Nharnet Articles/Opinions

     

   

ሰሙናዊ ዜና

1.     ሱዳን፡-

 

መንግስቲ ሱዳን ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ናይ ኵለን ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ኣብያተ-ጽሕፈት ኣብ ሱዳን ክዕጾን፤ ንተቓወምቲ ውድባት ተዋሂበን ዝነበራ መኻይን ክምለሳን ወሲኑ። ነዚ ውሳኔ’ዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል፡ ናይ’ታ ሃገር ናይ ጸጥታ ትካላት ድሮ ክንቀሳቐሱ ጀሚሮም ከምዘለዉ ድማ ተፈሊጡ። መንግስቲ ሱዳንን መንግስቲ ኤርትራን ናይ ክልቲኡ ሃገራት ተቓወምቲ ንጥፈታት ኣብ ሃሃገረን ከየፍቅዳ ኣብ ስምምዕ ከም እተበጽሐ ይንገር።

 

2.     ጅቡቲ፡-

 

ኣብ ጅቡቲ ኣብ መንጐ መሰጋገሪ መንግስትን ኣብ መንጐ’ቲ ብሸኽ ሸሪፍ ሸኽ ኣሕመድ ዝምራሕ ክንፊ ናይ ምሕዝነት ዳግመ-ምሕራር ሶማልን ክካየድ ዝጸንሐ ልዝብ ኵሉ ክፍልታትን ፖለቲካዊ ሓይልታትን ዝሳተፎ መንግስቲ ክምስረት ኣድላዪነት ዕዙዝ ምዃኑ ኣብ ብስምምዕ ተዛዚሙ። ብመሰረት’ቲ ስምምዕ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ 120 መዓልታት ወይ ሰለስተ ኣዋርሕ ካብ ሶማል ክወጽእ። ናይ ሕቡራት ሃገራት ሰራዊት ድማ ነቲ ናይ ኢትዮጵያ ሰራዊት ክትክኦ ዝብል ኢዩ። እቲ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሩ ብሓሰን ዓዌስ ዝምራሕ ክንፊ ምሕዝነት ዳግመ-ምሕራር ሶማል ግን፡ ነቲ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ከምዘይቅበሎን፤ ነቶም ኣብ’ቲ ልዝብ ዝነበሩ ሸነኻት ከም ወከልቲ ናይ ህዝቢ ሶማል ከምዘይፈልጦምን ገሊጹ።

 

3.     ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 5 ሃገራት ኣፍሪቃ ዑደት ኣካይዱ፡-

 

ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጅቡቲ፡ ሱዳን፡ ዚምባብወ፡ ኣይቮሪ ኮስትን ዲሞክራስያዊ ሪፓብሊክ ኮንጎን ዑደት ኣካይዱ። ኣብ ጅቡቲ ምስ ወከልቲ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማልን ወከልቲ ናይ’ቲ ብሸኽ ሸሪፍ ዝምራሕ ክንፊ ምሕዝነት ዳገመ-ምሕራር ሶማል እተባህለ ተቓዋሚ ውድብን ተራኺቡ ተዘራሪቡ። ኣብ ሱዳን ምስ መንግስትን ተቓወምቲ ውድባት ዳርፉርን፤ ከምኡ ውን፡ ምስ ወከልቲ መንግስቲ ሱዳንን ብህዝባዊ ምንቅስቓስ ደቡብ ሱዳን ዝምራሕ መንግስቲ ደቡብን፡ ብዛዕባ ኣብ ዳርፉርን ኣብየይን ዘሎ ወጥርታትን፤ ከምኡ ውን፡ ኣብ መንጐ ሰሜንን ደቡብን ሱዳን ዝተበጽሐ ስምምዕን ተዘራሪቡ። ነዚ ሽግራት’ዚ ንምፍታሕ ናይ ኣይቮሪ ኮስት ተመኵሮ ከም ኣርኣያ ክጥቀምሉ ድማ ተማሕጺኑ።

 

4.     ዚምባብወ፡-

 

መንግስቲ ዚምባብወ፡ ንደገፍቲ መቐናቕንቲ ናይ ፕረሲደንት ሮበርት ሙጋበ ዝዀኑ ዜጋታት ይቐትልን ይኣስርን ከምዘሎ ተገሊጹ። ኣብ ዝሓለፋ ሳምንታት ጥራሕ 36 ዝዀኑ ደገፍቲ ናይ’ቲ ብሽፍንግራይ ዝምራሕ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝተባህለ ተቓዋሚ ውድብ ከምዝተቐትሉን ካብ 2000 ዘይውሕዱ ድማ ከምዝቘስሉን ተሓቢሩ። ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ናይ ወጻኢ ናይ ረዲኤት ትካላትን ዘይመንግስታዊ ማሕበራትን ናይ ምዕራብ ኤምባሲታትን ምስ ተቓዋሚ ውድብ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ብምውህሃድ ካብ ስልጣነይ ክዓልውኒ ውዲታት ይፍሕሱ ኣለዉ ዝብል ክስታት ብመንግስቲ ዚምባብወ ክስንዘር ተሰሚዑ። ካብ’ዚ ብምብጋስ፡ ነዞም ኣካላት እዚኣቶም ካብ ሃራረ፡ ርእሰ-ከተማ ዚምባብወ 30 ኪሚ ዝርሕቕ ከይንቀሳቐሱ ዝእግድ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ ምህላዉ ተፈሊጡ። መንግስቲ ኤርትራ ውን ተመሳሳሊ እገዳ ኣብ ልዕሊ ናይ ረዲኤት ማሕበራት፡ ዘይመንግስታዊ ትካላትን ኤምባሲታትን ገይሩ ምንባሩ ዝዝከር ኢዩ።

 


DISCLAIMER:  The author/s  contributed  for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents


 

Contact Us at:   webmaster@nharnet.com