|
ሓጎስን ትካዘን ሰሓቕን ጓህን
ዝተሓዋወሶ መገሻ
ሳልሳይ ክፋል
ክቡራት ኣንበብትና፡
ኣብ ካልኣይ ክፋል ክሳዕ መዛዘሚ
ጉባኤና (ዞባ ሰሜን ኣመሪካ) ኣብጼሕኩም ከም ዝነበርኩ ትዝክርዎ ትኾኑ። እምበኣር እቲ ኮንፈረንስ ዕለት ሰነ ሓደ
ንጉሆ ቅድሚ ምጅማሩ እታ ነቲ ናይ ኮንፈረንስ ኣጀንዳ እትሰርዕን ነቲ ኮንፈረንስ እርመርሕን ኣካል ናይ ኮምስዮን
ምቛም ሰልፊ ተመያይጣ መደባታ ሰርዐት። ካብ መጀመርትኡ እቲ ኮንፈረንስ ሕጹያትን ግዱሳት ዘይሕጹያት ባእታትን
ጉጅለታት ዘሳትፍ ምዃኑ ካብቲ ዝወጸ ህዝባዊ ምልክታ ብሩህ እዩ ነይሩ። እምበኣር ዝተፈላለየ ተሞክሮ ዘለዎም ኣካላት
ካብ ሃለዉ እታ ሽማግለ ነታ ኣብ ግዜ ፈደረሽን ፓርላማ ኤርትራ ዘጽደቓ ሰማያዊት ባንዴራን ነታ ዲክታቶር ኢሳያስ
ብዘይ ገለ ርእይቶ ሃገራዊት ክትከውን ዝወሰና ሓዳስ ባንዴራን ማዕረ ከተቕርበን ወሰነት። እዚ ኸኣ ኣገባብ
ኣመጻጽኣ ናይታ ሓዳስ ሰንደቕ ዕላማ ዘይዴሞክራስያዊ ይኹን እምበር ኣብ ትሕቲኣ ህይውቶም ዝሃቡ ብዙሓት ምዃኖም
ርዱእ እዩ። እታ ሰማያዊት ኸኣ ኣብ መዋእለ ቃልሲ ኣብ ትሕቲኣ ዝተኸፍለ መስዋእቲ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ።
ብዘይዴሞክራስያዊ ኣገባብ ብዘይ ድምጺ ህዝቢ ከምእተቐየረትን እውን ዘካትዕ ኣይኮነን። ብዙሕ ህዝቢ ድማ ከም
ሰንደቕ ዕላማ ነዛ ሓዳስ ተቐቢልዋ ይኸይድ። ስለዚ ነቶም ብኣየነይቲ ባንዴራ ብምንብልባል ብዘየገድስ ህይወቶም
ዘሕለፉ ኣኽብሮትን ነቶም ኣብ ውድብ ዘይጸንሑ ሕጹያት ርእይቶ ንምምቕባልን ተባሂሉ እዩ። ብመሰረቱ ኸኣ ነቲ
“ሕቡራት መንግስታት ዝተኾበልና እያ” ዝብል ናይ ህግደፍ ሓሶት እንዳወቓዕና ኣብ ዴሞክራስያዊ ለውጢ ንእመንን
ንተሓባበርን እንበር ደሓር ህዝቢ ብዴሞክራስያዊ ኣገባብ ወካሊቱ ካብተን ዘለዋ ይኹን ካልእ ሓዳስ ክመርጽ መሰሉ
እዩ።
ብድሕሪ እዚ ተሳተፍቲ ኮንፈረንስ
ቦትኦም ምስ ሓዙ ዶር. ገብረመስቀል ም/ኣቦ መንበር ሰክረታርያ ኮሚስዮን ነቲ ሰውራዊ ባይቶ ዝወሰዶ ተባዕ ስጉምቲ
ብምምጓስ ነቲ ለውጢ ዝምልከት እዋናውን መሰረታውን ዝኾነ መኽፈቲ ቃል ሃበ። ኣብ መደርኡ መስረታዊ ዕላማ ናይቲ
ሰልፊ ብሓጺርን ንጹርን ብምቕራብ መሰረታውያን ረቛሒታት ኣብርሀ።
ብድሕሪ እዚ ሓው ባይሩ ስዩም ብዛዕባ
