|
||
|
|
||
|
“ ኣነ እንተሞትኩ ገንዘበይ ክገዝኣኩም’ዩ ” ! ቃል ንጉስ ሃይለስላሰ
ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ኣብ ዝተፈላልየ ኣጋጣሚታት፡ ብዛዕባ መለኽቲ ስርዓት ዝብልዎ ዘረባ ብምውድዳር፡ ናይ ግዜ ፍልልይን፡ ደረጃ ምዕባል ሕብረተ ሰብ ዓለም ዝርከበሉ ዘሎ መዋእል ብዘየገድስ፡ ኣብ ዝተፈለየ መድረኽ ሓደ ዓይነት ትርጉም ዘለ ኮይኑ ትረኽቦ። እዚ ማለት ከኣ ምልካዊ ስርዓት ዝጥቀመሉ ፍልስፍና ሓደ ምዃኑ ጥራሕ’ዩ።
ሎሚ በዚ ኣጋጣሚ ከም’ቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ፡ ናይ’ዚ ተምሳል ዝተባህለ ቅድሚ 34 ዓመት ኣቢሉ ብሃጸይ ሃይለ ስላሴ ዝተዘርበ ናይ ስልጣን ምክልኻል ቃል፡ ምስ’ዚ ሎሚ ኣብ 2008 ብፕ.ኢ.ኣ ዝተዘርበ ብምንጽጻር፡ ኣብ ህዝብና ክህሉ ዘለዎ ናይ ምሕዳስ፡ ምቕያር ሰላም ናይ ምፍጣር፡ መሰል ናይ ምኽባር ኣተሓሳስባ ንምድህሳስ ደጊመ ነዚ ጽሑፍ የቕርቦ ኣለኹ።
እዚ ካብ ብዕድሜኦም፡ ብደረጃ ትምህርቶም፡ ብድረጃ ሕብረ ምጣነ ሃብታዊ ቅርጻ ዓለምን ደረጃ ምዕባል ዓመት ኣብ ኣስታት 40 ዓመት ፍልልይ ዘለዎ ዝተዘርበ ግን ከኣ ሓቀኛ ቢሂል ዝተመርኮሰ ኮይኑ፡ ነቲ ደምበ ተቃውሞ ዘልዕሎ ዘሎ ሕቶ ርትዓዊ ምዃኑ ዘብርህን እዩ።
ኢትዮጵያ ብጥሜትን፡ ብክብሪ ዕዳጋ፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ናይ ብልሽውና ተርእዮ ገኒኑ ኣብ ዝተራእየሉ ግዜ፡ መማህራን ተማሃሮ፡ ሰራሕተኛታት፡ ወታሃደራትን ንመሰሎም ክሕቱን ክጣበቑን፡ ካብኡ ሓሊፎም ኣበየ ጎደናታት ዓበይቲ ከተማታት ብሰላማዊ ሰልፊ ንመንግስቲ ጥርዓን ከቕርቡ ፈቲኖም። ንሕቶታቶም መልሲ ግን ማህረምትን ጥይትን ሞትን ምስ ኮነ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ናዕቢ ተላዕሉ።
እቲ ናዕቢ ብተማሃሮን ሰራሕተኛታት ገለ ኣብ ወታሃደር ዝነበረ ሃይሊ ዝተሓወሶ ኮይኑ፡ ነቲ ሕቶ ንቅድሚት ክደፍእን ገገለ ለውጢ ከምጽእ ምስ ጀመረ፡ እቲ ኣብ ውሽጢ እቲ ስርዓት ዝጸንሐ ወታሃደራዊ ሓይሊ መሕለፊ መንገዲ ረኺቡ ነቲ ሕቶ ህዝቢ ባዕሉ ሒዙ ክሳብ ንሃጸይ ሃይለስላሴ ካብ ስልጣኖም ከውርዶም ዝኽእል ደረጃ በጽሐ።
ንጉስ ድሕሪ ክንደይ ዝርርብ ተኻይዱ ብዘይድሌቶም ብፍቶት ስልጣኖም ንህዝቢ ክገድፉ ኣይመረጹን፡ ብኣንጻሩ ብዓመጽ ካብ ስልጣኖም ይወርዱ ከም ዘለዉ ገለጹ። እቲ ጉዳይ ከኣ መምለሲ ዘይብሉ ኮይኑ ምስ ረኣይዎ፡ በሉ ደሓን ንዓይ ብሓይሊ ካብ ንግስነተይ ኣውሪድኩምኒ ኣለኹም፡ ኣነ ግን ብገንዘበይ ክገዝኣኩም’የ በሉ።
