ኩሉ ኤርትራዊ ምስዝመስልዎ ተጠርኒፉ ነዚዘሎ ስርዓት ክጸርግ ናይ ስውኣት ደም ይጽውዕ

 

ብፍስሃዬ ዘርኣይ

 

   ስመይ ፍስሃየ ዘርኣይ እዩ። ኣብ ዓዲ ናህባይ ስራየ ተወሊደ። ኣነ ካብቶም ብሰንኪ ቃልሲ ኤረትራ ሽግር ዘሕለፉ ስድራቤት እየ ተወሊደ። ኣቦይ ኣነን ኣሕዋተይ ሕጻናት እንከሎና ዝረኽቦ ዝነበረ ገንዘብን ስልጣንን ጠንጢኑ እዩ ንሜዳ ተሰሊፉ። ኣደይን ንሕና ደቁን ኣብ ሽግር ከምንወድቕ እንዳፈለጠ ናይ ስድራይ ጸገም ካብ ናይ ሓፋሽ ኤረትራዊ ጸገም ዝፍለ ኣይኮነን፣ ህዝቢ ኤረትራ ክሓልፈሉ እንተኾይኑ ኤረትራ ንጻ ክትወጽእ ኣለዋ። ነጻነት ክኣ ትቓሊስካ እያ ትርከብ ካብ ዝብል ዕላማ ተበጊሱ ምስ ኤረትራውያን ኣሕዋቱን ኮይኑ ንጸላኢ ካብ ኤረትራ ክስጉግ ኣቦይ ሜዳ ዝወጸ። ኣቦይ መቶኣለቃ እዩ ኔሩ። መዓርግን ክብረትን ኔርዎ ግን ህዝቢ ኤረትራ እንዳተገፍዐ ተጸሚሙ ከሕልፎ ስለዘይፈቐደ እዩ ንሓለፋታቱን ስድራቤቱ ገዲፉ ተሰሊፉ።

  ኣቦይ ኣብ ሜዳ ጅግና ከምዝነበረ ኩሎም ዝፈልጥዎ ብጾቱ በብሓደ ገሊጾምለይ እዮም። ንመንእስያት ተጋደልቲ እንዳመርሐ መራሒ ሓይሊ ኮይኑ ንጸላኢ ብትብዓት እንዳተዋግአ ክኣ ተሰዊኡ። ኣቦይ ኣብቲ ዝኣምነሉ ዕላማ ምስውኡ ኩሩዕ እየ። ኣጆኹም በልዎም ነዞም ፈራሓት ደርጊ እንዳበሎም ብጥይት ጸላኢ ኣብ ግንባሩ ተወቒዑ ከምዝወደቐ ምስ ኣቦይ አብ ግንባር ሽመጃና ዝነበሩ ሓቢሮምኒ።    ንኣቦይ ክዝክርዎ እንከለዉ ብኣድንቖት ምኽዋኑ ኣነ ሕቡን እየ። ዝረኸበኒ ተጋዳላይ ነቦይ ዝፈልጦ፡ ወዲ ሞታለቃ ዘርኣይ ኢኻ?  ዓሕ! ኣቦኻ እወ ጅግና ኔሩ ዝብል እምበር ክሳብ ሎሚ ከምወዲሰብ እዚ ጌጋ ኔርዎ ዝብለኒ ሓደ እኳ ኣይረኸብኩን። ስለዚ ክኣ ወዲ ጅግና ስውእ ምዃነይ ድርብ ሓጎስ ኣሎኒ። እዚ ኮይኑ ግን ኣቦይን ካልኦት ኣሽሓት ኤረትርውያንን ዝወደቕሉ ዕላማ መሊኡ ዘይምዕዋቱ የሕዝነኒ። ኤረትራ ነጻ ምስኮነት ኣብነት ንፍሪቃውያን ክትከውን፣ መሃሪት ናይ ሕግን ፍትሕን፡ ሓጋዚት ንጭቁናት ኣብ ዓለም ውን ክትከውን ዝነበረ እምነት ናይ በዓል ኣቦይ፡ ኤረትራ ኣብነት ክትከውንሲ ይትረፍ ንህዝባ ካብ ጸላኢ ንላዕሊ ዝኣስር፣ ዝቐትል፣ ዝጭቁን፣ ዘዋርድ መንግስቲ ምርካባ ብዓል ኣቦይ እንቋዕ ኣይረአይዎ ነዚ የብለኒ።

   ስውአት ድሕሪ ነጻነት ህዝብና እንደገና ክስደድ እዩ።

ድሕሪ ነጻነትሲ ኤረትራውያን ክግፈፉን ገለ ክሃድሙን።

ድሕሪ ነጻነት ኤርትራዊ ኣብቲ ኣቦታትና ብጣልያን ዝእሰርሉ ዝቕጥቀጥሉን ዝነበሩ ናኹራ ክእሰር እሞኽኣ ኣብ ቤትፍርዲ ውን ዘይቀርበሉ።

