|
ምስ
መርየም ኣሕመድ ኣባል ሰውራዊ ባይቶን አባል ናይ ሓድሽ ሰልፍን ዝተገብረ ቃል መሕተት
መርየም ኣሕመድ ጃዕፈር ኣብ
ኣዲስ ኣበባ እትዮጵያ እያ ተወሊዳን ዓብያን። መርየም ኣብ እትዮጵያ ትወለድ እምበር ስድራቤታ ልዑል ናይ ኤረትራ
ስሚዒት ስለዝነብሮም ብዛዕባ ኤረትራን ቃልስን ብንእሽቶኣ እንኮላ ትፈልጦ ከምዝነበረት እያ ገሊጻ።
ምሉእ ናይ ቃልሳ ታሪኽ አብ ዝመጽእ
ግዜ ክነቕርቦ ኢና። ንሎሚ ግን ሌላኣ ምስ እዚ ብኣባላት ሰውራዊ ባይቶን ዘይኣባላት ተቓወምቲ ሕብረትሰብናን ዝቖውም
ዘሎ ሰልፊ ብሕጽር ዝበለ ክትገልጸልና ድልውቲ ብምኳና ብስም ንሓርነት.ኮምን ኮሚሽን ምምስራት ሰልፍን ምስጋና
ነቕርብ።
መርየም ካብ 2004 ዓ.ም ጀሚራ
ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣባል ሰውራዊ ባይቶ ኮይና ነዚ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ብናይ ህዝቢ መንግስቲ ንምልዋጥ
ሕጂ ክአ ነዚ ዝምስረት ዘሎ ሰልፊ ብምሉእ ድሌታ ተቐቢላ ንምዕዋቱ ካብ ዝጽዕሩ ዘለዉ ኣባላት ሓንቲ እያ።
ንሰውራዊ ባይቶ ንምንታይ መሪጽኪ?
ንዝብል ሕቶ መርየም ክትምልስ እንከላ ከምዚ ዝስዕብ ትብል።
ኣነ ኣብ ኢትዮጵያ እንከለኹ ውን
ኤረትራ ነጻ እንተትወጽእ እሞ ኣብ ኤረትራ ብሰላም ክነብር ዝብል ልዑል ድሌት እዩ ኔሩኒ። ናይ ኤረትራ ነጻነት
ምስተረኽበ ክአ ትሓጉሸን ዘሊለን። ንኹሉ ሓሊፍና ቀጥታ እዚ ዝምስረት ሰልፊ ከመይ ትር እይዮ? ዝብል ሕቶ ምስ
ኣቕረብናላ መርየም ክምዚ ዝስዕብ እንዳበለት ብምስትንታንን ሕርቃንን ትምልስ።
ነጻነት ኤረትራ ናይ ኣሽሓት
መንእሰያት ሂወት ዝተኸፍሎ እዩ።ነጻነት ማለት ክኣ ባንድራ ምንብልባል ጌሮም ዝርድእዎ እንትሃልዮም ዓቢ ጌጋ ይፍጽሙ
ክምዘለዉ እዩ ዝርድኣኒ። ብመሰረቱ ህዝብና ዝትቓለሰ ነጻነት ንጎቦታት ንመሬት ወይ ሩባታት ከውህብ አነበረን። ነጻ
ክወጽእ ዘለዎ ህዝቢ እዩ። ህዝቢ ኤረትራ ግን ነጻ ወጺኡ አሎ ዝብል እምነት የብለይን። ብዝያዳ እኳድአ ይግፋዕን
ይጭቆንን ኣሎ። ነዚ አብነት ብዙሕ ምተንተንኩ ግን ከም ርዱእ ክሓፎ እየ ትብል መርየም። እሞኸ እንታይ ይገበር?
መልሱ ንጹርን ፍሉጡን እዩ ንጹር ዕላማ ዘለዎ ውድብ ሒዝካ ምቅላሱ ንጽባሕ ዘይባሃል ጉዳይ እዩ። እቲ ናይ ዝሓለፈ
ኣስማትን ውድባትን ነቲ ዝሓለፈ ቃልሲ እዩ ብዝያዳ ዘገልግል። ሕጂ ክአ ምስ እዚ ዘለናዮ መዋእልን ኩነታትን
ዝሰማማዕ ሰልፊ መስሪትካ ዝያዳ ከምዝዕወት ስለዝኣምን ሰውራዊ ባይቶ ዝብል ስም ሒዝካ ካብ ምጉዓዝ ሓደ ንጹር ዕላማ
ዝውንን ንህዝቢ ዝስሕብ ሰልፊ እሞ ክአ ምስህዝብና ንምስትርቶ ስለዝኸውን ዘሎ ሕጉስትን ድሉውትን እየ ትብል መርየም
ኣሕመድ። እዚ ንኽመውት ዝሳሓግ ዘሎ ስርዓት ብስነፍልጠት ዝተደገፈ ንሕቶታት ናይ ህዝቢ ክምልስ ብቕዓት ዘለዎ ሰልፊ
መስሪትና ምስ ህዝብና ኮና እንተተቓሊስናዮ ዓወት ህዝቢ ኤረትራ ከምዝቀላጠፍ እየ ዝኣምን ብምባል ንዘረብኣ
አስሚራትሉ።
ሰልፊ ምምስራት ምስእዚ ናይ ኩለን
ውድባት ቆይሙ ዘሎ ኪዳን ወይ ጽላል ኣይጋራጮንዶ? ዝብል ሕቶ ምስቀረበላ መርየም እንታይ ትብል ንርኤ፡
ቅድም ምሕዝነት ሕጂ ውን ኪዳን
አብ ምምስራቱ ሰውራዊ ባይቶ ዓቢ ግደ ተጻዊቱ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ውን እተን ዝተቐራረብ መድብ ዕዮ ዘለወን ውድባት
ክስምራ ክምዘለወን እዩ ዝኣምን። ነዚ ውን ምስዝተፈላለያ ውድባት ርክክባት የካይድ ኔሩን ኣሎን። ምስ ሰልፊደሞክራሲ
ኤረትራ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ መቐጸልታ ናቱ እዩ። ምስተን ካልኦት ውድባት ክአ በቲዘራኽበን ናይ ሓባር ኪዳን
ክምስርታ ቀንድ ዕላማ ሰውራዊ ባይቶ እዩ። ሕጂ ውን ሰልፊ ንመስርት እምበር ዝለ ዓለ ተራና ክንጻወት ምዃና
ይኣምን። ኣብ ኪዳን ከምውድ ኣሎና ከምሰልፊ ክአ ንህሉ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤረትራ መስፍስን ሓጎስ ዝመርሖ ሰልፊ
ክንሱ እንድዩ ኣባል ኪዳን ዘሎ። ስለዚ ኣብ ሰውራዊ ባይቶ ምስመጸ ሓራም ዝኾነሉ ኣይረአየንን። |