ኣብ መንጐ ሰራዊት ኤርትራን ሰራዊት ጅቡትን ናይ ተዅሲ ልውውጥ ተኻይዱ

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ

11.06.2008

 

30 ዝዀኑ ወተሃደራት ኤርትራ ምስ ምሉእ ዕጥቆም፡ ዶብ ሰጊሮም ናብ ሰራዊት ጅቡቲ ኢዶም ድሕሪ ምሃቦም፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ዝርከቡ መራሕቲ ሰራዊት ኤርትራ ንመራሕቲ ሰራዊት ጅቡቲ ከረክብዎም ከምዝሓተቱ ይንገር። ሰራዊት ጅቡቲ ድማ፡ እዞም ወተሃደራት እዚኣቶም ዑቝባ ስለዝሓተቱ ብዘይ ትእዛዝ ሰበ-ስልጣን ጅቡቲ ከነርከበኩም ኣይንኽእልን ኢና ክብሉ መሊሶምሎም። ብድሕር’ዚ መራሕቲ ሰራዊት ኤርትራ፡ እንተደኣ ዘየረኪብኩምና ንገብሮ ኣሎና ዝብል መጠንቀቕታ ሂቦም ናብ ቦታኦም ተመሊሶም።

 

ብ10 ሰነ 2008፡ ልክዕ ሰዓት 4 ድሕሪ ቀትሪ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣብ ጐቦ ጋብላ ዓሪዱ ዝርከብ ሰራዊት ጅቡቲ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ፈጺሞም፡ ሰራዊት ጅቡቲ ድማ፡ ናይ ተዅሲ መልሲ ሂቦም። እንደገና ፍርቂ ለይቲ ካልኣይ መጥቃዕቲ ኣካይዶም። ድሕሪ ሓደ ፍርቂ ሰዓት ዝወሰደ ኵናት ድማ ናብ ቦታኦም ተመሊሶም ክብሉ ኣብ ጅቡቲ ዝርከቡ ምንጪታትና ሓቢሮም። ኣብ’ዚ ውግኣት’ዚ ካብ ሰራዊት ጅቡቲ ሰለስተ ወተሃደራት ሞይቶም፡ 20 ዝዀኑ ድማ ቈሲሎም። ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኤርትራ ዝወረደ ጕድኣት ግን ኣይተፈልጠን።

 

መንግስቲ ጅቡቲ፡ እቲ መጥቃዕቲ ብባባሕሪ ከምዝተኸፍተ ክግለጹ ከለዉ። መንግስቲ ኤርትራ ግን፡ ጅቡቲ ንኤርትራ ናይ ምጽላም ፕሮፓጋንዳ ኣብ ምክያድ ተዋፊራ ክብሉ ኢዮም ተሰሚዖም።

 

ሰራዊታት ናይ ክልቲኡ ሃገራት ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚዝያያ ኣትሒዞም ኣብ’ቲ ዶባት ተፋጢጦም ከምዘለዉ ዝፍለጥ ኢዩ። ገለገለ ተዓዘብቲ ጠንቂ ናይ’ቲ ምፍጣጥ ናይ ዶብ ጕዳይ ገይሮም ክገልጽዎ ከለዉ፤ ገለ ካልኦት ድማ፡ ኤርትራ ነቲ ኣብ ጅቡቲ ኣብ መንጐ መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማልን ኣብ መንጐ’ቲ ብሸኽ ሸሪፍ ሸኽ ኣሕመድ ዝምራሕ ክንፊ ምሕዝነት ዳግመ-ምሕራር ሶማል ዝተባህለ ተቓዋሚ ውድብ ክካየድ ዝጸንሐ ሰላማዊ ልዝብ ንምፍሻልን፤ ንመንግስቲ ጅቡቲ ኣብ’ዚ ጕዳይ’ዚ ኢዳ ከይተእቱ ንምፍርራሕን ኢዩ ዝብሉ ኣለዉ።


Contact Us at:   webmaster@nharnet.com