ግንባር ሰልፊ ዝብል ሕቶ ናይ ምርጫ ጕዳይ ኢዩ፤

ቅዋም ዘይምህላው ንሰልፊ ምምስራት ኣይዕንቅጽን ኢዩ

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ

14.06.2008

ኣብ መጻኢ ክንሃንጾ እንደሊ መንግስትን ሕብረተ-ሰብን እንታይ ክመስል ኣለዎ ንዝብል ሕቶ፡ ዝተፈላለዩ ሰባት ዝተፈላለየ መልሲ ኢዩ ዘለዎም። ነዚ ሕቶ’ዚ እንህቦ መልሲ ድማ፡ ናትና ፍልስፍናዊ ኣተሓሳስባ ወይ እምነት ኢዩ ዘንጸባርቕ። ገለ እቲ ዝምስረት ስርዓት ሃይማኖታዊ ክኸውን ኣለዎ ክብል ከሎ ገለ ካልእ ድማ፡ ዓልማናዊ ይብል፤ ገለና ርእሰ-ማላዊ ክንብል ከሎና፡ ገለና ዴሳዊ ክኸውን ንደሊ።

ኣብ መንጐ ሰልፍን ግንባርን ዘሎ ፍልልይ እምበኣር፡ ሰልፊ፡ ብሓደ ወይ ዝተቐራረበ ፍልስፍናዊ እምነት ዘለዎም ሰባት ዝቐውም ውድብ ክኸውን ከሎ፤ ግንባር ግን፡ ዝተፈላለየ ፍልስፍናዊ እምነት ዘለዎም ሰባት ወይ ውድባትን ሰልፍታትን፡ ንሓደ ናይ ቀረባ ናይ ሓባር ዕላማ ንምዕዋት ኢሎም ዝምስርትዎ ውዳበ ኢዩ። ንኣብነት፡ ዝተፈላለየ ፍልስፍናዊ እምነት ዘለዎም ሰባት፡ ካብ መግዛእቲ ሓራ ንምውጻእ ሓደ ግንባር ክምስርቱ ይኽእሉ። ንኣብነት፡ ተሓኤን ህዝባዊ ግንባርን ኣብ ኤርትራ። ወይ ድማ፡ ዝተፈላለየ ፍልስፍናዊ እምነት ዘለዎም ሰልፍታት፡ ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢኦም ሓደ ግንባር ክምስርቱ ይኽእሉ። ንኣብነት ናይ ቻይና ርእሰ-ዴሳዊ ሰልፍን ክዋሚንታንግን ኣንጻር መግዛእቲ ናይ ሓባር ግንባር መስሪቶም ነይሮም። ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ውን ዝተፈላለየ ፍልስፍናዊ እምነት ዘለዎም ውድባትን ሰልፍታትን ኣብ ሓደ ግንባር ዝጠርነፈ ውዳበ ኢዩ።

ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ኣብ 6ይ ሃገራዊ ጕባኤኡ እቶም ሓደ ፍልስፍናዊ እምነት ዘለዎም ውድባትን ጕጅለታትን ውልቀሰባትን ሓደ ሰልፊ ክምስርቱ ምጽዋዑ ዝዝከር ኢዩ። ነዚ ክውን ንምግባሩ ድማ፡ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ድሕሪ ክልተ ዓመታት ኣብ ዝካየድ ናይ ሰልፊ ጕባኤ ውድቡ ንምፍራስ ዘለዎ ቅሩብነት ብእዉጅ ኣገባብ ገሊጹ ኢዩ። ካልኦት ውድባት ውን፡ ከምኡ ክገብሩ ጸዊዑ ምንባሩ ዝከሓድ ኣይኰነን። ብተወሳኺ፡ እቶም ዝተፈላለየ ፍልስፍናዊ እምነት ወይ መንቀሊታት ዘለዎም ውድባትን ሰልፍታትን፡ ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ንምውዳቕ ሓደ ግንባር ወይ ሓደ ኪዳን ክምስርቱ ምጽዋዑ ውን ስውር ኣይኰነን።