ድሕሪ ነጻነትሲ ዓሰርተ ዩኒቨርስቲ ክንዲ ዝስራሕ እታ ሓንቲ ዝነበረት ክትዕጾ

ድሕሪ ነጻነት መንእሰያት ኣብ ሃገሮም ምንባር ስኢኖም ኣብ ፈቐዶ ሃገራት ብፖሊስ ክህደኑን ገሊኦም ኣብ ባሕሪ ጠሊቖም ክመቱ እዮም።

ኣደታት ኣቦታት ውድኹም ወይ ጓልኩም ካባና ህዲሞም ብምባል 50 ሺሕ ናቕፋ ክፈሉ ክባሃሉን እንተዘይብሎም ክእሰሩን እዮም ዝብል ግምት ከምዘይነበሮም ርግጸኛ እየ። ሐደሓደ ግዜ ኣቦይሲ ነዚ ድዩ ተሰዊኡ? ኢለ ውን ይሓስብ እየ። ኣብ ግዜ ሃይለስላስ ኮነ ደርጊ ካብዚ ንላዕሊ ግፍዕታት ኣብ ሊዕሊ ህዝቡ ስለዝፍጸም ዝነበረ ድዩ ድአ ኣቦይ ሜዳ ወጺኡ? ኢለውን ንነብሰይ ይሓታ እየ።

   ብልክዕ ግን አቦይን እዞም ኣሽሓት ኤረትራውያንን ዝተሰውእሉ ዕላማ ቀዳማይ ንናጽነት ኤረትራ ኮይኑ ጸላኢ ካብ ሃገርና ምስተባረረ ግን ስልጣን ናይ ህዝቢ ክኸውን፣ቅዋም ክህልወና፣ ቅዋም ብዘፍቅዶ ክአ ህዝቢ ክማሓደር፣ ህዝቢ ኤረትራ ካብ ሕማምን ድንቁርናን ክላቐቕ፣ ህዝቢ ኤረትራ መራሕቱ ባዕሉ ክመርጽ፣ ናይ ምዝራብ መሰሉ፣ ናይ ምቅዋም መሰሉ፣ ናይምጽሓፍ መሰሉ ሕሉው ክኸውን ምዃኑ ርግጸኛ እየ።

  እምባኣር በዓል አቦይ ዝተሰውኡሉ ዕላማ ብህግደፍ ካብ ተሰርቀ፣ እቲዝሓሰብዎ ብግልባጡ ካብ ኮነ፣ ኣነ ዓቕመ ኣዳም ስለዝበጻሕኩ ዕላማ ናይ አቦይን ካልኦት ኣሽሓት ስውኣትን ክቕጽሎ መሪጸ ኣለኹ። ኩሉ ሕልና ዘለዎ ኤረትራዊ ሃገሩ እንዳጸነተት ተዓዛቢ ኮይኑ ክርኢ የብሉን።  ነዚ መሽሚሹ ዘሎ ስርዓት ፎእ! ክብሎ ይግባእ። ብንቕሓት ዘይተጠርነፈ ስለዘይዕወት ኣነ ንሰውራዊ ባይቶ ውድቡ ኣፍርሱ ምስ ሓፋሽ ኮይኑ ሰልፊ ክምስርት ምውሳኑ እንዳ አድንቕኩ፡ አባሉ ኮይነ እጃመይ ከበርክት ተቢሰ ኣለኹ። እንታይ ይገብሩ ኣለዉ ዘይኮነስ ኣነ እንታይ ይገብር ኣለኹ በል። እዛ ዓዲ ኣሽሓት ስውኣት ሃገርና፣ ውሑዳት ምእንቲጠቕሞም ሕልንኦም ዝሸጡ ጀነራላት ክላገጹላ፡ ባዕሎም ኣብ ስልጣን ደይቦም ሸሸ ክብሉላ፡ ህዝቢ ክኣ ክብኦም ክሃድም ሱቕ ኢልካ ምርኣይ ገበን እዩ። ኸላእ! እዞም ተቓወምቲ ኣይጠቕሙን እዮም እንዳበልካ ምዝራብ ፋይዳ የብሉን። ኩሉ ኤረትራዊ ኣብ ዝመስሎ ተጠርኒፉ እንተዝቃለስ ቀደም ለውጢ ምረኣና። ነዚ ንምስርቶ ዘለና ሰልፊ ትኸታተልዎ ክትዓግቡ ምዃንኩም ኣይጠራጠርን።

 

            ፍስሃየ ዘርኣይ ቶሮንቶ ካናዳ  

Contact Us at:   webmaster@nharnet.com