ኣገባብ ኣመራርሓን ኣካያይዳን ግብኣተ ጉባኤ መደረ ኣቕረበ። እዚ መደረ እዚ ኣብ መጻኤ ሰልፊ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ
ኩሉ ውድባት፣ ሰልፍታት፣ ሲፊካዊ ማሕበራት ይኹን ኩሉ ኣኼባ ዘድልዮ ይዕበ ይንኣስ ኣካላትን መጻኢ መንግስቲ ብጣዕሚ
ጠቓምን ተደላዪን ኣስትምህሮ ሓዘል መደረ እዩ ነይሩ።
ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ነቲ መደረ
ናይ ሓውና ባይሩ ፍቓድ ድሕሪ ምርካብ ኣብ ንሓርነት ከነውጽኦ ምዃና ንሕብር።
ብድሕሪ’ዚ መድረኽ ንብጻይና ኣማኒኤል
ሓላፊ ስርርዕ ኣብ ሰክረታርያ ኮምስዮን ዕርቂ ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብና ብሓፈሽኡ ንምትግባር ክግበር ዝግበኦ ነገራትን
ኣብ ዝቐውም ሰልፊ ክተሓዝ ዘለዎ ፖሊስን ኣገባብን ብብሩህ ኣቐመጠ። ዕርቂ ኣብ ውድባትን ሰልፊታትን ጥራሕ
ዘይኮነስ ኣብ መንጎ እቲ ሻዕብያን ጀብሃን ዝብልን ኣብ መንጎ ጸኒሕን ሓዱሽ መንእሰይ ወለዶን ኣብ መንጎ ኤትኒካውን
ካልእ ኣካላት ህዝብናን መደብ ክወጾ ከምዘለዎ ኣገንዘበ።
ካብዚ ቀጺሉ መንእሰይ ዮውሃንስ
ንመድረኽ ብምቕባል ብቐጣታ ነቲ ዝረኣዮ ጭርሖታት ብምምልካት መብዝሕትኡ ክትግበር ዘለዎ ነገራት ዳርጋ ይርኢ
ምህላዉን እቲ ክዛረቦ ዝደለየ እንተኾነ እውን ድሮ ተባሂሉ ከም ዘሎ ድሕሪ ምሕባር ብፍላይ እቲ ናይ ዕርቂ መንፈስ
ኣብ መንጎ እቲ መንእሰይን እቲ ናይ ግዜ ሰውራ ተጋዳላይን ፍልልይ ከምዘሎ እሞ ዕርቂ ከምዘድልዮ ኣገንዘበ። እቲ
መንእሰይ እዚኦም ኣተሓሳስብኦም እታ ናይ ሜዳ ዝኣረገት እያ። ስልጣን እውን ከረክቡ ኣይደልዩን እዮም ንብለኩም።
ንስኻትኩም ኸኣ እዚ ወለዶ እዚ ተበላጺ እዩ። ናይ ነብሱ እምበር ናይ ሃገር ኣይግድሶሙን እዩ ትብሉና ብማለት ነቲ
ፍልልይ ኣነጸሮ። ግን እቲ መንእሰይ ንሱ ዘሕልፎ ዘሎ ፍሉይ ተሞክሮን ፍሉይ ኣረኣእያን ከም ዘለዎ ክዝንጋዕ የብሉን
በለ። ድሕሪ ሕጂ ግን ኣነ ምስ ካልኦት ኮና ናይዚ ክልተ ወለዶታት እዚ መራኸቢ ድንድል ክንከውን ተስፋ እገብር።
ምሳኻትኩም ኣለኹ ኣጆኹም ብማለት ደምድሞ ንዝቐረበሉ ሕቶታት እውን መልሲ ሃበ።
ብድሕሪ እዚ ብጻይና ላይነ ካሕሳይ
ኣባል ሰልፊ ምቛም ኮምስዮን እንታይ ዝመስል/ዝዓይነቱ ሰልፊ ኢና እነቕውም ዝብል ኣርእስቲ መደረ ኣቕረበ። ላይነ
