ኤርትራን ጅቡትን ኣምባሳደራተን ስሒበን 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ

20.06.2008

 

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ጅቡቲ ብመሰረት ካብ መንግስቱ ዝተገብረሉ መጸዋዕታ ካብ ጅቡቲ ናብ ኤርትራ ከምዝተመልሰ፤ ከምኡ ውን ጅቡቲ፡ ኤርትራ ብዛዕባ’ቲ ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ዶብ ወጥሪ ምስ ጅቡቲ ክትላዘብ ቅሩብነት ስለዝየብላ ኣምባሳደራ ናብ ሃገሩ ከምለስ ከምዝጸውዐት መርበብ ሓበሬታ ኣዱሊስ ገሊጹ። እዚ ናይ ኣምባሰደራት ምስሓብ’ዚ ናብ ምሉእ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ምቍራጽ ከብጽሕ ድዩ ኣይበጽሕን ጌና ዝተፈልጠ ነገር የለን።

 

ብተወሳኺ፡ በቲ ኣብ መንጐ ክልቲአን መንግስታት ዝተወልዐ ኵናት፡ ኣብ ጅቡቲ ዝርከብ ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ከምዝተዓጽወን፤ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣብ ጅቡቲ ይእሰሩን ይስጐጉን ከምዘለዉ ዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜና ክገልጹ ይስምዑ ኣለዉ። ኣብ ጅቡቲ እተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ውን፡ ናይ ኤርትራ ባንዴራ ከቓጽሉ ተራእዮም ኢዮም።

 

መርበብ ሓበሬታ ዓወተ ውን፡ ኣብ’ቲ ኣብ መንጐ ኤርትራን ጅቡትን ዝተኻየደ ኵናት ካብ 25-30 ዝዀኑ ወተሃደራት ኤርትራ ከምዝሞቱ ሓቢሩ። ሰበ-ስልጣን ጅቡቲ ድማ ኣብ’ቲ ውግእ 13 ወተሃድራት ከምዝሞትዎምን ልዕሊ 60 ከምዝቝሰልዎምን ገሊጾም።

 

ሃገራት ኢጋድ፡ ኣብ’ዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ዘካየድኦ ኣኼባ ብኤርትራ ኣብ ልዕሊ ጅቡቲ እተወስደ መጥቃዕቲ ከምዘውገዛን፤ እቲ ግጭት ብሰላማዊ ኣገባብ ክፍታሕ ከምዝጸውዓን ዝፍለጥ ኢዩ። ቅድም ክብላ፡ ሕቡራት ሃገራትን ዓረብ ሊግን ኣመሪካን ፈረንሳን ንኤርትራ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ከምዘውገዛ ዝዝከር ኢዩ።

 


Contact Us at:   webmaster@nharnet.com