ሰሙናዊ ዜና ዞናና 2

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ

15.06.2008

 

1.        ሰበ-ስልጣን ግብጺ፡ ወከልቲ ላዕለዋይ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ምስ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክራኸቡ ኣፍቂዶም

1400 ዝዀኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኣስዋንን ሁርጋዳን ዝተባህሉ ቦታታት ኣብ ግብጺ ተኣሲሮም ከምዘለዉን፤ ወከልቲ ላዕለዋይ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ክራኸብዎም ተፈቒዱሎም ከምዘሎን ተሓቢሩ። ብዛዕባ’ቶም ናብ ኤርትራ ብዘይፍተቶም ዝተባረሩ 200 ስደተኛታት ብዝምልከት፡ ሓደ ስሙ ክገልጽ ዘይፈቐደ በዓል ስልጣን ግብጺ ሓቂ ምዃኑ ከረጋግጽ እንከሎ፤ ወከልቲ ላዕለዋይ ኮሚሽን ግን ኣፍልጦ የብልናን ዝብል መግለጺ ኢዮም ሂቦም።

ኣብ ዝሓለፈ ለካቲት 2008 ሓንቲ ኣደ ምስ ክልተ ደቃ ካብ ግብጺ ናብ እስራኤል ክትሰግር እንከላ ብፖሊስ ግብጺ ብዝተተኰሰ ጥይት ከም እተቐትለት ዝዝከር ኢዩ።

ኣብ ዋሺንግተንን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያንን ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣብ ቅድሚ ኤምባሲ ግብጺ ሰላማዊ ሰልፊ ንምግባር ይሸባሸቡ ኣለዉ።

2.        መበል 12 ስሩዕ ኣኼባ ሃገራት ኢጋድ ተዛዚሙ

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ መበል 12 ስሩዕ ኣኼባ ኢጋድ ትማሊ ዕለት 15 ሰነ 2008 ተዛዚሙ። ኣብ’ዚ ኣኼባ’ዚ፡ ብዘይካ ኤርትራ ካልኦት ኵሎም መራሕቲ ኣባላት ሃገራት ኢጋድ ተሳቲፎም ነይሮም። ፕረሲደንት ጅቡቲ፡ እስማዒል ዑመር ገለ፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ መንጐ ኤርትራን ጅቡትን ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ዝተኻየደ ናይ ተዅሲ ልውውጥ ኣብ ዕጽው ኣኼባ ጸብጻብ ኣቕሪቡ። ሚኒስተር ወጻኢ ጕዳያት ጅቡቲ፡ መሓመድ ዓሊ ዩሱፍ ድማ፡ ክሳብ ቀረባ እዋን ምስ ኤርትራ ጽቡቕ ዝምድና ኢዩ ነይሩና፤ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ጅቡቲ ብሃንደበት መጥቃዕቲ ምፍጻማ ኣይተረድኣናን፤ ነቲ ጐንጺ ብሰላም ንምፍታሕ ዝገበርናዮ ኵሉ ጻዕርታት ኤርትራ ኣይተቐበለቶን ኢሉ። ኤርትራ ብዝኸፈተትልና ኵናት 12 ወተሃደራ ጅቡቲ ከምዝተቐትሉ ውን ሓቢሩ። ጕባኤኛታት፡ ነቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ጅቡቲ ዝኸፈተቶ ኵናት ኣውጊዞም። ከምኡ ውን፡ ኤርትራ ኣካል ናይ ኢጋድ ኰይና ክትቅጽል ጻዕርታት ክግበር ወሲኖም።

ኣኼበኛታት ንሶማልያ ኣመልኪቶም፡ እቲ ኵነታት ኣዝዩ ኣተሓሳሳቢ ምዃኑ ገሊጾም። 3.5 ሚልዮን ዝዀኑ ሶማልያውያን፡ ዳርጋ ፍርቂ’ቲ ህዝቢ ማለት ኢዩ፡ ንሓደጋ ናይ ጥሜት ተቃልዖም ከምዘለዉን ህጹጽ ረዲኤት ክግበረሎም ከምዝግባእን ኣረጋጊጾም።

ነቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ግጭት ኣመልኪቶም፡ እቲ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ክውዕል ጸዊዖም።

