Nharnet Articles/Opinions

     

   

        ድሕሪ ብዓል ናጽነትን ዝኽሪ ሰማእታትንከ እንታዩ ክስዕብ ኢና ንጽበ ዘሎና?

 መልስናኸ እንታዩ ክኸውን?

 

 ሎሚ ቅነ ዝኽሪ ሰማእታትና ኣብ ነብዕለሉ ዝነበርና መዓልትታት ንዜና ዓለም ዓብሊልዎ ዝቐነየ ኩነታት ምርጫ ሃገረ ኢራንን ውጺኢቱን ነታ ሃገር ኣናዊጽዋ ዝቐነየ ሰለማዊ ሰልፍን ብዓመጽ ናይቲ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ሓለዋን ብሃይማኖታዊ  መራሒኦም ዝተዋህበ ፍጹም ትእዛዝ ንማዕበል ሓፋሽ ህዝቢ ኢራን ንምብርዓኑን ዝካየድ ዘሎ መላኺ ትእዛዝን ኣብያ ናይ ደላይ ለውጢ ህዝብን ዝካየድ ዘሎ ጥምጥምን፡፡ ሞት ናይ ንጉስ ሙዚቃ ዝብል ቅጽል ስም ዘለዎ ሚካኤል ጃክሰንን ኮይኑ ንዓና ንኤርትራውያን እውን  እቲ ብተባዓት ዜጋታት ኣብ ዋሽንግተን ዲ.ሲ ዝተገብረ ሰላማዊ ሰልፍን ኮይኑ ቀንዩ፡፡

 

               ንላዘብ ዶ ኣሎና ንመኻኸር

          

                ንሰምር ዶ ኣሎና ንትሓናገር

               ኣተሓሳስባና እንትሃብቲሙ

               ወዮ ድኽነትና ሽዑ ኢዩ ኣኽቲሙ!!!! ድምጻዊ መንእሰይ ኣብርሃም ኣፈወርቂ፡፡

 

 

ህዝቢ ኤርትራ ከም ኩሎም ህዝብታት እዛ ንነብረላ ፕላኔት መንነቱ ንምኽባርን ሃገሩ ባዕሉ ንኸመሓድርን መሪር ቃልሲ ኣካይዱ ረዚን መስዋእቲ ብምኽፋል ብ1991 መሬቱ ናጻ ጌሩ። ብ1993 ድማ ነቲ ብመስዋእቱ ዝጨበጦ ዓወት ብፖለቲካዊ መዳይ እውን ኣብ ቅድሚ ማሕበረሰብ ዓለም ረፈረንድም ብምክያድ ናጽነቱ ኣረጋጊጹ ሰንደቕ ዓለማኡ ምስ ናይ ካልኦት ሃገራት ኣንበልቢላ ኣባል መንግስታት ዓለም`ውን ኮይኑ።

 

ናብዚ ንምብጻሕ ዝተኸደ ጉዕዞ ናብዚ ንምብጻሕ ዝፈሰሰ መስዋእቲ ናብዚ ንምብጻሕ ዝተደየበ ዓቐበት ናብዚ ንምብጻሕ ዝተወርደ ቁልቁለት በብሰከንዱን ደቒቁን ሰዓቱን መዓልቱን ሳልስቱን ሰሙናቱኡን ኣዋርሑን ተሰኒዱ እንተዝኸውን ቅያ ዝኾነ ጽሑፋት መንበብና ኔርና። ምሩጻት ፊልምታት ከም ታሪኻዊ ፍጻሜ ምተሰርሕሉ ኔሮም፡፡

 

ኣብ በረኻታትን ዓድታትን ከተማታትን ብኤርትራውያን ዜጋታት ዝተፈጸሙ ፍጻሜታትን ቃልሲታትን ብዙሓት ኢዮም፡፡ እዞም ፍጻሜታት ብግቡእ ተሰኒዶም ንመጻኢ ወለዶ ከነሳግሮም ዘይምኽኣልና ሓዲሽ ወለዶና ታሪኽ ኣቦታቱን ኣያታቱን ኣይፈልጥን ኣሎ ጥራይ ዘይኮነስ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ቬትናም ታሪኽ ቃልስታት ካልኦት ሃገራት ምንባብ ይመርጽ። ብብዝሒ ተጻሒፎም ስለ ዘለው። ብዓይኒ ሓቂ ግን ህዝቢ ኤርትራ ዘካይዶ ቃልሲ ካብ ናይ ህዝቢ ቤትናም ዝንእስ ኣይኮነን።

