|
||
|
|
||
|
ኣብ መበል 18 መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ብምብዓል አብኡ ዝተዋህበ ቃል ጨንፈር ሽማግለ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ዕዱማት ኣጋይሽና። ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኣባላት ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን። ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኣባላት ሲቪካውያን ማሕበራት።
መጀመሪያ ነዚ ሎሚ መዓልቲ ብስም ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ዝብዕል ዘሎ ኩቡር በዓል መዓልቲ ናጽነት ንምብዓል ካብ ሩሑቕን ቀረባን መጺእኩም ንእተርእይዎ ዘለኹም ዑዙዝ ተሳትፎ፡ ብስም ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ሽማግለ ጨንፈር ሃገር ጀርመን እንኳዕ ብደሓን መጻእኩም እንዳበለት ዝኸበረ ሰላምታኣ ተቕርበልኩም።
ዝኸበርካ ኩቡር ህዝቢ ኤርትራ። ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኣባላት ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን። ዝኸበርኩም ኣባላት ሲቪካውያን ማሕበራት።
እቲ ብ1961 ዝተጀመረ ብረታዊ ተጋድሎኻ ክሳብ 24 ግንቦት 1991 ዝተኻየደ ቃልሲ 30 ዓመታት ምዃኑ እዩ። አብዘን ን30 ዓመታት ዝተኻየደ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ዕጥቃውን ቃልስኻ፡ ብዙሕ ምውዳቕን ምትሳእን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ናይ አሽሓት ህይወት ህዝብን ተጋደልትን ዝተኸፍሎ ምዃኑ፡ ናይ ዝሓለፈን ህልውን ጅግንነትካ ናይ መጻኢ ነባሪ ታሪኽካ ኰይኑ ንዘልኣለም ዝነብር እዩ። ብሳላ መላእ ህዝቢ ኤርትራን ተቓለስቲ ደቍን ን30 ዓመታት መሪር መስዋእትን ጅግንነትን ብ24 ጉንበት 1991 ንባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ስዒርካዮ። ነቲ ንዕኡ ተኪኡ ዝመጸ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ድማ ብንጽህናን ብርሕው ልብን ተቐቢልካዮ።
መላእ ህዝቢ ኤርትራን ተቓለስቲ ደቍን፡ ንሓጎስኩም መግለጺ ስኢንኩምሉ ምንባርኩም ዝዝከር እዩ። እንተኾነ ግን ብሰንኪቲ ብቝል ካብ ዝብል ብትምክሕትን ጽበትን ዝተላዕጠጠ፡ ነታ ብምስሊ ገጹን ብምስሊ ባህርያቱን ጌሩ ዝሰርሓ ውድብ ህዝባዊ ግንባር መሪሑ ዝኣተወ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ አብ ሓደ ወርሒ ዘይመልእ ግዜ ንህዝቢ አብ ንግስቲ ሳብ ስታድዮም አኪቡ አብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንሓጐስ ህዝቢ ናብ ሓዘን ዝልውጥ። ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ደጊም ብናይ ውድባት ሓሸውየ ከይትዛረብን፡ እንተተዛረብካ ድማ ከም ዓቢ ገበን ተቖጺሩ ከቢድ ስጉምቲ ክውሰደካ እዩ፡ ክብለካ ክትዝክሮ ናይ ትማሊ ታሪኽ እዩ።