ነቲ ስነሓሳባውን ኣመራርሓ ናይቲ ሰልፊን ዝተፈላለዩ ኣካላት ሕብረተሰብና መሰል ንምሕላው ክተሓዝ ዘለዎ መርሖን
ፖሊስን ብንጹር ኣቐመጠ። ኣብቲ ኣብዛሓ ሰልፊ ዝሕመረቱ ስርዓት ጉዳይ ኢትኒካዊ ጉጅለታት ሕብረተሰብና፣ደቀንስትዮን
መንእስይን ንምስታፍን መሰሎም ንምሕላውን ክተሓዝ ዘለዎ ኣገባብ ኣብረሀ።
ብድሕሪ እዚ ብጻይ ቴድሮስ ኣብ
ምስግጋር ሰልፊ ዘጋጥሙ ብድሆታት ዘርእስቱ ብዙሓት ኣርእስተ ነጥብታት ዝሓዘ መደብ ኣቕረበ። እቲ መደረ ሕጂ ኣብ
ሰውራዊ ባይቶ ዘለዉ እሞ ክእረሙ ዘለዎም እውን ዘጠቓለለ ነበረ። እቲ ኣርእስታት ናይ ቀረባን ርሑቕን ብድሆታት
ብምኽፋል እቲ ዝቐውም ሰልፊ ህዝባዊ ክኸውን ስለዝኾነ እቶም ብድሆታት መፍትሒ ምርካብ ይኹን ምግጣሞም ምስ ህዝብና
እዩ ስለዚ ይሓይሽ ዝብሃል ካብ ህዝብና ክንቅበልን ክንሰምዕን ድሉዋት ኢና በለ። ኣብቲ ዝርዝር ዞናዊ
ኣተሃላልዋና፣ዓለም ለኸ ኣመላኻኽታና፣ኣገባብ ኣቀላልሳና፣ናይ ኮንስቱትሽን ሕቶ ብምሉኡ ዘርዘረ። ኣብቲ ናይ ዜናን
ፕሮፖጋንዳን መዳይ ኸኣ እቲ ዝቐውም ሰልፊ ህዝብና ብሓፈሽኡ መንእሰይን ክሰምዖ ብዝኽእል ቋንቋ ክቕየር ከምዘለዎ
ኣገንዘበ። ናይ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ትንተናዊ ቋንቋ እንዳተጠቐምካ ንህግደፍ ምምካት ኣይከኣልን እዩ ብማለት ለውጢ
ከምዘድሊ ኣገንዘበ። እቲ ተቓዋማይ ሓይሊ ካብ ናይ ነንድሓዱ ጉጅም ተላቒቑን ካብ ናይ ምቾት ቦትኡ ወጺኡ ኣብቲ
ሕብረተሰብና ዝሳተፈሉ መዳይ ብምሉኡ ክሳተፍ ከም ዝግባእ እውን ኣብረሀ።
ድሕሪ እዚ ናይ ሕቶን ርእይቶን መደብ
ኮይኑ ብፍላይ ሕጹያት ሰልፊ ዘይኮኑ ቀዳምነት ብምሃብ መድረኽ ተኸፍተ። ኣብዚ ንኹሎም እቶ ዝሓተቱን ርእይቶ ዝሃቡን
ነጥብታቶም ኣይዝክሮን እየ እሞ እቕረታ እሓትት። ብዝኾነ ግን እቲ ዝዝከረኒ ነጥብታት ካብ ዶክቶር ግርማይ ነጋሽ
ዝቐረበ ነቲ ጭርሖታት ብምንኣድ እቲ ናይ ጀብሃን ሻዕብያን ዘበን ከብቅዕ ብምጥቃስ ጽቡቕ ኣገባብ ሒዝኩም ኣለኹም
ኢሉ ብምትብባዕ ምሳኻትኩም ኣለኹ በለ። ብድሕሪኡ ዶክቶር ኣንገሶም ገለ ኣብ ግምት ክኣቱ ዘለዎ ነጥብታት ብምሕባር
ንኣኸቤኛ በቲ ወትሩ ብሩህ ኣቀራርብኡ ንኮንፈረንስ ኣቕረበ።
ካብዚ ብምቕጻል ብጻይ ተኽለ ዲኒ ናቱ
