ዝኽሪ ሰማእታት ኤርትራ

 

ብ20 ግንቦት 2009 ዝኽሪ ሰማእታት ኤርትራ ተኸቢሩ ውዒሉ፤ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ባሕቲ ታሕሳስ ውን ብሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ ዝኽበር ዝኽሪ ሰማእታት ኤርትራ ክህልወና ኢዩ። ካልኦት ውድባት ውን፡ ንዝኽሪ ሰማእታቶም ዘኽብር ዕለታት ኣለዎምን ነይርዎምን ኢዩ። ኵሎም ምእንቲ ናጽነት፡ ራህዋን ፍትሕን ናይ ህዝቦም ክብሉ ንህይወቶም በጃ ዝገበሩ ስውኣት ኢዮም። ኵሎም ከኣ፡ ከም ሰማእታትና ክዝከሩን ክኽበሩን ይግባእ። ኣብ’ዛ ዕለት’ዚኣ ወይ ኣብ’ታ ዕለት’ቲኣ፡ በዚ ወይ በቲ ውድብ፡ ዝዝከሩ ጥራሕ ኢዮም ሰማእታት ናይ ኤርትራ ዝብል ኣረዳድኣ፡ ናይ ዝሓለፈ ግዜ ብሉይ ኣተሓሳስባን እምነትን ኢዩ። ኣብ ሰማእታትካ ሌላን ጕሌላን ምግባር፡ ብዘይካ ነቶም ንህዝቢ ከፋፊሎም ዕምሪ ስልጣኖም ከናውሑ ዝደልዩ ጨቈንትን ገዛእትን ጕጅለታትን ውልቀ-መለኽትን ንኻልእ ዘገልግል ኣይኰነን። ኣብ ኤርትራን ስልጣን ጨቢጡ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ጕጅለ ኢሳያስ፡ ንኤርትራ ንሕና ኢና ናጻ ኣውጺእናያ፡ ንሕና ጥራሕ ኢና ተሰዊእናልና እናበለ ክጅሃር፣ ንሰማእታትና፡ ሓርበኛታትን ዘይሓበርኛታት እናበለ ክገዛዝዕ፣ ንገለ ስድራ ቤት ስዉኣት ቍሩብ ቍራቦ ደበስ ክኽፈል፡ ንገሊኡ ከኣ ውላድካ/ኪ ስውእ ኣይኰነን/ትን ኢሉ ክኸልእ ተራእዩ ኢዩ። እዚ ጥራሕ ውን ኣይኰነን፡ ኣቦ ወይ ኣደ ስዉእ ስለዝሞተ/ት፡ ምሉእ ካሕሳ ኣይግባኣኩምን ኢዩ እናበለ ነተን ዝህቦም ቍሩብ ቍራቦ ክጨራርም፣ ተመሊሱ ከኣ፡ ደቅኹም ኮብሊሎም ወይ ስግረ ዶብ ከይዶም ብዝብል ምስምስ፡ ንደቆም ዝተሰዉእዎምን ዘይተሰዉእዎምን ስድራ ቤታት 50,000 ናቕፋ መቕጻዕቲ ከኽፍልን ክኣስርን ይርአ ኣሎ። 10,000 ናቕፋ ካሕሳ ከፊሉ፡ 50,000 ናቕፋ ዝወስድ ጕዳም መንግስቲ ኢዩ!!!