ብዛዕባቶም ካብ ህዝባዊ ግንባር ወጻኢ አብ ካልእ ውድባት መሲሉዎም ዝተቓለሱ ህዝቢ ኤርትራን ህዝባዊ ግንባርን ምሕረት ጌርልኩም አሎ፡ ኣብ ዳግመ ህንጻ ሃገርኩም ክትሳተፉ በለ። አስዒቡ ድማ፡ እንተ ነቶም ብኣመራርሓ ዝግለጹ ህዝቢ ኤርትራን ህዝባዊ ግንባርን ኢዶም ነዊሕዩ፡ ክትሓሳሰቦምዩ፡ ክብል መደረ። ካብዚ ንመብጽዓ ህዝቢ ኤርትራን ተቓለስቲ ደቍን ዝጠለመ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ዝወጸ ቃል፡ ህዝቢ ኤርትራ ምስ መላእ ደቁ ተሓቛቚፉን ተሳንዩን ናይ ምንባር ዝነበሮ ባህግታት ከም ሕልሚ ከም ዝበንን ከም ዝገበረ ብኡ ንብኡ ተረዲእካዮ ኢኻ። እንተኾነ ግን ዋላኳ ነዚ ታሪኻዊ ተጋድሎኻን ክቡር መስዋእትነትካን ዝኽሕድ ቃላት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ስማዕ እምበር፡ ንዝተረፈካ ዛዛሚ ፖለቲካዊ ዕማም ጉዳይ ረፈረንዱም ንኸተሰላስል ንተንኮላት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ አብ ውሽጢ ከብድኻ ብምሓዝ ብ 98.8% ዑዉት ረፈረንዱም አካይድካ። ሽግ ዓወት ናጽነትካ ብሕጋዊ መንገዲ አብ ዓለም አረጋጊጽካን፡ ተፈላጥነት ልኡላዊት ሃገርካ የዕቍብካን። አብ ታሪኽ ድማ ሓደ ዓቢ ምዕራፍ ዛዚምካ።
ብድሕሪ ረፈረንዱም፡ አብ ሃገርካ ንዝተረፈካ መሰረታዊ ዕማም፡ ብቐንዱ ሃገርካ እትምርሓሉ ናይ ኩሎም ተቓወምቲ ውድባትን፡ መራሕቲ ሃይማኖትን፡ ብካብ ኩለን ምምሕዳራት ኤርትራ፡ ብካብ ህዝቢ ዓበይቲ ለባማት አቦታትን፡ ንኣገደስቲ ውልቀ ሰባትን ሙሁራትን ኤርትራውያን ዘሳተፈ ዲሞክራሲያዊ ቅዋም ክትነድፍሞ፡ ብመሰረት ቅዋም ዝህሉ ሕጋውነት ዝለበሰን፡ ንህላውነት ብዝሔ-ሰልፍታት ዘረጋግጽ ንሰብኣውን ዲሞክርሲያውን መሰልካ ዝሕሉ፡ ንእምነታትካን ባህልታትካን ንጠቕላላ ክብርታትካ ዘዔቍብ፡ ስልጣን አብ ኢድ ህዝቢ ወዲቝ፡ ንመራሕትኻ አብ ስልጣን ከተደይብን ካብ ስልጣን ከተውርድን ዝመሰረቱ ህዝባዊ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ክትተክልን፡ ጻማ ክቡር መስዋእትነትካን መስዋእቲ ደቅኻን ክትሓፍስ ንዝነበረካ ትጽቢታት ደጊሙ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ አበርዓኖ። ናይዚ ርኡይ ጥልመት ድሕሪቲ ዕዉት ረፈረንዱም ምክያድካ ስልጣን ናብቲ ዋንኡ ዝኾንካ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ዘይምርካቡ ክሕደት ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ብኢደ ወነኑ ፕረሲደንት ሃገር ኤርትራ ምስያሙ እዩ።