ትዕዝብቲ ምስ ኣኼበኛታት ብሕጽር ዝበለን ንጹርን ኣገባብ ንኣኼበኛታት ኣዋስአ። ብምቕጻል ብጻይ ጎይቶኦም ኢማም
እዚ ሕጂ ተታሒዙ ዘሎ ኩሉ ዝሳተፎ ሰልፊ ነቲ ተወዲብካ ናይ ምቅላስ ኣቐሚጥዎ ዝጸንሕ ክማላእ ኣለዎ ዘለዎ ነጥብታት
ስለዝመለሸሉ ሕጹይ ከምዝኾነ ገለጸ። ገለ ኣገድስቲ ዝበሎም ኣብቲ መደብ ኣትኩሮ ክግበረሎም ዘለዎም ነጥብታት
ኣነጸረ።
ካልኦት እውን ንሲቪካዊ ማሕበራት
ወኪሎም ዝተሳተፉ ከም ብጾት ኤልሳ መስፍንን ኣፈወርቅን ዘለዎም ትዕዝብትን ሓሳብን ኣቕረቡ። ብድሕሪ እዚ ዘሎ
ሕቶታትን መልስን ተዛዚሙ እቶም ኣጋይሽ ነቲ መካየዲ ጉባኤ ሰልፊ ዝኸውን ወፈያ ድሕሪ ምልጋስ ናይ ስዉኣት ዝኽሪ
ብምግባር ኮንፈረንስ ተዓጽወ። እቲ ምሸት እቲ እውን ጨንፈር ኢንድያና ዘዳለወቶ ግብጃ ስለዝነበረ ኣኼበኛ ናብኡ
ኣምርሐ። እቶም ካብ ዲሲን ከባቢኣን ዝኸድና ግና ንጽባሒቱ ስራሕ ዝኣትዉ ስለዝነበሩና መንገድና ኣምራሕና።
መንገዲ ምምላስና ከምቲ ምኻድና ጸወታን
ሰሓቕን ዝመልኦ ነበረ። ቍሩብ መንገድና ጅምር ምስ ኣበልና ኸኣ ሃየ በሉ ጉባኤና ይኹን ኮንፈረንስ ከመይ ከም
ዝሓለፈ ሚዛና ነስፍር በልና። ምዃን እቲ ዘምጻኣና ጉዳይ ዕዉት ከምዝነበረ ከምቲ ከመይ ኣለኻ ኣይትበሎ ኣብ ገጹ
ረኣዮ ዝብሃል ኣይኮነንዶ ዝወዓልናስ ዝኾነ ሰብ ገጽና ርእዩ ከንብቦ ዝኽእል ጉዳይ እዩ ነይሩ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ
ካብ ቤተሰብ ይኹን ወኪሎም ዝሰደዱ ብጾት ከመይ ኬድኩም ዝብል ይሕተት ስለዝነበረ ኣብ ሰል ፎን ጽን ብማለት ኩሉ
ሰብ ሞራሉ ላዕሊ ከምዝነበረ ንጹር ነበረ።
ብዝኾነ
ግን በብሓደ ርእይቶና ክንህብ ምስ ጀመርና ካብቲ ዝተጸበናዮ ንላዕሊ ከም ዝነበረን እቲ ኣባል ዝጸንሐ ንለውጢ ድልዊ
ከምዘሎን እቲ ሓዱሽ ሕጹይ እውን ማዕረ ክንደይ ነቲ መደብ ይቕበሎ ከምዘሎን መዝንና። ኣካይይዳ ኮንፈረንስ ዘዕግብ
ምንባሩን መደረ ዘቕርቡ ጥራይ ዘይኮነስ ካብቲ ኣኼብኛ ዝቐረበ ርእይቶታት ነቲ ኮንፈረንስ ከምዘሃብቶሞን ገለጽና።
ምስ ተመለስና ናይ ጉባኤ መደባት ምፍላጥን ወከልቲ ምምራጽን …ወ.ዘ.ተ. ተረዳዳእና። ድሕሪ ጉባኤ ድማ ናብ
ህዝብናን ዓለም በቲ ዝወጽእ ሓዱሽ መርሆን መንፈስን ክንቀርብን ክንጽዕርን ከምዘድሊ ተረዳዳእና። ክይድ ሓዲርና
ንጉሆ ሰዓት ሽዱሽተን ፈረቓን ኣቲና እንዳ ሓደ ብጻይ ሻሂና ሰቲና ተፈላለና። |