ኣብ’ዚ ዝለዓል ሕቶ ስለምንታይ ሰልፊ? ስለምንታይ’ከ ግንባር ዘይከውን ዝብሉ ሕቶታት ኢዮም።

ብመሰረቱ ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ ይኹን ካልእ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዝካየድ ቃልሲ፡ ብግንባር ወይ ብሰልፊ ጥራሕ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ ዝብል ኣድማሳዊ ሕጊ የለን። ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ውን እንተዀና ካብ’ዚ ኣረዳድኣ’ዚ ወጻኢ ክዀና ኣይክእላን ኢየን። እቲ ሕቶ ናይ ነፍስወከፍ ውድብ ምርጫ ኢዩ ዝኸውን። ማለት ብግንባር ተቓሊሰ ኢየ ክዕወት ዝኽእል ዝብል ብግንባር፤ ብሰልፊ ተቓሊሰ ኢየ ክዕወት ዝኽእል ድማ ብሰልፊ ክቃለስ ዝኽልክሎ ነገር የለን። ብግብሪ ውን፡ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ፡ ገለ ብመልክዕ ሰልፊ ገለ ድማ ብመልክዕ ግንባር ዝተወደባ ኢየን። ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ድማ፡ ዝተፈላለየ ፍልስፍናዊ መንቀሊታት ዘለወን ሰልፍታትን ግንባራትን ኣብ ሓደ ጽላል ጠርኒፉ ዝቃለስ ውድብ ኢዩ።

እቲ ጕዳይ ናይ ምርጫ ጕዳይ ካብ ኰነ እምበኣር፡ እቲ ዝቐርብ ሕቶ፡ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ስለምንታይ ብሰልፊ ክቃለስ መሪጹ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ።

ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ብሰልፊ ክቃለስ ዝመረጸሉ ምኽንያታት እምበኣር፡

1.      ኣብ’ዚ ዘለናዮ መድረኽ፡ እቲ ግርጭት ኣብ መንጐ ተሓኤ ህዝባዊ ግንባርን ዘይኰነስ፡ ኣብ መንጐ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስን ህዝብን ኤርትራን ኢዩ ዝብል ገምጋም ኣሎና። ስለዝዀነ ድማ፡ ኣብ ተሓኤ ይኹን ኣብ ህዝባዊ ግንባር ዝኣምኑ ዝነበሩ ኤርትራውያን፡ ሕጂ ብሓባር ኰይኖም ነቲ ንዅሎም ዘሳቒ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣውዲቖም ሰላም፡ ፍትሒ፡ ዲሞክራስን ብልጽግናን ዝሰፈና ሃገር ንምህናጽ ዝኽልክሎም ዝዀነ ይኹን ነገር ክህሉ ኣይግባእን ዝብል እምነት ኢዩ ዘሎና። ኣብ ክንዲ ናይ ሕሉፍ ታሪኻት እሱራት ኰይና ተፈላሊና ንነብርን ዕድመ ናይ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ነናውሕን፤ ንናይ ሓባር መጻእን ናይ ሓባር ረብሓን ብሓደ ክንቃለስ ይግብኣና ዝብል ተረድኦ ኢዩ ዘሎና። ብኻልእ ኣገላልጻ፡ ተሓኤ ህዝባዊ ግንባር ዝብል ጋግ ክህሉ የብሉን በሃልቲ ኢና። ነዚ ንምግባር ድማ፡ ኵሎም ዝሳተፍዎ ሓድሽ ሰልፊ፡ ብሓድሽ ዕላማታት ምምስራት የድሊ።

2.      ኣዝዩ ብዙሕ ዝዀነ ቍጽሪ ዘለዎ ሰዓቢ ተሓኤ ወይ ህዝባዊ ግንባር ዘይኰነ ኤርትራዊ ከምዘሎ ውን ክሰሓት የብሉን። ብፍላይ ድማ፡ እቲ ኣብ ብረታዊ ተጋድሎ ዘይተሳተፈ ወይ ድማ ድሕሪ ሃገራዊ ናጽነት ዝተወልደ መንእሰይ ኣብ’ዚ ይኹን ኣብ’ቲ የለን። እዚ ዘይንዓቕ ክፋል ናይ ህዝብና’ዚ፡ መጻኢት ኤርትራ ሰላም፡ ፍትሒ፡ ዲሞክራስን ብልጽግናን ዝሰፈና ሃገር ክትከውን ይደሊ ኢዩ። ስለዝዀነ ድማ፡ ነዚ ክፋል’ዚ ኣብ ቃልሲ ከነሳትፍ እንተደኣኰይና ንባህግታቱን ትጽቢታቱን ዝምልስ ሓድሽ ሰልፊ ክንምስርት ኣድላዪነቱ ዕዙዝ ኢዩ።

