ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ግብጺ ናብ ሃገሮም ተባሪሮም

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ

14.06.2008

 

ረቡዕ ዕለት 11.06.2008 ሰበ-ስልጣን ግብጺ 450 ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ኣሲሮምዎም ዝጸንሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ካይሮ ኣኪቦምዎም። ካብኦም 250 ብሓሙስ ዕለት 12.06.2008 ናብ ኤርትራ ኣባሪሮሞም። ዝተረፉ 150 ድማ ንዓርቢ ወይ ቀዳም ከባርርዎም ኢዮም ይብሃል ኣሎ።

 

እቶም ስደተኛታት ቅድሚ ምብራሮም ናይ መንግስቲ ኤርትራ ኣርማ ዘለዎ ፎርም ትሕዝቶኡ ከይተረድኡ ከምዝፍርሙ ይግደዱ ከም ዘለዉ፡ ኣብ ግብጺ ዝርከቡ ምንጪታት ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ይገልጹ።

 

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ትማሊ ዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ሰበ-ስልጣን ግብጺ ቅድሚ ሕጂ 800 ዝዀኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ክልተ ጕጅለታት ከፊሉ ናብ ሃገሮም ከምዘባረሮም፤ ሕጂ ድማ፡ ካልኦት 400 ንኸባርሮም ምድላዋት ይገብር ከምዘሎን ሓቢሩ። ንሰበ-ስልጣን ግብጺ ድማ፡ ነቲ ናይ ምብራር ስጕምትታት ደው ከብልዎ ጸዊዑ። ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ድሕሪ ምምላሶም ንብዙሕ ዓይነት ግፍዕታት ከምዝቃልዑ ድማ ኣብሪሁ።

 

ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን፡ ካብ ስርዓት ኤርትራ ኣምሊጦም ናብ እስራኤል ንምእታው ክፍትኑ ከለዉ ብሰበ-ስልጣን ግብጺ ዝእሰሩን ዝቕተሉን ኤርትራውያን ቍጽሮም እናበርከተ ይመጽእ ኣሎ።

 


Contact Us at:   webmaster@nharnet.com