ድሕሪዚ ኩነታት ውድብ ህዝባዊ ግንባር ናብ ህግደፍ ዝብል ፍጹም ዲክታቶርነትን ምልክን ብምስግጋር፡ ብሩኡይ ንሙሉእ ፖለቲካውን ጸጥታውን መሓውራቱ ዘደልድለሉ ስጉምትታት ክወስድ ኰኖ። ንሳቶም ድማ ቅዋም አብ ዘይብላ ሃገር መሬት ሓፋሽ ህዝብና ዘመተ። ንዝርካቡ ሃገራዊ ቍጠባዊ ምንጭታት ማእቶትና አብ ትሕቲ ፍጹም ምቁጽጻር ህግደፍ የእተወ። ንይምሰል ንሀገራውያን ናይ ንግዲ ፍቓድ ንዝሓቱ ዓደለ። ብተግባር ድማ ንነጋዶ ዝርምስን ንገንዘቦም ዘባኽንን፡ ናይ ህግደፍን ናይ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ዝኾነ ናይ ንግዲ ትካል 09 አቝሙ፡ ንኹሉ ብተራ ነጋዶ ክስራሕ ዝግባእ ድማ ባዕሉ በሓቶ። በዚ መሰረት ድማ ነጋዶን ሰብ ንግዲ ፍቓድን ኤርትራውያንን ናብ ዓይኒ ዘሎዎ ሬሳ ቀየሮም። ከምኡውን መሬት ህዝቢ መንዚዑ፡ ንኣብ ወጻኢ ዘለዉ ኤርትራውያን ሰብ ገንዘብ፡ ሰብ ዶላር እንዳሰልዔ ሸጠ። ብመንገዱ ዝሰርሖ ብናይ ኮርያን ብሰገን ኰንስትራክሽን ዝግለጽ ኣባይትን ብዘይ ፍትሓዊ ዋጋን ሕጋውነትን ብዘይብሉ ናይ ዋንነት መረጋገጺ ንህዝቢ ሸጠ። መሬት እንዳተሰልዔ ንሰብ ዶላራት ዝተሸጠውን፡ ንዝገዝእዎ መሬት ኣባይቲ ንምስርሑውን፡ ብናቕፋ ክሰርሑ ከምዘይክእሉን፡ ዶላር ከምጽኡ ተጽዕኖታት ብምፍጣር ንናቱ ገንዘብ ንናቕፋ ተሐሰመ። እዚ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ናህሪ ዋጋ ማተርያል ከቢሩ ብምባል፡ ምስ ኩነታት ህዝብና ዘይቃዶ ዋጋታት ሰማይ ዓሪጉ፡ ንኣብ ውሽጥን ወጻእን ዘሎ ህዝብና ንቝጠባዊ ትሕዝቶኡ ብመንገዲ ሕሱምን ጨካንን ሜላታት ኣማሰኖን ዘረፎን። እዞም ብኽንደይ ሓሳረ መከራ በረድን፡ ቁርን፡ ፋብሪካታትን፡ ሽቓቓትን፡ ናይ እንዳማቶም ኣገልገልቲ ብምዃን ዘጠራቐሙወን ገንዘብ፡ ከምኡውን ድሕሪቲ ዘይፍትሓዊ ዋጋታት እንዳወሰኸ ዝተጻወቶ ጉጉይ ስጉምቲ ብዙሓት ኤርትራውያን ካብተን አብ ስደት ዝነብሩለን ሃገራት ኰነ ካብ ውሽጢ ኤርትራ፡ ካብ ባንክ ህግደፍ ብሰንኪ ምልቅሖም አብ ዘይወጽእዎ ዕዳ ተሸሚሞም ናብ አደዳ ሕማምን ስቓይን ዝተሳጥሑ ምህላዎም ርኡይ ሓቂ እዩ። ከምቲ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ዝበሎ ግደፍዎም ገዛውቲ የስርሑ አይምለሱዎን ኢዮም ሬሳኦም ጥራሕዩ ዝምለስ ምስ ዝብል ዘይዉርዙይ ቃላቱ ዘሳኒ፡ ብተግባር ብሰንኪዚ ሕሱምን ጨካንን ተግባራት አብ ልዕሊ ኤርራውያን ዜጋታት ዝተወስደን ዝውሰድን ዘሎን አረሜናዊ ስጉምቲ ስርዓት ህግደፍን ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ህዝብና ናብ ሐደጋ ተሳጢሑ ይርከብ።
ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ። ዝኽበርኩም አባላት ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ።
ሎሚ መዓልቲ ብስም በዓል መዓልቲ ናጽነት ንመበል 18 ዓመታትካ ተብዕል ኣሎኻ። ግንከ አብ ከመይ ዝአመሰለ ኩነታት ተብዕሎ ከም ዘሎኻ እቲ ዝሓለፍካዮን ተሕልፎ ዘሎኻን ናይ 18 ዓመታት ኩነታትካ ብ ክልተ መንገዲ ክትዝክሮም ግድነትዩ። ቀዳማይ ነታ ን 30 ዓመታት ሕሱም መስዋእትነትን ስንክልናን ቍጠባዊ ብርሰትን ስደትን ምብትታንን ስድራ ቤታት ተጻዊርካ ብ24 ጉንበት ብ1991 ንመግዛእቲ ስዒርካ ናጽነትካ ዘረጋገጽካ፡ ዋጋ ኩቡር ህይወትካን ህይወት ደቅኻን መዓልቲ ኰይና። ይኹን