ሃገራት ምዕራብ ዓረብ ሊግን ኤርትራ ሰራዊታ ካብ ጅቡቲ ክትስሕብ ጸዊዖም

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ

14.06.2008

 

ወተሃደራዊ ሰበ-ስልጣን ጅቡቲ፡ ብሰንኪ’ቲ ኣብ መንጐ ኤርትራን ጅቡትን ዝተባርዐ ኵናት 9 ካብ ወተሃደራቶም ከምዝሞቱን ልዕሊ 60 ድማ ከምዝቘሰሉን ሓቢሮም። ኣመሪካ፡ ንኤርትራ ዝጀመረቶ ውግኣት ብምውጋዝ፡ ክልቲኦም ሸነኻት ሰራዊቶም ካብ ዶብ ክስሕቡን ነቲ ናይ ዶብ ጐንጺ ብሰላማዊ ኣገባብ ክፈትሑን ጸዊዓ።

 

ፈረንሳይ፡ ነቲ ናይ ጅቡቲ ሰራዊት ቈሳቍሳዊ (ሎጂስቲክስ) ደገፋት ጥራሕ ክትገብረሉ ከምዝጸንሐት ገሊጻ። ነቲ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ተፈጢሩ ዘሎ ዘይምርድዳእ ንምፍታሕ ክትንቀሳቐስ ምዃና ድማ ኣፍሊጣ።

 

ዓረብ ሊግን ካልኦት ሃገራት ምዕራብን ድማ ንኤርትራ ሰራዊታ ካብ ጅቡቲ ክትስሕብ ጸዊዐን። እቲ ኣብ መንጐ ኤርትራን ጅቡትን ንኽልተ መዓልታት ዝቐጸለ ውግእ ትማሊ ረቡዕ ዕለት 11.06.2008 ሃዲኡ ከምዝወዓለ ተፈሊጡ ኣሎ።

 

ስርዓት ኢሳያስ ክሳብ ሕጂ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ውግእ ከምዝተባርዐ ዘመልክት መግለጺ ኣየውጽአን። እቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝወጸ መግለጺ፡ ጅቡቲ ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ንኤርትራ ናይ ምጽላም ወፈራ ተታሓሒዛቶ ኣላ ዝብልን ንኣመሪካ ድማ ከም ጠንቂ ናይ’ቲ ኣብ መንጐ ጅቡትን ኤርትራን ተፈጢሩ ዘሎ ዘይምርድዳእ ዝኸስስን ኢዩ።


Contact Us at:   webmaster@nharnet.com