ወኪል ንሓርነት.ኮም አብ ካናዳ ምስ ሓደሽቲ አባላት ናይዚ ብኣባላት ሰውራዊ ባይቶን ካብ ሰውራዊ ባይቶ ወጻኢን ዝምስረት ዘሎ ሰልፊ ቃለመሕተት አካይዱ ዝለኣኸልና ክትከታተሉ ንዕድም።

 

   ሑሴን ሸኽ ኣልአሚን ይባሃል ወዲ ሰምሃር እዩ ኣብ ከባቢ ባጽዕ እምበረሚ ተወሊዱ። ካብ ቀዳማይ ክሳብ 6ይ ኣብ ቤት ትምህርቲ መደበር ኣስመራ ተማሂሩ። ትምህርተይ ኣቋሪጸ ቅድም ንሱዳን ደሓር ንስዑድያ ተሰዲደ ይብል ሑሴን።

 

   ሌላኻ ምስ ቃልሲ ኤረትራ ከመይ እዩ ንዝብል ሕቶ ክምልስ እንከሎ፡ ኣብ ከባቢ ባጽዕ ዝነብር ህዝቢ ብፍላይ ክአ ህዝቢ ሕርጊጎን ኢምበረሚን ቀጥታ ምትእስሳሩ ምስ ህዝባዊ ሓይልታት ደሓር ክአ ህዝባዊ ግንባር ስለ ዝነበረ ኣነ ካብ ብቆልዓይ ነዚ እንዳሰማዕኩ እየ ዓብየ። አነ ዝሰምዖ ዝነበርኩ ዝና ናይ ተጋደልቲ ዑስማን ሳልሕ ሳበ ኢሳያስን እዩ። ብዛዕባ ካልኦት ሱዳን  ሊብያ ምስ ከድኩ እየ ዝያዳ ክፈልጥ ዝከአልኩ። እዚ ኮይኑ ውን ርክክባተይ ምስ ህዝባዊ ግንባር እየ ቀጺለ። ኣብ ስዑድያ ኣትየ ቤት ጽሕፈት ህባዊ ሓይልታት እስኮላርሺፕ ረኺቦም ንኽማሃር ንልብያ ሰዲዶምኒ።

 

   ኣብ ሊብያ እንዳተማሃርኩ ግን ዘይሓሰብኩዎ ነገር ኣጋጢሙኒ። 46 ኤረትራውያን ናይ አመሪካ ሰለይቲ ኢኹም ኢሎም አሲረሙና። ዘስካሕክሕ መርምራን ቤትማእሰርትን አሕሊፈዮ። ብሓገዝ ተጋዳላይ ዑመር ብሩጅ ተፈቲሕና። ብድሕሪ እዚ ናብ ዓዲ ጣልያን ከይደ። አብኡ ምትሕብባረይ ምስ ህዝባዊ ግንባር ቀጺለዮ። ኣብ ካናዳ ምስ መጻኹ ግን ዋላ እኳ ስሚዒተይ ምስ ህዝባዊ ግንባር ይኹን እምበር ኣጋባቦም ደስ ኣይበለንን። ነጻነት ተረኺቡ፡ ፍትሒ፡ ሕጊ፡ ቅዋም፡ ዲሞክራሲ ዘይምእዋጆም ደስ አይበለንን። ጸኒሑ ዝትረኽበ ውግእ ውን ኣይደገፍኩዎን ብግሁድ ክኣ ተቓውሞይ ከስምዕን ንተቓወምቲ ክድግፍን ጀሚረ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝገልጽክዎ ኣዕሩኽተይ ዋላቤተሰበይ ናይ ህዝባዊ ግንባር ስለዝነበሩ ክቃውሙኒ ጀሚሮም። ውድብ ህዝባዊ ግንባር አብ ሜዳ ብዙሕ ዓወታት ዘመዝገበ ውድብ ሃገር ከማሓድር ምስ ጀመረ ግን ፈጺሙ ዘይሓሰብኩዎ እዩ ኮይኑ። ሃገር ብዘይ ሕጊ ብዘይ ቅዋም ንዓመታት ከማሓድርዋ ምፍታኖም ንዓይ ዓቢ ሕቶ ኣንቢሩለይ። ይሓይሽ እንተበልካዮ ክአ ዝገደደ ኮይኑ።

 

   ኤረትራ ሎሚ ብኹሉ ዝኸሰረትን ብፍላይ ብምግሃስ ሰብአዊ መሰል እታ ዝኸፍአት ሃገር ተባሂላ ክትጽዋዕ ሕልና ንዘለዋ ዘደቅስ ኣይኮነንን። መንእሰይ ካብ ሃገሩ ሃጽ ኢሉ እንዳጠፍአ ዘይግድሶ መንግስቲ እንታይ ክባሃል ይካኣል? እዚ ውሑድ ህዝቢ ኤረትራ ኣብዚ መዋእል እዚ ዝብላዕ ስኢኑ ክሽገር ቅቡል ኣይኮነን። እንተለካ ንህዝብኻ ትዕንግል እንተዘይብልካ ካብ ዓለም ረድኤት ክትሓትት ኩለን ድኻታት ሃገራት ዝገብርኦ እዩ። እዚ አብ ኤረትራ ዝገዝእ ዘሎ ስርዓት ግን ንጃህርኡ ክብል ንረድኤት ከልኪሉ ንህዝቡ ዘሳቒ ዘሎ ስርዓት እዩ። ንኣዕሩኽተይ ኮነ ቤተሰበይ ንእዚ ስርዓት እዚ ዝድግፍ መጥፍኢ ሃገር እምበር ሓላይ ሃገር አ ይኮነን ክብሎም እየተገዲደ። አነስ ግደፍዎ ንስኹም ምድጋፍኩም ዝገርም እዩ ክብአሎም ኪኢለ። ከምቲ ንኻልኦት ትቓወምቲ ወያነ እባ ገለ እባ ዝብልዎም ንዓይ ውን ከየጠምቑኒ ኣይተረፉን።

