ኤርትራ ካብ ዶብ ጅቡቲ ክትስሕብ መጸዋዕታ ተገይሩላ

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ

26.06.2008

 

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ኤርትራ ንሰራዊታ ካብ’ቲ ምስ ጅቡቲ ዘዳውባ ቦታታት ክትስሕብ ንኻልኣይ ግዜ ከምዝጸውዐን፤ ንባን ኪሙን፡ ዋና ጽሓፊ ሕቡራት ሃገራት ከኣ፡ ሓንቲ ነቲ ኵነታት እተጻሪ ኮሚቴ ናብ’ቲ ቦታ ክልእኽ ከምዝሓተተን፡ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ እተባህለ ኣህጕራዊ ማዕከን ዜና ሓቢሩ።

 

ኣለሃንድሮ ዎልፍ እተባህለ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ምኽትል ኣምባሳደር ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘንበቦ መግለጺ፡ “ኤርትራ ነቲ ዝተገብረላ መጸዋዕታ ኣብ ግብሪ ብዘይ ምውዓላ፡ እቲ 15 ዝኣባላቱ ባይቶ ጸጥታ ከምዘሕዘኖ” ጠቒሱ። እቲ መግለጺ ቀጺሉ፡ ባን ኪሙን ሓንቲ ሓቅታት እተጻሪ ኮሚቴ ናብ ዶብ ጅብትን ኤርትራን ክልእኽን፤ ዘሎ ምዕባለታት ድማ ኣብ ውሽጢ ክልተ ቅነ ንባይቶ ክሕብርን ተመዚዙ ከምዘሎ ውን ሓቢሩ።

 

ደለይታ መሓመድ ደለይታ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ጅቡቲ፥ ከምኡ ውን ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ፡ ሚኒስተር ወጻኢ ጕዳያት ጅቡቲ፡ ኣብ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ዘስምዕዎ መደረ፡ “ክልቲአን ሃገራት ሰራዊተን ናብ’ቲ ብ10 ሰነ ቅድሚ ውግእ ምብርዑ ዝነበሮ ቦታታት ይስሓባ ዝብል ናይ ሕቡራት ሃገራት ውሳኔ ኤርትራ ኣይፈጸመቶን” ዝብል ክሲ ኣቕሪቦም። ንሕና ነቲ ውሳኔ ኣብ ግብሪ ከነውዕል እንከሎና፡ ኤርትራ ግን ብኣንጻሩ ድፍዓታ ኢያ ኣጠናኺራ ኢሎም።

 

ካብ 16 ሚያዝያ፡ ማለት ሰራዊት ኤርትራ ነቲ ዘስሓሕብ ከባቢታት ናይ ራስ ዱመይራ ዝወረርሉ እዋን ኣትሒዙ፡ ኣብ መንጐ ኤርትራን ጅቡትን ወጥሪ እናዛየደ ከምዝመጸ እቲ ማዕከን ዜና ሓቢሩ።

ነዚ ቦታ’ዚ ንምቍጽጻር ብ1996ን ከምኡ ውን ብ1999 ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ውግእ ተባሪዑ ምንባሩ ውን እቲ ምንጪ ዘኪሩ።

 

ኣብ ጅቡቲ ናይ ፈረንሳን ኣመሪካን ወተሃደራዊ መደበራት ምህላዉ ድማ፡ ነቲ ጕንጺ ዓቢ ስትራተጂካዊ ትርጕም ክሕዝ ገይርዎ ኢዩ። 100 ዝዀኑ ወተሃደራት ፈረንሳ ኣብ’ቲ ዶብ ከምዝተንቀሳቐሱ ውን እቲ ማዕከን ዜና ሓቢሩ። ናይ ኣመሪካ 1200 ዝዀኑ ወተሃደራት ዝርከብዎ ናይ ጸረ ራዕዲ ግብረ ሓይሊ ውን ኣብ ጅቡቲ ዓስኪሮም ምህላዎም ዝፍለጥ ኢዩ።

 

ዣን ማሪ ሪፐ፡ ኣምባሳደር ፈረንሳ ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ “ኤርትራ እጀትኣ ንዘይኰነ መሬት ንምሓዝ እትገብሮ ወረራታት ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ዘካየደቶ መጥቃዕትን ብባይቶ ጸጥታ ምንጻጉ ዘሐጕስን ቅቡልን ኢዩ” ኢሉ። “ነዚ ሕጂ ተፈጢሩ ዘሎ ኵነታት ኰነ፡ እቲ ኵነታት ናብ ተወሳኺ ብረታዊ ጐንጺ ከምርሕ ኣይንቕበሎን ኢና” ክብል ከምዝወሰኸ ዘ ዎል ስትሪት ጀርናል ዝተባህለ ጋዜጣ ንኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ጠቒሱ ጽሒፉ።

 


Contact Us at:   webmaster@nharnet.com