እዚ እንታይ ማለት’ዩ፡ እቲ ናይ ስልጣን ዕድመ ገደብ ዘይብሉ፡ ኣብ ልዕሊ ሓደ ህዝቢ ክሳብ ዘይተወሰነ ግዜ፡ መሰል ህዝቢ ዓፊንካ ናይ ምንባር፡ ካብ ፖለቲካዊ ስልጣን ዝሓለፈ፡ ናይ ግላዊ ኣተሓሳስባ ሰብ ከም ሰብ’ውን ብዛዕባ ኣብ ስልጣን ዘለዎ ኣረኣእያ፡ ሰብ ከም ሰብ ኣብ ስልጣን ዘለዎ ክህልዎ ዝኽእል ዝምድናታት፡ ምስ ከባቢኡን ህዝቡን ዝተነጻጸለ ምዃኑ፡ መዕርፎ ናይ’ቲ ዝውሕዝ ሕቶታት ህዝቢ ምስ’ቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ዘይሰማምዕን ዘይሳንን ኮይኑ ናይ’ቲ ህሉው ኩነታት ሓቀኛ መግለጺ ዝረሓቐ፡ ናይ ምልኪ ምልኪ ኣዘራርባን ኣተሓሳስባን’ዩ። እዚ ማለት ከኣከም’ቲ ኣበው ዝምስልዎ “ ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆል” እዩ።
ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፈውርቂ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ፡ ምስ’ዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ብሂል ብገንዘብ ዘይኮነስ፡ ናይ’ቲ ምልካዊ ኣሰራርሕኡን ኣተሓሕዝኡን፡ ምሕደራኡን፡ ከም’ቲ ንጉስ ሃይለስላሴ ዝበልዎ ብገንዘብ ዘይኮነስ፡ ብናይ ግዜ ገደብ’ዩ።
ብዕለት 22 ግንቦት 2008 ኣብ መደብ ቲቪ ኣልጀዚራ ብቋንቋ እንግሊዘኛ ዝተዘርግሐ ቃል መሕተት ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፈውርቂ፡ ካብ’ቲ ብዙሕ ሕቶታት ብዛዕባ ሰልፋዊ ምርጫ ምስ ተሓተተ ኣብ ኤርትራ ን10 ወይ ዕስራ ዓመት ክብል ምስ ጀመረ፡ እቲ ጋዜጠኛ ሰምቢዱ ነቲ ዝሰምዖ ዘሎ ሓቂ ድዩ ኣይኮነን ከረጋግጽ ደጊሙ 10 20 ዓመት ክብል ብምግራም ሓተት። ፕ.ኢ.ኣ ደጊሙ 30 ወይ 40 ዓመት ክብል መለሰ።
ንሱ ጥራሕ መዓስ ኮይኑ፡ ምናልባሽ’ውን ኣብ ኤርትራ ምርጫ ዝበሃል ኣይክህሉን ይኸውን ክብል መለሰ።
ዝገርም’ዩ። ፍልስፍና ህ.ግ.ዲ.ፍ ድሕሪ 30, 40 ዓመት ምናልባሽ’ውን ድሕሪኡ ክሰርሕ’ዩ ምባል፡ ልክዕ ከም’ቲ ንጉስ ሃይለስላሴ ዝበልዎ፡ ንሕና እንተዘይ ገዛእናኩም ወይ እንተዘይ ኣመሓደርናኩም ኣብ ኤርትራ ን30,40 ዓመት ዲሞክራሲ ኣይክህሉን’ዩ ይብሉ ኣለዉ። ናይ’ዚ ብእዝናን ዝሰማዕናዮ ብዓይንና ዝረኣናዮ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ትምክሕተኛታት ተደጋገፍቲ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ መሰኻክር ናይ’ዚ ታሪኻዊ ፖለቲካዊ ተርኽቦ ምዃኑ ክሃድምሉ ኣብ ዘይክእሉ በጺሖምሉ ዘለዉ’ዩ።
ጉዳይ ሃጸይ ሃይለ ስላሴን፡ ፕ.ኢ.ኣ ብዓይኒ ፖለቲካዊ ሓቕነ ሞጎትን፡ ከዛርብ ዝኽእል ኣይኮነን። ሓደ ግን ዘመሳስል ኣለዎ፡ ምናልባሽ ንባህ ኣይበልኩም ዝተዘርበ ክኸውን ይኽእል። እሞ ሓደ ንልዕሊ 40 ዓመት ዝመርሐ ባእታ ሃጸይ ይኹኑ ፕ.ኢ.ኣ ንባህ ኣይበል ዘዛርብ ጉዳይ እንታይ ስለ ዘለዎም’ዩ። እወ ጉዳይ ዘይረዊ ናይ ስልጣን ጽምኣት ጥራሕ’ዩ።