 

ሰማእታትና ዝድበሱ፡ እቲ ዝተሰዉእሉ ናይ ናጽነት፡ ፍትሒ፡ ሰላምን ራህዋን ዕላማታት ክዉን ብምግባር ጥራሕ ኢዩ። ሞሳን ሞያን ሰማእታትና ብምምሕያሽ መነባብሮ ህዝብን ምኽባር ሰብኣዊ መሰላቱን ጥራሕ ደኣ’ምበር ብኻልእ ኣይግለጽን ኢዩ። ንስልጣንካን ዝናኻን ክትብል ንህዝቢ ኣብ ትርጕም ዘይብሉ ውግኣት ነቚትካ፡ ኣደዳ ሞት፡ ስንክልናን ምፍንቃልን ከምዝኸውን ምግባር፣ ንኣፍራዪ ዓቕሚ መንእሰያትና ኣብ ድፋዓት ናይ ውግእ ጸሚድካ ኣይ መርዓ ኣይደርዓ፡ ኣይ ስራሕ ኣይ ትምህርቲ ገርካ ዕሸል ዕድሚኦም ብኸንቱ ምብኻን፣ ንድኽነትን ጥሜትን ከም መሳርሒ ተጠቒምካ ዕድመ ስልጣንካ ምንዋሕ፣ ተመሊስካ፡ ከተምስል ብስም ሰማእታት ንብዓት ሓርገጽ ምፍሳስ ክልተ ዘይሳነን ፋይዳ ዘይብሉን ተግባር ኢዩ። ንህዝቢ ጨቚንካ፡ ኣጥሚኻን መሰላቱ ገፊፍካን፣ ንመንእሰያትና ንባርነት፡ ንሞትን ስደትን ዳሪግካ፡ ብስም ሰማእታትና ምምሓልን ምጥሓልን ደጊም ይኣክል። ከም’ቲ ኣደ ሓደ ስዉእ “ደቅና ንናጽነት ክብሉ ስለዝተሰዉኡ ኣይንበኽየሎምን ኢና፤ እቲ ዝተሰውኡሉ ዕላማ ናይ ናጽነት፡ ሰላምን ራህዋን እንተዘይተረጋጊጹ ግን፡ ሽዑ ኢና ንበኽየሎም” ዝበልኦ፡ ኤርትራ ናይ ሎሚ፡ ህዝባ ብሰላም ክነብረላ ናብ ዘይክእል ግሃነም እሳት ወይ ዓባይ ቤት ማእሰርቲ ተቐይራ ስለዘላ፡ ህዝቢ ኤርትራ ድማ፡ ነዚ ዲና ንሕናን ደቅናን ተሰዊእና እናበለ ክበክን ከማርርን ንዘፍቅራ ሃገሩ ገዲፉ ናብ እግሩ ዝመርሖ ክስደድን ይርአ ኣሎ።

 

እዚ መርኣያ ናይ ቃልስን ጽንዓትን ኣብ ኣህጕርና ዝዀነ ህዝብን፣ እዛ ዓዲ ኣማእት ኣሽሓት ስዉኣትን ስንኩላትን ዝዀነት ሃገርን መዐንደሪ ስሱዓትን ጨቈንትን፡ መስሓቕን መላገጽን ሸራፋትን ክትከውን ኣይነፍቅድን ኢና። ደምና፡ ከም ደም ኤሳው ወይ ከም ደም ከልቢ ንኸንቱ ፈሲሱ ኣይተርፍን ኢዩ። ሰማእታትና ዝወደቕሉ ዕላማታት ሰላም፡ ፍትሒ፡ ራህዋን ዲሞክራስን ክሳብ ዝረጋገጽ ቃልስና ቀጻሊ ኢዩ። እቶም ኢሳያስ እንተዘየለ ሃገርና ክትበታተን ኢያ ዝብሉና ይኹኑ፤ እቶም ንሓድነት ከይሰርሑን ምእንቲ ሓድነት ዋጋ ከይከፈሉን፡ ንኤርትራ ብሕልምታቶም ከጋጣጥምዋን ክፈናጥሕዋን ዝሓድሩ ከም ብዓል ዓሊ ሳልም ዝተባህሉ ጽሓፍቲ ናይ ዓዋተ.ኮም ዝሓፍሩላ ዕለት ድማ ክትመጽእ ኢያ።

 

 

 


Contact Us at:   webmaster@nharnet.com