 

ኩሉ ጎቦታትን ስንጭሮታትን ገጠራትን ከተማታትን ሃገርና ኣብ ከርሱ ዝዓቆሮ ብዙሕ ሚስጥራትን ታሪኽን ኣለዎ፡፡ ነዚ ሚስጥራት እዚ ፈትሽኻ ምስናዱ ዕንቅፋታት እኳ ዘጋጥም እንተኾነን ብግቡእ ንምዕቃቡ እውን ዝፈርሑን ኣብ ኮረሻ ስልጣን ዝሓኾሩ ውልቀ-ባእታታት ስለ ዘለው ኣጸጋሚ ኮይኑ ይርከብ ኣሎ፡፡

 

   እዞም ናይ ታሪኽ ሓደጋ ዝኾኑ ባእታታት ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከምናይ በይኖም ጌሮም ብምውናን ንበይኖም ሰራሕቲ ታሪኽን ቅያን ኮይኖም ብምቅራብ ብጌዜ ዝፈቐደሎምን ብጎራሕ ቶንኮላቶምን ተጠቒሞም ንኣጸቢቖም ዘይፈልጥዎምን ኣብ ጊዜ ርሱን ቃልሲ ኣብ ስደትን ውልቃዊ ናብሮኦም ምጥጣሕ ዝነበሩ ከገልግልዎም ዝኽእሉ መሪጾም ኣብ ጎድኖም ብምስላፍን የሽጋዕልሉ ኣለው፡፡ንሳቶም ንባዕሎም ኣብቲ ርሱን ናይ ቃልሲ እዋን ብማዕዶን ብርህቀትን ኮይኖም ዝዕዘቡን ንኣሊ ኔርናን በሃልቲ ኢዮም፡፡ መመሊሱ ይረጋገጽ ከምዘሎ እውን ኣብቲ በዳሂ እዋን ኣብ ሜዳ ከምዘይነበሩን ኣብ እዋን ናጽነት እውን ኣብ ሎንዶን ከምዝነበሩን ናይ ኣዳባባይ ሚስጢር ጽኒሑ ሕጂ ይጋለጽ ኣሎ፡፡

 

 ኣብ ግንቦት 24 መበል 18 ዓመት መሬታዊ ናጽነት ሃገርና ጸንቢልና፡። ኣብቲ ቅነ እቲ ብዙሕ ሳዕሲዒትን ዳንኬራን ቀንዩ፡፡ እቲ በዓልን ፌስታን ኣብ ቦታኡን ግቡእን ኮይኑ ምሉእ ኔሩ ንምባል ግን ዝከኣል ኣይኮነን፡፡ እቲ ምኽንያታት ብዙሕ ኮይኑ እቲ ብንጹር ክትኮረሉ ዝግባኦ ግን ን18 ዓመታት ዝኣክል ብጊዝያዊ መንግስትን ብዘይ ቅዋምን ባይቶን ሓጋጊ ኣካልን ፈራዲ ኣካልን ብዊንታ ቅልጽሙ ዘሕበጠ ሓደ ሰብ ትምራሕ ሰለ ዘላ ሃገር፡፡

 

 ሰነ 20 እውን መዓልቲ ሰማእታት ጸንቢልና ንሰማእታትና ሽምዓ ብምብራህ ክንዝክሮም ውዒልና ሓቀይና ንብዓትን ንብዓት ሓርገጽን እውን ከካብ ወገኑ ተነቢዑሎም ውዒሉ፡፡ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ንዝገደለ መሰል ህዝቦምን ሃገሮምን ንህዝቢ ዓለም ብምስማዕ ዝተገብረ ሰለማዊ ሰልፊ ሓደ ነብሱ ዝኸኣለ ጽቡቕ ተበግሶ ስለ ዝነበረ ክዝከር ዝግብኦ ታሪኻዊ ፍጻሜ ኢዩ፡፡

 

              ብድሕሪ`ዚኸ እንታይ ክስዕብዩ?