እዚ ፕ.ኢ.ኣ ዝበሎ፡ ንተቃወምቲ ባህ ከየብል ዝተዛረቦ ጥራሕ ኢልካ ዝዕጾ ምዕራፍ ኣይኮነን። ድምር እቶም ደድሕሪ ህ.ግ.ዲ.ፍ ዘብዘብ ክብሉ ዝጸንሑ’ውን፡ ነቲ ድሕሪ ዶባዊ ጉዳይ ቅዋም ክእወጅ’ዩ ዶ፡ ሰልፋዊ ምርጫ ዲሞክራሲያዊ መስርሕ ክካየድ’ዩ ዝብልዎ ዝነበሩ፡ ኣርባዕተ ነጥቢ ተገይሩ ዝተዓጽወ ጉዳይ ኮይንዎም ኣሎ።
እዚ ብፍላይ ንደግፍቲ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ክንደይ’ኳ ሓሲቦም ከይመራመርሉ’ምበር፡ ዓብይ መጽፋዕቲ፡ ክልተ ግዜ ክዛረቡ ከም ዝገበሮም ዘረጋግጽ ግብረ መስሊ’ዩ። እሞ ሃየ እቲ ሕሰም ኣብ ኤርትራ ክቅጽል ምዃኑ ጥራሕ’ዩ ተዘሪቡን በሪሁን ዘሎ።
ካብ’ዚ ካልእ ክዝረበሉ ዘለዎ ጉዳይ ኣሎ። ኣብ ኤርትራ ንልዕሊ 30 ወይ 40 ዓመት ዲሞክራሲያዊ መስርሕ፡ ሰልፋዊ ምርጫ ከይትግበር ዝገትእ እንተዘይተባህለ፡ ብርግጽ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጸገማት ንምእላይ ግን ዝገትእ ጸገማት ከም ዘሎ ርጉጽ’ዩ።
ብሰንኪ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍን ምሕደራኡን ዝዘርኦ ዘሎ ኣሻዅ፡ ኣብ ባህላዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ምሕደራውን፡ ትሕዝቶ መሬት፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝመጽእ ምሕደራ ብቀሊል ዝስገር ከም ዘይኮነ ህዝቢ ክፈልጥ ይግባእ።
እቲ ምትእትታው ዲሞክራሲዊ ስርዓትን ሰልፋዊ ምርጫ፡ ከም ውሁብ ወሲድና ክንዛረበሉ ንኽእል’ኳ እንተዀነ፡ ከም’ቲ ክጠቕሶ ዝጸናሕኩ፡ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ክበጽሖ ዘለዎ ዕላማ፡ ክጥቀመሉ ዘለዎ ፖለቲካዊ መሳርሒታ፡ ምስ ህዝቡ ተሻሪኹ ህድእ ቢሉ ክሰርሓሉን ክሓስበሉን ዘለዎ ጉዳይ’ዩ። ስለ’ዚ ነቲ ቃል መሕተት በቲ ሓደ ሸነኽ ናይ ምርኣዩን ምትንታኑ ተደላይነት ዘለዎ’ዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ለውጢ ናይ ምድላዩ፡ ኣብ ኣገባብ ኣካይድኡ ብውሑሉ መንገዲ ንምፍትሑ፡ ኩሉ ሓባርዊ ረብሓ ዘለዎ ኣብ ምዕቃብ ሃገራዊ ረብሓ ብሉዑል ሓላፍነት፡ ብልዑል ተሳታፍነት፡ ክኸዶ ዘለዎ፡ ናይ እንካን ሃባን ግሉጽነት ዘለዎ ኣሰራርሓ ጥራሕ ከም ዘዋእ ምፍላጥ፡ ነቲ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ መራሕቱን ጋሪድዎ ዘሎ ገደብ ግዜ ክሰብሮ ምዃኑ ዘይከሓድ ሓቂ’ዩ።
ሰልፍምን ፍትሕን ንህዝቢ ኤርትራ ክንዕወት’ና
28 ሚያዝያ 2008 ኣንቶንዮ ተስፋይ |
||
|
DISCLAIMER: The author/s contributed for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents
Contact Us at: webmaster@nharnet.com |
||
|
|