ብፓወር ፖይንት ዝቐረቦ መደረ ናብ ጽሕፍ ቀይሩ ኣብ ቀረባ እዋን ክዝርግሖ ምዃኑ ተመባጺዑ ኣሎ።

 

ድሕሩ ዝቐረበ ወረቐት ብሃይለ ገብሩ ኮይኑ “ ኣወንታዊ ሰውራ” ዝብል ኣርእስቲ ነይሩዎ። እቲ ከርሲ ትሕዝቶ እቲ ወረቐት ኣብዚ መድረኽ እዚ ዘድልየና ዘሎ ለውጢ ካብቶም ኣሉታውያን ኣብ ሓርነታዊ ተጋድሎና ዝማዕበሉ ኣተሓሳስባታት ዘገላግለና ሱር ነቀል ለውጢ ምዃኑ እቲ ዝምስረት ዘሎ ሰልፊ ድማ እዚ ኣርእስቲ እዚ ቀንዲ ኣጀንድኡ ክኸውን ከምዝግብኦ ዝገልጽ እዩ። ምሉእ ትሕዝቶ ንምርካብ ነቲ ምስ’ዚ መግለጺ ተሰንዩ ዝቐርብ ዘሎ ወረቐት ምንባብ የድሊ።

ብጀካ እዚ ኣብዚ ቐረባ እዋን ናብ ኣወስትራልያ ዝኣተወ ኣባል መርበብ ዜና ኣዱሉስ ዝኾነ ኣብዱልረዛቕ ከራር ኣብ ኮንፈረንስ ተሳቲፉ ኣገደስትን ሃነጽትን ሓሳባት እቕሪቡ፡ መርበብ እንተርነት ዖና ውን ነቲ ክትዕ ተኸታቲሎሞ ነበሩ።

 

ኮንፈረንስ ድሕሪ ምውድኡ በ’ቶም ኣብ መልቦርን ዝርከቡ ሕጹያት ኣባላት ሰልፊ እተዳለወ ምሸት ድራር ነበረ። ኣብ ቦታ ድራር ውን ምምይያጥ ቀጻሊ ነይሩ። ኩሉ ዕዱም ተ.ሓ.ኤ ሰ/ባይቶ ወሲድዎ ዘሎ ተባዕ ውሳኔ እናኣድነቐ ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ሓዲሽ ኣረኣእያ ተወሊዱ ምህላው ይሰማማዕ ነበረ። እዚ ኣተሓሳስባ እዚ እግሪ ተኺሉ ንህዝብና ካብ ዘለዎ መከራ ዘድሕን ተራ ክጻወት ግን ጌና ዘይሕለል ጻዕርን ድኻምን ክመዝሓትት ኩሉ ዘስመረሉ ነጥቢ ነበረ።

 

ሓባራዊ ኮሚሽን ምምስራት ሰልፊ ዞባ ኣውስትራልያ

16/05/08


Contact Us at:   webmaster@nharnet.com