ብኣባላት ሰውራዊ ባይቶን ካብ ሰውራዊ ባይቶ ወጻኢ ዝነበሩ ተቓወምቲ ውልቀሰባት ይኹን ውድባት ወይ ጉጅለታት ዝምስረት ዘሎ ሰልፊ አብ ካናዳ ዓቢ ተቐባልነት ረኺቡ።

    ወኪልና ንሓርነት .ኮም ክምዝገለጾ ብዙሓት ናይዚ ዝምስረት ዘሎ ሓድሽ ሰልፊ አባላት ኮይኖም ክቃለሱ ከምዝወሰኑን ካልኦት ውን ብኣተክሮ ንከታተሎ አሎና ዝብልመልሲ ከምዝረኸበን እዩ። እቲ ቀንዲ ዕላማ ናይ ውድብካ ኣፍሪስካ ምስ ህዝብኻ ኮንካ ሰልፊ ምምስራት ዝብል ኣገዳሲ ውሳኔ ሰውራዊ ባይቶ ንመነሰያት፤ንደቂ ኣንስትዮ፡ ምሁራትን አገደስቲ ውልቀሰባትን አብ ቃልሲ ክጽንበሩ ንምግባር ዝዓለመ እዩ ኔሩ። ብልክዕ ክኣ ነዚ ዘንጻባርቕ መነሰያት ደቂ ኣንስትዮ ካልኦትን ድልውነቶም ነዚ ሰልፊ ከረጋግጹ ጀሚሮም ኣለዉ።ንሎሚ ምስ ኣርባዕተ ናይዚ ዝምስረት ሓደሽቲ ኣባላት ዝገበርናዮ ዝርርብ እነሆ

 

 

                 1.ጅምዕ ዓብደላ ዓሊ ሸኽ እዩ።

  ጅምዕ ኣብ ከረን እዩ ተወሊዱ። ትምህርቱ ቀዳማይ ደረጃ ኣብ ከረን ካልኣይ ደረጃ አብ ከረንን ኣብ ኣስመራን ጨሪሹ። ጅምዕ ብንእሽትኡ እንከሎ እዩ ንቓልሲ ህዝቢ ኤረትራ ተላልይዎ። ብ1967 ተማሃራይ እንከለኹ ኣብ ተ.ሓ.ኤ ተሰሪዔ ይብል ጅምዕ።ካብእቶም ሽዑ ኣብ ሓደ ጉጅለ ዝነበሩ ብጾቱ ብዓል ተስፋይ ተኽለ ኣማሓዳሪ ከባቢ ሓጋዝ ዘሎ፡ ዶክቶር ዓንዶም ዑቕባማርያም፡ ዮውሃንስ ፍቓዱ ነፋሪት ዝጨወ፡ ክፍለየሱስ ኣብርሃ አብ አዲ አበባ ዝትረሸነ ይርከብዎም።ኩልና 16 ኔርና። ጸላኢ ስለዝፈለጠና ገለ ንሜዳ ወጺኦም ገለሃዲሞም ገሊና ክአ ተታሒዝና። አብ ከቢድ ማእሰርትን መርመራን ኣቶና። ድሕሪ ብርቱዕ ስቓይ ብገመድ ተ አሲርና ብነፋሪት ናይ አየር ወልድ አብ ኢሊባቡር እትዮጵያ ደርበዩና። ናትና ታሪኽ ነዊሕ እዩ ቀስ ኢልና ነዕልሎ ይብል ብጻይ ጅምዕ።ብሕጽር ዝበለ ግን ድሕሪ ክንደይ ዓመት ምሕረት ተገሩልና ክማሃር ውን ዕድል ስለዝረኸብኩ ተምህርተይ ወድኤ ቅድም ኣብ ጂማ ደሓር አብ ላልምባ ከባቢ ከረን መምህር ኮይነ ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ ብ1975 ንሜዳ ወጺኤ። ድሕሪ ወተሃደራዊ ታዕሊም ኣብ ሕብረተሰብኣዊ ተመዲበ ተቓሊሰ። ግዜ ተረኺቡ ብሰፊሑ ክሳብ ነዕልለሉ ብሕጽር ዝበለ ብኹነታት ጥዕናይን እቲ ዘይርጉእ ዝነበረ ኩነታት ተሓ ኤን ሜዳ ገዲፈ ሱዳን ደሓር ስዑድያ ሕጂ ክአ ኣብ ቶሮንቶ ካናዳ ኣለኹ።

  ነዚ ሰፊሕ ህዝቢ ዝመሰረቱ ሰልፊ ብኸመይ ፈሊጥካን ነዚ ሰልፊ እዚ ኣባሉ ኮንካ ክትቃለስ ዝደፋፍአካን ጉዳይ እንተትገልጸልና? ንዝብል ሕቶ ከምዚ ዝስዕብ ይምልሶ

    ብመሰረቱ ቃልሲ ህዝቢ ኤረትራ ንፍትሕን ንማዕርነትን ንደሞክራስን እዩ ኔሩ። ንሱ ክአ ንባዕዳዊ ገዛእቲ ኣውጺእካ አብዝሓ ሰልፊ ዝኣምን ህዝባዊ መንግስቲ ምትካል እዩ። እዚ ግን ህግደፍ ዘይመልክዑ ኣትሒዝዎ ይርከብ። ህዝብና ክአ በዚ ዘይተጸበዮ ስርዓት እዚ ካብ ባዕዳዊ ጸላኢ ንላዕሊ ይሳቐ ምህላዉ ንዓይ ጥራሕ ዘይኮነ ንኹሉ ኤረትራዊ ዘተሓሳስብ ጉዳይ እዩ። ኣብ ህዝብና ከምዚ ዓይነት ጭቆና ድሕሪ ነጻነት ይወርዶ እዩ ኢለ ኣሚነ ወይ ሓሲበ አይፈልጥን። ብፍላይ ክአ ኤረትራዊ ተኣሲሩስ አብ ቤትፍርዲ ዘይቀርበሉ ኩነታት

