|
ሊብያ፡ 230
ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምብራር ትሸባሸብ ኣላ
ቤት ጽሕፈት
ዜናን ባህልን
ተሓኤ ሰውራዊ
ባይቶ
23.06.2008
ካብ ሊብያ ብዕለት 23 ዝበጽሓና
ሓበሬታ 230 ዝዀኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት በስገዳድ ናብ ሃገሮም ንምብራር ሰበ-ስልጣን ሊብያ ምድላዋቶም ወዲኦም
ከምዘለዉ ዘረጋግጽ ኢዩ። ካብ’ዚ ብምብጋስ፡ እዞም እዞም ብጭንቀትን ስንባደን ተዋሒጦም ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን፡
ህይወቶም ንምድሓን ናይ ኵሎም ኤርትራውያን ተቓወምቲ ውድባትን ሲቪላዊ ማሕበራትን፤ ከምኡ ውን፡ ናይ ኵሎም
ወጻእተኛታት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን መንግስታትን ሰልፍታትን ኣውያት ብህጹጽ ክስምዓሎም ይሓቱ ኣለዉ።
ኣብ ሊብያ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ክሳብ
700 ዝዀኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ማእሰርቲ ይርከቡ ኣለዉ። ካብኦም ንሕጂ 230 ስደተኛታት ናብ ሃገሮም
ክባረሩ ተበዪኑሎም ኣሎ። ናይ’ዞም ስደተኛታት እዚኣቶም ህይወት ናይ ኵሉ ብህዝቡን ሃገሩን ብሰብኣዊ መሰል ዝግደስን
ሕልና ዘለዎ ሰብ ሓላፍነት ምዃኑ ተረዲእና ንምድሓኖም ውዓል ሕደር ዘይብሉ ህጹጽ ስጕምታት ክንወስድ ንጥለብ ኣሎና።
ቅድም ክብል ውን፡ ሰበ-ስልጣን ሊብያ
ብርክት ዝበለ ቍጽሪ ዘለዎም ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ኤርትራ ከምዘባረሩን ንብዙሕ ዓይነት ግፍዕታት
ክቃልዑ ከምዝገበሩን ዝዝከር ኢዩ።
|