 

 እቲ ደድሕሪ እዘን ዕለታት ዝስዕብ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ህዝቢ ኣታሊልካ ፈስቲቫላት ኣዳሊኻ ዝጎደለ ጁባኻ ንምምላእ ጉጅለ ባህሊ ንወጻኢ ምውፋር ኢዩ፡፡ እዚ ዓመት ዓመት ዝደጋገም ምድንጋር እዚ መዓስ ኢና ንርድኦ?

 

  ነዚ መታን ክንርድኦ እስከ ነዛ ዜማ ናይ ኣብ ሰዊት ዕድሜኡ ንኸሰርናዮ ህቡብ ዜጋ ድምጻዊ ኣብርሃም ኣፈወርቂ ንደጋግማ!!!!

          

               ንላዘብ ዶ ኣሎና ንመኻኸር

          

                ንሰምር ዶ ኣሎና ንትሓናገር

               ኣተሓሳስባና እንትሃብቲሙ

               ወዮ ድኽነትና ሽዑ ኢዩ ኣኽቲሙ!!!!

 

   ኣይተላዘብናን፡፡

 ምኽንያቱ እቲ እንኮ መላዘቢ ለባማትና ዝነበረ ባይቶና ብሓያላት ተበቲኑ፡፡ ኣበ-ይኮይና ክንላዘብ፡። እተን ንህዝበን ትምህርቲ ዝህባ ልሳን ህዝቢ ዝነበራ ብሕታውያን ጋዜጣታት ተዓጽየን፡፡ ኣዳለውተን ገሊኦም ኣብ ዘይፍለጥዎ ሸላታት ተቐዚፎም፡፡ ገሊኦም ኣብቲ ሸላ ይማስኑ ኣለው፡። ገለ ውሑዳት ድማ ዕድል ረኺቦም ኣምሊጦምስ ኣብ ዓዲ ጓና ኣብ ስደት ኮይኖም ይንከራተቱ ኣለው፡። ስለዚ ብጥርኑፍ ንምልዛብ ንኸይንኽእል ካባና ንላዕሊ ጎሪሖም እቲ መላዘቢ ሜዳ ኣጽቢቦሞ፡፡ ነዚ ፈንጢስና ንምዕዋቱ  እምብኣር ብርቱዕ ጻዕሪ ይሓትት፡፡

 

 ኣይሰመርናን ኣይተሓናገርናን

 

  ብወገን ዓሌት ሃይማኖት በታቲኖምና፡፡ ድሑር ሕብረተ-ሰብኣዊ ሕማማት ኣታኣታቲዎም ከምዘይንተኣማመን ሰሪሖም ንጊዜኡ ተዓዊተምሉ ኣለው፡፡ስለዝኾነ ኣብክንዲ እሂን ምሂን ተባሃሂልና ኣብ ድሕነት ሃገርን ህዝብን ነተኩር እዚ ከምዚ ኢዩ ኣቲ ከምቲ ኢዩ ኣብ ዝብል ዘይጠቅም ሓሸውየ ተሸሚምና ክንዋናጀልን ክንተሃላለኽን ንርከብ ኣሎና፡፡ካብዚ ማዕዳ መንእሰይ ዜጋ ክንምሃር ናይ ዘሎናዮ እዋን ብድሆ ኢዩ፡፡

 

ኣተሓሳስባና ኣይሃብተመን።።

 

 ሓሳብ ወዲ ሰብ ዝህብትምን ዝምዕብልን ብትምህርቲ ኢዩ ብስራሕ ኢዩ፡፡ ኣብ ኤርትራ እዚታት የልቦን፡ ስለዚ ከመይ ጌሩ ኣተሓሳስባና ክምዕብልን ክህብትምን፡፡ እታ እንኮ ዝርካባ ዩኒቨርስቲ ሃገርና እውን ተበታቲና፡። ዝርካቦም ሙሁራትና ኣብ ስደት ፋሕ ኢሎም ይነብሩ ኣለው፡።