ተጨዉ አብ ሃገሩ ዝጠፍአሉ ኩነታት ስድራቤቱ ውን አበይ ከምዘሎ ዘይፈልጥሉ ኩነትታት

ተአሲሩ ዘስካሕክሕ ናይ መርመራ ስቓይ ክወርዶ እሞ ካብቶም ባዕሉ መግቢ ሂቡ ማይ አስትዩ መገዲ መሪሑ አብዚ ዘብጽሖም ደቀይ ዝብሎም ምኻኑ ሕልና ንዘለዎ ድቃስ ዝህብ ኣይኮነን። እዚ ክአ ብወረ ዘይኮነስ ባዕለይ ዝፈልጦ እዩ። ንኣብነት ኣብታ ተወሊደ ዝዓበኹላ ከተማ ከረን ኣብ ግዜ ሃይለስላሰ ኮነ ደርጊ አብ ሊዕሊ ህዝቢ ከረንን ከባቢኣን ብዙሕ ግፍዕታት ወሪዱ እዩ። ብዙሓት ንጹሃት ዜጋታት ተረሺኖም እዮም።ሕጂ ክኣ ብምኢቲታት ዝቑጸሩ ዜጋታት ካብ ከረን በዚ በላዒ ሰብ ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ ተዓፊኖም ተወሲዶም አበይ ከምዝኣተዉ ዘይፍለጡ ዓመታት ኣቑጺሮም። ተረሺኖም ውን ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ዝብል ግምት ኣሎ። እዚ ተፈጺሙ ክትሰምዕ እንከለኻ ምጣዕሚ ዝገርም እዩ። ኣነ ብጸላኢ ተኣሲረ ካብ ዓደይ ተባሪረ ግን ኣነ ይሓይሽ ብደብዳቤ ምስ ቤተሰበይ ክራኸብ ዕድል ኔሩኒ። ኣብ መጨረሻ ውን ምሕረት ተገሩለይ። እዚ ጸላኢ ካብ ዝብሎ እዩ። እቲ ንህዝቢ ነጻ ከውጽእ ኢሉ ዝተጋደለ ዓዲ ምስኣተወ ከምዚ ዓይነት ግፍዒ ኣብ ህዝቡ ከውርድ ምስተዓዘብኩ ገሪሙኒ። ወለዲ ደቅኹም ሃዲሞም ተባሂሎም 50 ሺሕ ናቕፋ ክኸፍሉ፡ ዘይብሎም ክኣ ክእሰሩ መን ይሓስቦ። ኣነ ካን ገሪሙኒን ኣተሓሳሲቡንን። ኣሽሓት ብጾተይ ስተሰውኡላ ሃገር እንዳረኣኹ እንዳሰማዕኩ ኣብ ህዝበይ በደል ክፍጸም ድቃስ ከሊኡኒ። ቃልሲ ተወዲኡ ኢለ ሓዳረይ ጥራሕ ክገብር ዝሓሰብኩ ከምዚ ዓይነት ሽግር ካብመጸ ግን ነዚ ሰርዓት እዚ ንምልጋስ ሕጂ ውን ቃልሲ ከምዘድሊ ዓጊበ ከይደቀስካ ምቅላሱ እዩ ዝብል ውሳኔ ወሲደ።

 

  ምስመንን ኣበናይ ውድብ ክቃለስ ግን ንዓይ ዓቢ ሕቶ እዩ ኔሩ። ተጠርኒፍካን ተወዲብካን እንተዘይ ኮይኑ ንበይንኻ ተድምዖ ከምዘይሎ ግን ርግጸኛ እየ ኔረ። ብዛ ዕባ እዚ ክሓስብ ምስ ገለ ውድባት ውን ኣትየ ክፍትን ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ኢንተርነት ሰውራዊ ባይቶ ውድቡ ኣፍሪሱ ምስ ህዝቡ ኮይኑ ዓቢ ሰልፊ ወይ ፓርቲ ይምስርት ምህላዉ ኣንቢበ። ነዚ ዝያዳ ንምርግጋጽ ምስ ብጻይ ትኩእ ተስፋይ ኣባል ሰውራዊ ባይቶ ነዊሕ መዓልታት ዝወሰደ ክትዕን ምርድዳእን ኣካይድና ብልክዕ ክአ ኢድንኢድ ተተሓሒዝና ክንቃለስ ወሲና። ኣብ መጨረሻ ክብሎ ዝደሊ ኣብ ሃገርና ሰላም ራህዋ ፍትሒ ክርከብ እነትኾይኑ ህግደፍ ከልግስ አለዎ። ከልግስ እንተኮይኑ ክኣ ቃልሲ ስለዘድሊ ኣብቃልሲ ክአ ናይ ህዝቢ ተሳትፎ ስለዝጥለብ እዚ ንምስርቶ ዘለና ፓርቲ ናይ ህዝቢ ደገፍ ክረክብ ተስፋ አሎኒ። እዚ መሽሚሹ ዘሎ ስርዓት ክዓኑ ኩሉና እጃምና ክነበርክት ይላቦ።

         ጅምዕ ዓብደላ  ካናዳ


Contact Us at:   webmaster@nharnet.com