3.      ሓደ ዝዀነ ፍልስፍናዊ መንቀሊታት ዘለዎም ግን ከኣ ብታሪኻዊ ምኽንያታት ዝተፈላለየ ኣስማት ሒዞም ዝጓዓዙ ውድባት ኣለዉ። እዞም ውድባት እዚኣቶም ኣብ ሓደ ክመጹን ትርንዕ ዝበለ ሓይሊ ክፈጥሩን እንተደኣኰይኖም ኵሎም ዝቕበልዎ መደብ ዕዮ ዘለዎ ሓድሽ ሰልፊ ምምስራት የድሊ።

4.      ኣብ ዝተሓተ ናይ ነጥበ-ስምምዕን ሓፈሻዊ ዕላማታትን ዝተሰረተ ከም ተሓኤ ወይ ህዝባዊ ግንባር ወይ ውን ኪዳን ዝኣመሰለ ግንባራት ውን እንተዀነ ከይዱ ከይዱ ነቲ ሓባራዊ ጸላኢኡ ምስ ኣልገሰ ሰልፍታት ምቛም ዘይተርፎ ምዃኑ ርዱእ ኢዩ። ስለዝዀነ ድማ፡ ሰልፍታት መስሪትካ ብመልክዕ ግንባር ክትቃለስ ዝኽልክል ነገር ስለዘየለ፡ ካብ ድሓር ሰልፍታት ምቛም ሕጂ ቈይሙ እንተጸንሐ ይሓይሽ ዝብል ምርጫ ኢዩ ዘሎና።

5.      ስርዓት ኢሳያስ ዝፈጠሮ ዕንቅፋታት እንተዘይኰይኑ፡ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ እቲ ጸረ-መግዛእቲ ዝካየድ ዝነበረ ቃልሲ ኣኽቲሙ፡ ብዙሓት ሰልፍታት ብናጽነት ዝዋስኣሉ ሓድሽ ናይ ዲሞክራሲ ምዕራፍ ኢዩ ክኽሰት ዝግብኦ ዝነበረ። ስርዓት ኢሳያስ ከም’ዚ ስለዝገበረ ግን፡ ሰልፍታት ናይ ምቛም ፈተነታት ክህሉ የብሉን ዝብል እምነት ክንውንን ኣይግብኣናን። ከም’ዚ ዝብል እምነት ወይ ዕግበት እንተደኣሃልዩ ድማ፡ ከይተረድኦ ንድሌት ናይ’ቲ ስርዓት ኣብ ምዕዋት ይተሓበበር ከምዘሎ ክግንዘብ ይግባእ።

ገለገለ ከኣ፡ ቅዋም ኣብ ዘይብሉ ሃገር ሰልፍታት ምቛም ትርጕም የብሉን ዝብሉ ኣለዉ። እዚ ግን ብመሰረቱ ግጉይ ኣረዳድኣ ኢዩ። ታሪኽ ናይ ዓለምና እንተደኣ ተወኪስና፡ መብዛሕታኡ ሰልፍታት ቅዋም ኣብ ዘይነበሮ ሃገራት ወይ ድማ ብመሳፍንትን ባዕዳውያን ገዛእትን ኣብ ዝመሓደር ሃገራት፡ ገለ ውን ኣብ ትሕቲ ናይ ውግእ ሃለዋት (ካልኣይ ውግእ ዓለም) ብምስጢር ወይ ብስውር ከምዝተመስረቱ ኢዩ ዘረጋግጸልና። ናይ ቻይና፡ ናይ ሩስያ ብዙሓት ናይ ምዕራብ ኣውሮጳ ሃገራት ሰልፍታት ኣብ ትሕቲ ቅዋም ኣይኰናን ተመስሪተን። ብተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ኣብ 6ይ ሃገራዊ ጕባኤ እተወስደ ሰፊሕ ህዝባዊ ባይታ ዘለዎ ሰልፊ ምምስራት፡ ብብዙሓት መንእሰያትን ኣባላት ካልኦት ውድባት ዝነበሩ ዜጋታትን ምሁራትን ተቐባልነት ምርካቡ ድማ፡ ሰልፊ ምምስራት ዝኽልክል ዝዀነ ይኹን ቅቡል ምኽንያት ከምዘየለ ዝሕብር ተግባራውን እዋናውን ምስክርነት ኢዩ።

 


Contact Us at:   webmaster@nharnet.com