ሉይስ ሚሸል እተባህለ ተወካሊ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ናብ ኤርትራ ክበጽሕ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ። ሉይስ ሚሸል ኣብ ኣኼባ ሃገራት ኢጋድ ተረኺቡ፡ ኤርትራ ጅቡትን ናብ ውግእ ዘእቱ ምኽንያት ከምዘይብለን ድሕሪ ምግላጽ ንወጥርታተን ብሰላም ክፈትሓ ጸዊዑ። እዚ መልእኽቲ’ዚ ናብ ፕረሲደንት ጅቡቲ ከምዘብጽሖን፡ ኣብ ኤርትራ ምስ በጽሐ ድማ ተመሳሳሊ መልእኽቲ ናብ ፕረሲደንት ኢሳያስን ከመሓላልፍ ምዃኑን ሓቢሩ።

3.        ካብ ሰራዊት ሰሜንን ደቡብን ሱዳን ዝተዋጽአት 750 ዝኣባላታ ቦጦሎኒ ኣብ ኣብየይ ክትዋፈር ኢያ

 

ካብ ሰራዊት ደቡብን ሰሜንን ሱዳን ዝተዋጽአ 750 ኣባላት ዘለዉዋ ቦጦሎኒ ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ኣብ’ታ ንኽልቲኡ ሸነኻት እተስሓሕብ ዘላ ብነዳዲ ሃብታም ዝዀነት ከተማ ኣብየይ ክዋፈር ምዃኑ ተገሊጹ። ኣዛዚ ናይ’ታ ቦጦሎኒ ካብ ሰራዊት ደቡብ ምኽትሉ ድማ ካብ ሰሜን ክኸውን ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

 

እዛ ቦጦሎኒ እዚኣ፡ ነቲ ፕረሲደንት ዑመር በሺርን ናይ ድቡብ ሱዳን መንግስቲ መራሒ ሳልቫኬርን ዝኸተምዎ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ምውዓል ክኸውን ኢዩ። እቲ ስምምዕ፡ ነቲ ቦታ ምርግጋእን ተፈናቒሎም ዘለዉ ተቐማጦ ናይ’ታ ከተማ ናብ ቦታኦም ክምለሱን ምግባር ኢዩ። በቲ ውግእ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ዜጋታት ክፈናቐሉ ከለዉ፡ 60 ዝዀኑ ድማ ከምዝሞቱ ይፍለጥ።

 

እቲ ኣብየይ እጀታይ ኢያ ዝብል ኣብ መንጐ ሰሜንን ደቡብን ሱዳን ዘሎ ምስሕሓብ ብመንጐኝነት ክፍታሕ ኣብ ስምምምዕ ተበጺሑ ኣሎ።

 

ብኻልእ ሸነኽ፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ መንግስቲ ሱዳን ነቶም ገበን ኣብ ልዕሊ ተቐማጦ ዳርፉር ፈጺሞም ኢሎም ዝኸሰሱ ክልተ ሰበ-ስልጣን ንኣህጕራዊ ቤት ፍርዲ ከተረክቦም ብምሉእ ድምጺ ወሲኑ ከምዘሎ ተፈሊጡ ኣሎ።

 

4.     4.6 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ብሰንኪ ሕጽረት ዝናም ንሓደጋ ናይ ጥሜት ተቓሊዖም ኣለዉ

 

መንግስቲ ኢትዮጵያ 4.6 ሚልዮን ዝዀኑ ኢትዮጵያውያን ንሓደጋ ጥሜት ተሳጢሖም ከምዘለዉን 300 ሚልዮን ዶላር ዝኸውን ህጹጽ ረዲኤት ክግበረሎም ንኣህጕራዊ ማሕበረ-ሰብ ጻውዒት ኣቕሪባ ኣላ። ጠንቂ ናይ’ቲ ሓደጋ ድማ እቲ ኣብ ወርሓት መጋቢት ክሳብ ግንቦት ዝመጽእ ዝነበረ ናይ ኣዝመራ (በልግ) ዝናም ክርከብ ዘይምኽኣሉ ምዃኑ ዝፍለጥ ኢዩ።


Contact Us at:   webmaster@nharnet.com