Nharnet Articles/Opinions

     

   

መብርሂ ብኣቦ መንበር ኣኼባ መሪሕነታት 13 ውድባት ንመረጻ ኣቦ መንበራት

ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን ማእከላይ መሪሕነትን ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን

 

ፖለቲካዊ ጕዳያት ብሓባራዊ ስምምዕ ክውሰኑ ኣለዎም ዝብል ውሳኔ ጕባኤ ኣብ ግብሪ ንምውዓል፡ ኣቦ መንበር ማእከላይ መሪሕነትን ኣቦ መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን ንምምራጽ፡ ኣቦ መንበራትን ወይ ኣቦ መንበራት ዝወከልዎም መራሕቲ (ኣቦ መንበር እንተዘይሃልዩ) 13 ውድባት ኤርትራ ተኣኪቦም። ናይ ምሕጻይ መስርሕ ምስ ጀመረ፡ ሑሴን ኸሊፋ፡ ኣቦ መንበር ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኢዱ ኣልዒሉ ስለዝነበረ ዕድል  ተዋህቦ። ሑሴን፡ ውድቡ ኣብ ማእከላይ መሪሕነት ይኹን ኣብ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ዘቕርቦ ሕጹይ ከምዘይብሉን፤ ከምኡ ውን፡ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ሕጹይ ክቐርብ ከምዘይቕበልን ገሊጹ። ርእይቶኡ ንኽቕይር ብማለት ንነዊሕ ግዜ ምይይጥ ቀጸለ። ከምኡ ውን፡ ማእክላይ ፍታሕ ተባሂሎም ዝተኣመነሎም ዝተፈላለዩ ርእይቶታት ውን ቀረቡ። ሓደ ካብ’ቶም ማእከላይ ፍታሓት፡ ተሓኤ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣቦ መንበር ናይ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኰይኑ ስለዝጸንሐ፡ ሕጂ ኣቦ መንበር ናይ ማእከላይ መሪሕነት ክኸውን፤ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ድማ፡ ቦታ ኣቦ መንበር ናይ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ክሕዝ ዝብል ነበረ።

 

ኣቦ መንበር ተሓኤ ንተቓውሞኡ ክስሕብ ዝተገብረ ጻዕርታት ኣብ ዕጽው መንገዲ ምስ በጽሐ፡ ከም ኣቦ መንበር ናይ’ቲ ኣኼባ መጠን፡ ናይ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ሕጹይ ብሓባራዊ ስምምዕ ክምረጽ ከምዘይክእል ብምግንዛብ፡ ንወልደሱስ ዓማር ሕጽዩ ክስሕብ ሓተትክዎ። ወልደሱስ ግን፡ ውድቡ ካብ ምምራጽ ንኽእገድ ዝገበሮ ዘቕጽዕ ገበን ስለዘይብሉ፡ ነቲ ናይ ሕጹዩ ምስሓብ ጠለብ ከምዘይቅበሎ ገለጸ። እንተዀነ ግን፡ ወልደሱስ፡ ስኒትን ሓድነት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ስለዘገደሶን፤ ሓድሽ ምግምማዕ ከይፍጠር ብምሕላይን፤ ናይ ውድቡ ሕጹይ ክስሕብ ከምዘይኰነ እናኣረጋገጸ፡ እቶም 12 መራሕቲ ውድባት ዝሰማምዕሉ ሕጹይ እንተተረኺቡ ግን፡ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ውን ክቕበሎ ምዃኑ ገለጸ። በዚ ድማ፡ ነቲ ሽግር ኣብ ምፍታሕ ዓቢ ሓገዝ ኣበርከተ።

 

እቲ ምይይጥ ነዊሕ ግዜ እኳ እንተወሰደ፡ ህዱእን ዕላማ ዘለዎን ኢዩ ነይሩ። ስለዝዀነ ድማ፡ ናይ ሕጹያት ምቕራብ መስርሕ ጀሚሩ፡ እዞም ዝስዕቡ ሕጹያት ከኣ ቀሪቦም።

 

  1. ሸኽ ኸሊል መሓመድ ዓምር

  2. ተወልደ ገብረስላሰ

  3. ኣድሓኖም ገብረማርያም

  4. ዓብደላ ማሕሙድ

  5. በሺር እስሓቕ

  6. ኣኑር ኢድሪስ

 

ብዘይካ ተወልደ ገብረስላሰ ካልኦት ሓደ ድሕሪ’ቲ ሓደ ስለዝሰሓቡ፡ ተወልደ ኣቦ መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኰይኑ ተመርጸ። ብድሕር’ዚ ድማ፡ ንኣቦ መንበር ማእከላይ መሪሕነት፡ ዓብደላ ማሕሙድን ዓሊ ሱሌማንን ከም ሕጹያት ቀሪቦም። ዓብደላ ማሕሙድ፡ ናይ ኵሎም ደገፍ ስለዝረኸበ፡ ኣቦ መንበር ናይ’ቲ ሓድሽ ማእከላይ መሪሕነት ክኸውን ተመሪጹ።

 

ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ንምርጫ ናይ’ተን ካልኦት ውድባት ክቕበል ስለዝወሰነ ኢዩ

እቲ ኣብ ምምራጽ ኣቦ መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ተጋሂዱ ዝነበረ ቅልውላው ክፍታሕ ዝተኻእለ። ስለ’ዚ፡ ንተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ናይ መጐስ ድምጺ ከነመዝግበሉ ይግባእ እብል።

 

መሓመድ ኑር ኣሕመድ

 

ኣቦ መንበር ኣኼባ መሪሕነታት 13 ውድባት ንመረጻ ኣቦ መንበራት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን ማእከላይ መሪሕነትን

9 ግንቦት 2008


DISCLAIMER:  The author/s  contributed  for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents


 

Contact Us at:   webmaster@nharnet.com