ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ጕያ እግሪ ኣብ ኢትዮጵያ ዑቝባ ሓቲቱ

መርበብ ሓበሬታ ኣዱሊስ

ትርጕም፡- ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ

16.06.2008

 

ኣብ ክሊ’ቲ ኣብ ኤርትራ ዝርአ ዘሎ ጅምላዊ ህድማ፡ ተቐዳዳማይ ጕያ እግሪ ዝዀነ ዮናስ መብራህቱ፡ ካብ ገሃነም እሳት ዝዀነ ስርዓት ኢሳያስ ኣምሊጡ ዶብ ድሕሪ ምስጋሩ፡ ናይ ፖለቲካ ዑቝባ ኣብ ኢትዮጵያ ሓቲቱ። ዮናስ መሓሪ፡ ንሃገሩ ወኪሉ ኣብ ኣውሮጳን ኣፍሪቃን ዝተኻየደ ብርክት ዝበለ ቅድድም እግሪ ዝተሳተፈ ፍሉጥ ስፖርታዊ ምዃኑ ይፍለጥ። ዮናስ ናይ መህደሚኡ ምኽንያት ክገልጽ እንከሎ፡ ስርዓት ኢሳያስ ንዅሎም ተቐዳደምቲ እግሪ፡ ናብ መደበር ታዒሊም ሳዋ ክኣትዉ ምውሳኑ ንሞራል ናይ’ቶም ተቐዳደምቲ ከምዝተክፎን ብድሕሪኡ ውን ዝገበርዎ ዝነበሩ ልምምዳት ከምዘቋረጹን ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ክስደዱ ከምዝወሰኑን ይሕብር። ቀጺሉ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ብዘካይዶ ዝነበረ ውድድራት ስፖርት ዕዉት ስለዝነበረ ካብ ኣመሪካ ናይ ናጻ ትምህርቲ ዕድል ረኺቡ ምንባሩ፤ ግን ከኣ፡ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ኣመሪካ ዝምድና ኣሎካ ብዝብል ክሲ፡ ነቲ ረኺብዎ ዝነበረ ዕድል ከምዘጨናገፈሉ ይገልጽ። ብድሕሪኡ ውን፡ ሰበ-ስልጣን ኤርትራ ልምምድ ከይገብር ስለዝኸልከልዎ ኣብ’ቲ ኣብ ስጳኛ ዝተኻየደ ውድድር ክሳተፍ ከምዘይከኣለ ኣብሪሁ።

 

ዮናስ፡ ኣብ ከንያ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ብሩሰልስን ካልኦት ሃገራትን ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሓሙሽተ ሽሕን ዓሰርተ ሽሕን ኪሎ ሚተር ውድድራት ተኻፊሉ ዘተስፉ ውጽኢታት ኣመዝጊቡ ምንባሩ ይገልጽ። ኣስዒቡ፡ ኣብ ዝሓለፈ 5 ኣዋርሕ ጥራሕ 18 ዝዀኑ ስፖርተኛታት ክወዳደሩ ኢሎም ኣብ ዝኸድወን ሃገራት ዑቝባ ከምዝሓተቱ ኣቃሊዑ።


Contact Us at:   webmaster@nharnet.com