|
ናይ ህዝብና ኵነታት መነባብሮ እናበኣሰ ይኸይድ ከምዘሎ
ዑቝባ ዝሓተቱ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኣቃሊዖም
ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን
ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ
18.06.2008
ግፍዕታት ስርዓት ኢሳያስ ኣንገፍጊፍዎም ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ብምስጋር ዑቝባ ዝሓቱ ዘለዉ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል
ኤርትራ፡ ናይ ህዝብና መነባብሮ ኣብ ክጽወር ዘይከኣል ደረጃ በጺሑ ምህላዉ ይሕብሩ። ብመሰረት ሓበሬታቶም ሓደ
ኵንታል ጣፍ 3,500 ናቕፋ፤ ሓደ ኵንታል መሸላ 2,500 ናቕፋ ምብጻሑ፤ ከምኡ ውን፡ ቢራን ልስሉስ መስተን ካብ
መሸጣ ካብ ዝጠፍኡ ልዕሊ ሰለስተ ኣዋርሕ ኰይኑ ምህላዉ ይገልጹ።
ብዛዕባ ሃለዋት ሓይልታት ምክልኻል ክገልጹ ከለዉ ድማ፡ ስጋ ምሕራድ ዝብሃል ከምዘየለ፤ ኣብ’ዛ ዘለናያ ዓመት
ንመጀመርያ ግዜ ብምኽንያት በዓል ናጽነት 2008 ንነፍስወከፍ በጦሎኒ ሓደ ብዕራይ ተሓሪዱ ይብሉ። ብምውሳኽ፡
ብሰንኪ ህድማ፡ ብዝሒ ናይ ሰብ ኣብ ሓንቲ ጋንታ ክሳብ 15 ለጠቕ ኢሉ፤ ሓላፍነት ናይ ታንክታት ምዝዋር ኣብ
ውሑዳት ኣውቲስታታት ተጻዒኑ ከምዘሎን፤ ሓለፍቲ ኣሃዱታት ከይተረፉ ናይ ዋርድያ ናይ ከባቢ ፍተሻን (እስትጥላዕ)
ስርሓት ከካይዱ ከምዝርከቡን ይሕብሩ።
ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ድሕሪ ሰዓት ሽዱሽተ ናይ ምሸት ካብ ኣሃዱታትካ ዋላ ንሽንቲ ምውጻእ ከምዘይፍቀድ፤ እንተደኣ ተፈቒዱ
ድማ፡ ብዘይ ብረት ምዃኑ ይገልጹ። ብተወሳኺ፡ ክሃድም ዝተረኽበ መራሒኡ ናይ ሞት ብይን ክህቦ ስልጣን ከምዘለዎ
ይሕብር።
|