|
ባርዕ
ሓዊ
ኣብ
ሰሜናዊ
ክፋል
መደበር
ስደተኛታት
ሸገራብ
ኣብ
ንብረት
ጕድኣት
ኣውሪዱ
ቤት
ጽሕፈት
ዜናን
ባህልን
ተሓኤ
ሰውራዊ
ባይቶ
22.06.2008
ብ18 ሰነ 2008 ኣብ ሰሜናዊ ክፋል
መደበር ስደተኛታት ሸገራብ ዘጋጠመ ናይ ሓዊ ባርዕ፡ ኣብ ንብረት ተቐማጦ ዓቢ ጕድኣት ኣውሪዱ። ኣብ’ዚ ባርዕ’ዚ፡
23 ኣጕዶታት ምስ ምሉእ ንብረቱ፡ 5 ረፍሪጀረይተርን 2 ጀነረይተርን ብሓዊ ከምዝሓረረ ካብ’ቲ ቦታ ዝበሓና ሓበሬታ
ኣረጋጊጹ። እቲ ወሪዱ ዘሎ ጕድኣት ብገንዘብ ክትመን እነክሎ ኣስታት 50 ሚልዮን ጅኔ ሱዳን ይኸውን። ጠንቂ ናይ’ቲ
ባርዕ እንታይ ምዃኑ ጌና ኣይተፈልጠን። ቅድሚ ሕጂ ውን ተመሳሳሊ ባርዕ ሓዊ ኣብ’ቲ መዓስከር ኣጋጢሙ ምንባሩ
ዝዝከር ኢዩ። |