 ኣብ ሃገርና ክንርእዮ ንንደልዮ ለውጢ ትምህርቲ ወሳኒ ሙዃኑ ርዱእ ኢዩ፡፡ እዚ እውን መንግስቲ ጥራይ ክፍጽሞ ኣይንጽበዮን፡ ካብቲ መንግስቲ ንደልዮ ምትሕብባር ጥራይ ኢዩ ኔሩ። ነገሩ ግን ኣንጻር ኮይኑ ምኽልካልን ምእጋድን፡፡ ወለዲ ደቆም ብጽቡቕ ትምህርትን ስነምግባርን ኮስኩሶም ከዕብዩ ይግብኦም ኢዩ ይፈልጥዎ እውን ኢዮም፡፡ ዘዝዓበዩ ደቆም ተመንጢሎም ንሳዋን ኣገልግሎትን ኣገልግሎት ብዘይገደብን ስለ ዝኾኖም ግን ወላድ መኻን ኮይኖም ኣለው ስለዚስ ኣተሓሳስባና ደኽዩ እምበር ኣብርሃምየ፡።

 

 ሓደ ናይ ``በይኑ ኣተሓሳስባ ዘማዕበለ`` ናይ ጥዕናን ጽቡቕ ኣተሓሳስባን ጸገም ዘለዎ ሰብ ኣብ ስልጣን ኩድጭኢሉ

 

 -- ሒዶት ካሎሪ ዘለዎ ብልዑ

  -- መንደቕ በሪኹ ረቒቑ ሓጺሩ ነዊሑ

--- ውሕጅ ከይንህር ``Speed breaker`` መዝሓሊ ስርሕሉ ዝብል መሃንድስ

---ብዛዕባ  ምቅይያር ኩነታት ኣየር ዓለም ዝትርኽ ሜትሮሎጂስት

 ----ብዛዕባ ብከላ ከባቢ ዝፈልጥ ሊቅ

 -----ብዛዕባ ሆሪከንን ማዕበልን ዝዛረብ ፈላጥ

-------ብዛዕባ ሰዓል ሓሰማ ዝፈላሰፍ ዶክተር

---- ምምሕዳሩ ካብተን ዝማዕበላ ሃገራት ይበልጽ ኢሉ ዝጀሃር

------     ህዝቢ ሓንቂቑ እንዳበለ ብዛዕባ ብሑቕን ማይ ብሑቅን ዝምድር

 ውጹእ ``ፕረሲደንት`` ስለ ዘሎና እቶም ዜጋታት ምምሃር ዘድልየና ኣይመስልን እንተደለናዮ እውን በየናይ ዕድልና፡።

 

 እቲ ድኽነት ኣየኽተመን መሊሱ ድኣ ወሲኹ፡፡

 

ከይሰራሕካ ኣይህብተምንዩ፡። ንኽትሰርሕ ከኣ ዕድል ስራሕ ክህሉ ኣለዎ፡፡ ስራሕ ኣይኮነን ተሳኢኑ፡፡ ንምስራሕ ኢዩ ተኸልኪሉ፡፡ እምበር ከም ኤርትራዊ ዝበለ ሓርኮትክት በሃሊ ከም ኤርትራ ዝበለ ንስራሕ ምቹእ ዝኾነ ሃገር ህዝቢ ክጠሚ ዘሕዝን ኢዩ፡፡ ጨውካን ዓሳኻን ባናናኻን በለስካን ሒዝካ ምስ ክልተ ክራማትካ ብዛዕባ ጥሜት ክትዛረብ ፈጺሙ ዘይምተገብኤ ኢዩ፡። ግን ከምኡ ኢዩ ዘሎ፡፡ ስለ ዝኾነ ናብቲ ዝዳሎ ፈስቲቫላት ከድና ክንስዕስዕ ዲና? ዶስ ገለ ተማሂርና ኣሎና? እዞም ኣብ ዲሲ ክደኽሙ ዝቐነዩ ንበይኖም ዝተበደልዎ ስለ ዘለዎም ድዩ? ዶስ ስለ ዝተብዑ?ነዚ ገምጊምና ነዚ መርዛም ፈስቲቫላት ክንኩንኖን ክንቃወሞን ሃገርናን ህዝብናን ከነድሕንን እዋኑ ዝጠልቦ ጸዋዒት ኢዩሞ ንዳሎ፡፡

 

 

ዓወት ንህዝባዊ ቃልሲ ዝኽሪ ንሰማእታትና፡፡

 

 ዓ.ብርሃነ፡፡

 


DISCLAIMER:  The author/s  contributed  for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents


 

Contact Us at:   webmaster@nharnet.com