 

   እሞ እንታይ ይገበር? ንዝብል ሕቶ ሑሴን ከምዚ ይብል፤ ዝተብዝህለ ይባሃል እንኮ ምርጫ ምቅላስ እዩ። ኩሉ ኤረትራዊ ንሃገሩን ንህዝቡን እንተድአ ዝሓሊ ኮይኑ ነዚ መንግስቲ ህግደፍ ክኹንኖ ኣለዎ። ካብዚ ተበጊሰ እጃመይ ከበርክት ተላዒለ። ከምቲ ዝበልኩኻ ብውልቀይ ብዘይስሩዕ ምንገዲ ክቃወም ካብ ዝጅምር ነዊሕ ኮይኑ እዩ። ተቓወምቲ ኣብ ዝመደብዎ ናይ ተቓውሞ መድረኽ ውን ይካፈል ኔረ እየ። ንበይንኻ ስለዘይተድምዕ ክኣ ምስ ሰውራዊ ባይቶ ተሰሪዐ ክቃለስ ወሲነ። ሕጂ ክኣ ነዚ ሰልፊ ወይ ፓርቲ ዝምስረት ዘሎ ምስ ሰማዕኩ ምስ ሰውራዊ ባይቶ ኮንካ ምቅላስ ዝብል ዝነበረ መደበይ አደልዲልዎ።

 

ብዙሓት ውድባት ኣለዋ ንምንታይ ድአ ሰውራዊ ባይቶ መሪጽካ?

   ኣነ ሓሲበ ርእየ ኣጽኒዔ ዝመረጽኩዎ እዩ። ሰለስተ ነገራት ንኣብነት ክገልጸልካ

  1. ውድብ ሰውራዊ ባይቶ ብብሄር ምጻእ ብሃይማኖት ምጻእ ብኣውራጃ ንኹሉ መልክዓትን ባህልታትን ህዝቢ ኤረትራ ዝሓቖፈ ምዃኑ እዚ ክአ ካብ ላዕሊ እቲ መሪሕነት  ጀሚርካ ክሳብ ታሕቲ መሰረታት እዩ።

 

  1. መሪሕነት ሰውራዊ ባይቶ ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ከምኡ ውን ቲሕቲ 30 ዝዕድሚኦም መንእሰያት ዘለውዎ ብዓበይቲ ካድራት ዝተመልአ ምዃኑ

 

  1. ውድቡ ሰሪዙ ምስ ካልኦት ምስኡ ዝመሳሰሉ ውድባትን ውልቀሰባት ሰልፊ ክምስርት ምውሳኑን ናይ ሓባር ዕላማ ዘለና ውድባት ኣብ ክንዲ ክልተ ሰለስተ ንኸውን ሓደ ንኹን ኢሉ ምንቕስቃሱን። እዝን ካልን እዩ እቲ መምረጽየይ።

 

እሞ እዚ ሰልፊ ምምስራትሲ ይሰልጥዶ ትብሎ?

 

ይሰልጥን ፈረቓን እምበር። ኣብ ሰውራዊ ባይቶ ዘይነበሩ ካብ ምሉእ ዓለም ደሓን ዝኾነ ቁጽሪ ይሳተፉ ምህላዎም ኣብ ኢንተርነትዶ ተንብቦ የለኻን ኢኻ? ኣብታ ናይ ሰልፊ ምስረታ ኮሚሽን ዶክቶር ገረመስቀል መምህር አብ አስመራ ዩኒቨርስቲ ዝነበረ 2. ዶክቶር ኣኽሊሉ ግርማይ ካብ ጀርመን 3. ወይዘሮ ፍረወይኒ ገብረጻድቕ አብ አመሪካ ዝተማህረት ሕጂ አብ ኤሮጳ ትነብር 4.ኣቶ ላይነ ካሕሳይ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት አባል ሳግም ዘነበረ ሕጂ ንህዝቡ ነጻ ከውጽእ ኣባል እዛ ኮምሽን ኮይኑ ዓቢ ግደ ዝጻወት ዘሎ 5. መንእሰይ ዳንኤል ኣሽመላሽ ኣባል መሪሕነት ማሕበር ተማህሮ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኮይኑ ምስ መራሕቲ ህግደፍ ብኹነታት ተማሃሮ ዝዛተ ዝነበረ 6. መምህር ባይሩ ስዩም አቦ ወንበር ኢሪፎርም ቶሮንቶ ቅድም ክብል ኣባል ህዝባዊ ግንባር አብ ምምስራት ኢራ ዓቢ ተራ ዝነበሮ። እዚኦምን ካልኦት ስመሞም ዘየጽናዕኩዎን። ከምኡ ክኣ ምስኦም እቶም ዓበይቲ ካድራት ሰውራዊ ባይቶ ዘለውዎ እኮ እዩ ዝምስረት ዘሎ። እቲ ምስረታ ክውን ኮይኑስ ዳርጋ መብዛሕቲኡ ስራሓት ትሰላሲሉ ናብ ጉባኤ ንቀራረበሉ ዘለና መድረኽ ኢኻ ትሓተኒ ዘለኻ።


Contact Us at:   webmaster@nharnet.com