እምበር ዛጊት ጎበታትን፡ ሜዳታትን፡ ስንጭሮታትን፡ ባሕርን፡ መሬታዊ ልኡላውነት ጥራሕ አረጋጊጽካ አሎኻ። በዚ አንጻር ልኡላውነት ሃገር ምህላውካ ብሓጐስ ከተኽብራ ታሪኻዊ ግድነትዩ ዝኾነካ። በቲ ካልእ መዳያት ድማ አብታ ን30 ዓመታት ዝደመኻላን ዝተሰዋእካላን ልኡላዊት ሃገርካ፡ ጠቕላላ ህዝቢ ኤርትራን ተቓለስቲ ደቁን፡ ሰብኣውን ዲሞክራሲያውን መሰላትኩም ተረጊጹን ፍትሒ ጐዲሉን፡ ቍጠባዊ ምንጭታት ሃገርካ ተመንዚዑን፡ ኩሎም ክብርታትካ ተዳሂኾም፡ ብቅዋምን ሕግን አብ ዘይብላን ዘይኣምንን ስርዓት ህግደፍን ውልቀ መላኺ ኢሳያስን፡ አብ ፍጹም ምድቈስቲ አተኻ፡ ፍርድን ፍትሕን ስኢንካ፡ ነብስኻን ደቅኻን አብ ሕሱምን፡ አብ ብርሃን ዘይብሉ ጐጋጉዲ ተዳጕንካ፡ አብ ትሳቐየሉ ዘሎኻ እዋን፡ ንመዓልቲ ናጽነት ከነኽብራ እንከሎና ሓዘንን ጓህን ናይ ስቓይ በሰላን ስምብራትን አብ ኣካላትና እንዳሃለወና እዩ። ይኹን እምበር ኣንታ ፍቱንን ጅግናን ዝኾንካን ህዝቢ ኤርትራን ተቓለስቲ ደቁን መግዛእቲ ካብ ደገ ይምጻእ ካብ ውሽጢ ንዓኻ ሓድሽ ተርእዮ አይኮነን። ስለ ዝኾነ ድማ ንስርዓት ህግደፍን ንውልቀ መላኺ ኢሳያስን ብተባዕን ቆራጽን ጽንዓትካን ጽንዓት ተቓለስቲ ደቅኻን፡ ሓንሳእን ንሓዋሩን ነበረያ ነበረ ከም እትገብሮ ግዜኡ ርሑቕ አይኮነን።
ካብ ሰብ ጽሩራታት ወጻኢ ዝኾንካ ምክልኻል ሰራዊ ኤርትራ፡ ህዝብኻ ብሰንኪ አብ ላዕሊ ተዘርዚሩ ዘሎ በሓትን ገባትን ዝኾነ ስጉምቲ ስርዓት ህግደፍን ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ንሃገርኩም አብ ክትህሉን ዘይክትህሉን ዘጠራጥር አብ ቀራና መንገዲ አብጺሑዋ አሎ። ናይዚ ቀንዲ ጠንቅን ሓደጋን ድማ፡ ብጀካቲ አብ ውሽጢ ህዝቢ ኤርትራ ዝገብሮ ዘሎ አረሜናዊ ተግባራት ጥርሕ ዘይኮነስ፡ እኩብ ድምር ናይቲ ምስ ኩለን ጐረባብቲ ሀገራት ዝወልዖ ጻሕታሪ ኵናት፡ ንሃገርና ኤርትራ ኣነጺሉ፡ አብ ከበባን ሓጹርን አብ መውጽእን መእተውን ዘይብሉ ቤት ማእሰርቲ የእቲዩዋ ይርከብ። ስለዚ እዩ ድማ፡ ንህዝብኻ ካብዚ ቤት ማእሰርቲ ንምልቃቕ ብረትካ አንጻርዚ ፍጹም ዲክታቶሪያዊ ስርዓት ህግደፍን ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ከተቕንዕን፡ አብ ምትካል ህዝባዊ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት አብ ሃገርካ ዕዙዝ ተራኻ ክትጻወትን ግድነት ዝኾነካ።
ናይዚ ፍጹም ዲክታቶሪያዊ ስርዓት ህግደፍን ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ሰዓብቲ ዝኾንኩም አባላት ህግደፍ፡ ብፍላይ ድማ ደቂ አንስትዮ፡ አብ ኤርትራ ሃገርኩም ሰላምን ቅሳነትን ማሕበራዊ ፍትሕን ተሳኢኑ፡ ህዝብኹም ይሳቐ ምህላዉ እንዳተመላለስኩም እትርእዩዋ ዘለኹም ሓቂ እዩ። ካብ ንስርዓት ህግደፍን ንውልቀ መላኺ ኢሳይስን ምግልጋል ከብቅዕን አብ ጐድኒቲ ዋና ሃገር ዝኾነ ህዝብኹም ንምግልጋል ምርጫኹም ክኸውን ይግባእ። ሎሚ ህዝቢ ኤርትራን ተቓወምቲ ውድባትን፡ ካብ ቀደሞም አብ ሃገርና ኤርትራ ህዝባዊ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ንምትካልዩ ዕላማኦም። አብ ጐድኒዚ ቅኑዕ ህዝባዊ ዕላማ ክኸውን ምርጫኹም ድማ ጻዊዒትና ንቕርበልኩም። ንመላእ ህዝብና ብጽልእን ብቕርሕንትን ሕድሕዱ ንኽባላዕ ንዘባላሸወ ስርዓት ህግደፍን ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ንምብዳህን ብኣንጻሩ ድማ፡ ከም ሐደ ህዝቢ ምዃና መጠን፡ ንናይ ህዝብና ረብሓ መሰረት ዘንጽፍ ዓሚቕ ልቦናን ሓላፍነታዊ ዝኾነ ናይ ምርድዳእ መንፈስን ብምውናን፡ ሕድሕድና ተሓቛቒፍናን ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝናን፡ ኣብ ሀገርና ኤርትራ፡ ፍትሒ ዘንግስ ህዝባዊ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ንምትካል ብንቕሓት ንቃለስ።
አብ ዝኾነ ፖለቲካዊ ውደባን ሲቪካውያን ማሕበራትን ዘየሎኻ ኤርትራዊ ኩሉ ግዜ ኣብ ጉዳይ ሀገርካን ስቓይ ህዝብኻን ብማዕዶ ክትርኢን ክትሰምዕን ዝገበረካ ኩነታት አብ ብዙሕ አጋጣሚታት ዝስማዕን፡ ተቓወምቲ ውድባት ሐደ እንተዝኾና ምተቓለስና ዝብል መንገዲ በለጽ ምሓዝ ንቓልሲ ህዝብና ዘይሓጋዚ እዩ። ስለ ዝኾነ ድማ፡ ሐድነት ተቓወምቲ ክረግገጽ ዝኽእል ብማዕዶ ምርኣይን ምዕዛብን ዘረጋግጾ ኣይኮነን። እንተደኣ ሐደ አብ ምግባሮም፡ ዋላታ ንእሽቶ ተራኻ ንቓልሲ እንተተጸንበረታ እዩ ዝረጋገጽ። ካብዚ ሓሊፉ፡ ከምቲ እንዳ ሰምዔ ዝደቀሰ ሓርማዝዩ ዝኸውን። ስለዚ ኢና ድማ አብ ጐድኒዚ ውጹዕ ህዝብኻን ተቓወምቲ ውድባቱን ዕዙዝ ተራኻ ምስ ተረጋግጽዩ ቃልሲ ህዝቢ ብዓወት ዝወጽእ።
ኣብ ስርዓት ህግደፍን ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ግዳይ ዝኾንኩም መንእሰያት ዋርሳይ ነበር ኩሉ ሕሰምን መከራን ሓሊፍኩም፡ ህይወትኩም አብ እተድሕኑሉ ሀገራት በጺሕኩም አሎኹም። አብ ትሕቲቲ ዝነበርኩሞ ሕሱም ስርዓት ህግደፍን ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ዝሓደግኩሞ ህዝብን መንእሰያት ብጾትኩምን ብምዝካር አንጻርቲ ንዕድላቶም ዘጸልመተ ስርዓት ህግደፍን ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ንምምካት ብትብዓት አብ ጐድኒዚ ዝኸይድ ዘሎ ዲሞክራሲያዊ ቃልሲ ተራኹም ክትጻወቱ ብክብሪ ጻዊዒትና ነቕርበልኩም።
ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስውኣትና ንዘልኣለም ይኹን
ዓወትን ጽንዓትን ንተባዕ ህዝብናን ተቓለስቲ ደቁን ንዘልኣለም ይንበር
ዘልኣለማዊ ስዕረትን ውድቐትን ንስርዓት ህግደፍን ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ግድነትዩ
ሽማግለ ጨንፈር ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን አብ ሃገር ጀርመን |
||
|
DISCLAIMER: The author/s contributed for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents
Contact Us at: webmaster@nharnet.com |
||
|
|