|
||
|
|
||
|
ጕባኤ ምስረታ ሰልፍን ኣብ ቅድሜና ዘሎ ብድሆታትን ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ 23.06.2008
ኣባላት ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶን ሓደስቲ ኣባላትን ዝሳተፍዎ ጕባኤ ምስረታ ሰፊሕ ህዝባዊ ባይታ ዘለዎ ሰልፊ ኣብ ግዜኡ ማለት ብዕለት 25 ሓምለ 2008 ክካየድ ኢዩ። ንጕባኤ ዘድልዩ ንድፊ ሰነዳት ተዳልዮም፡ ኣብ’ቶም ሰነዳት ክካየድ ዝግብኦ ክትዓትን ጐስጓሳትን ክካየድ ጸኒሑ። እቲ ክትዓትን ጐስጓሳትን ኣብ ጕባኤ ይኹን ድሕሪ ጕባኤ ኣብ ዘሎ መድረኽ ቀጻሊ ኢዩ። ሕጂ መስርሕ ምምስራት ናይ’ቲ ሰልፊ ኣብ ናይ ምዝዛም ደረጃኡ ገጹ ይቀራረብ ኣሎ። ድሮ፡ ምርጫ ናይ’ቶም ኣብ ጕባኤ ዝሳተፉ ወከልቲ ምክያድ ተጀሚሩ ኣሎ።
እዚ ፍረ ጻዕርን ስራሕን ናይ’ቶም ከይሰልከዩ ዝተቓለሱ ኣባላት ምስረታ ኮሚሽን፡ ኣባላት ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶን ናብ’ቲ ሰልፊ ንምጽንባር ዝመረጹ ሓደስቲ ኣባላትን ክኸውን እንከሎ፤ እቲ ዕማም ክዕወት ብሓሳብ ይኹን ብግብሪ ዝደገፉ ግዱሳት ዜጋታት ውን ምንባሮም ዝሰሓት ኣይኰነን።
እዚ ሓደ ስጕምቲ ናብ’ቲ ቅኑዕ ጐደና ደኣ’ምበር ናይ መወዳእታ ዕላማ ግን ኣይኰነን። ናይ መወዳእታ ዕላማና ኣብ ኤርትራ ህዝብና ዝረብሓሉ ፖለቲካውን ቍጠባውን ማሕበራውን ባህላውን …ወዘተ ለውጥታት ምምዝጋብ ኢዩ። ለውጢ፡ ከምዘይነጽፍ ውሕጅ ወትሩ ቀጻልን ዘየቋርጽን ጕዕዞ ስለዝዀነ፡ መጻእቲ ወለዶታት ናቶም ብጽሒት እናበርከትሉ ዝኸዱ ለውጢ ንምጅማር ኢና ተላዒልና ዘሎና ደኣ’ምበር፡ ንሕና ጀመርትን ወዳእትን ክንከውን ኢና ካብ ዝብል ኣረዳድኣ ኣይኰነን። ስለዝዀነ ድማ፡ እቲ ቃልሲ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ብመላኡ ደኣ’ምበር ናይ ውሱናት ሰባት ወይ ናይ ውሱናት ውድባት ከምዘይኰነ ክንስሕቶ የብልናን።
ሰልፍና ንሃገራዊ መልክዕና ዘንጸባርቕ ክኸውን ኣለዎ። እዚ ሕጂ እንምስርቶ ሰልፊ ንረብሓን ተሳትፎን ናይ ኵሎም ክፍልታት ሕብረተሰብና ዘረጋግጽ ክኸውን ኣለዎ። ካብ’ዚ ብምብጋስ፡ ነፍስወከፍ ኣባል ሰልፊ ኣብ’ቲ ዝምዝገብ ለውጥታት እንታይ ከበርክት ኣሎኒ ኢሉ ክሓስብን ብግብሪ ክዋሳእ ክብገስን ይግባእ።
ስለ’ዚ ጠመተና ክንዮ ጕባኤ ናብ ዘሎ መድረኽ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ። እቶም ብዛዕባ’ዚ ሰልፊ’ዚ ዝሰምዑ፡ ጕባኤ፡ እንታይ መደብ ዕዮ ሒዙ ክወጽእ ኢዩ? እንታይ ለውጥታት ከምጽእ ኢዩ? እቲ ሰልፊ እንታይ ፍልይ ዝበለ ንጥፈታት ከካይድ ኢዩ? ዝብሉ ሕቶታት ኣብ ኣእሙሮኦም እናደየቡን እናውረዱን ዝዕዘቡና ዜጋታት ክህልዉ ኢዮም። ገለ ካብኦም እኳ፡ ድሕሪ ጕባኤ ክንሓስበሉ ኢና ዝብል መልሲ ድሮ ሂቦምና ኣለዉ። ከምኡ ከይበሉ ዝዕዘቡና ብርክት ዝበለ ቍጽሪ ዘለዎም ዜጋታት ከምዘለዉ ውን ኣለዉ። ጌና ብዛዕባ’ዚ ሰልፊ’ዚን ዕላማታቱን ዘይሰምዑ በማእት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ኤርትራውያን ከምዘለዉ ድማ ክንዝንግዕ የብልናን። ብኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ሰልፍና ከይዓብን ከይሕይልን ዝደልዩ፡ ብዛዕባ ሰልፍና ኣሉታ ጥራሕ ዘዕልሉ፡ ናይ’ቲ ስርዓት መጋበርያታትን ካብ ጽልእን ቅርሕንትን ዘይተላቐቑ ገለገለ ስንኩፋት ኤርትራውያንን ብኵሉ ዓቕምታቶም ኣንጻር ሰልፍና ክዋስኡ ምዃኖም ክንስሕቶ የብልናን። ስለ’ዚ፡ ድሕሪ ምዝዛም ጕባኤና ዓበይቲ ብድሆታትን ዓበይቲ ስርሓትን ይጽበዩና ከምዘለዉ ፈልጥና፡ ማዕረ’ዚ ብድሆታት ክብ ክንብል ዝድለ መስዋእቲ ክንከፍል ቅሩባት ክንከውን ኣሎና።
ቃልስና፡ ህዝብና ኣብ’ቲ ሰልፊ እምነት ከምዘሕድር ምግባር ኢዩ። በዚ ህዝባዊ ደገፍ’ዚ ኣቢልና ዝበዝሐ ቍጽሪ ናይ ፈተውቲ ምጥራይን ምውናንን ኢዩ ሕልምናን ጻዕርናን። ስለዝዀነ ድማ፡ ቃልስና፡ ኣብ ኤርትራውያን ጥራሕ ዝተሓጽረ ክኸውን የብሉን። ምስ ጐረባብትና፡ ምስ ኣህጕራዊ ማሕበረ-ሰብ፡ ምስ ሰልፍና ተመሳሳሊ መደብ ዕዮ ዘለዎም ናይ ወጻእተኛታት ሰልፍታት፡ ምስ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላትን ሲቪላዊ ማሕበራትን ናይ ዜና ማዕከናትንዝምድናታት ክንፈጥርን ከነደልድልን ይግብኣና።
ኣብ መንጐ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ናይ ሕብረተ-ሰብና ብሓደ ሸነኽ፤ ኣብ መንጐ ህዝቢ ኤርትራን ኣህዛብ ጐረባብቲ ሃገራት ድማ ብኻልእ ሸነኽ፡ ናይ ዕርቅን ስኒትን፡ ፍቕርን ሰላምን፡ ንሓባራዊ ዕብየት ሓቢርካ ናይ ምስራሕን ምትሕግጋዝን መንፈስ ንምንጋስ ብዅሉ ዓቕምታትና ክንረባረበሎ ዝግብኣና ዕማም ኢዩ። ምኽንያቱ ድማ፡ ኣብ’ዛ ዘለናያ ዓለም፡ በበይንና ኰንና ክንወጾ እንኽእል ሽግራት ወይ ከነረጋግጾ እንኽእል ልምዓት ወይ ከነስፍኖ እንኽእል ሰላም ክህሉ ስለዘይክእል ኢዩ።
ጸላእትና፡ ድኽነት፡ ድንቍርናን ሕማምን ጭቆናን ኢዮም፤ ካልኦት ጸላእቲ የብልናን። ነዞም ጸላእቲ እዚኣቶም ድማ ብውግእ፡ ብጽልኢ፡ ብስንፍና፡ ብምብትታን ወዘተ ዘይኰነስ፥ ብትምህርትን ስነፍልጠትን፡ ብስራሕ፡ ብድልዱል ሓድነትን ምትሕግጋዝን፡ ሰላምን ፍትሕን ብልጽግናን ብምንጋስን ኢና ክንስዕሮም እንኽእል።
ስለ’ዚ፡ ህዝቢ ዝመሰረቱ፡ ሓድነት ዝሕመረቱ፡ ለውጢ ዝሕላገቱ ሰልፊ ንምምስራት ሃየ ንተዓጠቕ።
|
||
|
DISCLAIMER: The author/s contributed for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents
Contact Us at: webmaster@nharnet.com |
||
|
|